ትንታነ ዜና 17-05-2018

0
69

ትንታነ ዜና 17-05-2018

 

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከተጽንዕ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘት መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ብምህላው ኣስታተ 500 ገጻት ዝሓዘ ሰነድን ንዑዑ ዘሰኒ ኣሳእልን ዘቅረበትሉ ፈላሚ ግዚኣ’ዩ ኔሩ 8 ሰነ ዓመተ 2015። ኣብቲ ግዜ’ቲ 3 ኣባላት ሒዛ ዝቆመት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ማእሰርትን እሱራትን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ምግሃስ መሰረታዊ መሰላትን ኣካላዊ ማህሰይትን ግኑን ምዃኑ፡ ብጀካ’ዚ በቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት’ውን ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ግሁድን ስውርን ግፍዕታት’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 5 ሽሕ ኤርትራውያን ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ከም ዝግደዱ ኣብቲ ንሓደ ዓመት መመላእታ ዘካየደቶ መጽናዕቲ ብዝግባእ ዘረጋገጸቶ ምዃና ዝፍለጥን ዝዝከርን’ዩ።

መጽናዕቲ እዛ ኮሚሽን ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ኣብ ዘለው ኤርትራውያን ዝተሞርኮሰ’ዩ ኔሩ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ንዑዑ ምርኩስ ብምግባር’ያ ትቅጽለሉ ዘላ፡ እቲ ምኽንያት ከኣ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ አትያ ስርሓ ከተሳልጥ ዕድል ስለዘይሃባ’ዩ፡ እንሆ ድማ ክሳብ ሕጂ እቲ ኩናት ከምኡ እንዳበለ ይቅጽል ኣሎ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣኼባታት ኣብ ዝካየደሉ እዋናት ግን ህግደፍ ኤርትራ ንግህሰት መሰል ከም ትኹንንን ትጣበቅን’ዮም ክምድሩ ዝስምዑ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቒ ግን ካልእ’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ሽግር እዚ ዝተፈጥረ ሕልክላኽ ህይወት ክጻወር ዘይከኣለ ኤርትራዊ እናተወደበ ንስደት ኣብ ዘማዕደወሉን ማሕበረሰብ ዓለም ብግዲኡ ንኤርትራ ከም መፍረዪ ስደተኛታትን ዘይበዓልቲ ለይቲ ዜጋታታን ጌሩ ኣብ ዝጥምተላን ዘሎ እዋን እምበኣር፡ ህዝቢ ኣብ ጫቛጫቛ ብምንባርን ነቲ ካልእ ጉዳያቱ ቦታ ብምኽላን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራይ ዝነብር ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ’ውን ህዝቢ እቲ ዝኸበረ በዓሉ ኣብ ዝጽንብለሉ ወርሒ ኣብ ሓሸውየ ክኣቱ መታን ነቲ ሰብን እዝግን ዝፈልጦ ሓቒ ብምኽሓድ ኣብ ዓለም ኤርትራ ጥራይ’ያ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታታ ተኽብር ሃገር ክብል ብመንገዲ ዋና ጸሓፊ ህግደፍ አልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣቢሉ ገሊጹ። ኤርትራ ኣብ ዓለም ሰብኣዊ መሰል ዝኽበረላ እንኮ ሃገር’ያ።

 

 

እዚ መግለጽ’ዚ ምስ ሕሉፍን ህሉውን ተመክሮ ህግደፍ ኣዛሚድካ ክረአ ከሎ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ ግን ድማ ዘደንጸ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ እቲ ዘይንቡር ከም ንቡር ጌሩ ካብ ዝወስዶን ንሓቒ ጸለሎ ምቅባእ ከም ዝቐሎን ጉዕዞ 27 ዓመታት ብቁዕ መምህር’ዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ፈጢርዎ ዘሎ ሓድሽ ድራማ’ውን ካብቲ መደናገርን ዘይእመን ሜላታቱን ሓደ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዘየለ እንተድኣ ኮይኑ ሰለምንታይ ህዝቢ መዓልታዊ ናብ ስደት ይውሕዝ ኣሎ፡ ህዝቢ ጥሜትን ጽምእን ሓሊፉ ኣብ ምቹእ ናብራ እንተድኣ ዝነብር ኮይኑ ሰለምንታይ ኤሪ ቲቪ ጸገም ዝስተ ማይ ኣብ ዜና ተቅርቦ’ላ፡ ሓደ ኤርትራዊ ካብን ናብን ውሽጢ ሃገሩ ብናጽነት ክንቀሳቐስ ዝኽእል እንተኾይኑ ብዝሓለፍካዮ ብሎኮ ንምንታይ ኬላታት አድለየ፡ ወዘተ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣድሂብካ ብዙሕ ክበሃል ይኽእል’ዩ፡ ምክንያቱ ኩነታት ሃገርና ውሽጡን ደጊኡን ብዘዛርብ ሕሰማት ዝዘቅበበ ስለ ዝኾነ።

ብጀካ’ዚ ኣብዚ ንሰማዒ ዘደንጸወ መግለጺ አልኣሚን፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ተቓውሞ ኤርትራን ማሕበራዊ መራኽቦታትን ሓሳባቶምን ዝፈልጥዎ ሓቅታትን እናፍሰሱ’ዮም ዝርከቡ ዘለው፡ እቲ በዚ ስርዓት ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ ግዜ ከምዚ ዓይነት ኣላጋጭ ክትሰምዕ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝኣክል ብዘይ ምዃኑ ድማ እዚ ትሕዝቶ’ዚ ክሳብ ዝዳለወሉ ሰዓት ሪኢቶታት ዝተፈላለዩ ወገናት’ውን እናወሓዙ’ዮም ኔሮም።

ኣብ ኤርትራ ናጽነት ሃይማኖታት ከም ዝሕሎን እዚ ድማ ፈጺሙ ኣብ ካልእ ሃገር ከምዘየለን ንዝነግር መግለጺ እቲ ዋና ጸሓፊ እዞም ዜጋታት ቅድሚ ሕጂ ብትእዛዙ ብዙሓት ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝተቓጸሉን ብርክት ዝበሉ ምእመናን ከምዝተኣሰሩን ነቶም ን12 ዓመት መመላእታ ኣብ ዝሸምገለ ዕድሚኦም ተኣሲሮም ብዙሕ ጸገማት ጥዕና ዘሕልፉ ዘለው ጳጳስ እንጠንዮስን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖታትን ከም ኣብነት ብምጥቓስ ይገልጹ፡ ዋናን ጎይታን ፖለቲካዊ ውሳኔኻ ዘይምዃን፡ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን ናጽነት፡ ብዘይ ፍርሕን ራዕድን ከምኡ’ውን ናጽነት እምነትን ሕትመትን’ውን እቶም ኣብ ኤርትራ ክኽበሩ ዝነበሮም ግን ድማ ተረጊጾም ዝኸዱ ዘለው ሓርነታት ምዃኖም’ውን ይውስኹ።

ኣቶ ኣልኣሚን ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዓይኒ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ከም ዝተመልከቶን እንተኾነ ግን እቲ ንውልቑ ኣብነት ብምግባር ዝተጠቐመሉ መግለጺ ኣብ ህዝቢ በጺሑ ከምዘይሰርሕን ዝገለጹ ካልኦት ወገናት’ውን ኣካል’ቲ መግለጺ ኣልኣሚን ዝፈጠሮ ኣግራሞት’ዮም ንዘይተፈጸመ ፍጻሜታት ከምተፈጸመ ንሓቂ ብሓሶት፡ ንመጻኢ ኣብ ዘየለ ተስፋ ኮታ ንግዚኡ መጠበሪ ዝኸውን ንኣረጋውያን ዕድመ ዘሕጽር፡ ንመንእሰያት ኣብ ባርነት ዘንብርን መጻንሒ ዝኸውንን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ዘስሙዑና 27 ዓመታት ዝገበሩ ህግደፋውያን ሕጂ ድማ ብዘይ ሕፍረት ልዕሌና ፍትሓዊ የለን ክብሉ ምርኣይን ምስማዕን ክቱር ንዕቀት ጥራይ ዘይኮነ ላግጺ’ውን ምዃኑ ይጠቅሱ።

ፋሽሽትነት ኣብ ናይ መወዳእታ ጥርዙ በጺሑ ንክርአ ተራ ህዝብን መንእሰይን ሱቅትኡ ክሰብር ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ይኹኑ ውልቀ ሰባት ተከባቢሮምን ተጠርኒፎምን ምስ ህዝቦም ናብ ሓርነት ጉዕዞ ብሓድነት ከካይዱ ድማ ኣብ መወዳእታ ናብቲ ህዝቢ ለበውኦም የመሓላልፉ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here