ትንታነ ዜና 30-11-2017

0
142

ትንታነ ዜና 30-11-2017

ልምዓታዊ ገስጋስ ሓንቲ ሃገር ኣብ ጻዕርን ውህደትን ህዝባን መንግስታን ከም ዝሙርኮስ ዝከሓድ ከምዘይኮነ ብዙሓት ዝሰማማዕሉ ሓቂ’ዩ፡፡

ፍልጠት ዝተዓጠቐ ዜጋ ዘለዋ ሃገር ድማ ናህሪ ገስጋስ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ተርታ ዝማዕበላ ሃገራት ክስርዓ ዝለዓለ ተራ ይጻወት፡፡

ብመሰረት ክኢላታት ስነ ህዝቢ፡ ህዝቢ ንትምህርቲ ልዑል ቆላሕታ ብምሃብ ተሳታፊ ክኸውን እንተኾይኑ፡ ብመንግስቲ ሙቹእ ባይታ ክንደፈሉ ኣለዎ፡፡

ሰላም ወሰናይ ዝኸበርኩም ሰማዕትን ተኸታተልትን ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜና ኣብ ሬድዮ ወጋሕታ ከመይ ቀኒኹም፡፡

ጽላት ትምህርቲ ሃገርና ከም ሽንቲ ገመል ኣብ ዘመነ ኢሳይያስ ንድሕሪት ይጉተት ምህላው ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ይምስክሮ ’ሎ፡፡

ናይ ሎሚ ሓሙስ 30 ሕዳር 2017 ሰሙናዊ መደብ ትንታኔ ዜናና ድማ ኣብ ዙርያ’ዚ ዘድሃበ ክኸውን ’ዩ፡፡

—————————————/////////////////—————————————

ትምህርቲ ብርሃን ኣእምሮ ደቂ ሰብ ምዃኑ ሙሁራት ይዛረቡ፡ ዘይተማህረ ኣየድሕን ዘይተወቕረ ኣየጥሕን ዝብል ጽኑሕ ምስላ ወለዲ ድማ ንረብሓ ትምህርቲ ኣጉሊሑ ዘርኢ ከምዝኾነ’ዮም ዝጠቕሱ፡፡

ሙቹእ ናይ ትምህርቲ ባይታ ዝተፈጠረሉ ዜጋ፡ ከኣ ብክፉት ኣእምሮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንቕሓት በጺሑ ንባዕሉ ረቢሑ ንሃገሩን ህዝቡን ’ውን ዝተርፍ ጸጋ ኣለዎ፡፡

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና እዚ ዕድል ንህዝብና ክፉት ከይከውን ብመላኺ ኢሳይያስ ተፈሪዱዎ ይርከብ፡፡

ብመሰረት ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣብያተ ማእሰርቲ ቆላሕታ ይወሃብ፡ እቲ ዝርካቡ ዝተማህረ ድማ ዘይሽሙ ቅጽል ይልጠፈሉ ተጋሒጡ ድማ ናብዘን ኣብያተ ማእሰርቲ ክዳጎን ብመላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ይፍረደሉ፡፡

ብህይወት ናይ ምንባር፡ መጽለልን መሰረታዊ ድልየታትን ናይ ምርካብ ገለ ካብ ረቛሒታት ሰብኣዊ መሰል ኮይኖም፡ ናይ ምምሃር፡ ናይ ምስራሕ፡ ምምራጽ ወዘተ ድማ ዲሞክራስያዊ መሰላት’ዮም፡፡

እዞም መሰላት እዚኦም ዝተነፍገ ህዝቢ ድማ ልዕሊ ምውታት ትሕቲ ህሉዋት ይነብር ከም ዘሎ ’ዮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝገልጹ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ዘመነ መላኺ ኢሳይያስ ነዚኦም ቅድም ክብል ዝተገልጹ መሰላት ስኢኑዎም ምህላው’ዮም ዝሕብሩ፡፡

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ግና ንሃጓፋቱ ብቅንዕና ዓቢሱ መሰል ዜጋታት ክሕሉ ባህርያቱ ዘፍቅደሉ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ክንድኡ ነቲ ብዱል ህዝቢ ዓይኑ ዓሚቱ ኣይተበደልካን ሓንቂቕካ ዝብል መግለጺታት ብልሳን መራሒኡ ውልቀ መላኺ ብተደጋጋሚ ዘሽካዕልለሉ ተሰሚዑ’ዩ፡፡

ኣብ ትሕቲ መላኺ ኢሳይያስ ዝርከቡ ስማዊ ሚኒስተርነት ዝለበሱ ብሕልንኦም ዘይምርሑ ሰበስልጣን’ውን እንተኾኑ ንቃላት ኢሳይያስ ልክዕ ከም ቃላት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዘለዎ ክደጋግምዎ ይስምዑ ምህላዎም ብስፍሓት ይዝረበሉ’ሎ፡፡

የማነ ገብረኣብ ማንክን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ዑስማን ሳልሕን ንቃላት እቲ መላኺ ብምድጋም ፍሉጣት ካብ ዝኾኑ ሰበስልጣን ብቀንዲ ተጠቀስቲ ምንባሮም’ዩ ዝፍለጥ፡፡

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሮም ግን ሓድሕዶም ዘውጽኡዎ ቃላት ነንባዕሉ ዝጋጮ ኮይኑ’ሎ፡፡

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዙርያ ትምህርቲ ኣድሂቡ መግለጺ ክህብ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝቦኸረ፡ ተማሂሩ ስራሕ ዝሰኣነ፡ ፈቖድኡ ኮለል ዝብል ከም ዘየልቦ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዘለዎ ንዕቐት ኣጉሊሑ ዘርኢ ከም ዝኾነን ’ዮም ዜጋታትና ዝገልጹ፡፡

 

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ዜጋታትና ዝተዓቖቡለን መዓስከራት ስደተኛታት ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ሃይማኖት ዝኹንን፡ ነቲ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ኣኽርያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ህዝባዊ ተቓውሞ ድማ ዝድግፍ ውዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር ኮይኑ ንዘይቅርዑይ ምሕደራ ህግደፍ ብምቅዋም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ’ሞ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳታፊ ዝነበረ ዜጋ ንግህሰት መሰል ኣብ ሃገርና ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝወርድ ዘሎ በደል ድማ ብፍላይ ብምረት ክገልጽ ፈቲኑ ነይሩ፡፡

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ’ውን ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብ10ታት ኣሽሓት መንእሰያት ብሰንኪ ዘይብቑዕ ምሕደራ ባኺኖም ኣብ ጎደናታት ተሰጢሖም ምህላዎም ምስቲ ስደተኛ ዜጋታት ዝሃቦ ሓሳብ ተሰማሚዑ ነይሩ፡፡

ኣብ ቀረባ መዓልታት /25 ሕዳር 2017 ምዃኑ’ዩ/ 10 መምህራን ተወዲቦም ብሓደ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ምስጋሮም ድማ ነዚ ብኽነት ዝምስክር’ዩ፡፡

ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ንትምህርቲ ብዝነፈጎ ቆላሕታ ዜጋታት ተስፋኦም ጸልሚቱ ኣብ ሃገር ናይ ምንባር ሽውሃቶም ተዓጽዩ ናብ ስደት ከም ሕሱም ክውሕዙ ምኽንያት ይኸውን ብምህላው እምበኣር እቲ እንኮን ዘላቒ ፍታሕ ነቲ ጠንቂ ምእላይ ምዃኑ’ዮም ዜጋታትና ዝመኽሩ፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY