ሰላማዊ መሰል ኣሰቃቒ ጭቆና

0
379

ሰላማዊ መሰል ኣሰቃቒ ጭቆና

ኤርትራ እቲ’ኳ ቅድም ኢሉ ነቲ ብደገ ዝዕዘባ ሰብ ደሴት ሰላም’ያ ትመስሎ፡ እንኮ ማዕከን ሓበሬታ ኤሪ ቲቪ ምስሊ ኣመላኺዓ ብእተቅርቦ ትርኢትን ብእተስምዖ ዘረባን ’ውን እቲ ገለ ገለ ሰብ ውሽጣ’ውን ከምኡ እንተመሰሎ ኣይተሓዘሉን’ዩ፡ ኤርትራ ደሴት ሰላም ተባሂላ ምጽዋዓ ግን ኣበየናይ መድረኽ፡ ብምንታይ መለኪዕታት’ከ፡ ነዚ ሕቶ ዝኸውን መልሲ እንተረኺብና ነቲ ዝስዕብ ድማ ምርድኡ ኣይከጸግመናን’ዩ፡፡

ህይወት ኤርትራን ህዝባን ኣብዚ ሕጂ እዋን ’ውን እንተኾነ ንድሕሪት ዝጎትት ’ምበር ንቅድሚት ዝስጉም ዝረአ ምዕቡል ኣካይዳን ቅርዑይ ምሕደራን የብላን፡ ነዚ ድማ እቲ መዓልታዊ ዝስደድ ዘሎ ኤርትራዊ እኹል ምስክር’ዩ፡፡ ብኻልእ ወገን ምምስኻር እንተድኣ ተደልዩ ግን ናብ ጸብጻብ ጋዜጠኛ ሰበነ ከነብል፡፡ እዛ ጀርመናዊት ጋዜጠኛ ናብ ኤርትራ ክትኣቱ ድሕሪ ክንደይ ድኻም ዝረኸበቶ ዕድል ተጠቒማ ነቲ ቓለ መሕተት ከተካይድ ዘየፍቕድ ሕጊ ህግደፍ ተቐቢላ ንዝረኣየቶ ብጽሑፍ ክትስንዶ ጥራይ ’ያ ወሲና፡ ንሓፈሻዊ ህዱእ ዝመስል ግን ድማ ድሕሪ መጋረጃ ብዘሎ ኣሰቓቒ ጭቆና፡ ግፍዒ፡ ዓመጽን ባርነትን በረውረው ዝበለ ሃዋህው  ከተማ ኣስመራ’ውን ሓሓሊፉ ብተንቐሳቓሲ ምስሊ ኣልዒላቶ’ላ፡፡ ጋዜጠኛ ሳቢነ ንዝጸብጸበቶ ህሉው ኩነታት ዋላ ሓንቲ ኣበር ከተውጽኣሉ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ንሱ’ኳ እንተዘይውሒዱ ምንጪ ጽሑፍና ነቲ ቋንቋ ተርጕሙ ኣብ ኢንተርኔት ዝዘርገሖ ኣዳላዊ መስትያት ቤትና ዘካርያስ ክብርኣብ ’ዩ፡፡

እዛ ጋዜጠኛ ኣብቲ ንኩነታት ሃገርና ኣመልኪታ ብፍላይ ድማ ንኣስመራ ኣመልኪታ ዘዳለወቶ መደብ ብኣቐማምጣን ብኩነታት ኣየርን እታ ከተማ ከም ዝተደነቐት ድሕሪ ምግላጽ፡ “ጋዜጠኛታት ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ፍቱዋት ካብ ዘይምዃኖም ዝተላዕለ ንኣዋርሕ ቪዛ ክትረክብ ከምዝተንከራተተትን ምስ ሰለጣ ’ውን እንተኾነ መስመራት ተሌፎንን ኢንተርኔትን ስለዝተዓጽዋ ካብ ዝኾነ ኣገልግሎት ክትበኩር ግድን” ከምዝኾናን ትገልጽ፡፡ እዛ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ብዝሒ ተንቐሳቐስቲ መካይን ዘይረኣየላ ከተማ፡ ተቐማጢኣ ’ውን ናብ ስደት ካብ ምውሓዝ ዝተላዕለ ከም ልቡ ካብን ናብን ክንቐሳቐሰላ ኣይረአን፡ እምበኣር እዚኣ’ያ እታ ናይ ኣፍሪቓ ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝባ ናብ ስደት ዘምርሕ ትብል እታ ጋዜጠኛ፡፡

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ዝተረኽበትሉ እዋን ኣብ ዝርርቦም ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ትካላትን ንስደት ኤርትራውያን ኢድ ከም ዘለዎም ተመሲሉ ተነጊርዋ፡ ነቲ ኤርትራ ተምሳል ሰሜን ኮርያ ዝብል ቅጽል ስም ’ውን ከምዘይስማምዑሉ ትውስኽ፡፡ ከተማ ኣስመራ ብሳትላይት ዲሽ ምዝቕባባ ዘስተውዓለት እዛ ጋዜጠኛ እንተኾነ ዘይከምምብዝሑ እቲ ዝተፈላለየ ቻነላት እናቀያየርካ ክትርኢ ከምዘይፍቐድን ነጻ ፕረስ ዝበሃል ኣምር ከም ዘየለን ብዓይና ሪኣ ከም ዘረጋገጸቶ ብምጥቃስ እዚ ከኣ ሓደ ኣካል ’ቲ ጭቆና ምዃኑ ተነጽር፡፡

“ኣብዛ ምጭውቲ ከተማ ዓቐኑ ዝሓለፈ ድኽነት ይረኣ፡  ኣብ ዓበይቲ ጎደናታታ ለማኖ’ለው፡ ሓደ ኤርትራዊ ብሓርፋፍ ገምጋም ዓመታዊ ብ600 ዩሮ’ዩ ዝነብር፡፡ ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሓደጋ ኢትዮጵያ ከም ዘሎ’ዩ ዝሓስብ፡ በዚ ሰበብ’ዚ ከኣ ንዜጋታቱ ንልዕሊ 10ታት ዓመታት ኣብ ከቢድ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብዘይዝኾነ ዓስቢ ቆሪንዎም ኣሎ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ’ዮም ቡዙሓት ግዳይ ስደት ዝኾኑ ዘለው፡፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፈሪ ነገር የለን፡ ኩሉ ጥረ ነገር ካብ ደገ’ዩ ዝጥለብ ኣብዚ ብጀካ’ቲ ክቱር ወተሃደራዊ ባርነት ቡዙሓት ዜጋታት ግዳይ’ዚ ጉልባቡ ዝቐልዐ ድኽነት ብምዃኖም’ውን ንስደት ክውሕዙ ከምዝተቐሰቡ” ጋዜጠኛ ሳቢነ ብቓላ ዝመስከረቶ ሓቅታት’ዩ፡፡ ንሳ ነዚ ድኽነት ኣልዒላ ክትገልጽ ከላ ከም ኣብነት ዝወሰደቶ ንፋብሪካ ቢራ መሎቲ ኣስመራ’ዩ፡ እዚ ፋብሪካ ዘለዎ ሕጽረታት ማይ፡ መብራህትን ሰራሕተኛን ከኣ ፋብሪካ ኢልካ ንክትገልጾ ’ውን ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝበርሃላ ነካያዲ እቲ ትካል ሓቲታ ደሞዞም ውሑድ ብምዃኑ ዝብል መልሲ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን’ዩ፡፡ ንዘይጠቐሰቶን ብዓይና ንዝተዓዘበቶን ኣጠቓሊላ’ውን’ያ ናብራ ኤርትራ ሰላማዊ ይመስል፡ እንተኾነ ብድሕሪ መጋረጃ ኣሰቓቒ ሕሰምን ጭቖናን የንብብ ኣለኹ፡ ነዚ ዓው ኢሉ ክሕብረኒ ዝደፈረ ኤርትራዊ ግን የለን፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እናሃለኹ ጥራይ ኣማኢት ኤርትራውያን ንስደት ኣምሪሖም ኣለው ክትብል ዝገለጸት፡፡

ህሉው ኩነታት ናይዛ ብኢሳይያስ ትመሓደር ዘላ ሃገር እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ ሕድሕድ ውጹዕ ኤርትራዊ ነቢብካ ዘይውዳእ ሚስጢራት ግፍዕን ጭቆናን ኣለዎ፡ ብማሕበራዊ ቅልውላው ኮነ ብፖለቲካዊ መዳይ እዚ ህዝብ ’ዚ ዘይለኸፎ ዓይነት ናይ መከራ ህይወት የለን፡፡ ኣብ ክል’ዚ ግን እናረኣዩ ኣዒንቶም ዝዓወሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮኑ ምስ ህግደፍ ዝደናገጹ ወጻእተኛታት ’ውን ኣለው’ዮም፡፡ ቶኒ ሎኸር ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ መላኺ ኢሳይያስ ተባሂሉ ዝግለጽ ሰብ ’ዩ፡፡ እዚ ስዊዛዊ ሓኪም’ዚ ናይ ኤርትራ እሙን ኣምባሳደር’ዩ ነዛ ሃገርን ይመርሓ ንዘሎ መላኽን ን40 ዓመት’ዩ ዝፈልጦም ግን —-

“ኤርትራ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዘይኮነት፡ ከምዚ ትሪኦ ዘለኻ ሕጉስ ህዝቢ’ለዋ፡ ብጥሜት ዝመውት ሰብ የለን፡ ኣዝዮም ሕጉሳት’ዮም ካብ ኣብ ስዊዝ ኬድካ ሓገዝ መንግስቲ ምቅባል ኣብዚ ዘሎ ሓጎስ ይበልጽ ክብል ድማ’ዩ ነቲ ርኡይ ኩነታት ክኽሕዶ ፈቲኑ፡ ብመሰረት’ቲ ዝተገልጸ ሓበሬታ፡፡ እዚ ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ ንኩነታት እቶም ንዓመታት ብዘይገደብ ግዜ ብረት ክስከሙ ተገዲዶም ዘለው ኤርትራውያን ወተሃደራት ከኣ ኤርትራውያን ኣብዛ ሃገር ሓራ ’ዮም፡ ዝኣሰሮም የብሎምን ጉቡኦም ከይፈጸሙ ዝተታሕዙ ግን መቕጻዕቲ’ለዎም፡ ከምቲ ሕጊ ዝጠለቦ ን2 ዓመታት ጥራይ ’ዮም ከገልግሉ ዝግብኦም ኔሩ፡ እንተኾነ ግን ኵናት ስለዘሎ ክቅጽሉ’ለዎም፡ እዚ ግቡኦም ’ዩ፡፡ ናብ ስዊዝ ዑቅባ ምሕታት መፍትሒ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ኮይኖም ከገልግሉ’ለዎም” ክብል ሕልና ዝጎደሎ መልእኽቱ የመሓላልፈሎም፡ እቲ ኣዝዩ ዝገርም ኣዘራርባ ቶኒ ድማ ኢሳይያስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ ’ዩ፡ “መላኺ ኣይኮነን፡ ከዛርቦ ንዝመጽእ ወጻእተኛ ብሽጉጥ ኣይቅበልን’ዩ ሰላማዊ ሲቪላዊ ሰብ’ዩ፡ ኣዝዩ ’ውን ሕያዋይ’ዩ፡ ኣነ እዛ ሃገር ነጻ ክትከውን ተሓጋጊዘ’የ ሕጂ’ውን ክቅጽሎ’የ ስለዚ ንኢሳይያስ ይድግፎ’የ ነዛ ሃገር ’ውን ጽቡቕ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ዝብል’ዩ፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ነዛ ሃገር ክሳብ ክንደይ ረሚስዋ ከም ዘሎ ጋዜጠኛታት ጀርመን ንልዕሊ 1 ስዓት ኣብ ዝኸደ ጸብጻቦም ኣረጋጊጾሞ’ዮም፡ ኣብ ካልእ ብዛዕባ ጽልሙት ኩነታት እዛ ሃገር ዝገልጽ ሓደ ጸብጻብ ጀርመን ነዚ የራጉዶ’ዩ፡ “ነዛ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2500 ሜትሮ ብራኸ ዘለዋ ከተማ ኣስመራ ንክርኢ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ኣዋርሕ ትጽቢት ዕድል ሰሊጡኒ መጺኤ’ያ’ለኹ፡፡ ናብ ኤርትራ ከም ጋዜጠኛ ክትኣቱ ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ፡ እዛ ሃገር ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ዓለም’ያ፡ እዚ ኣብ ጎደናታት ብዝረኣዩ ብዝሒ ለመንቲ ይንጸባረቕ፡ ወርሓዊ ድማ ብኣሽሓት ሃገሮም ገዲፎም ይጠፍኡ ኣለው፡ ብርቱዕ ድምጺ ጀኔተር ኣብ ኣስመራ ልሙድ’ዩ ኤለክትሪክ ስለዘየለ፡ ነዚ ድማ እቲ ሰብ ለሚድዎ’ዩ፡፡ መላኺ ኢሳይያስ ኢትዮጵያ ከይትወረና ካብ ዝብል ስግኣት ብፍላይ ንኤርትራዊ ወተሃደር መወዳእታ ዘይብሉ ከም ጊላ ጅሆ ሒዝዎ’ሎ፡ እዚ ድማ ካልእ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ኮይኑ’ሎ፡ ኣብ ጉዕዞና ክሳብ ከረን ክንከይድ ጥራይ’ዩ ተፈቒዱልና ብዘይመንቐሳቐሲ ወረቐት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ክትከይድ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ፡፡ ቡዙሓት ኤርትራውያን ተሳቕዮም ከም ዘለውን ንመንግስቶም ከምዝቓወምዎን ተሓቢኦም ኣዕሊሎሙኒ ኔሮም፡ እንተኾነ ግን ገጹ ቐሊዑ ክዛረብ ዝደፈረ የለን፡፡ ኤርትራ 2 ገጽ ኣለዋ፡ እቲ ሓደ ጽባቐኣ ፍሕሽው ህዝቢ እቲ 2 ገጽ ከኣ ኤርትራ ካብተን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገር’ያ፡ ብሓደ ሕሰም ውልቀ መላኺ ከኣ ትመሓደር ህዝቢ እዚ ሓርነቱ እንተዝምልሰሉ ኤርትራ ኣዝያ ምልክዕቲ ምኾነት”፡፡

እዛ ብሰንኪ ምሕደራ ኩሉ ነገራ ዝሰኣነት ሃገር እምበኣር በዚ ዝተገልጸን ገና ተገንጺሉ ዘይተወድአን መከርኣ ስማ ብሕማቅ ክጽዋዕ ንቡር ኮይኑ’ሎ፡፡ ኣብቲ ሰላማዊ ዝመስል ህዱእ ኩነታት መዓልታዊ ማእሰርቲ፡ መግረፍቲ፡ መቕተልቲ መጭወይቲ፡ ዓመጽ ገኒኑ’ሎ፡፡ ኤርትራ ’ምበኣር ደሴት ሰላም ተባሂላ ክትጽዋዕ ከም ዘይትኽእል እዚ ቅድም ኢሉ ዝተጠቐሰ ኣብነታት ብውሑድ ምዝርዛር ይከኣል፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY