ትንታነ ዜና 26-04-2018

0
133

ትንታነ ዜና 26-04-2018

 

ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ሓደ ዕቱብ ኣጀንዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝኸውን ጸኒሑ’ሎ፡ እዚ ኣጀንዳ’ዚ ብዋናነት ጉጅለ ህግደፍን ሓለፍቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎን ገና ዝፍጽምዎን ዘለዉ በደላትን ክሳብ ሕጂ እናጸብጸበ፡ ዝረኸቦ  ፍረ ንዓለም ይዝርግሕ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሓድሽ ዝዘርገሖ ጸብጻብ ድማ ንሎሚ ኣብ መደብ ትንታነ ዜና ኣድህቦ ክንህበሉ መሪጽና’ለና፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሓያል ጻዕሪ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራውያን ትካላትን ንኩነታት ግህሰት መሰል ኤርትራውያን ትከታተል 3 ኣባላት ዘለዉዋ ኮሚሽን ክትቀውም ድሕሪ ምግባር እታ ብሸይላ ኪታሩት ተመሪሓ ስርሓ ትዓምም ዝነበረት ኮሚሽን ኣብ 8 ሰነ ዓመተ 2016 2ይን ናይ መወዳእታን ጸብጻብ ስርሓ ከም ዘቕረበት ይዝከር፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ዝቐረበ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ካብ ዝርከቡ ስደተኛታትን በቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግፍዕታት ካብ ዝበጽሖም ስደተኛታትን ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰብ ብዘይ መስርሕ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበሊ፡ እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ናይ ምንባር መሰሉ ተኸልኪሉ ሃገር’ዉን ብፍርሒ ትመሓደር ከምዘላ ምግላጻ ይዝከር፡ ብጀካ’ዚ ላዕለዎት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂሰባት ብሙሉእ ሓይሎም ተዋፊሮም ከምዘለዉ’ዉን ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቕረበቶ ጸብጻባ ጠቒሳ’ያ፡፡

ድሕር’ዚ ገበናት ህግደፍን ስቅያትን ግፍዕን ህዝብን መንእሰያትን ዝገለጽ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንመርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ፡ ብብዝሒ ህዝቡን ብደረጅኡን ቀዳማይ ዝኾነ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡ ደገፍ መላእ ኤርትራዊ ድማ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዘየቋርጽ ምዃኑ ዜጋታት በብ ወገኖም ዝከኣሎም ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም፡ ተደጋጋሚ ኣብ ዝተኻየደ ዕማም እዛ መርማሪት ኮሚሽን ድማ ደገፍ ኤርትራውያን ዝሓየለ ኔሩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ዉን ንጻውዒት ማሕበረሰብ ዓለም ዕሽሽ ብምባል ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ኩለንተናዊ ግህሰት መሰላት ይፍጽም ከምዘሎን ከምዘየቋረጾን ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂውማን ራይትስ ዎች ዝወጸ መግለጺ ይሕብር፡፡

ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ናይ 18 ሚያዝያ 2018 ጸብጻቡ፡ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ እሱራት ፖለቲካ ክፈትሕን ናብ ፍርዲ ከቕርብን፡ ናጻ ፕረስ ከፍቅድ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ዝግበር ኢድ ኣእታውነት’ዉን ደው ክብል ዝብሉ ዝርከብዎምን ካልኦትን ጻውዒታት ብምንጻግን ዕሽሽ ብምባልን ሕጂ’ዉን ጃምላዊ ግህሰት ይፍጽም ከምዘሎ ዝተፈላለየ ኣብነታት ብምቕራብ ንሓቅነት ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣረጋጊጹ’ሎ፡፡ ግህሰት መሰል ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ብመርማሪት ኮሚሽን ምቕራቡ ኤርትራዊ መንእሰይ ተቓውምኡ ብስደት እናገለጸ’ዩ መጺኡ፡ እዚ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ባርነት ጅሆ ንምሓዝ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ መጻወድያ ምዃኑ’ዮም ብዙሓት ዜጋታት ዝሰማምዑሉ፡፡ ነዚ ኣብነታት ኣሰንዮም ክገልጹ ከለዉ ድማ ጉልበት መንእሰይ ብናጻ ንጥቕሚ ጀነራላትን ሓለፍትን እቲ ጉጅለ ከምዝውፈ፡ ንልዕሊ 17 ዓመታት’ዉን ኤርትራዊ መንእሰይ ብዘይ ዝኾነ ወሰኽ ደሞዝን ምቹእ ሃዋህውን መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ባርነት ከምዝጽመድ የብርሁ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ንግዝያዊ መፍትሒ ንስደት ከማዕድው ከምዝግደዱ የነጽሩ፡፡

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ብምምጽኡን ብዝሒ ዝስደድ ቁጽሪ ኤርትራዊ’ዉን ናብ ኣሸሓት ብምስግጋሩን እታ ሃገር ኣፍራ¥ ሓይሊ ህዝባ ትስእን ከምዘላን እዚ ድማ ኣብ ግርጭት ካብ ዘየለዋ ሃገራት ብዋሕዚ ስደት ኣብ ቅድሚት ክስርዓ ከምዝኸኣለን ጸብጻብ እዚ ትካል የነጽር፡ ልዕሊ ኩሉ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ምዃኑ ብምግላጽ፡፡

ወግዒ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዘይምህላዉ ቅዋምን ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን እቶም ቀንዲ ተጠቀስቲ ባእታታት’ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ዝቐለለ’ዉን ክትግበር ዘፍቅድ ሕጊ ከምዘየለ’ዮም እዞም ዜጋታት ንሓሳባቶም መኸምበቲ ዝገብርሉ፡ እቲ ካብ ኩሉ ከፊኡ ዘሎ ህዝቢ ብሰላም ወጺኡ ክኣቱ፡ ክነግድ፡ ክሓርስን መንበሪኡ ዝኾኖ ገዛ’ዉን ክሰርሕን ዘይምኽኣሉ’ዉን ኣብቲ ህዝቢ ቀሊል ዝበሃል በሰላ ከምዘይገደፈ ብምንጻር፡፡

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here