እዋናዊ ዛዕባ – ሰበኣዊ ናጽነት ብቑጠባ ኣይደዓዓስን!

0
268

ሰብኣዊ ክብርታቱን መሰላቱን ዝተነፍገ ህዝቢ ብቑጠባዊ ዕብየትን ብማሕበራዊ መነባብሮ ምምሕያሽን ኣይደዓዓሰን። ናጽነት፡ ፍትሒ ልዕሊ ቁጠባን ምችው ማሕበራዊ መነባብሮን ቅድሚት ይስራዕ።

ሰብኣዊ ክብርታቱን መሰላቱን ዝተነፍገ ህዝቢ ብቑጠባዊ ዕብየትን ብማሕበራዊ መነባብሮ ምምሕያሽን ኣይደዓዓሰን። ናጽነት፡ ፍትሒ ልዕሊ ቁጠባን ምችው ማሕበራዊ መነባብሮን ቅድሚት ይስራዕ።

ንከይዛረብ፡ እምነታቱ ከየሰጉም፡ ከይንቀሳቐስ፡ ዝኣመነሉ ከይገብርን ከይዓምምን እገዳ ዝተገብረሉ ህዝቢ ኣብ ሓደ ደምበ ተዳጉነን ካብ ዝተዘርዓ እንስሳ ኣይፍለይን። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት ቀዳምነት ዝውሃቦ፡ ብዝኾነ ሓይሊ ወይ ጉጅለ ክግደብ ዘይግባእ ምዃኑ ኩሉ ኣብ ፍትሕን ርትዕን ዝኣምን ይሰማማዓሉ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተራእየ ህዝባዊ ሰውራ መበገሲኡ መርገጽትን ዓፈናን ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኾነ ከም ኣብነታዊ ምስክር ተጌሩ ዝውሰደ’ዩ።

ብኣብነት ሃገር ሊብያ ምውሳድ እኹል’ዩ። ን42 ዓመታት ንሊብያ ዝገዝኣ መዓመር ቀዛፊ ጨካን፡ ኣሸባሪ፡ ወልቀ መላኺ ከምዝነበረ ዓለም ብሓደ ድምጺ እትዛረበሉ ዝነበረ ዕሉል ገዛኢ ተጌሩ ዝኹነንን ዝውገዝን ዝነበረ’ዩ።ብሓቂ ግን መሓመድ ቀዛፊ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ሊቢያ ትርጉም ዝነበሮ ስራሕ ኣይሰርሓን ተባሂሉ ክሕመ ይኽእል’ዶ? ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብምንጽጻር ክንርኢ ከለና።

ቀዛፊ መሰረታዊ ድሌታት ሊቢያውያን ኣብ ምምላእ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዙ’ዩ። ሓዳር ክገብር ዝወሰነ ሊቢያዊ መውጽኢ ሓዳሩ ማለት ንመግዝኢ መንበሪ ቪላ 50 ሽሕ ዶላር ብመንግስቲ ይሰልዓሉ። ሊቢያውያን ክወልዱ ክዝምዱ ንምትብባዕ ንሓደ ውላድ 5 ሽሕ ዶላር ይፍቀደሉ፡ ትምህርቲ ሕክምና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንሊቢያዊ  ናጻ’ዩ ኔሩ። ንፈለማ እዋን መኪና ንዝገዝእ ፍርቂ ዋጋ ናይታ መኪና ብመንግስቲ ይድጎም።

ትምህርቲ ወዲኡ ዝተመረቐ ሊቢያዊ ስራሕ ክሳብ ዝረክብ ስራሕ ጅሚሩ ናይ ዝኽፍሎ ማእከላይ ወርሓዊ መሃያ ተገቢጡ ይኽፈል። ኣብ ሕርሻዊ ማእቶት ክነጥፍ ንዝደሊ፡ ተሓራሲ መሬት ጥሪት መንበሪ ገዛ ብናጻ ይውሃቦ። ኣብ ዘመነ ምሕደራ ቀዛፊ ዋጋ ሓደ ሊትር ነዳዲ 14 ናይ ኣሜሪካ ሳንቲም ኔሩ፡ ካልእ ኣዝዩ ዝገርም 40 ባኒ ብ15 ናይ ኣሜሪካ ሳንቲም’ዩ ዝሽየጥ ዝነበረ።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ቀዛፊ 25 ሚኢታዊ ሊቢያውያን ዲግሪ ዝነበሮም ኮይኖም ቅድሚ ቀዛፊ ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእሉ 25 ሚኢታዊ ጥራሕ’ዮም ኔሮም። ኣብ ምሕደራ ቀዛፊ ግን ምንባብን ምጽሓፍን ናብ 87 ሚኢታዊ’ዩ ክብ ኢሉ። እታ ሃገር ዕዳ ዘይነበራን ኣስታት 150 ቢልዮን ዶላር መሓለውታ ገንዘብ ኔርዋ።

ኤርትራ ኣብ መሪሕነት ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኸ? ሓፈሻዊ ምስላ ከመይ ይመስል?

ሓዳር ኣብ ኤርትራ ከም ነውሪ ዝተራእየሉ ዘመን’ዩ ተበጺሑ ኣብ ግዳድ ዕስክርና ጅሆ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ሓዳር ክገብሩ እንተድኣ ኮይኖም ኣብቲ ዝተመደብሉ ግምባር ካብ ዝነብሩ ነበርቲ ሰብ ልቸንሳ ዝውሓሶዎም እንተራኸቦም’ዮም። ብሰንኪ’ዚን መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርናን ከኣ ኤርትራውያን መንእሰያት ወለዶ ከይትክኡ ተኣጒዶም ሓዳር ዝነበሮም’ውን ብሰንኪ ውትህድርና ማእለያ ዘይብሉ ሓዳር ፈሪሱ ስድራ ተበቲኑ’ዩ።

ትምህርትን ሕክምናን ኣብ ሃገርና መሰል ዘይኮነስ ከም ገይጺ’ዩ ዝሕሰብ። ኣብያተ ትምህርቲ ብጽምዋ ተዋሒጠን ትካላት ሕክምና ጸረ ቃንዛ ዘይርከበለን ዑና’የን ኮይነን። ኤርትራዊ ከይምሃር ዝድንቁረሉ፡ ከይሕከም ብሕማም ሳንሳን ዝብለሉ ምሕደራ’ዩ ብኢሳይያስ ተሓንጺጹ።

ኣብ ኤርትራ ባኒ ብመቑነን ዝዕደል ኮይኑ ክንዲ ጭብጦ ንእትኸውን ባኒ ማሸላ 3 ናቅፋን ልዕሊኡን ትሸየጥ። እዚኣ’ውን ብቐሊሉ ኣይትርከብን። ኤሌክትሪክ ንኤርትራውያን ብርቅና’ዩ።

ሕርሻዊ መሬት ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተባሕተ ኮይኑ ብናጻ ጉልበት መንእሰያት እናተሓርሰ መሕበጢ ጅባ መራሕቲ’ዩ ዝኸውን።

ሊቢያውያን ብዘመነ ምሕደራ ቀዛፊ ብቁጠባን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝሰኣንዎ ኣይነበረን። ብምቾት’ዮም ዝነብሩ ኔርሞ። ሊቢያውያን ዝሰኣንዎ ሰብኣዊ መሰሎም  ዘይምኽባሩ ክቅሕሩ ጌርዎም።

ህዝባዊ ሳውራ ወሊዖም ንውልቀ መላኺ መዓመር ቀዛፊ ኣብ ዓሚቕ ጋህሲ ቀቢሮሞ።

ኤርትራውያን’ከ? እዚ ኩሉ ሕሰመ መከራ እናበጽሐና፡ ማሕበረ ቁጠባና ባይታ ዘቢጡ፡ ሰብኣዊ ክበርና ተጋሂሱ ትሕቲ ህልዋት ልዕሊ ምውታት ከርፋሕ ህይወት እንዳሕለፍና፡ ስጋብ ሕጂ ኣብ ባርነታዊ መግዛእቲ ተቐይድና ምንባርና ኣይሕፍርን’ዶ? ኤርትራውያን ክንምልሶ ዝግባእ ሕቶ’ዩ። ጸጋታት ኤርትራ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ብልክዕ እንተዝመራቓሕ ቁጠባዊ ናጽነት’ውን እንተዝህልወና ሰብኣዊ ናጽነት እንተዘይብልና ሰብኣዊ ናጽነት ብቑጠባ ኣይደዓዓስን።

ቁጠባዊ ናጽነት ደበስ እንተዘኸውን ሊቢያውያን ምረዓምዎ። ሕርያኦም ሰብኣዊ ናጽነት ስለዝነበረ ንቀዛፊ ቀቢሮሞ። ኤርትራውያን ግን ቁጠባዊ ናጽነት ኣይረኸብና ሰብኣዊ መሰላትና ኣይተኸብሩ ክልተ ሞት ኢና ንመውት ዘለና፡፡ ነዚ ብምስትውዓል ሓርነትና ብህዝባዊ ሰውራ ክነረጋግጽ ይግባእ። መልእኽትና’ዩ።

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY