ትንታነ ዜና 22-09-2016

1
1073

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Tintane-Zena /TINTANE ZENA 22-09-2016 EDITED.mp3″]

ስማውያን ሰበስልጣን መላኺ ኢሳይያስ ነንባዕሉ ዝራጸም ሓበሬታት ክህቡ ካብ ዝጅምሩ ሓጺር ዘይብሃል እዋን ዘቑጽሩ ኮይኖም ዝህቡዎ ሓበሬታ ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮስ ካብ ዘይምዃኑ ዝተላዕለ ንእኩይ ምንቅስቓሳቶም ዘኸሽሕ ቃለ እምነት ክህቡ ምስማዕ ልሙድ እናኾነ ክመጽእ ይረኣ’ሎ።

ንሎሚ ሓሙስ 22 መስከረም 2016 ናባኹም ክነብሎ ሓሪናዮ ዘለና ትንታኔ ዜና ድማ ሓደ ካብቶም ስማውያን ሰበስልጣን እቲ መላኺ ከይተረደኦ ዝሃቦ ቃል ምስክርነት’ዩ ክኸውን ምሳና ጽንሑ።

ቅድም ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ ኣብ 18 መስከረም 2001 ዝተኣሰሩ ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ሙሁራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታት ብሕትን ኩሎም ብህይወት ኣለው፡ ኩነታት ጥዕናኦም ኣብ ጽቡቕ’ሎ ክብል ንሬድዮ ፈረንሳ ኢንተር ናሽናል ዝተባህለት ማዕኸን ዜና ሓበሬታ ምሃቡ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መላኺ ኢሳይያስ ሓያል ቁጥዐ ምፍጣሩ ተዘኩሮ ትማሊ’ዩ።

ብህይወትን ኣብ ጽቡቕ ኩነታትን እንተሃልዮም ኣበይ ኣለው ተባሂሉ ክህቦ ዝኽእል ብቑዕ መልሲ ስለ ዘይብሉ ቁጥዐ ኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ ሓያል ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ግዚኡ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ቅንያት ድማ ሚኒስተር ጸዓትን መዓድንን መላኺ ህግደፍ ዝኾነ ጀነራል ሰብሓት ኤፍሬም ማርክ ሺብየ ምስ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ዘ- ኣዘር ቮይስ ኣብ ዝገበሮ ዕላል ንመርዘን መላኺ ኢሳይያስ ዘጋድድ ሓበሬታ ዶረጒሑ’ሎ።

ሚኒስተር ስብሓት ኤፍሬም ኣብቲ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኢትዮጵያ ጎንደርን ባህርዳርን ተላዒሉ ዝቐነየ ዕግርግር ብቐንዱ ኢድ ህግደፍ ከም ዘለዎ ቃለ እምነቱ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ቃል መሕትቱ ኢትዮጵያ ትፈርስ ዘላ ሃገር’ያ ከምዚኣ ዝበለት ሃገር ከመይ ገይርና ብዓሌታዊ ዕግርግር ከም እነውድቓ ድማ ጽቡቕ ገይርና ንፈልጥ ኢና ክብል ጉጅልኡ ንሰላም ዘለዎ ጽልኣትን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ምረግጋእ ከይህሉ ንዘለዎ ህንጡይነትን ኣጉሊሑ’ሎ።

ሚኒስተር ሰብሓት ኤፍሬም ኣብ ቃላቱ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ንቅዋም እታ ሃገር እንተዘይ ቀይሩዎ ውድቀት ኢትዮጵያ ከም ዘይተርፍ ምሕባሩ ድማ ንውሽጣዊ ድኽመት ጉጅልኡ ክሽፍን ፈቲኑ።

ነቲ ቃለ መሕትት ዝተኸታተሉ ዜጋታት ብግዲኦም መላኺ ኢሳይያስ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንቶኹቷኺ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ናብ ቃልዕ ዘውጽአ ምዃኑ ብምጥቃስ ዕዳኡ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ብህዝቢ ንዝጸደቐ ቅዋም 97 ጒሒፉ ንህዝቢ ዝረግጽ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ብቅዋም ንዝመሓደር ህዝቢ ካልእ ሃገር ክሕለቕ ዘስደምም’ዩ ዝበሉ እቶም ዜጋታት፡ ኢትዮጵያ ክትወድቕ ካብ ክፍኣት ዘይኾነ ካብ ሓልዮት ተበጊስና ኢና ንደልዮ ክብል ኣብ ሓደ ሙሉእ ሓሳብ ምስ ሕድሕዱ ዝጋጮ መግለጺ ምሃቡ ድማ ንስግንጢነት እቲ ጉጅለ ዘነጽርዩ’ውን ኢሎም።

ስብሓት ኤፍሬም ከምዚ ክብል ምስክርነት ምሃቡ ነቲ ህግደፍ ንጸረሰላም ሓይልታት ኣብ መሬት ኤርትራ ኣዕቒቡ፡ የዕጥቕ፡ ይዕልም፡ የስንቕን ኣሎ ዝብል ክሲ ዝያዳ ዝራጉድ ምዃኑ’ውን የብርሁ።

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ጽምዶ ምግጣሙ ንጥፍኣቱ የቃላጥፍ’ሎ ዝበሉ እቶም ዜጋታት ምስክርነት ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ውሽጣ ህግደፍ ዕግርግር ክፈጥር ምዃኑ ብፍላይ ብኢሳይያስ ክወሃብ ዝኽእል ግብረ መልሲ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን ይሕብሩ።

1 COMMENT

  1. ክትሰርሕ ናብራኻ ክትገብር እንተ ዘይኪኢልካ እንታይ ክደግሙኻ ትደሊ ኑቡር ዝሰኣነ ፍትሒ ካብ ዘይብሉ ደኣ ትሰደድ እምበር እንታይ ኣማራጺ ኣሎካ።

LEAVE A REPLY