መልእኽቲ ወጋሕታ- ተሓታቲ ናይ ኩሉ ገበናት ሕጂ’ዉን ሓንካሪ ህግደፍ’ዩ

0
126
ፖሊቲካ ብማሕበራዊ ዲፕሎማሲያውን፡ ቁጠባውን ድንፋዐታት እንተዘይተደጊፉ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓታት ካብ ምጉዳእ ሓሊፉ ህዝብን መንግስትን ዝነጻጽል’ዩ፡፡ ሓደ መንግስቲ ካብ ህዝቡ እንተተነጺሉ ድማ ውሑስ ዝኾነ ሰላም ከስፍን ከቶ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ፖለቲካዊ ኣጠማምትኡ እንትርፎ ምሕላዉ ስልጣኑን ውልቃዊ ረብሓታቱን ንሓልዮት ህዝቢ ዝርእየሉ መነጸር ኣይህልዎን፡፡ ቀንዲ ተሃሳይ ንህዝቢ ብምግባር ክኣ’ዩ ዕምሪ ስልጣኑ ዝልቁም፡፡ ምስ ህዝቡ ዘይተዓረቐ ስርዓት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዕርቂ ክፍጽም ሞራልን ተኽእሎን የብሉን፡፡ ኣክንዲ ሰላም ኵናትን ወረ ኵናትን ናነዘሐ ካብ ልምዓታዊ ንጥፈታቱ ይሃድም፡፡ ኢሂ እንተተባህለ ከኣ ኣብ ኵናት ኢና ዘለና ናባለ ይግዕር፡፡ ተጻብኦታት ከይሕንኩሎ መንእሰያት ብወተሃደራዊ ጊላነት ሒዝካ ክድንቁሩን ክበታተኑን ምግባር ኣውራ ዋኒኑ ይገብር ፡፡ ጸላኢኡ ህዝቢ ጌሩ ብህዝቢ ናሸቀጠን ናሽካዕለለን ይኣስር የበሳብስ፡፡ ህዝባዊ ሕቶ ከይመጸ ብመነባብሮ ጅሆ ሒዙ ብዛዕባ ከብዱ ጥራሕ ዝሓስብ ሕ/ሰብ ፈጢሩ ስንኩፍ ፖለቲካዊ ጉዕዙኡ ይቕጽል፡፡

እምበኣርከስ ጉጅለ ህግደፍ እዚ’ዩ ዝገብር ዘሎ፡፡ ንህዝባዊ ሕቶ ጎስዩ ኣብ ጓል መገዲ ኮለል ብምባል እቲ ን20 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ዝንገሮ ዝነበረ ምስምስ ዶባዊ ጎንጺ ኣጎዛጊዙ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰንኪ ዶባዊ ጎንጺ ደው ዝብል ኣይኮነን፡፡ ኣብ መኸተ ስለዘለና ሕቶ ልምዓትና ተጓቲቱ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ወራራት ንመክት መሬትና ነምልስ ወዘተ ዝብሉ ምኽንያታት ዘሚሩልና’ዩ፡፡ እሞ እምበኣር ሕጂ እቲ ዶባዊ ሕቶ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ክትግበር ምዃኑ ተነጊሩ’ሎ፡፡ ያኢ ዶባዊ ጎንጺ ወይ ከኣ ጉዳይ ባድመ ንኤርትራውያን ጠንቂ ሰላም እንተነይሮምሲ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕጾ ሰላም ኣርሕዩ’ሎ፡፡ ነዚ ውሳነ ስዒቡ ግን ህግደፍ ዝብሎ የብለይን ብምባል ብጃህራ እቲ ዝሓበጠ ልቡ ክንፋሕ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ተዓዚብና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ዝረክብ ህግደፍ ዝበሃል ጉጅለ ካብ ሱር መሰረቱ ክእለ ከሎ’ዩ፡፡ ጠንቂ ሰላም ኤርትራውያን ህግደፍ’በር ጉዳይ ዶብ ኣይነበረን፡፡ ብሰላም ወጽዩ ክኣቱ ዘይክእል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡ ዝበታተን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡ ዝእሰርን ዝቕተልን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡፡ ድላዩ ከይዛረብ ዝተኸልከለ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡፡ ገንዘቡ ዝተሃገሮ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ኩሉ እቲ ጸገም ዝሙዕግ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡፡

ተወሪርካ ጠፋእኻ፡ ንዓ መክት ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝብሃል ከኣ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡፡ ኣብ ዘየለ ኵናት ዕድሚኡ ዝበሊ መንእሰይ ኤርትራ’ዩ፡፡ ናይዚ ኩሉ ጠንቁ ድማ ህግደፍ’ዩ፡፡ ተሓታቲ ናይ ኩሉ ገበናት ሕጂ’ዉን ህግደፍ ጥራሕ’ዩ ዝኸውን፡፡

እዚ ካብ ኮነ እምበኣር ዋላ’ኳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምእንተ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ኢሉ ውሳነ ኣልጀርስ ሙሉእ ንሙሉእ ከተግብር’የ እንተበለ ኣብ ሰላም ምንባር ፖለቲካዊ መዕበይኡ ዘይፈቕደሉ ህግደፍ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ሰላሙ ከውርደሉ ዝኽእል ኣይኮነን፡፡ ሰላም ኤርትራውያን ዝረጋገጽ ኤርትራውያን ንህግደፍ ኣሊና ህዝባዊ መንግስትና ምስ እንተክል ጥራሕ’ዩ ዝኸውን፡፡ ህግደፍ’ዩ ብተነጽሎ ክነብር ዝደሊ’በር ህዝብስ ምስ ጎረባብቱ ተኸኣኢልካን ተኸባቢርካን ሓቢርካ ብሰላም ምንባር ኣጸቢቑ’ዩ ዝፈልጦን ዝኽእሎን፡፡ ብተነጽሎ ምንባር ዕብዳን’ዩ ዘድህብ’ሞ ብተነጽሎ ምስ ዝነብር ህግደፍ ኣይንጎዓዝ፡፡

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

9 ሰነ 2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here