መልእኽቲ ወጋሕታ- መለበሚ ኣይወሓደካን፡ ይኣኽለካ ምዕፋን

0
277

መለበሚ ኣይወሓደካን፡ ይኣኽለካ ምዕፋን

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘመነ ኣያታቱ ጀሚሩ ክሳብ ወለዶ ሎሚ ዘሎ ታሪኹ ንክብሩን መንነቱን ከውሕስሉ ንዝኽእል ሜላታት ቃልሲ መለበሚ ዝኾኖ ታሪኽ ኣይወሓዶን፡፡ ዘዝመጸ ዓማጺ ክጎብጠካ’የ፡ ክረግጸካ’የ ኣነ’የ ዝፈልጠልካ ናበለ ዝመልኽ ስርዓት ክቕበል ከኣ ኣይመረጸን፡፡ ከከም ኣመጻጽእኡ ናተቓለሰ ኣብ መወዳእታ እታ ናጻ ኤርትራ ክዓትራ ክኢሉ’ዩ፡፡ ኣብዞም ኩሎም ዝሓለፉ ዘመናት እምበኣር መለኽቲ ከመይ ጌሮም ህዝቢ ከምዝድህኹን ከምዝገዝኡን ኢሉ’ዉን ከም ዘጽንቱን እኹል ተሞክሮ ኣለዎ፡፡ መለበምስ ኣይወሓዶን፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ናጻ ዝኾነት ሃገር ወኒኑ ክንሱ ግን ከኣ ኣብ ባርነት ህግደፍ ወዲቑ ዘሎ ህዝቢ ካብቶም ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝመረረ ህልቂት ድኣ የጋጥም ኣሎ’ምበር ኣስተርሕዩ ክነብር ኣይተዓደለን፡፡ ብሕሱራት መራሕቲ ህግደፍ ናተባጨወሉ ብትምታ ተዋሒጡ ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ ደገ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ሓደ ኣወንታዊ  ዋኒን’ኳ ዋላ እንተኾነ ዕምሪ እቲ ጉጅለ ኣብ ምሕጻር ዘቀላጥፍ ኮይኑ ግን ኣይተረኽበን፡፡

ኣብዚ ግዜ ንፋስ ኣፍሪቃ ከመይ ይልወጥ ከምዘሎ ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ’ዩ፡፡ መራሕቲ ገለ ሃገራት ብገዛእ ፍቓዶም ምእንተ ህዝቢ ኢሎም ስልጣኖም ክለቁ ንርኢ ኣለና፡፡ እዚ ፍጻመ ኣብ ሃገርና ክኸውን ይግባእ ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ኣሕዋት’ዉን ይዛረብሉ ኣለዉ፡፡ ልክዕ’ዩ ከምኡ እንተዝኸውን ንኤርትራን ህዝባን ፈውሲ ምኾነ ኔሩ፡ ግን ካብ እንቋቑሖ ተመን ርግቢት ምጽባይ’ዩ ክኸውን፡፡ እተን ካልኦት ሃገራት ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ መስርሕ ስለዘለወን’የን ዝፍጽመኦ ዘለዋ፡፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ግን በዚ ዝኣምን ኣይኮነን፡፡ እኳድኣስ ስልጣን ብኩንትራት ዝሃበኒ የለን፡፡ ዲሞክራሲ ካብ ሱፐር ካርሜት ዝመጽእ ኣይኮነን፡፡ ልዕሊ ሓደ ውድብ ዝስከም ቦታ የብልናን ናተባህለ ብህዝቢ ኣሽካዕላል ኣብ ምጽዋት’ዩ ሓሊፍዎ፡፡ ሕጂ’ዉን ከምኡ’ዩ ዝቕጽለሉ ዘሎ፡፡ ከምዚ ብምባሉ ድማ ዘውርዶ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ህልቂት ንሕና ኤርትራውያን ከም ሕሱም ንምዕጎ ዘለና ሓቂ’ዩ፡፡ ካብ ሎሚ ጽባሕ ዶ ኾን ይሓይሽ ይኸውን ዝብል ኣጉል ተስፋ ምግባር ዕሽነት’ዩ፡፡ እሞ ኣንታ ሰራዊት ኩን በርጌስ፡ ሓላፊ ኩን ተራ ኮታስ ኩልኻ ኤርትራዊ ዘበልካ ሓው፡ ሓፍቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን መወዳእታ ዘይብሉ ሕሰም እኹልን ትሩፍን’ዩ፡፡ ስለዚ መለበሚ ክኾነካ ይግባእ፡፡ ክሳብ መዓስ’ዩ ብውሑዳት ጉጅለ ህግደፍ ክትርገጽ? ክሳብ መዓስ’ዩ ብዘይሕጊ ክትነብር? ክሳብ መዓስ’ዩ መሰልካ ክዕፈን? ክሳብ መዓስ’ዩ ብክፋእ ታሪኽ ምስልኻ ክድወን? ክሳብ መዓስ’ዩ ስደተኛ ክትከውን? ክሳብ መዓስ’ዩ ከልበትበት ክትብል? ኩልኻ ብዘይገለ ኣፈላላይ ነቲ እንኮ ጸላኢኻ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክትኣልዮ ቀረባኻ’ዩ ተልዓል፡፡ መለበሚ ኣይወሓደካን ይኣኽለካ ምዕፋን፡፡

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

17 የካቲት 2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here