ትንታነ ዜና 01-02-2018

0
350

ትንታነ ዜና 01-02-2018

መበል 30 ስሩዕ ጉባኤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተሳለጠ ኮይኑ፡ ጎኒጎኒ እቲ ጉባኤ ድማ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክልተኣውን ሰሉሳዊን ርክባት እንዳካየዱ ኣገደስቲ ምሕዝነታዊ ስምምዓት ክኽትሙ ቀንዮም’ዮም፡፡

ሰላም ወሰናይ ክቡራትን ክቡራንን ተኸታተልቲ ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜና ኣብ ድምጺ ወጋሕታ ከመይ ቀኒኹም፡፡

እዚ እንርከበሉ ዘመን ንበይንኻ ተነጺልካ ክትጎዓዝ ዘፍቅድ ከምዘይኮነ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ ሃገራት ኣህጉርናን ዓለምናን ንሓድሕድን ኣብ ምትእስሳር ዝገብረኦ ዘለዋ ንጥፈታት ድማ ንበይነን ክጎዓዛ ከምዘይክእላ ካብ ምርደአን ዝተበገሰ’ዩ ድማ በሃልቲ’ዮም፡፡

ናይ ሎሚ ሓሙስ ባሕቲ ለካቲት 2018 ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜናና ድማ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ድማ ብፍላይ ክኽትመኦ ንዝቐነያ ስምምዓት ምስቲ ሃገርና ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ተነጽሎን መጻኢ ዕድላታን ብምንጽጻር ክድህስስ ክፍትን’ዩ፡፡

ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነት ኣዲስኣበባ ክሰላሰል ዝቐነየ መበል 30 ጉባኤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሰኑይ 29 ጥሪ 2018 ውሳኔታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ፡፡

ንግድን ወፍርን፡ ጸጥታን ቃልሲ ኣንጻር ኣሸባርነትን ድማ ኣብቲ ጉባኤ ቀንዲ ርእሰ ጉዳያት ከምዝነበሩ ካብቲ ሕብረት ዝተዋህበ መግለጺ የነጽር፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ንሓቀኛ ሓድነት ኣፍሪቃ ካብ ዘነጽሩ ርእሰ ጉዳያት ናጻ መጓዓዝያ ኣየር ሓደ ኮይኑ ኣብዚ ጉዳይ ዝበዘሓ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ንምጅማሩ ፍቓደኛታት ምስ ምዃነን ተተሓሒዙ ብሓድሽ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ፡ ኮሚሽነር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃመትን ፕረዚደንት ቶጎ ፋውሬ ግናንሲንግቤን ነቲ ስምምዕ ዕላዊ ገይሮም’ዮም፡፡

ዕላማ እዚ ስምምዕ ዜጋታት ኣባል ሃገራት ብናጻ ክጎዓዓዙ ባይታ ዘንጽፍ ኮይኑ፡ ን300 ሽሕ ዜጋታት ተን ሃገራት ድማ ዕድል ስራሕ ክፈጥር’ዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

እዚ ስምምዕ ንዝጸነሐ ብዝሒ ተጎዓዝቲ ብ5 ሚልዮን ከምዝውስኽ ዝገብር ኮይኑ 23 ሃገራት ድማ ከቲመናሉ ኣለዋ፡፡

ካልእ ኣጀንዳ ጉባኤ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝነበረ ጉዳይ ጸጥታ’ዩ፡፡ ዝተረጋገአ ኩነታት እንተዘይሃልዩ ልምዓታዊ ገስጋስ እዛ ኣህጉር ክረጋገጽ ዝኽእል ከምዘይኮነ ብምርድዳእ ድማ፡ ጉዳይ ጸጥታ ቆላሕታ ኩለን ሃገራት ተዋሂቡዎ ንምርግጋጹ ኢደይ ኢድካ ክበሃለሉ  ከምዝግባእ እቲ ሕብረት ኣስሚርሉ’ዩ፡፡

ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኬንያን ጅቡትን ኣብ ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ ብሓደ ክሰርሓ ምስመመዐን’ዉን ናቱ መግለጺ’ዩ ተባሂሉ’ሎ፡፡

ኣንጻር ግብረሽበራ ዝግበር ቃልሲ’ዉን ብሓንቲ ሃገር ዝዕወት ከምዘይኮነ ዝተሓበረ ኮይኑ ኩለን ሃገራት ኣንጻር ዕብየት ንዝኾነ ግብረሽበራ ኣብ ምቅላስ ሓቢረን ክሰርሓ ከምዘለወን ኣብዚ መበል 30 ጉባኤ እቲ ሕብረት ኣስሚረናሉ’የን፡፡ ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ዓመተ 2018 ዓመተ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራን ብልሽውናን ተባሂላ ክትጽዋዕ ተወሲኑ’ሎ፡፡

ኣብ ፈለግኒል ብጽሒት ዘለወን ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ጉዳይ እቲ ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ መመንጨዊ ኤሌክትሪክ ሕዳሰ ተዛራሪበን ኣብ ውጽኢታዊ ስምምዕ ዝበጽሓ’ዉን ጎኒጎኒ ናይቲ ጉባኤ’ዩ፡፡ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘካየዱዎ ስሉላዊ ርክብ ድሕሪ ደጊም ምስ ህንጸት እቲ ሓጽቢ ተተሓሒዙ ክፍጠር ዝጸነሐ ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ፈጺሙ ከምዝተቐርፈ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ገሊጹ’ዩ፡፡

ጋዜጣ ኣልኣህራም ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ዜና ፕረዚደንት ኣልሲሲ ህንጸት ሓጽቢ ሕዳሰ ንግብጺ ዝህሉዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሎ’ዶ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ የለን ዝብል ሓጺር መልሲ ከምዝሃበሉ ኣነጺሩ’ሎ፡፡

ሱዳንን ብግዲኣ እዚ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ብዛዕባ እቲ ሓጽቢ ኣመልኪታ ኣብ ዘውጻኣቶ መግለጺ ፡ ኣብ ሓጽቢ ሕዳሰ ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣለና ኢትዮጵያውያን ካብ ኣፋረቑዎ ንሕና ናይ ምዝዛም ሓላፍነት ኣለና ክትብል ምግላጻ ዝዝከር’ዩ፡፡ እዚ ድማ ህንጸት እቲ ሓጽቢ ኪንዮ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ረብሓ ነዚ ዞባ ዝህቦ ቁጠባዊ ፋይዳ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ’ዮም ክኢላታት ዝገልጹ፡፡

ዞባዊ ውድብ በይነመንግስታት ንልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢጋድ፡ ንመቃላጠፊ እቲ ህንጸት ገንዘባዊ ሓገዝ ምብርካቱ’ዉን ንሓሳብ እቶም ክኢላታት ዝድርዕ’ዩ፡፡

እዚ ሓጽቢ ህንጸቱ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ክህብ ኣብ ዝጅምረሉ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝለዓለ ጥቕሚ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ክኢላታት፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ጸዓት ንምዕዳግ ውዑላት ይኣስራ ምህላወን ከኣ ናቱ መግለጺ’ዩ በሃልቲ’ዮም፡፡

እዘን ሃገራት ዝፈጥረኦ ዘለዋ ስጡም ምትእስሳር እምበኣር ኪንዮ ቁጠባዊ ረብሕኡ፡ ዝህሉ ሕውነታዊ ርክብ ዝለዓለ ትርጉም ከምዘለዎ’ዮም ዘነጽሩ፡፡ ብኣንጻሩ እታ ኣብዚ ዞባና ዝለዓለ ተረባሕነት ክህሉዋ ዝነበራ ሃገርና ኤርትራ ካብ ኩሉ ተነጺላ ምህላዋ ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ’ዮም ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝርከቡ ዜጋታትና ዝገልጹ፡፡

ሃብታም ህያባት ብተፈጥሮ ዝተዓደለት፡ ወናኒት ጻዕራም ህዝቢ ዝኾነት ኤርትራ ካብዚ ዞባዊ ውህደት ምንጻላ ካብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንላዕሊ ዝሕተተሉ ኣካል የለን ዝብሉ እቶም ዜጋታት፡ ብከምዚ ምቕጻል ከምዘይከኣል የዘኻኽሩ፡፡

ስነኣእምሮ መላኺ ኢሳይያስ ንሰላም፡ ልምዓትን ሰናይ ጉርብትናን ዝቕበል ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ከምዘለዎም ብምጥቃስ ድማ እቶም ዜጋታትና፡ ንመሬት ኤርትራ መዐንደሪ ጸረሰላም ሓይልታት ይገብሮ ምህላዉ መግለጺ ንሰላም ዘለዎ ኣብያ ከምዝኾነ የነጽሩ፡፡

ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ንሱ ዘስረጾ ዝንቡዕ ስነሓሳብን ክሳብ ዘለዉ ሃገርና ምዕሩይ ዞባዊ ዝምድና ክህሉዋ ዝሕሰብ ኣይኮነን ክብሉ ብምንጻር ድማ እቶም ዜጋታትና፡ ሓድነታ ኣብ ዘስጠመት፡ ልምዓታ ኣብ ዘረጋገጸት ኣፍሪቃ ዝለዓለት ተዋሳኢት እትኸውን ኤርትራ ክትፍጠር እትኽእል ኣብ መቓብር ኢሳይያስን ነጻሊ ስነሓሳቡን ጥራይ’ዩ በሃልቲ’ዮም ክብሉ ኣስሚረሙሉ፡፡

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here