እዋናዊ ዛዕባ- ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ኣይርከብን

0
272
ኤርትራውያን ከም ኢድና ኣይረኸብናን፡፡ ትማሊ ዝሓብሓብናዮም ሎሚ ጠሊሞምና፡ ኣሚናዮም ክሒዶምና፡ ተስፋ ኣምቢርናሎም ከዲዖምና፡ ሕማቕ ከይረኽቦም ብደም ደቅና ሓሊናዮም እሾኽ ከይወግኦም ኣጽሊልና ኣብ ማሙቕ  ኣቐሚጥናዮም ረጊሖምና፡ ኢሳይያስን መሳሰይቱን ሕድሪ ስውኣት ጥራይ ኣይኮኑን በሊዖም፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዮም ጠሊሞም፡፡

እዞም ሰባት ካብ ሎሚ ጽባሕ ናብ ልቦም ይምለሱ ይኾኑ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ኣዕብዩ እንተ ተዓገሶም ብብድዐ ሰኺሮም ንዒቖም፡፡ ንዕቀቶም ደረት ኣልቦ ኮይኑ ነቲ ኣብዚ ዘብጽሖም ህዝቢ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ ቅትለት፡ ማእሰርትን መግረፍትን ኣውሪዶሙሉ፡፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ከይውስን እገዳ ኣምቢሮም ካልኣይ ዜጋ ጌሮሞ፡፡ ፖለቲካዊ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ክንዲ ዝመሓየሽ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ወዲቑ፡፡

ፍሹል ፋሉላዊ ምሕደራ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ተጸንቂቑ ሃገር ራሕሪሑ ስደት ዓዲ ጓና ክውሕዝን ክበርስን ንዕዘብ ኣሎና፡፡ እዚ ውጽኢት ዘይምዕሩይ ምሕደራ ኢሳይያስን ጉጅልኡን’ዩ፡፡ ነዚ ኣረሜናዊ ስርዓተ ምሕደራ ኤርትራ ከወግዞን ክኹንኖን ኣለዎ፡፡ እቲ ምንታይ’ሲ እዚ ጉጅለ’ዚ ብህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ቁማር ይጻወት ስለዘሎ፡፡

ብስክፍታ ዝዕረ ነገር የለን፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ዝያዳ ንዓና ኤርትራውያን ይምልከት፡፡ እዚ ጉጅለ’ዚ ክመሓየሽ’ዩ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ክግደስ’ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘብጽሖ በደል ተሰቚርዎ ገበን ካብ ምፍጻም ክእደብ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ፡፡ ዘፍሰሶ ደም ዘብጽሖ በደል፡ ዘውረዶ ሕሰመ መከራ ዘይሓዊ በሰላ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ስምብራት ዝፈጠረ ኣብ መጋባእያ ቀሪቡ ብዝፈጸሞ ገበን ብዘፍሰሶ ደም ንጹሃን ብዝፈጸሞ ዘርኢ ናይ ምጽናትን ናይ ኲናትን ገበን ንክሕተት ድምጽና ካብ ምስማዕ ብዝሰገረ ብግብሪ ክንምክትን ምእንቲ ፍትሒ ዝጸምኦ ህዝቢ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ህዝባዊ ሰውራ ብምውላዕ ህዝባዊ ስርዓት ክንክተል ትጽቢት ይግበረልና፡፡ ጉዳይ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ጸገም ሰጊሩ ንህልውናና ዝፈታተን ሓደጋ’ዩ ኣንጸላሊዩና ዘሎ፡፡ ብውሑዳት ከዳዓትን ጠላማትን ጅሆ ተታሒዝና ሓሳረ መከራና ኢና እንበልዕ ዘሎና፡፡ ናይ’ዚ ፍታሕ ከኣ ኣብ ኢድና ኣሎ፡፡

ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ተፈቲኑ ዝወደቐ ናይ ውልቀ መለኽቲ እኽብካብ’ዩ፡፡ ድሕሪ ደጊም ካብ’ዚ ጉጅለ እንጽበዮ ሓላል ነገር ኣይህሉን፡፡ ዕምሪ ስልጣኑ ብዝተለቆመት ቁጽሪ ህይወት ብዙሓት’ዩ ዝብላዕ፡፡ ኣብ ስልጣን ምስ ዝቕኒ እቲ ጥፍኣት እናተዓጻጸፈን እናገደደን’ዩ ዝኸይድ፡፡ ኣብዚ ጉጅለ’ዚ ተስፋ ምንባር ብዕጫ እዛ ሃገር ምጽዋት ከም ዝኾነ ኤርትራውያን ክስቖረና ይግባእ፡፡ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ኣይርከብ፡፡ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ብምጽጋን ሃገር ኣይትድሕንን እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ ኤርትራውያን ኣይንተሃመል፡፡ ብምድንጋርን ጎስጓስን እዚ ጉጅለ ኣይንደናገር ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባ መልእኽትና’ዩ፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY