መልእኽቲ ወጋሕታ – ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዓመጽ ህግደፋውያን ደው ክብል ኢድ ኩሉ ኤርትራዊ ክሓብር ኣሎዎ!

0
171

ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዓመጽ ህግደፋውያን ደው ክብል ኢድ ኩሉ ኤርትራዊ ክሓብር ኣሎዎ!

ኤርትራ ሓንቲ ሉኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ካብ ትኸውን ርብዒ ዘመን ሓሊፉ’ሎ፡፡ ኣብዚ ርብዒ ዘመን ውሽጢ ግን ከም ምዕብልቲ ሃገር ዘይኮነትስ ካብ ባህግን ድሌትን ህዝባ ተመዛቢላ ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ህግደፍ ናብ ዓባይ ቤትማእሰርቲ ዝተለወጠት ሃገር’ያ ኮይና ዘላ፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ካብ ዓባይ ቤትማእሰርቲ ናብ ሲኦል ተሰጋጊራ ዜጋታታ በብዝጠዓመና፡ እግርና ናብ ዝመርሓና ክንስደድ ናይ ግድነት ግድነት ኮይኑና ይርከብ፡፡ ዓመጽ ህግደፋውያን ካብ እዋን ናብ እዋን ከምዝተረበሸ ማዕበል ናተጋማጠለ ንኤርትራውያን ይድህኸና ብምህላዉ ከኣ ኣብ ገዛእ መሬትና ብዘይበደልናዮ ገበነኛታት ኮይንና ናብራ ክሓስመና፡ ህይወት ክትመረና ጸሓይ ብዓባያ ክትጽልምተና ኮይኑ’ዩ፡፡

ኤርትራውያን ብዘካየድናዮ መሪር ቃልስን መስዋእትን ዋላ’ኳ ናጽነት እንተረኸብና ዓስቢ መስዋእትና ግን ደላህመት ክኸውን ኣይምተገብአን፡፡

ህግደፍ ግን ደይ መደይ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራን ሃገርን ከጥፍእ ተዓጢቑ ይሰርሓሉ’ሎ፡፡ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ሓደጋን ትውረርን’ያ ዘላ፡፡ ባዕዳውያን ሃገራት ብዊንታ ህግደፍ ኣትየን ከከም ዝጠዓመን መሬት ኤርትራ ተመቓቒለን ሒዘንኦ ኣለዋ፡፡ ብሰላሕታ ከኣ ጸጋታታ ይምዝመዝ ከምዘሎ ዝተኸወለ ሓቂ ኣይኮነን፡፡ እዘን ባዕዳውያን ሃገራት እምበኣር ቀዳምነት ንረብሐአን ስለዝጥምታ ወዲ ሃገር ወስ እንተይሉ ምቕንጻል ብህግደፍ ፍቓድ ዝረኸባን ናተግበርኦ ዝመጸን’ዩ፡፡ መሬትና’ዩ ውጹልና ዝብል ኤርትራዊ ከኣ ኣብ ስደት’ዩ ዘሎ፡፡ ስለዚ ኤርትራ ቦታ ዓውደ ውግእ ክትከውንን ንክትበታተንን ብህግደፍ ማዕጾ ተራሕዩ ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ምዕራባውያን ዝዋግኡላ ቦታ ኮይና’ላ ማለት’ዩ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ናሃለወ ድማ ዓማጺ ህግደፍ ዝኽተሎ ስንኩፍ ፖለቲካ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ዜጋታት ክሽቑረሩ፡ ክርዕዱ ክብተኑን ክጸንቱን ዝገብር ብምዃኑ ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ኣይከኣሉን፡፡ እቲ የዐርዩ ደላህመት ጌርዎ ዘሎ ድማ ምስ ምእታው ድርቂ ተኣሳሲሩ፡ ካብ ጎረባብቲ ክመጽእ ዝግብኦ ገለ ሸቐጣት ምዕጻው ተደሚሩ ዝኸፍአ ሂወት ክዓስል ኣኽኢልዎ’ሎ፡፡ ጥሪት ዋጋ ዘይብለን ተደርብየን፡ ዋላ በቲ ሕሳር ዋጋ ከይሽየጣ’ዉን ገንዘብ ተሃጊሩ መግዝኢ የለን፡ ኮታስ ትካላት ሕርሻ ይኹን ድኳናት ብዘይምህላዉ ህዝቢ ኣዝዩ ናብ ክፉእ ሕሰም ወዲቑ ይርከብ፡፡

እሞ እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓዘቕቲ ሂወት ጥሒሉ ንዘሎ ህዝብና ንምድሓን ኢድ ኩሉ ኤርትራዊ ክሓብርን ክበራበርን ግድን’ዩ፡፡ ኣብዚ ህሞት’ዚ ከምዚ ኮይነ’ዶ እዚ ኣለኒ’ዶ፡ ኣፈላላይ ኣለና’ዶ ገለ’ዶ ዝብል እንተሎ ላግጽን ጸወታ ቁማርን’ምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ኣብዛ ሕጂ ሰዓት ኤርትራውን ኤርትራን ምድሓን የድሊ፡፡ ህልውና ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከኣ ሓንጎፋይ ምባሉ ጥበብ ’ምበር ስንፍና የብሉን፡፡ ህግደፋውያን ናብ ሽፍትነት ኣትዮም ዝዓወሩ ብምዃኖም ተወሳኺ ዕድል ምንባር ክወሃቦም ስለ ዘይብሉ ኣብ ኤርትራ ዝገብርዎ ዘለዉ ዓመጽ ደው ክብል ኢድ ኩሉ ኤርትራዊ ክሓብር ኣለዎ፡፡

ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!

ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና

14 ሚያዝያ 2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here