እዋናዊ ዛዕባ- ሃይማኖት ውልቃዊ እምነት’ምበር ፖለቲካዊ ግዴታ ኣይኮነን፡፡

0
199
ሰብኣዊ መሰላት ተባሂሎም ካብ ዝግለጹ እቲ ሓደ ሰብ ዝመሰሎ እምነት ከስጉም ኣብ ዝኣምነሉ ሃይማኖት ከምልኽ ዘፍቅድ ዓለም ዝተቐበለቶ ሕጊ’ዩ፡፡ እዚ ብዝኾነ መንግስቲ ይኹን በዓል መዚ ዘይትንከፍ መሰል’ዩ፡፡ ዝኾነ ሃይማኖት ገዛእ ርእሱ ዝመሓደረሉ ሕግን ስርዓትን ኣለዎ፡፡

ኣብ ሃይማኖት መንግስቲ ጣልቃ ከይኣቱን ጽዕንቶ ከይፈጥርን ብኣንጻሩ ድማ ኣብ መንግስቲ ሃይማኖት ኢዱ ከየእቱን ነናይ ገዛእ ርእሶም ናጽነት ኣኽቢሮም ተኸኣኢሎምን ተኸባቢሮምን ንሰላም፡ ንፍትሒ፡ ንፍቕሪ ንዕብየትን ብልጽግናን ብሓባር ተሰማሚዖም ከም መትከል ሒዞም ክሰርሕሉ ትጽቢት ይግበር፡፡

መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ተባሂሉ ዝጥቀስ ዝኾነ ውልቀሰብ ኣብ ዝመሰሎ ሃይማኖት ከምልኽ ዘይግሃስ መሰል ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡ ነዚ መትከል’ዚ ገለ መራሕቲ ሃገር ንፖለቲካዊ ረብሐኦም ከውዕልዎ ይፍትኑ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ንዝተፈላለያ ሃገራት ምጥቃስ ኣየድልን፡፡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጸቢብ ጉጅለ ብጉልባብ ሃይማኖት ኣቢሉ ፖለቲካዊ ረብሓታቱ ከሰጉሞ ብግልጺ ስለዝረኣይ ካልእ ጭብጢ ኣየድልን፡፡

ኣብ ኤርትራ ብጀካ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊትን እሰላምን ካልእ ሃይማኖት ኣፍልጦ ከምዘይወሃብ ብወግዒ ዝኣወጀ ኢሳይያስን ጉጅልኡን’ዩ፡፡ ከም ጅሆባን ካልኦት ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ኣብ ኤርትራ ከይንቀሳቐሱ እገዳ ዘምበረ ካብዚ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ’ዞም ምእመናን ብቃላት ዘይግለጽ ግፍዕን ኣደራዕን ኣውሪዱን የውርድን’ሎ፡፡

ብቕሉዕ ኣብዞም ዝተጠቐሱ ሃይማኖታት ወፍሪ ማእሰርትን ዓፈናን የካይድ’ምበር ኣብተን ወግዓውያን ሃይማኖት ኤርትራ ኢሉ ኣፍልጦ ዝሃበን’ዉን እንተኾነ መጋበርያ ፖለቲካኡ ካብ ምዃን ሓራ ኣይወጻን፡፡

ብኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝተፈጥረ ጽዕንቶ ፓትርያርክ ኣብ ቤቶም ንዓመታት ሓይሩ ብማሕበረሰብ ዓለም ጽዕንቶ ምስ ተፈጠረሉ ካብ ሱባኤ ወጽዮም ብዝብል ነቲ ማሕዩር ናይ’ቶም ኣቦ ከመሳምስ ፈቲኑ’ዩ፡፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ብምእመናን ዝኽፈል ሞባእ ንምቁጽጻር ሓደ መፍትሕ ሞባእ ኣብ ኢድ ቤተክርስትያን እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢድ ኣባላት ህግደፍ ክትሓዝን ነቲ ብሽም ሞባእ ካብ ምእመናን ዝተረኽበ ገንዘብ ገቢትዎ’ዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ተኸተልቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጽዕንቶታት ብምሕዳሩ ነዚ ተግባር’ዚ ኣርባዕተ ኣቦታት ካቶሊክ ብወግዒ ’’ሓወኻ ኣቦይ’ሎ ሓብትኻ ኣበይ’ላ’’ ብዝብል ናይ ውግዘትን ኩነኔን ጽሑፍ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘርጊሖም’ዮም፡፡ ኣብ ወንጌላዊት ቤተክስርትያን ኣብያተ ትምህርተን ብዝግባእ ከየመሓድራ ኢዱ ብምእታው ዘራሪግወን ኣብ እስልምና ብሽም ሓምሻይ መስርዕ ንኣመንቲ ኣከላቢትዎም፡፡

እዚ ብኣብነት ዝጠቐሰ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ሃይማኖት ንምግላጽ’ምበር እቲ ኣደራዕ ልዕሊ’ዚ ዝተገልጸ ብምዃኑ ኤርትራውያን ዝያዳ ንርድኦን ንግንዘቦን፡፡

ሕጂ ድማ ንክትሰምዖ ዝእርምም ሓድሽ ኣዋጅ ተኣዊጁ’ሎ፡፡ ዝኾነ ሃይማኖት ምህለላ ከካይድ እንተደልዩ ኣቐዲሙ ንመንግስቲ ከፍልጥ ዝብል ኣስገዳድ ኣዋጅ ኣዊጁ ዝያዳ ኣብ ናጽነት ሃይማኖት ጽዕንቶ ንምፍጣር ምንቅስቓስ ጀሚሩ ይርከብ፡፡

እዚ ጸቢብ ጉጅለ ክብርታትን ልምድታትን ሕ/ሰብ ዘይዓጦ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንዙፋኑን ስልጣኑን ጥራይ ዝሓስብ፡፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘየገድሶ ዕሉል ውልቀምልካዊ ጉጅለ ከምዝኾነ እዚ ኣዋጅ ከምሓደ ኣብነት ጌርካ ክውሰድ ይክኣል፡፡

ዜጋ ርእሱ ኣድኒኑ ብፍርሕን ሽቑረራን  ዝነብረላ እምነቱ ብናጽነት ከየስጉም ዝተቐየደላ ሃገር ምዃና እዚ ናይ’ዚ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ፈጢርዎ ዘሎ ዘይርትዓዊ እገዳ ምህለላ ነዚ ጉጅለ ዝያዳ ንመንነቱ ዘቃልዕ’ዩ፡፡

ሃይማኖት ውልቃዊ እምነት’ምበር ፖለቲካዊ ግዴታ ኣይኮነን፡፡ እዚ ዓለም  ዝተቐበለቶ ሓቂ’ዩ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ግን ነዚ ክቕበል ባህርያቱ ስለዘየፍቅደሉ ብቅሉዕ ይጥሕስ’ሎ፡፡ ኤርትራውያን በዚ ጉጅለ ናጽነትና ተገፊፉ ሓርነት ተሓሪምና ኣብ ባርነት ካብ እንነብር  ድሮ ዕድመ ሓደ ጎበዝ ተቖጺሩ’ሎ፡፡ እዚ ዓፈናዊ መግዛእቲ ብከምዚ እንተቐጺሉ ህልውናና ኣብ ሓደጋ ከምዝኾነ ክስቆረና ይግባእ፡፡ ተሰቚርና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን እንሓብረሉ እንሰምረሉ እዋን ሎሚ’ዩ፡፡ ናጽነቱ ዝተመንጠለ ሓርነቱ ዝሰኣነ ህዝቢ ህልውና ስለዘይብሉ ጸልማት ቀንጢጥካ ብርሃን ዝዓስል ብህዝባዊ ሰውራ ስለዝኾነ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ናዕቢ ተወሊዑ ሰላም ክረጋግጽ፡ ፍትሒ ክነግስ ኣለዎ፡፡ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ክሕለዉ ንጽባሕ ራህዋ ሎሚ መስዋእቲ ክንከፍል ይግባእ ንብል፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY