ትንታነ ዜና – 14-12-2017

0
314

ትንታነ ዜና – 14-12-2017

 

ብውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትመሓደር ኣብ ዘላ ሃገርና ኤርትራ ኩሉ ጽቡቕ ዝበሃል ነገራት ጠፊኡ መመሰሊት ሕመቓት ካብ ትኸውን ልዕሊ ርብዒ ክፍለ ዘመን ተቖጺሩ’ሎ።

ኣብ ውሽጢ እዞም ዝሓለፉ 26 ዓመታት መሬታዊ ናጽነት ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽላታት እዛ ሃገር ጉዕዘኦም ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት’ዩ ክጉተት ጸኒሑ። ሕጂ’ውን ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ የምርሕ’ሎ።

ሰላም ወሰናይ ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕቲ ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜና ኣብ ድምጺ ወጋሕታ ከመይ ቀኒኹም ።

በደላት መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበረኸ ኣብ ዝበለሐ ጥርዙ በጺሑ’ሎ።

ወዲ ሰብ ክነብር እንተኾይኑ ክምገብ ኣለዎ ንክምገብ ድማ ክሰርሕ ግድን ከም ዝኾነ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ሓቂ’ዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ህግደፍ ዝተባህለ ጉጅለን ግን ነዚ ሕጊ ተፈጥሮ ዝኾነ ክስተት ብምንጻግ ንህዝቢ ኤርትራ ብህይወት ንናይ ምንባሩ መሰል ሙሉእ ብሙሉእ ይኸልኡዎ ምህላዎም ንዕዘብ ኣለና።

ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜናና ድማ ኣብ ክሊ እዚ ዛዕባ ክድህስስ ሓሪና ኣለና።

——————————–//////////////////———————–

ምልካዊ ህግደፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘብጽሖም በደላት ሜላታቶም ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ ዘብጽሕዎ ጉድኣት ግን ሓደ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራን ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን እፎይታ ክስመዖ ድልየት ህግደፋውያን ኣይኮነን። ክንድዝኾነ ይተረፍ’ዶ ዲሞክራሲያዊ መሰል ክሓትትን ክኽበረሉን እቲ ተፈጥሮ ዝለገሰትሉ ህያብ’ውን እንዳኸሉኡዎ ከም ዝርከቡ ኩሉና ኤርትራውያን መሰኸኻር ኢና።

ንትዕግስቲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ፍርሒ፡ ንልቦናኡ’ውን ከም ዕሽነት ዝቖጸሩ ህግደፋውያን፡ ካብ ንብረቱ ክሳብ ህይወቱ ክዘምቱ ካብ ዝጅምሩ ማዕሩ ዕምሪ ስልጣኖም ተቖጺሩ’ሎ።

ኣብዚ ቅንያት ( ካብ 5-12 ታሕሳስ 2017) ጥራይ ልዕሊ 350 ትካላት ብሓይሊ ብረት ህግደፍ ከም ዝተዓሸገ መርበባት ሓበሬታ ኣሰናን መድረኽን ጸብጺበን ኣለዋ።

እዘን ዝተዓሸጋ ንግዳዊያን ትካላት ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝርከባ ከም ዝኾና ዝሓበራ እዘን ማዕከናት ሓበሬታ፡ ሳቫና ሆቴል፡ ካራቨል፡ ባር ቪክቶርያ፡ ኤምፐርያል ሆቴል፡ ጉራዕ ፈርኒቸር፡ ተኽለ ግርማጽዮን ፈርኒቸ፡ ባር ኤምፔሮ፡ ማስክ፡ ባር ኣልባ፡ ላዮን ሆቴል፡ ኣልባ ቢስትሮ፡ ኣስመራ ስዊት ካፌ፡ ሆቴላት ካርቱምን ሜድያንን ድማ ገለ ካብተን ወደቓ ምዕጻው ዝበጽሐን ዓበይቲ ትካላት’የን።

ብመሰረት እቲ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ፡ ገንዘብ ንወጻኢ ሰዲድኩም፡ ከምቲ ዝድለ ካባኹም ዝጥለብ ቀረጽ ኣየማላእኹምን፡ ግቡእ ኣገልግሎት ትህቡ የለኹምን ዝብል ምኽንያት ነተን ትካላት ዝቐረበለን ምስምሳት ኮይኑ፡ እንተኾነ ንክብሪ ዋጋታትን ሳሕዊ ዓማዊልን ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ሃብቲ ህዝቢ ንምዝማት ዝገብሮ ዘሎ ሽርሒ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ንብረት ህዝቢ ብምዝማትን ንዜጋታት ጊላታት ብምቕያርን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዘን ዝዓሸገን ትካላት ቀረባት ዝረኽባሉ ዕድላት ኣብ ክንዲ ዘመዓራሪ፡ ንኩሉ መዓጹ ረጊጡ ተገልቢጡ ብምጥሓስ ሕጊ ክሓተን ንግርምቢጣዊ ባህርያቱ ዘጉልሕ ምዃኑ’ውን ዜጋታትና ይሕብሩ ኣለው።

ምዕጻው እዘን 350 ትካላት ኣብ ሰብ ዋናታተን ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን ዝበሉ እዞም ዜጋታትና ኣብ ትሕቲአን ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሓያሎ ወገናት ካብ ስርሖም ምስንኻሎም ከስዕቦ ዝኽእል ቁጠባዊ ቅልውላው ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።እዞም ሰራሕተኛታት እዘን ትካላት ኣለይቲ ስድራ ከም ምዃኖም መጠን፡ እቲ ክሳራ’ውን ብኡ መጠን ሰፊሕ’ዩ።

ዕብየት ሓንቲ ሃገር ብድምር ውጽኢት ስራሕቲ ዜጋታት’ዩ ዝረጋጋጽ፡ ንግዳዊ ጽላት ድማ ቁጠባዊ ዓንዲ ሑቖ እታ ሃገር ከም ዝኾነ’ዮም ክኢላታት ቁጠባ ዘነጽሩ።

ብመሰረት መግለጺ እቶም ክኢላታት ንግዳዊ ጽላት ካብ ቁጠባዊ መዳዩ ብዝሰገረ ምስ ትሪዙም’ውን ዝለዓሉ ርክብ’ዩ ዘለዎ። ንመልክዕ እታ ሃገር’ውን ብኡ መጠን ክብ ኣብ ምባል ገዚፍ ተራ’ዩ ዝጻወት።

ኤርትራ ግን ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ንዕበየትን ልምዓትን ዝጎዪ መሪሒነት ተሓሪሙዋ ኣብ ጽልምት ሞት ዝበለ ኩነታት ከም እትርከብ ይሕብሩ።

ከምዚዝበለ ጽልሙት ኩነታት ግን መዓስ ብብርሃን ይግላህ ይኸውን? ምልካዊ ኢሳይያስ ኣብዘን ትካላት ዝወሰዶ ስጉምቲ’ኸ ንህዝብን ሃገር ካብ ዘለዎ ሓልዮት ዝተበገሰ’ዩ ክበሃል ይከኣል’ዶ ይከውን ሓቢርና ክንሪኦ ኢና ብምባል ድማ እቶም ክኢላታት ቁጠባ ሓቢሮም።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here