ትንታነ ዜና 03-05-2018

0
113

ትንታነ ዜና 03-05-2018

 

ኤርትራ ብሓዊ ዝተኸበበት ደሴት ሰላም’ያ፡ ኣብ ዞባና ዘለዉ ኣህዛብ ብዓሌት ሃይማኖትን ፖለቲካዊ  ቅልውላውን እንዳተሓመሱ ህዝብና ግና ኣብ ውሑስ ሰላም’ዩ ተሓዚኡ ዝነብር፡ ሳላ መንግስቲ ዘካየዶ ዘይሕለል ጻዕሪ ማሕበራዊ ፍታሕ ነጊሱ ዜጋታት ተጠቀምቲ ይኾኑ ኣለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት መሰላት ዝበሃል የልቦን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተኾነ ገደብ ዝተነብሮ ኩሉ ዜጋ ክፍጽሞ ዘለዎ ግዴታ’ዩ፡ እናበለ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘይሳነ ዝተሰነዔ ሓበሬታ ካብ ዝህብ ህግደፍ ኣስታት 20 ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ ኣሎ፡ ብፍላይ ካብ ኵናት ኢትዮ- ኤርትራ ንነጀው፡ እነሆ ን17 ዓመታት ዝኣክል ክሕየቦ ንዝጸንሐ መድረኽ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ’ዉን ኣብዚ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ብጎሮሮኡ ተሓኒቑሉ ዘሎ እዋን ገለ መዋጽኦን መቐነይ ስልጣኑን ንኽሽምት ክብል፡ ኩምራ ናይ ሓሶት ጸብጻቡ ሒዙ ደበኽ ብምባል ቀሪቡ ኣሎ፡፡

ሰላምታና ኣይረሳዕናን፡ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ኮንኩም ፈነወ ሬድዮ ወጋሕታ ሳሊና ከፊትኩም ኣብ ምክትታል እትርከቡ ኩቡራትን ኩቡራንን ሰማዕትና ከመይ ቀኒኹም፡ ኣብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ መደብ ትንታነ ዜናና ኣብ ጉዳይ እቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ዘዳለዎ ዋዕላ ኣድሂቡ መላኺ ኢሳይያስ ዘቕርቦ ጸብጻብን ዝሃቦ ግብረመልስን’ዩ ክኸውን ሻሎም ምክትታል፡፡

ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዝተኻየደሉ ገድሊ ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 1991 ብዓወት ተዛዚሙ መላእ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ባዕዲ ናጻ ምስ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ሕሰሙን መከርኡን ዘብቅዓሉ ምዕራፍ ዝተረገጠ’ዩ መሲሉዎ ነይሩ፡፡ ይኹን ደኣንበር፡ ንሕድሪ ሰማእታት ክጠልም ድሕር ዘይበለ መሪሒነት ህዝባዊ ግንባር፡ ብፍላይ ንዕላማታትን መትከላትን ህዝባዊ ግንባር ናብ ሓራጅ ኣውሪዱ፡ ንሕቡእ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣወሪቑ ንፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ብገዛእ ሓይለ መልጡ ምስ ተቆጻጸሮ’ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩለንትናዊ በደላት ከውርድ ኣሃዱ ኢሉ ዝጀመረ፡፡

ዓፋኒ መላኺ ኢሳይያስ፡ ዋላ’ኳ ስጋብ እዛ ሰዓት’ዚኣ ፡ ንጹህ ከም ጲላጦስ መሲሉ ወትሩ ንብዓት ሓርገጽ እናነብዔ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዘየለ እንተገለጸ ፡ ግዳያት ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ተደጋጋሚ ኣብ ዝህብዎ ምስክርነት

 

 

ግና፡ መሪሒነት ህግደፍ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ብሓይሊ ሞጎት ዝኣምን ኣብ ዲሞክራሲያዊ ምብህሃል ዘይኣምን ዓፋንን ጨፍላቕን ናይ ውሑዳን ጉጅለ ምዃኑ’ዮም ዝምስክሩ፡፡

መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝወስዶ ዝነበረ ዓማጺ ስጉምቲ ድማ ኣብ ጽባሕ ናጽነት’ዉን፡ ኩለንትናዊ መሰሎም ንዝሓተቱ ብኣሸሓት ንዘቑጸሩ ተጋደልቲ ኣብ ገለ እዋን እናዘንገዔ ጨውዩ ብምውሳድ ንገለን ግዳይ ማእሰርቲ ክገብሮም ከሎ ን48 ሓርበኛታት ተጋደልቲ ድማ ኣውራ ኣድማ ኣበጋገስቲ ብምባል ብምስጢር ከምዝረሸኖም ካብቲ መጻወድያ ኣምሊጦም ስደት ዘምርሑ ዜጋታት ዝገለጽዎ ሓቂ’ዩ፡፡

መዓስ’ዚ ጥራይ ኣብ 12 ሓምለ ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ማይሓባር ዝፈጸሞ ፋሽሽታዊ ጭፍጨፋ፡ ኣብ 1997 ምስ እስላማዊ ጅሃድ ርክብ ኣለኩም ብምባል ን150 ደቂ መታሕት ብጃምላ ዝረሸኖ፡ ብዓቢኡ ድማ ምስ ሃገራት የመን፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዓንዳሪ ኵናት ብምኽፋት ብኣሸሓት ናይ ዝግመቱ ህይወት መንእሰያት ዞባና ክሃልቕ ገይሩ’ዩ፡፡

ብመላኺ ኢሳይያስ፡ ሲቪላውን ፖለቲካውን ጸቕጢ ወሪድዎም ንኣደዳ ማእሰርቲ መግረፍትን ስንክልናን ዝኾኑ ዜጋታት ድሕሪ ነዊሕ ኣደራዕ ተገላጊሎም ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝተሰደዱሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኦምን ህዝቢ ኤርትራን ዝወርድ ግፍዒታት ምስ ሙሁራት ውድባት ሲቪካውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ መሰላትን ኤርትራውያን ብምዃን ከቃልሕዎ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ዓመታት’ኳ እንተቑጸረ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ግና ዓይኑ ኣንቁሑ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ከተሓሳስቦ ዝጀመረ ኣብ ዓመተ 2014’ዩ፡ እወ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ፍትሓውነት ዓለም ሓደ ነጥቢ መቐይሮ ዝፈለመሉ ዕለት 2014፡፡

እነሆ ድማ እታ ብሸይላ ኪታሩት እትምራሕ፡ መርማሪት ኮሚሽን ድሕሪ እቲ ዘካየደቶ ኣህላኺ ጉዕዞ ስራሕ፡ ኣብ ሰነ 2015 ንጉዳይ ኣተሓዛ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ 483 ዝገጹ ጸብጻብ፡ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጨቋኒ ሰልፊ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ብውልቀን ብጅምላን ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍጽም ከምዝጸንሐን ዘሎን፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ጊላነት ከምዝፍጸም፡ ኤርትራ ኣብ ግሉጻትን ስውራትን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተዳጎኑ እሱራት ዝርከቡላ ሃገር ምዃና፡ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዘሰቅቑ ሜላታት ምርመራ ከም ዝግበር ፡ናብ ቤትፍርዲ ዝቐርበሉ ኩነታት ዘይምህላዉ ፍትሒን ግዝኣተ ሕግን ዘይብላ ሃገር ምዃና፡ ብሓፈሻ ብመላኺ ኢሳይያስ እትግዛእ ዘላ ኤርትራ፡ ሰፊሕ

 

ዝተራቐቐ ጃምላዊ ግህሰት መሰላት ዝካየደላ ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሕጊ ዘይኮነስ ብፍርሒ ተሸቑሪሩ ዝግዛኣላ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸመላ ዘሎ ሃገር’ያ ክትብል’ዉን ኣስሚራትሉ፡፡

እንተኾነ ሓሶትን ምድንጋርን ዝኣመሉ ዓፋኒ መላኺ ኢሳይያስ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ፡ ዕሱባቱ የማነ ማንኪ ፡የማነ ቻርሊን፡ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣቢሉ፡ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ከምዘየለን እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ጠቐነን ብገለ ጸላእትና ተዋዲዱ ዝቐርብን’ዩ ክብል ተደጋጋሚ ኣሉታ ሂቡሉ’ዩ፡፡

እነሆ ፡ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣህጉርና ዘሎ ኩነታት ኣተሓሕዛ መሰላት ዜጋታት ክዝትን ክግምግምን ኣብ ርእሰ ከተማ ሞሪታንያ ኑዋክሾኦት ተራኺቡ ኣብ ዘካየዶ መበል 62 ምዱብ ኣኼባ፡ እቲ ኣብ መድረኽ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ጉባኤታት ብገዛእ ትዕቢቱን ትምክሕቱን ተነጺሉ ዝነበረ መላኺ ኢሳይያስ ድሕሪ 17 ዓመት ኮራኹሩ ሊኢኹ፡ ንህልዉ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ዘየገናዘበ 100 ዝገጹ ሓሶት ዝተወቀጦ ጸብጻብ ከስምዕ ከምዝተራእየ፡ ኣብቲ ቦታ ብኣካል ዝተሳተፈት፡ ኤርትራዊት ተጣባቒት መሰላትን ኣካያዲት ስራሕ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ተነጽር፡፡

በቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝተወከሉ፡ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሙሳ ናይብን ዝመርሕዎ ካብ 10 ዘይበዝሑ ዕሱባት ኣብ ዝተሳተፈሉ መድረኽ ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ከምዘሎ፡ ደሴት ሰላም ምዃና፡ ህዝቢ ብዘይ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ ብሓባር ተኻኣኢሉ ከምዝነብር ኮታስ ንኤርትራ ከም ምድራዊት ገነት ጌሮም ኣብ ዘቕረብሉ እዋን፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ክሳተፉ ዝመጹ ተጣበቕቲ መሰላት በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ  ከምዝተገረሙን ከምዝኻዓብዎምን’ዩ ተፈሊጡ፡፡

ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ንክነግስ ብሙሉእ ዓቕማን ፍልጠትን እትጽዕት ዘላ፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም’ዉን፡ ብሽም ትካላ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ንህግደፍ ዝምክት 147 ገጽ ዝሓዘ ኣብ ባይታ ዘሎ ግህሰት መሰላት ኤርትራውያን ዘንጸባርቕ ጸብጻብ ኣቕሪባ’ያ፡፡

ድሕሪ’ቲ ብዕሱባት ህግደፍ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ጸብጻብ ድማ፡ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኮሚሽነራት፡ ብዓሰርተታት ዝግመቱ ኣዋጣሪ ሕቶታት ምስ ኣቕረብሎም ንሰኑይ 30

 

ሚያዝያ መልሲ ሒዞም ክመጹ’ዩ ነይሩ ቆጸራ ተታሒዝሎም፡፡ ካብቶም ዝቐረቡ ወድዓውያን ሕቶታት ድማ፡ ኤርትራ ቅዋም የብላ ተቓወምቲ ውድባት የብላን፡ ነዚ ከተተግብሩ መደብ ኣለኩም’ዶ? መዓስ ኢኹም ሃገራዊ ምርጫ ከተካይዱ? ብዛዕባ ጉጅለ 15 እንታይ ሓበሬታ ትህቡና? ኮምሽን ዝሃቦ ውሳኔ ዘይተተግብሩ እንተኮይንኩም ብኸመይ ኢኹም ግዴታኹምን ምእዙዝነትኩምን ንኣፍሪቃ ቻርተር ከተረጋግጹ? ጉጅለ 15 ክፍትሑ ኣለዎም ኢልና ኔርና፡ ዝወሰድኩሞ ስጉምታት ክትሕብሩና’ዶ? ግዱድ ዕስክርናን ዋሕዚ ስደትን ደው ክብል ዝወሰድኩሞ ስጉምቲ? ጉዳይ 18 ጋዜጠኛታት፡ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ነጻ ፕረስ፡ ዕደናን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ረብሓን …ወዘተ ዝኣመሰሉ’ዮም ነይሮም፡፡

ፈሊጡ ዝደቀሰ ነቕኒቕካዮ ነይሰምዕ ከም ወዮ ዝተባህለ ንስለ ክብሪ ሰብኣውነት ዘይኮነስ፡ ንዝተዋህቦም ዝንቡዕ መልእኽቲ ከሳልዩ ጥራሕ ዝተለኣኹ፡ ብወዲ ገራህቱ ዝምርሑ ኮራኹር ህግደፍ ግና፡ ንኣብዛሓ ዝቐረበሎም ሕቶ ጎስዮም፡ ንጉጅለ 15ን ምስኦም ዝተቐየዱ ጋዜጠኛታትን ከም ናይ ፖለቲካ ወይ’ዉን ናይ ሕልና እሱራት ኣይኾናን ንፈልጦም ናቶም ጉዳይ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ጉዳይ’ዩ ክብል ወዲ ገራህቱ ክገልጽ ከሎ ቀዳማይ ጸሓፊ ኣብ ኤንባሲ ኤርትራ ጀኔቫ ዝኾነ ኣደም ዓብዱ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ፡ እሱራት ባህላዊ ምዝንጋዕ ንክገብሩ ይፍቀደሎም መሻርፍ ኣለዎም፡ ንክማሃሩ ይፍቀደሎም፡ ብስድርኦም ይብጽሑ ብዛዕባ ጥዕንኦም ኣስተምህሮ ይግበረሎም ክብል ሕንኽ ከይበለ ክሕስው ተራእዩ’ዩ፡፡

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂውማን ራይትስ ዎች ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ 2018 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ’ዉን ንጻዊዒት ማሕብረሰብ ዓለም ዕሽሽ ብምባል ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ኩለንትናዊ ግህሰት መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ሓቢሩ’ዩ፡፡

ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ብወገኑ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ብዘይሕግን ፍርድን ንዓመታት ተቐይዶም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ቤተሰቦም’ዉን ኣበይ ተዳጕኖም ከምዘለዉ ገና ደሃይ ከምዘይብሎም ብምግላጽ፡ እቲ ብሉኡኻት መላኺ ኢሳይያስ ዝቐረበ ጸብጻብ ንሓቕነት ዝኽሕድን ንህሉዉ ኩነታት ኤርትራ ዘይውክልን’ዩ ክብል ገሊጽዎ’ዩ፡ ኤርትራ ብግህሰት ነጻ ፕሬስ ካብ 180 ሃገራት ዓለም ኣብ ድሕሪት መበል 179 ተሰሪዓ ምህላዋ ብምጥቃስ፡፡

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here