ትንታነ ዜና 10-05-2018

0
238

ትንታነ ዜና 10-05-2018

 

ስደት ኤርትራውያን ካብ መሰረቱ ክንድህስሶ ምስ እንፍትን ዝያዳ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢትዮጵያ’ዩ ዝተኣሳሰር፡፡ ካብ መፋርቕ ሱሳታት፡ ገድሊ ኤርትራ እንዳሓየለ ኣብ ዝመጻሉ እዋን፡ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ሕነሕነ ናይ ምሕያል ሰውራ፡ ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ንዝርከባ ዓድታት ብኣልማማ የቃጽልን ንህዝቢ ድማ ይሓርድን ይርሽንን ምስ ምንባሩ ተተሓሒዙ፡ ካብዚ ባርባራዊ ግፍዕታት ከምልጥ ዘንቀደ ህዝቢ ድማ እንከይፈተወ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ’ዩ፡፡

ድሕሪ ዓመተ 1975 ድማ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ካብቲ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝገደደ ባርባራዊ ግፍዕታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ኤርትራ የካይድ ስለዝነበረ፡ ኣብዛሓ መንእሰይ ዝርከቦ ህዝቢ፡ ናብ ሜዳ ኤርትራ እናወረደ ናብ ሰውርኡ ክስለፍ እንከሎ፡ ገለ መንእሰያትን ብብዝሒ ድማ ዓበይትን ብመገዲ ሱዳን ናብ ስደት ኣምሪሖም’ዮም፡ ከም መግለጺ ሰነዳት ታሪኽ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ዘመነ ባዕዲ፡፡

ኣብ ዘበነ ባዕዳውያን መግዛእቲ፡ ሕሰም ኣደራዕ ከርተትን ስደትን ከም ውሁብ ክውሰድ ንቡር’ዩ እቲ ምንታይ’ሲ፡ ባዕዳዊ ጸላኢ ካብ ሰባት ንላዕሊ ባሕርን መሬትን ስለዝብህግ፡፡ ነዚ’ዩ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ኣህላኽን ጽንኩርን ገድሊ ብምክያድ ሓርነቱ ብመገዲ ሰውራዊ ቃልሲ ዝዓጸዎ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ባዕዳውያን ገዛእቲ ጸራሪጉ፡ ናጽነቱ ኣውሒሱ ባንዴርኡ ኣብ ዘንበልበለሉ እዋን ድኣ ስለምንታይ፡ ዝያዳ ካልእ እዋን ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ፡ ጠንቁ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ቁጠባዊ ጥፍሽና ሕድሕድ ኵናት ወይስ ብሰንኪ ጎዳኢ ባህሪያዊ ሓደጋ?

ሰላም ኣብ ርሑቑን ቀረባን በረኻን ዓድን ኮንኹም፡ ብመገዲ ማእኸላይ ማዕበል 918 M.H ብኤፍኤማት፡ 100.1— 99.2 ፡ ብናይል ሳት ፍሪኮንሲ 12562 ሲምቦል ሬት ፡27500፡ ፓላራይዜሽን፡ Vertical ፡ ኤፍኢሲ 5/6 ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ፡ ሳሊና ዶት ኮም፡ ሓድሽ ረድዮ ወጋሕታ . netን ከምኡ’ዉን ብቀጥታዊ ፈነወ ኢንተርኔት live streamingን ፈነወ ማ/ሰባዊት ሬድዮ ወጋሕታ ሳሊና ከፊትኹም ኣብ ምክትታል እትርከቡ ኩቡራት ሰማዕትና ከመይ ቀኒኹም፡ ኣብ ናይ ሎሚዓንቲ ትሕዝቶ ትንታነ ዜናና ከምቲ ኣብ መእተዊ ከነነጽሮ ዝፈተናዮ፡ ኣብ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ዘድሃበ’ዩ ክኸውን ሻሎም ምክትታል፡፡

ከምቲ ኣብ መእተዊ ክንገልጾ ዝፈተና፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እንታይ’ዩ፡ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ወተሃደራዊ  ዕስክርናን፡ ከቢድ ጃምላዊ ግህሰት መሰላትን ምዃኑ ኣይኾነን’ዶ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበረሰብ ዓለም’ዉን ኣዳዕዲዑ ዝዛረበሉ ከም ክሪስታል ዝነጽሀ ሓቂ’ዩ ይብሉ ገለ ተጣባቕቲ መሰላት ዓለምና፡፡

እንተኾነ እቲ ብዘይ ልዕልና ሕጊ፡ ንህዝብን ሃገርን ብሓይሊ ብረት ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ግና፡ ጉዳይ ስደት ኤርትራውያን ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝረአ ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ጸገም ዘይኮነስ፡ ዓቕሚ ሰብ ኤርትራ ንምድኻም ተባሂሉ ኣሜሪካ ዝሃንደሰቶ ውዲት’ዩ ክብል’ዩ ዝገልጽ፡፡

ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ግና ንኣውራ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኣመልኪታ ኣብ ዝዘርጋሓቶ ጽሑፍ  ’’እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ስደት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ እንግዳዕ ውጹዕ ሕብረተሰብ ተጻዒኑ ቸቸይ ዝብል ዘሎ ጸረ ህዝብን ጸረ- ዲሞክራሲን ዝኾነ ፍጹም መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝወለዶ ፖለቲካዊ ጸገም ምዃኑ’ዩ ዘስምርሉ፡፡

መንእሰይ ወለዶ፡ ህግደፍ ኣአብ ዝወልዖ ዘይፍትሓዊ ውግኣት ኣትዩ ግዳይ ምስ ኾነ ህይወቱን ህይወት ስድራ ቤቱን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እናሃለወ ብጊላነት ከገልግል ምስ ተፈሪደን፡ ብዝዋዓሎን ዘይዋዓሉን በደላት ንኣደዳ መግረፍቲ መስቐይትን ማእሰርትን ምስ ተዳረገን’ዩ ንዘላ እንኮ ኣማራጺ ስደት እናተጠቐመ ናብ ጎረባብቲ ዝስደድ ምህላዉ ዝሕበር፡፡

ሎሚ ኣብዛሓ ኤርትራዊ ዜጋ ማለት ተማሃራይ ቀሲኑ ክማሃር ሓረስታይ ተረጋጊኡ መሬቱ ክሓርስ፡ ነጋዳይ ብናጽነት ነጊዱ ህይወቱ ክመርሕ ወተሃደር ግቡኡ ፈጺሙ ብክብሪ ክጣየስ ዘኽእሉ ምቹእ ኩነታት ኣብ ዘየለወሉ ወቕቲ፡ ቅሱን ማሕበረቁጠባውን ፖለቲካውን ህይወት ክመርሕ ዘይካኣለ ብኣሚኢት ኣሸሓት ዝቑጸር ዜጋ ንመጻወዲያ ህግደፍ ፈንጢሱ ከም ሕሱም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዱ ገና’ዉን ይስደድን ኣሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትና ነውሕስ ኣለና፡ ብሰንኪ ዘካየድናዮ ወሰኽ ደሞዝ ዋሕዚ ስደት ዜጋታት ኣመና ጎዲሉ’ዩ፡ ህዝብና ኣብ መዳይ ጥዕና ትምህርትን ዝርገሐ ጽሩይ ዝስተ ማይን ዝረኽቦ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ውጽኢታዊ’ዩ…… ወዘተ እናበለ ወትሩ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥንን፡ መድረኻት ዓለምን ይገልጽ’ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ዝሃቦ መግለጺ ግና ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ዝጋራጮ ምዃኑ’ዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ዞባና ዘነጽሩ፡፡

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ክንዮ’ቲ ዝወርድ ዘሎ፡ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዓፈና፡ ህዝቢ ብማሕበረ ቁጠባዊ ጥፍሽና ተገዲዑ፡ ነዛ ተመሲሑ ዘይድረረላ እዋን ተበጺሑ ምህላዉ ፡ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ 6 ርእሱን ጥሪቱን ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደ ወዲ 50 ዓመት ኣቦ ይገልጽ፡፡

እዚ ኣብ ዓዳዊ ሚልሻ ተወዚዑ፡ 2 ናብራ ክኣልይ ከምዝጸገሞ ዝገለጸ ኣቶ በርሀ ኪዳነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክራማት ስሕው ምስ ምንባሩ ስዒቡ ሓያል ደርቂ ስለዘጋጠመን፡ መንግስቲ’ዉን ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሉ ስለዘይተራኣየን፡ ቅድሚ ናብ ዓጸቦ ምስግጋሩ ህይወቱን ህይወት ስድርኡን ከድሕን ብምባል’ዩ ናብ ስደት ኣምሪሑ፡፡

