መልእኽቲ ወጋሕታ- ብተስፋን ዘይትግበር መብጽዓን ምንባር ኣይክኣልን

0
761

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Melekti-Wegahta/Melekti wegahta 05-11-2016.mp3″]

ኢሳይያስ ዝጥቀመሉ ሜላ ምሕደራ ንዜጋታት ብምርጋጽን ብምዕፋንን ጥራይ ዘይኮነስ በብእዋኑ ተስፋ እንዳሰነቕካ ዘይትግበር መብጽዓታት ብምእታው ህዝቢ ብሕልሙ ጠስሚ እንዳሰተየ ክሓድር ምግባር’ዩ፡፡ ኢሳይያስ ብምድንጋርን ዓመጽን ናብ መንበረ ስልጣን ካብ ዝድይብ ጀሚሩ ኤርትራ ብቁጠባ፡ ብልጽግናን ዕብየትን ኣብነታዊት ሃገር ከምዝገብራ ከይተመጻብዐላ ዝወዓለ መዓልቲ የለን፡፡

ኢሳይያስ ካብ ዝኣተዎም መብጽዓታት ካብቶም ብዙሓት ንገሊኦም ምዝርዛር ምስሊ ናይዚ ውልቀምልካዊ ጉጅለ ምርኣይ ይክኣል፡፡ ኢሳይያስ ናብ ማዕከን ዜና ኣብ ዝቐረበሉ ዘይትግበር መብጽዓ ዘይኣተወሉ እዋን የለን፡፡

  • ብትሕተን ልዕለን ቅርጽታት ኤርትራ ኣብነት ኣፍሪቃ ክንገብራ ኢና
  • ብርእሰ ምርኮሳ ቁጠባና ሰማይ ንምዕራግ ክስራሕ’ዩ
  • ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብቀረብ ማይ ትምህርቲ፡ ጥዕና ዘርክበና ኣይክህሉን
  • ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስትን ሰራዊትን መሰረታዊ ፍታሕ ብዘምጽእ ክሰርሓሉ’ዩ፡፡
  • ኩሉ ኤርትራዊ መንበሪ ገዛ ክህልዎ ክግበር’ዩ
  • ሰራዊት ኣብ ባንኪ ገንዘብ መንግስቲ ከቐምጠሉ’ዩ ወዘተ…..

ኢሳይያስ መብጽዓ ካብ ዝኣተዎም ገሊኦም’ዮም፡፡ እዞም ብተደጋጋሚ የእዛና ክሳብ ዝጸምም ዝሰማዕናዮም መብጽዓታትን ዝተኣተውልና ቃል ካብ ተስፋ ዝሰገረ ተግባር ኣይርኤናሎምን፡፡

ትሕተ ቅርጺ ኤርትራ ብመገዲ፡ ቀረብ ኤሌክትሪክ መዕርፎ ነፈርቲ ኤርትራ ጭራ ከምዝኾነት ንሕና ዘይኮናስ ዓለም እትምስክሮ ሓቂ’ዩ፡፡

ብርእሰ ምርኮሳ ቁጠባና ጠርዚ ክበጽሕ’ዩ ዝተባህለ ተስፋ መኺኑ ንዜጋታትና ብሞቑነን መግቢ ኣብ ምዕዳል’ዩ ተበጺሑ፡፡ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ጅሆ ተታሒዙ ህዝቢ ምስ ገንዘቡ ንኽጠምይ’ዩ ተጌሩ፡፡

ቀረብ መስተ ማይ ሕልሚ ኮይኑ ህዝቢ ኣብ ፈቖዶ ሩባታት ጽሬቱ ዘይሓለወ ማይ ክሰቲ ኣብ ከተማታት ድማ ቦጥ ብሪጋ ድሕሪ ራብዕቲ ሳልስቲ ዝረኽበሉ ዕድል’ዩ ተፈጢሩ፡፡ ብምኽንያት ቀረብ ማይ ህዝቢ ኣማሪሩ “ሰብ ናብ ማይ ዘለዎ’ዩ ዝኸይድ’ምበር  ማይ ናብ ሰብ ዘለዎ ኣይመጽእን” ክብል ኢሳይያስ ሓጪጩሉ፡፡

ብሕጽረት ኤሌክትሪክ ከተማታት ኤርትራ ብጸልማት ተዋሒጠን ናብ ሽምዓን ላምባን’ዩ ህዝቢ ተመሊሱ

ኩሉ ኤርትራዊ መንበሪ ገዛ ክረክብ’ዩ ዝብል ተስፋ መኺኑ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ዘፍርስ ንዜጋታት ብዘይ መጽለሊ ዘትርፍ ስርዓት’ዩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡፡

እቲ ንነዊሕ እዋን ብተደጋጋሚ ዝተዘርበሉ ወሰኽ መሃያ ተግባራዊ ኮይኑ ዝብል ኣዋጅ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተኣዊጁ ብተግባር ክርኣይ ከሎ ግን ንሰማዒ ዝእርምም’ዩ ኮይኑ ተረኺቡ፡፡

መበገሲ ደመወዝ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ 1800 ከምዝኾነ ተኣዊጁ፡፡ እዚ ኣዋጅ’ዚ ብተግባር ክርኣይ ከሎ ግን

610 ናቕፋ ንስድራቤት

300 ናቕፋ ንኽዳንን ሞቑነን

224 ናቕፋ ንግብሪ መንግስቲ

180 ናቕፋ ንመስርሒ ገዛ

100 ናቕፋ ንመማቕርቲ

90 ናቕፋ ንጥሮታ

5 ናቕፋ ንደበስ ስውኣት

10 ናቕፋንመደንፍዒ ስፖርት

3 ናቕፋ ንኣባልነት ህግደፍ ምስ ተቖረጸ 278 ኣብ ኢድ ይውሃብ

እቲ ብዙሕ ዝተዘርበሉን ዝተነግረሉን ወሰኽ መሃያ ሰራዊት እምብኣር ብተግባር ክርኣይ ከሎ ነዚ ዝተገልጸ ይመስል፡፡ እዚ ኣሽካዕላል’ምበር ወሰኽ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ኣይኮነን፡፡

ወርሓዊ መሃያ ሰራዊት ባዕሉ እቲ ኣባል ዘመሓድሮ ዘይኮነስ ኢሳይያስ ንስድራ፡ ንኽዳንን ሞቑነንን፡ ንመስርሒ ገዛ፡ ንመማቕርቲ፡ ንደበስ ስውኣት፡ ንመደንፍዒ ስፖርት፡ ንኣባልነት ህግደፍ ኢሉ ብምውዛዕ ሰራዊት ብዘይዓስቢ ኣብ ባርነታዊ ቀይዲ ክእሰር ጌርዎ’ሎ፡፡

እዚ ሕጂ እንሪኦን ዘለና ዋሕዚ ስደት ኣባላት ሰራዊት ብሰንኪ’ዚ ዘይምኽኑይ ወሰኽ መሃያ ሰራዊት ናብ ዝገደደ ድከት ዘእተወ ብምዃኑ’ዩ፡፡ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ግን እቲ ሰራዊት ክጥቀመሉ’ዩ ዝግባእ፡፡ ሃገር ራሕሪሕካ ምብትታን ዘይኮነ እቲ መፍትሒ እዚ ስርዓት’ዚ ንክእለ ተቓውሞታቱ ከስምዕን ኣንጻር’ዚ ጉጅለ ክዕምጽን’ዩ ዘለዎ፡፡

ንዓመታት ሕቶታቱ ስለዘይተመለሱ፡ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ጅሆ ተታሒዙ ዕድመ ንእስነቱ ዝበሊ ዘሎ መንእሰይ ካብዚ ንላዕሊ ንሕሰምን ኣደራዕን ክጻወር ኣይግባእን፡፡ ብተስፋን ዘይትግበር መብጽዓን ምንባር ኣይክኣልን፡፡

ኩሎም ጸገማትና ኣብ መቓብር ኢሳይያስ ይፍትሑ

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

ሕዳር 5 ዓመተ 2016

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY