እዋናዊ ዛዕባ- ኤርትራ ንመን ትቐርቦ፡ ንመን ከ ትርሕቆ?

0
106

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ክልተ ዓይነት ዜጋታት ተፈጢሮም፡፡ ብመንነት ኩሎም ኤርትራውያን ክንሶም ገለ ተረባሕቲ ገለ ድማ ጊላን ከደምትን ዜጋታት እንዳሃለዉ ከም ካልኣይ ዜጋ’ዉን ክብሪ ዘይውሃቦም እቶም ዝበዝሑ’ዮም፡፡

ኤርትራ ዝያዳ ንዐኦም ጥራሕ ትብጽሖም፡፡ ክትመስል ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸጋታት፡ ፍጡራት፡ መሬታ፡ ባሕራ፡ ሩባታታ ሽንጥሮታታ፡ ጎቦታታን ሜዳታታን ኩሉ ንዕኦም ጥራይ ከምዝተፈጥረን ንሶም ክግልገሉሉን ንበይኖም ብሒቶም ዝመሰሎም ክገብርዎን ብፍሉይ ንዓኣቶም ከምበረኸት ዝተዋህቦም ጌሮም ስለዝሓስቡ፡ ፍትሓዊ ምምርቋሕ ሃብቲ፡ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ምሕታት፡ ከም ገበን እንዳቖጸሩ፡ ውሑዳት ሰብ ግዜ ብሓይሊ ጠበንጃ ዝእሰር እንዳ ኣሰሩ ዝቕንጸል እንዳቐንጸሉ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዝዕንድሩ ተበለጽቲ’ዮም ንኤርትራ ብሒቶማ፡፡

ሳዕቤን ናይዚ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ኤርትራውያን ግዳይ ስደትን ብርሰትን፡ ግዳይ ሞትን ህልቂትን ኮይኖም፡፡ እቲ ዓፈና ኣብ ልዕሊ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዘነጻጸረ’ዩ፡፡ ብብሄር፡ ሃይማኖት፡ ሰበብ እንዳፈጠርካ ዘርኢ ናይ ምጽናት ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብቅሉዕ ይፍጸም’ሎ፡፡

ናይዚ መቐጸልታ ሕጂ’ዉን ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ገበን ኣብ ልዕሊ ካህናትን ዲያቆናትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ይፍጽም ኣሎ፡፡ ከምቲ ልመድ ካህናትን ዲያቆናትን ብኣስገዳድ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱን መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ጊላን ከደምትን ክኾኑ ትእዛዝ ብምሃብ ብዙሓት ግዳያት ናይዚ እከይ ተግባራት ከምዝኾኑ ዝፍለጥ’ዩ፡፡

ኣብ ሃይማኖት፡ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ከም ሓደ ናይ ዓፈና መሳርሒ ጌሩ ዝጥቀመሉ እዚ ጉጅለ እንሆ ሕጂ ድማ እቲ ሰራም ባህርያቱ ደጊስዎ ካህናትን ዲያቆናትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብህጹጽ ናብ ታዕሊም እንተዘይወሪዶም ኣብ ዝመጽእ ክራማት መሬቶም ከይሓርሱን መሬቶም ኣውሒሶም ከየሕርሱን ቀጢን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ሎ፡፡

መሬት ዘይብሎም ካህናትን ዲያቆናትን ታዕሊም ዘይወረዱ፡ ብመሳ ተሓራሲ መሬት ከይውሃቦም ኩላተን ከባብያዊ ምምሕዳራት እዚ ትእዛዝ’ዚ ከፈጽማ፡ እዚ ኣብ መላእ ኤርትራ ተግባራዊ ክኸውን ነዚ ትእዛዝ ዝጻባእ ዝኾነ ይኹን ወልቀሰብ ተሪርን ዘየዳግምን ስጉምቲ ክውሰደሉ ከምዘለዎ መደብ ወሪዱ’ዩ፡፡ እዚ ተግባር’ዚ ቅሉዕ ናይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ዓፈና ከምዝኾነ ተቓውሞታት ዘስምዑ ገለ ኣካላት’ኳ እንተሃለወ ምስ ባህርያት ናይ’ቲ ጉጅለ ግን ፍርሕ ትብዕ እንዳበልካ ካብ ምዕዝምዛም ዝሰገረ ኣይኮነን፡፡

ኤርትራ ሰባ፡ መሬታ፡ ሃብታን ጸጋታታን ኢሳይያስ ብዝመርሖ ጸቢብ ጉጅለ’ያ ተባሒታ ዘላ፡፡ እዚ ጉጅለ’ዚ ብቁጽሪ ክርኣይ ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎ ንልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ረጊጹ ሓሳረ መከርኡ የርእዮ’ሎ፡፡´ኤርትራ ንመን ትቐርቦ፡ ንመን ከ ትርሕቖ ዝብል ሕቶ ምስ እተልዕል በዓል ዋና ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር ሓደ ጸቢብ ጉጅለ ከምዘይኮነ ምርድኡ ዘካትዕ ኣይኮነን፡፡ ኤርትራ ናይ ኩሎም ብሄራት ኤርትራ፡ ኤርትራ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃና ክንኣምን ይግባእ፡፡ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነት ብምእማን’ዩ ኣእላፍ ዝተሰውኡላን ዝሰንከሉላን፡፡ እዛ ብመስዋእቲ ደቃ ዝተረኽበት ሃገር መዐንደሪት ውሑዳት ጠላማት እኽብካብ ሸፋቱ ክትከውን ክነፍቅድ ኣይብልናን፡፡ ሕጂ’ዉን ኤርትራ ናብ በዓል ዋናኣ ህዝቢ ኤርትራ ንምርካብ ቃልስና ነሐይል ንብል፡፡

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here