እዋናዊ ዛዕባ 02-01-2018 ባህግና ንክሰምር ቀዳምነት ህልውና ህዝብና ነረጋግጽ

0
320

ባህግና ንክሰምር ቀዳምነት ህልውና ህዝብና ነረጋግጽ

ባህግን ድሌትን ደቂ ሰባት፡ መወዳእታ’ኳ እንተዘይብሉ ዘለውዎ ደረጃን ኩነታትን መሰረት ዝገበረ ክኸውን ግን ዝግበኦ’ዩ፡፡ ነቲ ዝሓደሮም ጥሙሕ ንምርካብ’ውን፡ ጻዕርን ልፍዓትን ዘለዎ ምዃኑ ኣሚኖም፡ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም፡፡ እንተዘይኮይኑ ግን ሕልሚ ቀትሪ ኾይኑ ካብ ምትራፍ ሓሊፉ ዝህቦ ፋይዳን ውጽኢትን የለን፡፡

ብመንጽር እቲ ንውልቃዊ ህይወትና እንብህጎ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን’ውን ሰሰናዩ ከጋጥም፡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ክህልው ካብ ምምናይ ዝዓግተና ክህሉ ኣይክእልን’ዩ፡፡ ነቲ ረመጽ ዝከዓዎ ዘሎ ህዝብና፡ ካብቲ እናቃጸሎ ዝርከብ ዘይቀሃመ ሓዊ ተገላጊሉ፡ ነብሰ ስግኡ ክዝሕልን እፎይታ ክረክብን ምምናይ ከኣ ግዚኡ ዝጠልቦ ሰናይ ትምኒት’ዩ፡፡ ’’መዋጽኦ ይፍጠረሉ’’ ማለት ግን እጃምና ተዋጺእና፡ ግቡእና ፈጺምና ተባሂሉ ክሕሰብ ኣይግባእን፡፡

ውልቀ ምልኪ ብዝሓንጸጾ ዝምቡዕ ፖሊስን ብዝተከተሎ ድሑር ኣካይዳን ኣብ መሬት ሃገርና ሕማቅ ሳዕቤናት ኣዕለቅሊቑ’ዩ፡፡ ዜጋታት’ውን ግዳይ ናይቲ ስዒቡ ዝተርኣየ ዘይንቡር ኩነታት ክኾኑ ተገዲዶም እዮም፡፡ እቲ ንዘበናት ብኣሉታዊ መልክዑ ተሓምዩ ዘይፈልጥ ህዝባዊ ሓድነትና’ኳ ኣብ ሓደጋ ዝወደቀሉ ኣጋጣሚ’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ፡፡ ሓድነት ኤርትራውያን ምስጢር ህላወና ምዃኑ እናተፈልጠ ግን፡ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ምልክት ሕቶ ንክኣቱ ኣሕልፍና ዝውሃብ ኣይነበረን፡፡ ኣይፋል ክንዲ ምባል ንጸላኢ ባብ ከነርሑ ብምኽኣልና፡ ንፋስ ጥፍኣት ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ክሽብብ ባይታ ፈጢርና፡፡ ነዚ ዘስተውዓለ ኸዳዕ ጉጅለ ድማ፡ ብዘይዝኾነ ጸገምን ኸልካሊ ኣካልን፡ ንሓንቲ ስድራ’ውን ተኮነ፡ ከምእትበታተን፡፡ ጌሩ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ሓደጋ ብርሰት ኣንጸላሉና ይርከብ ኣሎ፡፡

ዓመተ 2017፡ ከምተን ዝሓለፉ ዓመታት ዓበይቲ ፍጻሜታት ዝተከሰታ ኮይና ሓሊፉ ኣላ፡፡ ገለ ካብኡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኸሰተ፡ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን ናይ ዜጋታትና ንኽኽበር ዝጠልብ፡ ፈላማይ ህዝባዊ ተቋውሞ’ዩ፡፡ ንጉጅለ ጥልመት ራዕዲ ዝፈጠረ፡ ንደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ ተስፋ ኣስኒቁ ኣንጻር ጭቆና ንዘካይድዎ ቃልሲ ሓይሊ ዝደረዓ ጌርዎ’ዩ፡፡ ልዑል ምብርባር ዝጠልብ ዝነበረ፡ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ብህዝቡ ንዝተረኣየ ተቃውሞ ከም ሓድሽ ምዕራፍ ብምውሳድ ከኣ ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንጡፍ ተሳታፍነት ከርኢ’ውን ደሪክዎ’ዩ፡፡

ኣብ ደምበ ኤርትራ የዕይሙ ዘሎ ገዚፍ ገበል፡ ካብ ግዜ ስውራ ኣትሒዙ’ዩ ሰባት ምውሓጥ ለሚዱ፡፡ ዘገልገልዎን ዝተቃወምዎን ኣካላት ኣሰሮም ኣጥፊኡ ንዘልኣለም ዘሕቀቀ ዕሉል ውልቀ መላኺ’ዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን እንተኾነ ኣካይዳካ የዐሪ ንዝበልዎ ነባራት ተቃለስትን ሲቪል ኣካላትን እናለቀመ ብምውሳድ ንሓዋሩ ከምዘይምለሱ ኣብ ምግባር’ዩ ተጸሚዱ ኣሕሊፍዎ፡፡ 26 ዓመታት፡ ኣብ ልምዓትን ብልጽግናን ከይተረኽበ፡ ኩሉ ዓቅምታቱ ንዙሩግ ህልውና ህዝብናን፡ ህዝቢ ጎረባብትናን ጥራይ ኣውዒልዎ፡፡ ከም ውጽኢቱ ኤርትራ ዞባዊ ይኹን ዓለምለኻዊ ተቀባልነታ ፍጹም ተነፊጉን ተነጺጉን’ዩ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ዝነፈጋ ሃገር፡ እናወዓለት እናሓደረት መዐንደሪ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ኣይደሓነትን፡፡ ኪኖ እቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ኣለኒ እትብሎ ባህርያዊ ጸጋታት’ውን መዓልታዊ እናተጓሕጎሓ ኣብ ኢድ ውሑዳት ይኣቱ ምህላው’ዩ፡፡ እዚ ታሪኽ ዘይርስዖ በደል እዚ ግን፡ ገዲፍዎ ዝከይድ በሰላ ከመይ ዘይስወጠና; ብዘለዎ እንተቀጺሉኸ መወዳእትኡ እንታይ’ዩ;

ረገጽቲ ስርዓታት፡ ብጽኑዕ ቃልሲ ተሳዒሮም ካብ ዝፋኖም ምስተኣለዩ፡ ዜጋታትና ዝነበሮም ተስፋን ትጽቢትን ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ኣይነበረን፡፡ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ድሕሪ ምርግጋጽ ኹለመዳይ ብልጽግና ክጎናጸፉ’ዩ ኔሩ እቲ ናይ ዜጋታትና ባህጊ፡፡ ልዑል ዕንወት ዘጋጠማ ሃገርና’ውን ዳግም ኣብ ምህናጻ ብሓባር ንምውፋር ቁሩቡነት ዝተረኣየሉ ምንባሩ’ውን ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡ ኣንጻር ሰናይ ባህግታትና ዘትከለ ጉጅለ ዓመጽ ግን፡ ንቁኑዕ ድሌታትና ይኹን ቅድስ ሓሳብና፡ ገና ካብ ፈለምኡ ብምኹላፍ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ክንኣቱ ፈሪዱ፡፡

ስነ-ሓሳብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ’’መቋቒልካ ግዛእ’’ ዝብል ሓደገኛ መንገዲ ኮይኑ፡ ዓሌት፡ ኣውራጃ፡ ኸባቢ፡ ሃይማኖት፡ ብሄርን ካልኦትን ድማ፡ ዕላምኡ ንምዕዋት ዝጥቀመሎም ኣዝዮም ስውራትን ዝተራቀቁን ናይ ምምቅቃል ኣካይድኡ እዮም፡፡ ነዚ ብኸመይ ንምክቶ ከኣ፡ ኣባና’ዩ ዝውሰን፡፡

ሓድሽ ዓመት 2018፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ፈሊምናዮ ኣለና፡፡ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ ክሳብ እዛ ዝሓለፈት 2017፡ መላእ ህዝብና ዝደለዮን ዝተመነዮን ኣይረኽበን፡፡ የግዳስ ጥፍኣቱ እናሰሰነ ናብ ምጽናት ገጹ የምርሕ ኣሎ፡፡ ንሕና ድማ ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ብርሰት፡ ንኽናገፍ ኣብ ህጹጽ ድሕነቱ ክንረባረብን ክንጓየይን’ዩ ዝግባኣና፡፡ ስለዚ ብውልቀ ይኹን ብውድብ መልክዑ ዘሕደርናዮ ወይ’ውን ኣብ መጻኢ እነቀምጦ ሰናይ ባህግታትና ንኽሰምር ምእንቲ ቀዳምነት ህልውና ህዝብና፡ ብምርግጋጽ ቀጻልነቱ ውሕስ ክንገብሮ’ዩ ዝግባኣና፡፡

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here