እዋናዊ ዛዕባ- ሓዊ ‘ምበር ጽምብላሊዕ ምዃን ከብቅዕ ኣለዎ

0
568

እዋናዊ ዛዕባ- ሓዊ ‘ምበር ጽምብላሊዕ ምዃን ከብቅዕ ኣለዎ

ኢሳይያስ ኤርትራ ናብ መጋርያ እቶን ቀይሩ ዜጋታትና ኣብቲ እቶን እናሳወረ ግዳይ ህልቂት ጌርዎም’ዩ፡፡ ናጽነት ኤርትራ ንኤርትራውያን ከምዘይትብጽሖም ርእሶም ንኸድንኑ ኣብ ሓዊ ክልብለቡን ተዳሂሎም ዝተባህሎም ክፍጽሙ እምበር ሰብኣዊ ክብርታቶም ክሕሎ፡ ክረጋገጽ መሰሎም ከምዘይኮነ ብተግባር እንዳርኣየ ድሮ 26 ዓመታት ተቖጺሩ’ሎ፡፡

መበል 26 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ክትዝከር ከላ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዘርኢ ናይ ምጽናትን ጃምላዊ መርሸንቲ፡ ግዱድ ጊላነትን ባርነትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተፈጺሙ፡፡ ኤርትራ ከም ሃገር ድሕሪ ናጽነት ዜጋታታ ዝሳቐዩላ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተባሂላ ፍሉይ ሕላገታ ክኸውን ተጌሩ፡፡

ብዋሕዚ ስደት ድሕሪ ሶርያ ኣብ ዓለም ብኻልኣይ ደረጃ እትፍለጥ ሃገር ኤርትራ ኮይና፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጽምብላሊዕ ኣብ ሓዊ እናተጠብሰ ሃሊቑ፡፡ መላእ ኤርትራ ንኤርትራውያን ረመጽ ኮይናቶም ዝልብለቡላ መንነቶምን ክብሮምን ዝምንጠሉላ መግዛእትን ባርነትን ኣስኪሕዎም ማእሰርትን መግረፍትን ሳንሳን ኣቢልዎም ሞትን ማሕረድትን ኣባህሪርዎም ጸግዕን ጽላልን ስኢኖም ግዳይ ብርሰትን ምብትታንን ኮይኖም’ዮም፡፡

ኣብዚ ምዕቡል ዘመን ባርነት ሕልሚ ኣብ ዝኾነሉ ኤርትራውያን ጅሆ ተታሒዞም ክኽድሙ ምርኣይ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰባት ንዕዳጋ ወሪዶም ክሽየጡ ምርኣይ  ከም እንዕዘቦ ዘሰክፍ ጥራይ ዘይኮነስ ዘሕንኽ’ዩ፡፡

ትማሊ ሓዊን ባርዕን ሰጊርና መድፍዕን ታንክና ነፈርትን ነታጉን ከይሓርበተና ምእንቲ ናጽነት ደምና ዘፍሰሰና ሎሚ ክንስክን ኣይግባእን፡፡ ሓዊ’ምበር ጽምብላሊዕ ምዃን ከብቅዕ ኣለዎ፡፡ ዝሓለፈ ይኣክል ብምባል ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ንሓርነት ቃል እንኣትወሉን ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ንዝተሰውኡን ዝሰንከሎን ቃሎምን ሕድሮም እነተግብረላ ዕለት ክትከውን ይግባእ፡፡

24 ግምቦት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ዋጋ መስዋእትን ስንክልናን ከምዝኾነት እናዘከርና ሓርነት ኤርትራን ኤርትራውያንን እነግህደላ ክትከውን ንዳግማይ ምስራሕ ታሪኽ ተበግሶ እንወስደላ ዕለት ኮይና ኣብ ወርቃዊ መዝገብ ታሪኽ ሽም ኤርትራን ህዝባን ንምምዝጋብ ቁልዒ ጓህሪ ፈጢሩ ባርዕ ህዝባዊ ሰውራ ክነባርዕ ግዜ ይጠልበና’ሎ፡፡

ብህዝባዊ ናዕቢ ምልኪ ይወገድ!

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY