መልእኽቲ ወጋሕታ- ሃገራዊ ውራይና ኣባናን ኣባናን ጥራሕ ዩ

0
299

ሃገራዊ ውራይና ኣባናን ኣባናን ጥራሕ ዩ

ሽቕለት ኣልቦነት ዝሳዕረረላ ብጀካ ጥፍኣት ልምዓት ዘይረኣየላን ሰላም ርሒቕዋ ኣብ መጻብቦ ናብራ ዝተሸመትን ሃገር ሒዝካ፡ ኣብ ጎዶቦኻ ንዝትኮስ ጥይት ሲግር ምውርዛይ ኩቱር ጽልኢ ዝወለዶ ፖለቲካዊ ጥፍሽና’ምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን፡፡

ህግደፍ ንጉዳዩ ክርኢ እንተዝኽእል ምናልባት ኣብ ጎረባብቲ ዘሎ ህሉዉ ኩነታት ምተሰወጦ ኔሩ፡፡ እቲ ኣብ ጎረባብትና ዝረአ ዘሎ ገልጠምጠም ምጥፋእ ሂወትን ንብረትን ገዲፍካ ዜጋ ንመሰሉ ድላዩ ዝሓትት ምዃኑ የርእየካ፡፡ ሕገመንግስቲ ዘቐመጠሉ መሰል ብምጥቃሙ ዲሞክራሲ ማዕረ ክንደይ ይትግበር ከምዘሎ የብርሃልካ፡፡ ንእሽተይ ዘይምርግጋእ ብምፍጣሩ ከኣ ናብ ዘየድሊ ዕንወት ህዝብን ብርሰት ሃገርን ከይሰግር ብምሕላን’ዉን መራሒ ሃገር ምእንተ ሰላም ኢሉ ካብ ስልጣኑ ክእለ ምርኣይ፡ ህግደፍ ውሽጡ ዝቦኽቦኸ ቅዋማዊ መስርሕ ዘይክተል ብማኬቫሊያዊ ኣተሓሳስባ ተተብቲቡ ህዝቢ የጽንት ሃገር የብርስ፡ መንነት ይድውን ከምዘሎ ከም ጸሓይ ቀትሪ በርሃው ይብለልካ፡፡ እንተኾነ ህግደፍ ውልቃዊ ረብሕኡ ዘቐድም፡ ንውልቃዊ ረብሕኡ ዝጻባእ ምስ ዘጋጥሞ ድማ ብዘይገለ ንሕስያ ናኣርመደ ዝኸይድ ኣብ ጸልማት ዝነብር ጉጅለ’ዩ፡፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ኢሉ ብደም ንጹሃት ዜጋታት ዝጣላዕ ብምዃኑ ከኣ’ዩ ኣውራ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ፡፡

እዚ ጉጅለ’ዚ እምበኣር ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ካብ ሓሳድን ኣጽናትን ኣተሓሳስብኡ ክፍወስ ዘይክእል ብዕግርግርን ጥፍኣት ደቂሰባትን ዕምሪ ስልጣኑ ክልቁም ዝብህግን ቁሉዕ ሽፍታ’ዩ፡፡ እዚ ዘይንርዳእ ኤርትራውያን ኣለና ማለት ዝከኣል ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይ’ሲ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ብዘይትግበሩ መብጽዓታት ዘላደየናን ገበን ኣብ ርእሲ ገበን ናደራረበ ንስቓይናን ምብትታንናን ንሓንቲ ካልኦት’ዉን ትኹን ዓይኑ ሰም ከየበለ ስለዝዓየየን’ዩ፡፡ ናቱ ገዲፉ ናይ እንዳማቱ ከቋምት፡ ከናሹ ፡ ክወራዘን ክህተውትውን ሓርፋፍ ዝምድና ክህልወና ደይ መደይ ኢሉ ሰሪሑ’ዩ፡፡ ንምጽናት ኤርትራውያን ዘይድቅስ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና ድማ ፈቐድኡ ብዋሕዚ ንስደድ ዘለና፡፡

እሞ ድኣ ርብዒ ዘመን ዝተዓዘብናዮ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ካልእ ተወሳኺ ዓመታት ዲና ንጽበ ዘለና? ታሪኽ ሓርበኛታትና ወሪስና ሓርበኛታት ክንከውን እንታይ ይሕርብተና? ህግደፍ ዝድምስሶ ዘሎ ታሪኽ ሓርበኛታትና ንምንታይ ኢና ብሱቕታ ክንሓልፎ? እዚ ብዝኾነ ዓይነት ስነ-ሞጎት ተዓሻሺና ንጎስዮ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ፖለቲካዊ ጥዕና ዘይብሉ ህግደፍ ጥዑይ ምሕደራ ከምጽእ’ዩ ኢልካ ምጽባይ ኣብ ዘይስምዓካ ደብሪ ምምህላል’ዩ፡፡

ስለዚ ድማ ሃገራዊ ውራይና ኣባናን ኣባናን ጥራሕ ምዃኑ ተረዲእና እቲ በብዝጠዓመና ናተወደብና ንገብሮ ዘለና መሰል ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምርግጋጽ ቃልስታት ሓደ ሓይሊ ዕማም ፈጢሩ ንግዜን ኣፈላላይን ከይተጸባጸብና ብኣጋ ከነቃላጥፎ ይግባእ፡፡ እቲ ናይ ህግደፍ ናይ ጥፍኣት መሓውራቶም በጣጢስና ቋንቋ ሰላምን ብልጽግናን ዝዝምር ናይ ባዕልና ህዝባዊ መንግስቲ ብህጹጽ ንተኽለሉ እዋን ሕጂ’ዩ፡፡

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኢዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

24 ለካቲት 2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here