ኣብዚ ዝሓለፉ 7 መዓልታት ጥራሕ፡ ገዛ ዓጺዮም ጥሪቶምን ሙሉእ ስድርኦምን ሒዞም ስደት ናይ ዝወሓዙ ኣሃዱ ስድራታት ቁጽሪ 10 በጺሑ ምህላዉ፡ ሓበሬታ ምንጭታትና የነጽር፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 1 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶባት ንዝተጻወደሎም ፖሊሲ ተኩስካ ቅተልን፡ ጸረ ሰብ ነተጕትን እናጣሓሓሱ ብኩሉ ግንባራት ሃገር ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም ኣለዉ፡፡

ካብዞም 1048 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ 7 መራሕቲ ጉጅለ ዓዳዊ ምልሻ፡ 3 መራሕቲ ጋንታን 2 መራሕቲ ሓይልን ዝርከብዎም 186 ወተሃደራት ክኾኑ ከለዉ፡ ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ዕስክርና ናጻ ምዝመዛ ጉልበት፡ ዘይፍትሓዊ ደሞዝ ሰራዊት፡ ኣድልዎ፡ ምእጋድ ዓመታዊ ዕረፍትን ሕክምናን ከምኡ’ዉን ኣብ ልዕሊ ስድርኦም ዝወርድ ዘሎ ጾር መንብሮን ድማ ኣውራ ጠንቂ ስደቶም ከምዝኾኑ’ዮም ዘነጽሩ፡፡

329 ደቂኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ ልዕሊኤን ይወርድ ብዘሎ ድርብ ዓፈና ተማሪርን 538 ትሕቲ ዕድመ ውላዳተን ሒዘን ከም ሃገረን ናብ ስደት ከምርሓ ከለዋ፡ 256 ህጻናት ድማ ብሰንኪ ኣብ ኣብዛሓ ክፋል ሃገር ኣንጸላልዩ ንዘሎ ሓደጋ ደርቂ ክጻወርዎ ስለዘይከኣሉ፡ ብዘይ ኣላይን ናባይን ኣሰር ዓበይቲ ኣሓቶምን ኣሓቶምን ስዒቦም ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለዉ፡፡

ብጀካ’ዚኦም’ዉን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኮሌጃት ተመሪቖም፡ ኣብ ዘይኣምኑሉ ዓውዲ ስራሕ ፡ ተወዚዖም፡ ብዘይዓስቢ ረሃጾምን ፍልጠቶምን ክምዝመዙ ዝጸንሑ 35 ሰብ ሞያ ኤርትራውያን፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ተሰዲዶም ኣለዉ፡፡

ብፍላይ ፡ ኣብ ዘይብቕዓቶም፡ ከም መምሃራን ኮይኖም ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ዜጋታት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ዝነበሮምም ግደ ኣዝዩ ትሕቱ ብምንባሩ፡ እቲ ዝርካቡ ኣብ ዓንዴል ትምህርቲ ዝወፈረ ተማሃራይ ግዳይ ኣልቦ ሳይንሳዊ ፍልጠት ይኸውን ከምዘሎ ኣስሚረሙሉ፡፡

ኣብ መወዳእታ እቶም ዜጋታት፡ ስደት ግዚያዊ ደኣምበር ዘላቒ መፍትሒ ከምዘይኾነ ደሕሪ ምዝኽኻር፡ ተመንዚዑ ዘሎ ኩለንትናዊ መሰላትናን ሃገራዊ ሓርነትናን ኣብ ዝሓጸረ ጨቢጥና፡ ዓዲ ክንምለስ እንተኾይና፡ ሕጂ’ዉን፡ ዳግማይ ብረታዊ ቃልሲ ኣካይድና፡ ነቲ ጠንቂ ስደትና ዝኸውን ዘሎ ኣካል ካብታ ብሓይሉ ዝተወጠሓ መንበረ ስልጣን ምውጋድ ጥራሕ’ዩ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here