መልእኽቲ ወጋሕታ – ምልክነት ህግደፍ ብህዝባዊ መንግስቲ ይተካእ

0
326

 

ምልክነት ህግደፍ ብህዝባዊ መንግስቲ ይተካእ

ኤርትራ ናጽነታ ረኺባ ሉኣላዊነት ሃገር ኮይና ተባሂሉ ካብ ዝተኣወጀ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ መልሓስ ህግደፍ ዝተወቀጠ፡ ግን ከኣ ኣብ ባይታ ወሪድካ ዘይትረኽቦ ብዛዕባ ምርግጋእን ሰላምን ዞባናን ዓለምናን ናሰራሕካ ምምዕባልን ምብልጻግን ዝብል ዘረባ ኣሎ፡፡ ህግደፍ ዝኽተሎ ዝምቡዕ ፖሊሲታት ግን ይትረፍ ንሰላምን ምርግጋእን ዞባና ክረብሕ ነታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘላ ናጽነት’ዉን ብኣግባቡ ክሕዛ ኣይከኣለን፡፡

ዜጋታት ብኩሉ ሙሉ ጅሆ ሒዝካ፡ ክጠሚ ክጸምእ፡ ክእሰር ክቕተል፡ ጊላ ኮይኑ ክድንቁር፡ ብገዛእ ሃገሩ ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ፡፡ ነታ ዕለታዊ መነባብሩኡ ብኩፖን ክውነን፡ ኮታስ ኤርትራዊ ዜጋ ባዕሉ ንባዕሉ ብናጽነትን ሓርነትን ከመሓድር ዘይፈቅድ ፖሊሲ’ዩ ኣተኣታትዩ፡፡ እዚ ጌሩ ክንሱ ድማ ከም ብጹእ መንግስቲ ኮይኑ ክመጻደቕ ይረአ፡፡

ሓደ መንግስቲ፡ መንግስቲ ከብሎ ዝኽእል ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ንህዝቡ ዘለዎ ወገናውነትን ኩቱር ተደናጋጽነትን’ዩ፡፡ ንህዝቢ ዘይቖመ መንግስቲ መንግስቲ ክትብሎ በየናይ መለክዒ? ህግደፍ ከኣ ብዝኾነ ዓይነት መለክዕታት መንግስቲ ኤርትራ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ፡፡ ብርግጽ ንሱ መንግስቲ’የ ስለዝበለ መንግስቲ ኮይኑ ማለት ግን ኣይኮነን፡፡ እኳድኣስ ኣብዝሓ ህዝብና መላኺ ጉጅለ ምዃኑ’ዩ ኣፉ መሊኡ ዝዛረበሉ፡፡ በቲ በለ በዚ ግን ህግደፍ ንጥፍኣት ኤርትራውያን ዝቖመ ጉጅለ’ዩ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንብዙሓት ሃገራት ኣሰካፊ ናኾነ መጽዩ’ዩ፡፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ዘሎ መሸጣ ንግዲ ደቂሰባት ከምቲ በብእዋኑ ንርእዮ ዘለና መስደመም ፍጻመ’ዩ፡፡ ኩነታቱ ዝኾርኮሐን ሃገራት እምበኣር ዜጋታተን ከውሕሳ ግዴትአን ይዋጽኣ ኣለዋ፡፡ ሞሮኮ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ንዝደልዩ ኣፍሪቃውያን ንኣስታት 3000 ሰባት ነጻ መጓዓዝያ ኣየር ክትህብ ዕላዊ ጌራ’ላ፡፡ ሩዋንዳ’ዉን ብተመሳሳሊ ን3000 ኣፍሪቃውያን ከተውጽእ ወጢና’ያ፡፡ ከምበዓል ኢትዮጵያን ናይጀርያን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ዜጋታተን ከውጽኣ ለይትን ቀትርን ዕረፍቲ የብለንን፡፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተሰማሚዑ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ጉዳይ ከኣ ን15000 ኣፍሪቃውያን ካብ ሊብያ ከውጽኦም’ዩ፡፡

ጫድ’ዉን ብወገና ነቶም ነዚ ኣረመናዊ ተግባር ዝፍጽሙ ነጋዶ ደቂሰባት ንምህዳን ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ተዋፍር ግልጺ ጌራ’ላ፡፡ እምበኣር እዘን ሃገራት እዚኤን ባህሪ መንግስቲ ተላቢሰን ሂወት ዜጋታተን ከውሕሳ ንርእየን ኣለና፡፡ ከም ኣፍሪቃውነት ተሰሚዕወን ምንቅስቓሰን ክሳብ ክንደየናይ ህዝባውነት ከምዝስመዐን የርእየካ፡፡ እቲ ብሽፍትነትን ኣጉል ትምክሕትን ዝተታዕነነ ጉጅለ ህግደፍ ግን ብጩቕ ክብል ዘይምኽኣሉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቐትን ጽልእን ዘጉለሐ’ዩ፡፡

