መልእኽቲ ወጋሕታ- ህዝብኻን ሃገርካን ተድሕነሉ እዋን ሕጂ’ዩ፡፡

0
120
ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኢሉ ዘካየዶ መሪር ተጋድሎ፡ እቲ ንዘመናት ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝድዕነኖ ዝነበረ ባርነት ኣልዩ ሰላምን ሩፍታን ረኺቡ ተረባሒ ጸጋታቱ ክኸውን ካብ ዘለዎ ክቱር ባህጊ’ዩ ኔሩ፡፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኪንኡ ከኣ ምስ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ እንካን ሃባን ዝተመስረተ ምዕሩይ ፖለቲካን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን መስሪቱ ብሰላም ንኽነብር’ዩ፡ ሂወቱን ኣካሉን ዘወፈየ፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ጥቕምታት ህዝቢ ዘውሕስ ፍጹም ሰላም ዝነገሳ ኤርትራ ክትህሉ’ኳ ዝግባእ እንተነበረ ’’ምድርስ ጸብሔ ድኣ፡ ሓጎስስ ሞተ ደኣ’’ ከም ወዮ ተባሂሉ ዝተመሰለ ግን ኣብ ጽባሕ ናጽነት’ዩ ባህግታትን ፈንጠዝያን ኤርትራውያን ዝሞተ፡፡

ህግደፍ ብዝብል ሽም ባዕሉ ዘጠመቐ ጉጅለ ሸፋቱ ብህዝቢ ናሽካዕለለ፡ ሃገር ናባደመ ዕምሪ ስልጣኑ ክልቁም ለይትን ቀትርን ብምጽዓት መለለይ ባህሪኡ ህውከትን ዕግርግርን ጌርዎ፡፡

ጸላኢ ዘየለ ጸላእትኻ መጹ፡ ወራሪ ዘየለ ወረሩኻ፡ ናበለ ንልሙስ ልምዓት ናይ ምምጻእ ተኽእልኡ ክኽውል ክብል ኵናትን ወረ ኵናትን ከፊቱ ኣቓልቦ ህዝቢ ምጥምዛዝ ቀንዲ ስርሑ ጌሩ ሒዝዎ፡፡ ከም ውጡኑ ከኣ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ክጓነጽ ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡ ግደ ሓቂ ግን ዘይንሱ ጸላኢ፡ ዘይንሱ ወራሪ ኣይነበረን፡፡ እዚ ድሒሩ ዝተረድኦ ህዝቢ ኤርትራ ነብሲ ናይ ምድሓን ስጉምቲ ናወሰደ ብጃምላ ክስደድ’ዩ ተቐሲቡ፡፡

እምበኣርከስ እዚ ታሪኽ ሕጂ ንነብረሉ ዘለና ታሪኽ ስለዝኾነ ብሻላ ማላ ንሓልፎ ትዕዝብቲ ኣይኮነን፡፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ሰላምን ሩፍታን ዝሰኣንና ህዝቢ ኢና፡፡ ሰላም ዝናፈቐና፡ ባርነት ፍጊዕ ዝበለና ኢና፡፡ እዚ ተረዲኡ ሰላምና ዘውሕስ መንግስቲ ግን የብልናን፡፡ ኣይኮነን’ዶ ሰላምና ከውሕስ፡ ሕጂ’ዉን እቲ ህውከት ናይ ምፍጣር ሕማሙ ደጊስዎ፡ ተኣንጎት ተሸብሸብ ናበለ ሰራዊት ክጉስጉስ ይስማዕ ኣሎ፡፡

ጎረባብትና መዝሙር ሰላም ናዘመራ ምእንተ ህዝቢ ሰላም ከንግሳ ህርድግ ኣብ ዝብላሉ ዘለዋ እዋን ንሱ ግን ሰላም እንተመጽያ መሕነቒተይ’ያ፡ ናይ መወዳእታይ’ያ ዝብል ሕማም ምዕልባጥ ስለዝተጸናወቶ ኣንጻራዊ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ፡፡

ጎረባብትና እሱራት ፖለቲካ ፈቲሐን ኣብ ኢሂን ምሂን ዝተመስረተ ሃገራዊ ሓድነትን ዘተን ነማዕብል ኢለን ዲሞክራሲያዊ ርክበን ከዛይዳ ከለዋ፡ ኣያ ህውከትን ዕግርግርን ግን ዕጭ ሓንፈፍኩ እሱራት ከብዝሕ’ምበር ገበነይ ዘቃልዑ ሓቀኛታት’ሲ ኣይፈትሕን ዝዓይነቱ ኣካይዳ ተኸቲሉ ሕጂ’ዉን ተዳለዉ ወረርቲ ክመጽኹም’ዮም ካብ ምባል ኣይተቖጠበን፡፡

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ሓይልታት ምክልኻል ከኣ ብፍላይ ቅድሚ ሕጂ’ዉን ከምኡ ናበለ’ዩ ኣብ ልዕሌኻ ባርነት ክድዕነን ዝገበረ፡፡ ታሪኽ ተነጊሩካ ዘይኮነስ ባዕልኻ ኣብቲ ጸልማት ታሪኽ ትነብረሉ ዘለኻ ስለዝኾነ ነጋሪ ኣየድልየካን፡፡ ጸላእትኻ ዝተባህሉ ሓብሐብትኻ ኮይኖም’ዮም ጸኒሖም’ሞ ነዚ ሕጂ ዝግበረልካ ዘሎ ዘይውርዙይ ጎስጓስ ዓገብ ኢልካ፡ ኣንጻር እቲ ዘታልለካ ዘሎ ጉጅለ ሸፋቱ ዝኾነ ህግደፍ ክትለዓል ውዓል ሕደር ኣይትበል፡፡ ህዝብኻን ሃገርካን ተድሕነሉ እዋን ሕጂ’ዩ፡፡

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

2 ሰነ 2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here