መልእኽቲ ወጋሕታ- ማእገር ድኽነትን ድሕረትን ንዝኾነ ህግደፍ ነወግድ፡፡

0
199

ማእገር ድኽነትን ድሕረትን ንዝኾነ ህግደፍ ነወግድ፡፡

ዓወት ክሓጽርን ክነውሕን ኣብ ምግባር ግደ ህዝቢ እቲ ኣውራ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ይኹን’ምበር ህዝቢ ወሳኒ ምዃኑ እንተዘንጊዑ ግን ኣነ’የ ዝፈልጠልካ ብዝብል ዝምቡዕ ፖለቲካዊ ምሕደራ ብዝኽተል ሰልፊ ይኹን ጉጅለ ተረጊጹ ክነብር ይግደድ። ስለዚ ክኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክመጽእ ዝግብኦ ዓወት ይናዋሕ’ሞ ንዝኸፍአ መዋእል ናብራ ይቕስበካ።

ኣብ   ኤርትራ ዘሎ ዘይቅርዑይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ህግደፍ’ውን ካብዚ ዝነቐለ’ዩ። ዓገብ ዝብሎ ህዝቢ ብምስኣኑ ንኤርትራ ከም ድላዩ ይዕንድረላን ይሕጭጨላን ኣሎ።

እንተደልዩ ኵናት ይኸፍት፡ እንተደልዩ መሬት ይሸይጥ፡ እንተደልዩ ህዝቢ የጽንት፡ ባህ ክብሎ ሃገራት ዓለም ይጸርፍ፡ እቲ ናይ ክፍኣት ባህሪኡ የዐርዩ ክጸናወቶ ከሎ ድማ ምስ ፈተውቲ ዝበሃሉ ናተጓነጸ ሰላም ክዘርግ ሰም ከየበለ ውዒሉ ይሓድር። ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን እንትርፎ ጸረ ኩለንተናዊ ሰናያት ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝረብሕ ነገር ሰሪሑ ዘብል ሓንቲ’ኳ መለለይ ባህሪ የብሉን።

ትማሊ ምስ ቀጠር ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ክድምና ጎምባሕባሕ ረሲዑ ሕጂ ክትዘብጠኒ ደልያ’ዶ ዘርኣያትኒ’ዶ ናበለ ኣጉል ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ የስምዕ ኣሎ። ትማሊ ንግብጺ ጎብለል ክኾነላ ቃላት ኣወርጺጹ የቆናጽብ ከምዘይነበረ ሕጂ ብሓውሲ ሳእኒ ምልሓስ ገባሪት ሓዳጊት ንስኺ ናበለ፡ ምስታ ፈታዊቱ ዝነበረት ሱዳን ሓዊ ናይ ምእጓድ ውጡኑ ከዛርይ ይስማዕ ኣሎ።

እዚ ፖለቲካዊ ኣመንዝራነት ህግደፍ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ድኣ ኢና ተናኺፍናዮ’በር ኣዝዩ ዝኸፍአ መገዲ ሒዙ ይጎዓዝ ምህላዉ ጻሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ።

እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ተራእዩ ዘሎ ዘስካሕክሕ ድርቅን ስእነት ገንዘብን፡ ዜጋታት ኣብ’ዚ ዘመናዊ እዋን ኣለዉ ንኽትብል ዘሰክፈካ ብርኪ’ዩ ተበጺሑ ዝርከብ።

ዋላ’ኳ ተፈጥራዊ ክስተት እንተኾነ ዜሩ ዜሩ ጠንቁ ህግደፍ’ዩ። ድኽነት ዝስዕር ውጡን ዘይኮነስ ዕንወት ዝኽተል ስትራቴጂ’ዩ ዘሰጉም። ስለዚ ከኣ ድርቂ መሓውራቱ ከስፍሕ ህግደፍ ማእገር ኮይኑዎ’ዩ።

ከምዚ ዝበለ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥፍኣት ንህግደፍ ቅልጡፍ ዓወት ናኾነሉ መጽዩ’ዩ። እቲ ምንታይ ወሳንነት ህዝቢ መንዚዐ ኣብ ኢደይ የእትየ’የ ዝብል ርድኢት ስለዝሓዘ’ዩ፡፡ ብካልእ ሸነኹ ድማ ህዝቢ ኤርትራ በዓል ዋና ስልጣን ክነሱ ብስቕታ ተዓሻሽዩ ክውንኖ ዝግብኦ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራስን ቅርዑይ ፖለቲካዊ ምሕደራን ዓወቱ ከም ደበና ሰማይ ዝረሓቖ ክሳብ ዝመስል ናብ ዝኸፍአ መነባብሮ ክሽመም ይቕሰብ ኣሎ፡፡ እንተኾነ ግን ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ክስዕር ከቶ ተኽእሎን ዓቕምን የብሉን፡፡ ኣነ እንተሞይተ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ ዝዓይነቱ ሓሳድ ተሓዚ ሒዝዎ’ዩ ፖሊሲታት ክፍኣቱ ዘስጉም ዘሎ’ምበር፡ ቅልጽም ህዝቢ እንተድኣ ብቆራጽነት ተላዒሉስ ይትረፍ ርብዒ ዘመን ንሓንቲ ካልኢት’ዉን ክነብር ዘይክእል ጉጅለ’ዩ፡፡

እሞ እዚ ካብ ኮነ እምበኣር ዓወት ህዝቢ ኣብ ሓጺር ግዜ ክውን ንምግባር ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለና ኤርትራውያን ህዝባዊ ሓድነትና ብምስማር ናብ ናይ ለውጢ ተግባር ንመርሽ! ማእገር ድኽነትን ድሕረትን ንዝኾነ ህግደፍ ከኣ ነወግድ!

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

31 መጋቢት 2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here