መልእኽቲ ወጋሕታ- ካብ ጉሒላታት ተደመርቲ ንጠንቀቕ!

0
225

ኣብ ኢትዮጵያ ተቐላቒሉ ዘሎ ናይ ምድማርን ምጉዳልን መዐየርታት ንኤርትራ ኣጃሚሉ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ቀይሕ መስመር ምሕላፍ በጺሑ’ሎ። እዚ ኣካይዳ’ዚ ህድእ ኢልካ ምስትውዓልን ምእላይን ዝጠልብ’ኳ እንተኾነ፡ ቅልጡፍ መድሕን ህዝብን ሃገርን ዝኾነ መስመር ክንክተል ግን ግድን ክኸውን’ዩ።

ኤርትራውያን ናጽነትና ከነምጽእ ልኡላውነት ሃገርና ከነውሕስ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ቀያሕትን ጸለምትን ኣሕዋትና ኣወፊና ኢና። መስዋእቲ ኣሕዋትና ክኣ ከንቱ ኣይተረፈን። ዋላ’ኳ ብጥልመት ህግደፍ ሰላምን ቅሳነትን ክንውንን ተዘይከኣልና እታ ኤርትራ ትበሃል ሃገርሲ ክውንቲ ጌርና ኢና። እንተኾነ ግን  ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ኢሳይያስ ኣብ ሃለውስያ ኣቲና ፈቐድኡ ክንበታተን ተቐሲብና። ግዝያዊ ኣማራጺ መድሕን ሂወት ስደት’ዩ ኢልና ብምውሳድና’ዩ። ንሕና ሃገር ጠንጢንና ክንወጽእ እንከለና ህግደፍ ነቶም ሉኡላውነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም ክሕብሕብ ሕርይኡ ኮይኑ። እዚ ኣካይዳ ኢሳይያስ ሓደገኛ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ ደለይቲ ፍትሒ ንኹን ደገፍቲ ህግደፍ ግን ቀልጢፍና ግብራዊ ስጉምቲ ክንወስድን፡ እቲ ኣብራሲ ኣካይዳ ህግደፍ ዓገብ ክንብልን ዶንጊና ኢና።

ውጽኢቱ ክኣ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተጋማዲሑ ዘሎ ፖለቲካዊ ገልበጥበጥ፡ ኤርትራ ንምጉባጥ ዝተሓሰበ ውጡን እነሆ ተጋሂዱ። ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ከምዝተቛመረልና ኣብዚ ናይ ምድማር መዐየሪ ክጻወት ምስ ጀመረ በሪሁልና’ሎ።

እቲ ዝገርም ሕጂ’ውን መዐየርታት ኢትዮጵያ ናበይ ኣንፈት ይጓዝም ከምዘሎ ዘይተሰወጦም ኤርትራውያን ሰብ ህግደፍ ብዝተፈላለዩ መራኸብታት ናገበሩ ሉኡላውነት ኤርትራ ከጉበጥ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ክትድመር ሕፍር ከይበሉ ይሓናጥጡ ኣለው። ካብዚ ሓሸውየ’ዚ ክንጥንቀቕ ኣለና ጥራሕ ዘይኮነ ክኣ ኣምሪርና ክንኩንኖን ክንምክቶን’ዩ ዝግባኣና። ንተጋሩ ኣጉዲልካ ንኤርትራውያን ክንድምሮም ማለት ኣብ ሰማይ ዝተሰቕለ ባኒ ምጽባይ ከም ማለት’ዩ ዝቑጸር።

ቅድሚ ዝኣገረ ተጋሩ፡ ብባህሊ ፡ ብታሪኽ፡ ብሃይማኖት፡ ብጉርብትና ጥራሕ ዘይኮነስ ብደምን ኣዕጽምትን ምሳና ዝተኣሳሰሩ ኣሕዋትና’ዮም። ኣብ ዘመነ ህግደፍ ጸልማት ባርነት ምስ ወሓጠና ኣጀኹም ብምባል ኣብ መኣዲ ሸሓንኦም ክንምገብ፡ ኣብ ደምበኦም ክንጽለልን ኡፎይ ኢልና ክንድቅስን ዝገበሩ ተጋሩ’ዮም። ነዚኦም ዘየፍቀርና ጭራሽ ሉኡላውነትና ክምንዝዑ ምስ ዝደልዩ መሓዙት ህግደፍ ንደመር ኢልካ ምውጫጭ ብደም ስውኣትና ምልጋጽ’ዩ።

እምበኣርከስ ህግደፍ ናይ ሕኑቕ ዓፍራ ከውጽእ ምስ ጀመረ ንዓይ ዘይትኸውን ኤርትራ ብትንትን ትበል ብዝዓይነቱ ኣካይዳ ሕብሪታቱ ለዊጡ ክሸጠና ይደናደን ኣሎ። ኤርትራውያን ክኣ ንኽበር’ምበር ንድመር ኣይኮናን’ሞ ብናጽነትና ኣይንደራደርን።

ኩልኻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንታ ውጽዕ ሓይልታት ምክልኻል ካብ ሎሚ ጽባሕ ዶኾን ይሓይሽ ይኸውን፡ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ናበልካ ክሳብ ሕጂ ንሓርነትካ ብተስፋ ትጽበ ዝነበርካ፡ ሎሚ ናይ ምጽባይ ዕድልካ ተጸንቂቑ’ሎ። ስለዚ ኣሓ፡ ብሕማቕ ጓሳ ይህረማ ከይኮነና ውዓል ሕደር ከይበልካ ህዝብኻን ሃገርካን ኣድሕን። ካብ ሓሸውየ ጉሒላታት ተደመርቲ ተጠንቀቕ።

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኢዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

7 ሓምለ 2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here