እዋናዊ ዛዕባ- ኣፈላላያትና ጽኑዕ መሰረት ሓድነትና’ዮም፡፡

0
162

ኤርትራውያን ብሄራትና መልክዕ ጽባቐናን’ዮም፡፡ እምነታትና ክብርታትናን ሓበናትናን’ዮም፡፡ ኤርትራ እትብሃል ካብ እትፍጠርን ቅድሚኡን ብሄራትና፡ ቋንቋና፡ ባህልና፡ ልምድታትናን ክብርታትናን ብሓድነትና ዕንቅፋት ኮይኖም ኣይፈልጡን፡፡ ንሓድሕድና ተኸባቢርናን ተሓቋቑፍናን ብልምድና፡ ባህልናን ክብርናን ኣብ ሓደ ሰሚርና ክነብር ዝጸናሕናን ዘለናን ህዝቢ ኢና ኤርትራውያን፡፡

ብብሄር ሃይማኖት፡ ባህልን ልምድን ተኾራኵሕናን ተተፋኒንናን ኣይንፈልጥን፡፡ እዚ ኣፈላላይ ብሄር፡ ልምዲ፡ ባህልን እምነትን ብሽሕጣን ፖለቲካ ከይተዘረገን ከይተመራሰሐን ንዘመናት ኣብ ጽላል ሓድነት ሰሚርና ኣንጻር ባዕዲ ንናጽነት ተቓሊስና፡፡ ኣስላማይ ክስታናይ ምእንቲ’ዛ ሃገር መስዋእቲ ከፊሎም፡፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝተቐብሩላ ብደሞም ፈሪሞም ንዝንተ ዕለት ብሓባር ክነብሩ ዝተመሓሓሉላ ኤርትራ ሎሚ ነዚ ዘሐብን ታሪኽ ምክእኣል፡ ምክብባር ያታ፡ ልምድን ባህልን ዘዕኑ ሃገር ብዓሌት፡ ብኣውራጃን ቀቢላን ጎዛዝዩ ዜጋታት ንኸይተኣማመኑ በብእዋኑ ሓድሽ ተዋስኦ ፖለቲካ እናፈብረኸ ኤርትራ ምድራዊት ሲኦል ንኽትከውን ጸጸኒሑ ዝፍንጀር ነታጕ ኣብ ኣተሓሳስባ ንክፍጠር ብምግባር ድሕረይ ዳንዴር ኣይብቆላ ፡ ድሑር ተንኮል ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ክእለምን ጉዕዞና መገዲ ጥፍኣት ክኸውን ንልዕሊ 26 ዓመታት ተሰሪሑሉ፡፡

ውጽኢት ናይዚ ዝኸሰረ ፖለቲካ፡ ኤርትራውያን ግዳይ ስደትን ብርሰትን፡ ሞትን ህልቂትን፡ ማእሰርትን ግፍዕን ኴንና ሰብኣዊ ፍጡር ክጻወሮ ዘይክእል ሕሰምን ኣደራዕን ክወርደና ጸኒሑን ይወርደናን ኣሎ፡፡ ኣብ  ሃገር ፍርሕን ራዕድን ነጊሱ ኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩን መሬቱን ርእሱ ከድንን ተጌሩ፡፡

መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ቤት እምነታትን ኣባይቶምን እናተሃድኑ ኣብ ጉድጓድ ሰፊሮም፡ ፖለቲከኛታት፡ ምሁራት፡ ጋዜጠኛታት ነጋዶ፡ ሓረስቶት፡ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ጽዋዕ ሕሰም ሰትዮም ዝጠፍኡ ጠፊኦም ገለ ሃለዋቶም ተሰዊሩ ገለ ድማ ሰንኪሎም፡፡ ኣብ ኤርትራ ማእሰርቲ መግረፍቲ ቅንጸላ ዳርጋ ንቡርን ዕለታዊ ተርእዮን ኮይኑ፡፡ ፍትሒ ዝጸምኦ ህዝቢ ንባርነት ኣሜን ኢሉ ኣይቅበልን፡፡ ብዝተወደበ ኣገባብን ብውልቀን ተቓውምኡ ካብ ምስማዕ ኣየዕርፍን፡፡ ኤርትራውያን ድማ ምእንቲ ክብርናን ሰብኣዊ መሰላትናን ተቓውሞታትና ካብ ምስማዕ ኣየዕረፍናን፡፡ ዋላ’ኳ ምላሽ ፍትሓዊ ሕቶና ሞትን ማእሰርትን እንተኾነ ወጊድ ባርነት ምባልና ኣይተረፈን፡፡

1993 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ኣካይዳ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ስለዘቕሓሮም ኣድማ ወሊዖም፡፡ ግብረመልሱ ማእሰርቲ ቅትለትን ግፍዕን ኮይኑ 1994 ጀጋኑ ስንኩላን ማይ ሓባር መነባብሮ ሓሲሙና ዝብል ሰለማዊ ሕቶ ብምሕታቶም ብረሽራሽ ጠያይቲ ጃምላዊ መርሸንቲ ኣብ ልዕሊኦም ተፈጺሙ፡፡ መሬት ኤርትራ ብደም ንጹሃን ጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልቲ ጠልቅያ፡፡

ድምር ናይዚ ኩሉ ውጽኢት ኣብ ኤርትራ ንፋስ ሓርነት ክነፍስ ኣለዎ ኢሉ ወዲ ዓሊ ዝመርሖ ኣብ 2013 ዝተወልዐ ስርሒት ፎርቶ ንጊዚኡ ተደጕሉ ብመስዋእቲ ወዲ ዓሊ ተዛዚሙ፡፡

እዞም በብእዋኑ ዝልዓሉ ዝነበሩ ተቓውሞታት በርዒኖም ማለት ኣይኮነን፡፡ ተደጕሎም ብውሽጢ ጓህሪ እናፈጠሩ ፈኸም እናበሉ ከምጸንሑ ዘመላኽት’ዩ፡፡ 31 ጥቅምቲ ኣብ ኣኽርያ ዝተወልዐ ተቓውሞ ድማ ናይቲ ድጉል ሓዊ ውጽኢት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡

ኣቦና ሓጂ ሙሳ ምእንቲ ፍትሒ ከም ገንሸል ንገዛእ ርእሶም ንመስዋእቲ ቁሩብ ዝኾኑ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፡፡ ንዓፈናን መርገጽትን ናይዚ ጉጅለ ክንቅበል ከምዘይብልና ብቅሉዕን ንጹርን ቋንቋ ንመላእ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ መልእኽቲ ኣሕሊፎም፡፡ ከም’ቶም ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ መራሓኣ ዝበጽሐ ዕጫ ማእሰርቲ በጺሕዎም፡፡ ከም’ቶም ኣብ ፎቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ጽዋዕ ግፍዒ ዝሰትዩ ዘለዉ ኣመንቲ መሰኻኽር ይህዋ፡ ኣመንቲ ካቶሊክ፡ ኣመንቲ ወንጌላዊት ቤተክርስትያንን ኣመንቲ ጴንጠ ቆስጠን ዝበጽሐ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ሓጂ ሙሳን ሰዓብቶም ኣመንቲ እስልምናን ግዳይ ናይዚ ጉጅለ ኮይኖም ኣለዉ፡፡ እዚ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ብጉልባብ ኣሸባርነት፡ ሓምሻይ መስርዕ ኣኽራርነት ናብ ናይ ሙስሊም ጥሩፍነት ከተኣሳስሮ ፈቲኑ፡፡ ነቲ ናይ ፍትሒ ሕቶ ከምቲ ልሙድ ዘይምስሉ ንክትሕዝ ዓቕሊ ጽበታዊ ጎስጓስ የካይድ’ሎ፡፡

እድሪስ ዓዋተ 1961 ርችት ሓርነት ኣብ ጎቦታት ኣዳል ክውልዕ ከሎ እምነት ሙስሊም ንምስፍሕፋሕ ኣይነበረን፡፡ ሕቶ ፍትሕን ናጽነትን ተሓንጊጡ’ዩ ንሰውራ ኤርትራ ወሊዕዎ፡፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ብሄር ዓሌትን ኣውራጃን ንሰውራ ናጽነት ኤርትራ ተጸምቢርዎ፡፡

ወዲ ዓሊ ኣብ 2013 ስርሒት ፎርቶ ከበጋግስ ከሎ ኣብ ኤርትራ ሓርነት ንኽነግስ’ምበር ልዕልነት እስላማዊ ሃይማኖት ንምምጻእ ኣይነበረን፡፡ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ ከኣ ካብዚ ሕሉፍ ታሪኽ ዝፍለ ዕላማ የብሉን፡፡ ሕቶ መሰል ሕቶ ፍትሒ’ዩ፡፡ እዚ ተወሊዑ ዘሎ ናብ ጉዕዞ ሓርነት ዝወስድ ተቓውሞ ኩሉ ክስዕቦ ይግባእ፡፡ ኣፈላላያትና ጽኑዕ መሰረት ሓድነትና’ዩ ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባ መልእኽትና’ዩ፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY