ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተከዙ ብዝወረደ ባርባራዊ ግፍዕታትከ መን’ዩ ክሕተት?

0
3380

እዚ ካብ ብጊሓቱ ኣንጻር ኩሉ ረብሓታት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላዕለ መላኺ ኢሳይያስ፡ መቐጸልታ ክንዮ እቲ ኣብ ገድሊ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዝነበረ ሕቡእ ባርባራዊ ግፍዕታቱ እነሆ ኣብ መድረኽ ናጽነት ብግህዶ ናብ ምትግባሩ ኣሰጋጊርዎ ይርከብ ‘ሎ።

ንዓመጽን ተንኮልን ሕላገቱ ገይሩ ዝተዓጠቐ ስርዓት ውሑዳን ጉጅለ ኢሳይያስ ልዕልና ሕጊ ረጊጹ ንህዝቢ ኤርትራ እንዳረገጹ ክነሱ፡ ትግባረ ቅዋም ብሰንኺ ወያነ ከምዝተዓንቐፈ ኣምሲሉ ንስሚዒታት ህዝቢ ብምምዝማዝ ኣብ ዲቕ ዝበለ መጋርያ ኵናት ጠቢስዎ። እነሆ ባዕሉ ንዝወልዖ ኵናት ባድመ ድማ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ገይሩ ከም መመሳመሲ ዕድመ ስልጣኑን፡ መትሓዚ ጅሆ መንእሰያትን ገይሩ ስለዝተጠቐመሉ ድማ ንኩሉ ዘዝዓኾኾ ወለዶ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ዳስ ሓውያ ዕስክርና ክቁረን ገይርዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ዝብል ስነ ሓሳብ ከም መትከል ብምውሳድ እሕሕ ነንዝበለ መስኪን ወዲ ሃገር ኣብ ጎዳጉዲ ኮንተይነራትን ኣብያተ ማእሰርትን እናዳጎነ ግዳይ ኣካላዊ ስንክልናን ሕማም ኣእምሮን ይዳርጎ ኣሎ። ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምንባር ዝተሓረሞ መንእሰይ ኤርትራ ድማ፡ ኣስተርሕዩ ናብ ዝነብረሉ ሃገር ክስደድ ነግፈረግ ኣይበለን። እንኮላይ ዕጫ ዓቢ ሓው እንታይ ምዃኑ ብኣጋ ዝተረድአ ዕሸል መንእሰይ፡ እንኮላይ እቲ ኣብ እርጋኑ ክጥወር ዝግበኦ ሽማግለ ኣቦ፡ እንኮላይ እታ ትማሊ ብቁሊ ማህጸና ነጊፉ ዝሃበት ኤርትራዊት ኣደ…..

ኣብ ውሽጢ ሃገር ሳዕሪሩ ዘሎ ዓፈና ማእሰርቲ ቅንጸላ መጭወይቲ፡ መስቐይቲ ብሓፈሻ ጀምላዊ ግህሰት መሰላት ድማ ካብቶም ኣውራታት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ገዛእ ርስቲ ኣቦታት ክስደድ ዝገበሮ ጠንቕታት ‘ዮም። እዚ እናሃለወ እቲ ሓቂ ግና ሕንከት ዘይስምዖ ትዕቢተኛ መላኺ ኢሳይያስ ኤርትራዊ ካብ ሃገሩ ዝወጽእ ዘሎ ብድፍኢት ምዕራባውያን ብተለኣኻክነት ስርዓት ወያነ እናበለ ክግዕር ክትሰምዖ ከለካ፡ በዓል ኣንጌላ መርኬልን ፍረንኮይስ ሆላንዴን ዘይኮኑስ ጽሉላት ንሱ ‘ዩ ኣጋንንቲ ጽሉላት።

እቲ ኣብዚ ለምቅነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተከዙ ዝተፈጸመ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ከ ተሓታቲኡ መን ‘ዩ። ስለምንታይ ከ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብሰላምን ብስኒትን ንዝነበረሉ ዓዲ ብዘይ ቅድመ  ኩነት  ክፈርስ ዝተደልየ። ምናልባት እዞም ልዕሊ 4 ሽሕ ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ነበርቲ ተከዙ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ይኹን ካልእ ባህርያዊ ሓደጋ ተፈናቂሎም ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ተዝግዕዙ ነይሮም ኣሰይ ምስተባህለሉ ነይሩ እንተኾነ ኩሉ ነቲ ቦታ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጥ ኤርትራዊ ግና ካብ ሩባ ተከዘ ናይ ኣስታት 4 5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዘለዎ ቁሸት ተከዙ ልሙዕን ስቡሕን መሬት ዝወነነት ኣዝዩ ንሕርሻ ዝኸውን ዘወናውን ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝወነነት ኣብ ዕንጋለ መግሃጫ ጠሌ በግዕ ከፍቲ እንባሕ ዝበሃለሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከም በዓል ሓርማዝ ዓጋዜን ሰሳሕን ጠሌ ቤዱን ዝበሉ እንስሳ ዘገዳም ዝሓዘ ተፈጥሮ ጸጋ ዝዓደለቶ ከባቢ ‘ዩ።