ነቲ ናይ ዞባናን ዓለምናን ሰላምን ምርግጋእን ክበኣኣስ ድኣ’ምበር ክጥጥዕ ባህጊ የብሉን፡፡ ብመልሓሱ ግን ነቲ በብግዚኡ ናተዳህለለ ዝመጸ ህዝቢ ኤርትራ መናውራታት ዓለም ናበለ ከደናግር በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ እቲ ንሱ መናውራታት ዓለም ዝብሎ ኣላጋጭ ዘረባታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይፍጽሞ፡፡

ሕጂ ከም መደናገሪ ጌሩ ኣምጺእዎ ዘሎ ተዓመተለይ’ሞ ከላትመካ ዝዓይነቱ ፍልስፍና ከኣ ን12 ሰዓታት መብራህቲ ምፍናው ማይ ከም ድሌትካ ኮይኑ’ሎ ዝብሉ ጠርቋሽ መግለጽታት’ዩ፡፡ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ትርጉም ኣልቦ’ዩ፡፡ ማይን መብራህትን ንህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ኣይኮነን፡፡ ቅድሚ 100 ዓመት ማይ ብቡንባ ዝፈልጥ፡ መብራህቲ ዝጥቀም ዝነበረ’ዩ፡፡ እዚ ድዩ’ኸ ኔሩ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ውሽጢ ሓቂ ምስ እንዞርቕ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ቀዳምነት ዝህቦ ንሰላሙን ዲሞክራሲኡን’ዩ፡፡ እዚ ግን ብሰንኪ ህግደፍ ኣይረኸበን፡፡ ሕጂ እንታይ ዝተፈጠረ ስለዘሎ’ዩ ኣብ ማይን መብራህትን ዝነበረ ጸገም ፈቲሐ ኢሉ ክጀሃር ዝህቅን? ህግደፍ ብባህሪኡ ንህዝቢ ኣጥሚኻን ኣደንቊርካን ግዛእ ዝብል ፍልስፍና ሒዙ ዝተበገሰ ብምዃኑ ን26 ዓመታት ዝተኸተሎ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ዘገርም ኣይኮነን፡፡ እቲ ዝገርም ግን ማእዘን ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝገብሮ ሸበድበድ’ዩ፡፡ ናዕቢ ህዝቢ ምስ ተወለዐ ብፍላይ ከኣ ናይ ኣኽርያ ህዝባዊ ሕቶ ምስ ነቐለ ከምስል ሽግር ማይን መብራህትን ፈቲሐ ይብል፡፡ ክንዲ ዝኾነ ግን ኣብ ኤርትራ ህግደፍ ዝበሃል ሽፍታ ጉጅለ ድኣ’ምበር መንግስቲ ኤርትራ የለን፡፡ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ኣልዒልካ ሽፍትነቱ ምግላጽ ዝከኣል’ኳ እንተኾነ ምስ እዋናውነቱ ጥራሕ ኣላጊብና እንተርኢናዮ ግን እዚ ኣብ ሊብያ ዝግበር ዘሎ ኩነታት ንኤርትራውያን ዝገደደ ጸሊም ምዃኑን ንናዕቢ ህዝቢ ስዒቡ ዝገብሮ ናይ መደናገሪ ሸበድበድን እኹል መርትዖ’ዩ፡፡

እሞ እምበኣር ህግደፍ ኣብ ድርኩኺት ሞት ኮይኑ ሕጂ’ዉን ክፍኣቱ ናሳለየ ይጎዓዝ ብምህላዉ ከይተደናገርና ናትና ንብሎ መንግስቲ ንትከል፡፡ ስልጣን ኣብ ኢድና’ምበር ኣብ ኢድ ህግደፍ የለን፡፡ ስለዚ ንሰላምን ምርግጋእን ምዕባለን ብልጽግናን ሃገርና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከቢድ ዕዮ ገዛ ኣለና’ሞ ቅድም ቀዳድም ዕዮ ገዛና ከይንፍጽም ማሕለኻ ንዝኾነና ህግደፍ ካብ እንግዱዓ ህዝብና ንእለዮ፡፡ ምልክነት ህግደፍ ብህዝባዊ መንግስቲ ይተኻእ፡፡

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

9 ታሕሳስ 2017

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here