እናሓደረ ዘአርምም ዓማጺ ስርዓት!

0
180

እናሓደረ ዘአርምም ዓማጺ ስርዓት!

ጭካነ ጉጅለ ህግደፍ ገና ካብ ሜዳ ኣትሒዙ’ዩ ውሽጢ ውሽጢ ሰብ እናሳቐየ ዝመጽእ ኔሩ፡ ኣብ እዋን ሰውራ መራሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብየ ከተማታት እናተዘዋወረ በቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ወኒ ቓልስኻ ብዘበራብር ዝድረፍ ዝነበረ ደርፍታት ኣቢሉ ንቡዙሓት መንእሰያት ብኣስገደድ ግዳይ ክፉእ ውጥናቱ ጌርዎም’ዩ ሓደ ካብቲ ናይ ሽዑ ግዳያት መንእሰያት ናይ ሎሚ ኣቦ ኣቶ የማነ ገ/ታትዮስ’ዩ፡ ኣቶ የማነ ብ19 57 ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ ገና ኣብ ዕሽልነት ዕድሚኡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና ሓንቲ እግሩ ዝሰንከለ ናይ ሽዑ ቆልዓ ወዲ 2 ዓመት ናይ ሎሚ ኣቦ ወዲ 60 ዓመት’ዩ፡ እዚ ኣቦ ኣብ እዋን ምሕራር ባጽዕ ዕድሚኡ 30ታት’ዩ ኔሩ፡ ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዙ ብዘጋጠሞ ከቢድ ሽግር’ዩ እመበኣር ጭካነ ህግደፍ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ዝገልጾ።

ስርዓት ህግደፍ ካብ ምሒር ክፍኣቱ ዝተላዕለ ሓንሳብ ኣይምልካኻን  እንተድኣ ኢልካዮ ስዕረቱ ክቅበል ስለ ዘጸግሞ ጭካኒኡ መመሊሱ’ዩ ዝውስኸሉ ኣቶ የማነውን ኣብ ግዜ ንእስነቱ ብሰንኪ  ስንክልና ክሳብ ደቒሱ እናተዓለመ ዘሕለፎ ግዜ ቅሩብ ከየደንገጾም ክሳብ ዕድመ ሽምግልንኡ እናተኸታተለ’ዩ ግፍዕታቱ ኣብ ርእሲ ርእሲ ዝውስኸሉ ኔሩ። እንተኾነ ግን ቀንዪ ዝበላ ነብሲ ነዚ ኩሉ ግፍዕታት ሰጊራ ነዚ ታሪኽ’ዚ ክትነግር በቒዓ’ላ።

ክብሮም ኣብርሃም’ውን ካልእ ብግፍዕታት ህግደፍ ሳንሳን ዝበለ ዜጋ’ዩ፡ ኣብ ውሽጢ ህግደፍ ሓሶት፡ ሽርሒ፡ ጥልመት ጭካነ ኮታ ኩሉ’ሎ ክሳብ ሕጂ ድማ ዘይስማዕናዮ እንተዘይኮይኑ ዘይፈጸምዎ ገበን የለን፡ ምክንያቱ መራሕቲ ሃገር ተባሂሎም ካብ ንጓል ኣስተይቲ ምዕማጽ ዘነውር ተግባር ስለዘየለ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎን ክሳብ ሕጂ እናፈጸሞ ዝመጸን ኣነዋሪ ተግባራት ኣብቶም ባዕዳውያን ዝበሃሉ ገዛእቲ ኤርትራ’ውን ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ካብ ቡዙሓት ቃለ ምስክርነቶም ዝሃቡ ዜጋታት ብተደጋጋሚ ዝተሰምዐን ዝስማዕ ዘሎ ቓልን’ዩ፡ ህግደፍ ከምቲ ወትሩ እናተደጋገመ ዝግለጽ ስለ ህላወ ህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶ ነገር የበሉን፡ ኤርትራ መሬታ’በር ህዝባ አየድልን ዝብል ዝኣረገ ፈኸራ ደርጋውያን ሕጂ ብተዛራቢ ትግርኛ ደርጊ ተደጋጊሙ ክንሰምዖ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ዓይናን ኣብ ልዕሌናን ክፍጸም ንዕዘብ ኣለና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ትማሊ ኣሕዋትና ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ፡ ከም ጠለበጊዕ ተሓሪዶም ሕጂ ኸኣ እናተሸጡን እናተለወጡን ስቅታ መሪጹ ዘሎ፡ ስለዚ መፍትሒ ኩሉ’ዚ ሕሰምን ወጽዓን ካባና ብኣናን’ዩ።

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here