ስለምንታይ ድኣ እዚ ገባቲ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ነዛ ዓዲ ‘ዚኣ ኣፍሪሱ ንነበርታ ፋሕ ፋሕ ክብሉ ዝመረጸ ንዝብል ሕቶ ድማ መልሱ ፍሉጥ ‘ዩ። እዚ ዘይዓግብ ስሱዕ ሽውሃት ዝወነነ ማፍያ ጉጅለ ንልሙዕን ስቡሕን ሕርሻዊ መሬታት ኤርትራ ንውልቃዊ ረብሕኡ ክብል ምግባት ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ስለዝተቖጽረ ናይ ተከዙ ጉዳይ ‘ውን መቐጸልታ ናይቲ እከይ ስልታዊ  ራስይኡ ‘ዩ።

እቲ ካልእ ስልታዊ ሽርሒ እዚ ሓሳድ ስርዓት ድማ፡ ህዝቢ ተከዙ ካብ ምምሕዳር ዓፈና ህግደፍ ኣንሳሒቡ ብናጽነት ካብ ዝንቐሳቐስ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ኮይኑ፡ ነዚ ኩነታት ምስ ተረድኡ ድማ ኣብ ምምሕዳር ኣንቶረ ከምዝጥርነፍ ብምግባር ጅሆ ንምሓዙን ነቶም ዘዝገቦዙ ደቁ ድማ፡ ናብታ ዳስሓውያ ዝኾነት ሳዋ ንምጽንባሮምን ንምግፋፎምን ዝዓለመ ‘ዩ።

እነሆ ከምናይ ‘ዚ ውጽኢት ድማ ኣብ ሓድሽ ዓመተ 2017  ኩሉ ብረት ዝዓጠቐ ህዝቢ ተከዙ ዕጥቁ ከረክብ ብዑሱቡ ወዲ ፍሱህ ትእዛዝ ድሕሪ ምውራድ ንመንበሪ ኣባይቶምን ዝግልገሉላ ንዝነበሩ ቤተክርስትያንን ብኣሃዱ ክ/ሰራዊት 35 ኣቢሎም  ሃደሽደሽ ኣቢሎሞ ኣለው። ድሕሪ ‘ዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝተገብረ ዘቤታዊ ግፍዕታት ድማ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ እታ ዓዲ እንከይፈተው ናብ ጎረባብቲ ተሰዲዶም ኣለው።

እምበኣር ብሕጊ ጫካ ዓዲ ረጊጹ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ማፍያ ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ብሰንኪ እከይ ተግባራቱ ተማሪሩ ሃጽ ኢሉ ንሞት ሰጊሩ ናብ ሞት የምርሕ ምህላው እናፈልጠ ኣብ ዝስደደሉ ዘሎ  እዋን፡ ዓቕሚ ሰብና ዝዝቆቕ ዘሎ ብሽርሒ ግዳማውያን ብመርበብ ወያነ ኢሎም ክዛረቡ ኣሽካዕላል ጥራሕ ‘ዩ።

ሎሚ ሃገር፡ ስንኩል፡ ዓይነ ስውር፡ ብጽሕቲ ወርሒ ጥንስቲ፡ ሙርኩስ ዝሓዘ ሽማግለ ራሕሪሕዎ ዝከይድ ዘሎ ኸ ኮን ደኮን ብድፍኢት ኣሜሪካ ወይ ወያነ ዶ ይኾኑ? እቲ ዝገርም ልዕሊ ኣምላኽ ረቢ ብምዃን ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ጠንቋሊ  ስርዓት እኳ ‘ዩ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ። ሓሲብካን ሓሊንካን ዝብል ጉዳመኛ ሽፍታ ጉጅለ …. እንተኾነ ወትሩ ማዕበል ሓሶታት እንተተገላበጡ ክንዮ ሓጹር ሓቅታት ነይዘሉ ‘ዮም ኩሉ ፍብረካ ሽሕጣን ኢሳይያስን ኣዳኽርቱን ድማ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣብ ቃልዕ ተኾሽሑ በጣዕጣዕ ክብል ጀሚሩ ‘ዩ።

ወይለኹም ደኣ ኣንቱም ሕጂ ኣብ ልዕሊ ቃንዛ ሓውኹም መራኸስቲ እተዝሩቁ ዘለኩም ሰብ ጊዜ ——– እዚ ወድሓንኹም።

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY