ኩሉ ኤርትራዊ ክግደሰሉ ዝግባእ እዋናዊ ዛዕባ- ካልኣይ ክፋል

0
19056

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Anketsat/kulu gdus eritrawi kedhibelu zigibae  part 2-2.mp3″]

ዓቕሊ ጽበታዊ ውሳነታት ኢሳይያስ ኣብ ሰሙን- 

ክቡራት ሰማዕቲ! “ኩሉ ኤርትራዊ ክግደሰሉ ዝግባእ” ኣብ ዝብል ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍ ጉጅለ ኢሳያስ ብምስምስ “ወራር ወያነ” ዘካየዶ ሱቱር ኣኼባን ትሕዝቶታቱን ዝምልከት ሓደ ጽሑፍ ናባኹም ዘርጊሕና ነይርና፡፡ ንሎሚ ድማ ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍና  ሰሙናዊ “ዓቕሊ ጽበታዊ ውሳነታት ኢሳያስ” ዘረድኡ ሓበሬታታት ክነስዕበልኩም፡፡

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተገልጸ ብኢሳያስን ፍሊጶስን ዝተሃንደሰ ብምስምስ “ወራር ወያነ” ዝተዳለወ ሕቡእ ኣኼባ “ዝተኣመነሎም” ገለ ሓለፍቲ፡ ገለ ትሕዝቶታቱ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኢሳያስ እንዳሓያለ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ኣትኩሮትን ተቓዉሞታት ደለይቲ ፍትሒን፡ ኣንፈቱ ብምቕያር፡ ጊዚያዊ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ’ዩ፡፡ ከምቲ ዝተዓዘብናዮ ከኣ ከይወዓለ ከይሓደረ ብጾሮና ዝተሰነየ ነጋሪት ኲናት ኣብ ኩለን መራኽቦ ሓፋሽ ይዝርጋሕ’ሎ፡፡ ክልቲኦም መንግስታት’ውን ነናይ ገዛእ ርእሶም መግለጺታት ሂቦም ኣለው፡፡ እዚ ሰሙናዊ ህሞት ኲናት፡ ኣጸቢቑ ንዘስተውዓሎ ሰብ መንነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ መጻብብ ክኣቱ እንከሎ እንታይ ዓይነት እከይ ተንኮላትን መናውራታትን ከምዝኣልም ዘርኢ እዩ፡፡

ኣብ 1998 ቀቅድሚ ኲናት ባድመ፡ ኢሳያስ ድሕር ኢሉ ማሕበረ ሰብ ዓለም ወራሪ ምዃኑ ዋላ እንተመስከረሉ፡ ኣይወዓልኩዎን ኣይፈልጦን፡ ንምባል ብ12 ግንቦት 1998 ናብ ንግስነት ሱዑዲ ዓረብ ገይሹ ነይሩ፡፡ ቅድሚ መገሽኡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝኸውን፡ ብኣባላት ስለያ ምክልኻል ሌ/ኮ ኣማረ ረደሀይ (ወዲ ረደሀይ)፡ ሌ/ኮ ተኽለ ፍትዊን (ወዲ ፍትዊ) ሌ/ኮ በላይ ህንጻን ካልኦትን ዝተዳለወ ዝርዝር ጸብጻባት ኮለላን ደቂቕ መጽናዕታት መሬትን ከባቢታትን ክዕዘብን ክኣልን ጸኒሑ እዩ፡፡ ብካልእ ወገን ካብ ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ከዊሉ፡ ንገለ ዝኣመነሎም ሓለፍቲ ኣብታ ዕለት (12 ግንቦት 1998) ናይ ወራር ነጋሪት ክሃርሙ ናይ ገዛ ዕዮ ሂብዎም ከይዱ፡፡ ብመሰረት’ዚ ብሜ/ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩን) ጀነራል (በቲ እዋን ሜ/ጀነራል) ፍሊጶስ ወልደዮሃንስን ዝተመርሑ፡ ኣሃዱታት ቅሉዕ ወራር ኣካይደን፡፡ ርእስና ርእሲማትና ኣብቲ እዋን በቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ መናውራታትን ሓያሎ ጎስጓሳትን ኣንፈትና ስሒትና፡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ “ከምዝተወረረ ኣሚኑ” ናብ መጋርያ ኲናት ከቲቱ’ዩ፡፡

ቀንዲ ምኽንያት ወራር ባድመ፡ ኢሳያስ ካብ ናጽነት ጀሚሩ ንኣስታት 7 ዓመታት (ካብ 1991- 1997) ዘይመለሶም ዝተኣከቡ ሕቶታት ህዝቢ፡ ሓለፍትን ተጋደልትን ህዝባዊ ግንባር ስለዝነበሩ እዩ፡፡ ብፍላይ ጉዳይ ቅዋምን ዲሞክራስያዊ ስግግርን፡ ቀንዲ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራን ላዕለዎት ሓለፍቲ ተጋደልትን ብምንባሩ፡ ነዚ ሕቶ ዝኽትም ቅዋም ተዳሊዩ እንከብቅዕ፡ ኣብ ቅዋምና ብወርቃዊ ቃላት ዝተኸተሙ ትሕዝቶታት ምዕራፍ 5 ዓንቀጽ 39 ቁጽሪ 3ን፡ ኣብ ምዕራፍ 3 ዓንቀጽ 19 ትሕዝቶታት ቁጽሪ 5ን 6ን ከይትግበሩ ስለዝፈርሐ እዩ፡፡ እዞም ዓንቀጻት ንዕደመ ስልጣን ፕረዚዳንት፡ ንሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ብፍላይ ሕቶ ምንቅስቓስ፡ ምቋም ሰልፊታትን ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽን፡ ዝምልከቱ ስለዝኾኑ እዮም፡፡ ንተዘክሮታትና ከኣ በቲ እዋን ዝነበረ ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ኣርካይቫት ኤረ ቲቪን ኣብ ዝተፈላለያ ሚዲያታትን ይርከብ፡፡ ብሰንኪ እዚ መጻብቦ፡ ኢሳያስ ዘበገሶ ሕቡእ ኲናት፡ ሃገር ናብ ዘይተደለየን ዘይምኹኑይን ኲናት ተቐሲባ ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራታት በጺሑ፡፡

እቲ ዝገርም! ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ቅሉዕ ወራሪ ባዕሉ ምዃኑ ብወግዒ ፈሪዱ ክንሱ፡ ኢሳያስ ግን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ወራር ሰሚዩ ክሳብ ሕጂ ንኣስታት 18 ዓመታት መናውሒ ዕምሪ ስልጣን ኢሳያስን መመኽነዪ ኩሎም ጸገማት ሃገርናን ምዃኑ’ዩ፡፡

ክቡራት ሰማዕቲ!

እስከ ኣብዚ ለውጢ ለውጢ ዝሸተሉን ኢሳያሳዊ ሽርሒታት ኣብ ዝተኸሸሐሉን ካልኣይ መድረኽ ኮይና ከኣ፡ ነዚ ሰሙናዊ ብምስምስ ጾሮና ዝህረም ዘሎ ኢሳያሳዊ መናውራ ድማ ህድእ ኢልና ንተዓዘቦ፡፡ ብርግጽ ኣብቲ ብባድመ ተመሳሚሱ ዝተበጋገሰ ኲናት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሙሉእ ሞራሉን ስምረቱን ስለዝነበረ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ንሃገሩ ገይሩ እዩ፡፡ እምበኣር ድሕሪ 18 ዓመታት መንነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምስተገሃደ፡ ሃገር ምስ ባደመት፡ ወለዶታትና ምስ ጸነቱ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ፈንፈኖ፡ ጉዳይ ሃገርና ካብ ዘቤታዊን ኣህጉራዊን ሓሊፉ ናብ ዓለም ለኻዊ መንግስታትን ውድባትን ምስ ተሰጋገረ፡ ኣብ መጻብቦ ዝኣተወ ኢሳያስ፡ ንካልኣይ ግዜ ድሕሪ 18 ዓመታት ተንኮላት ባድመ ናብ ጾሮና ኣዚሩ ኣምጺዎ’ሎ፡፡

ጉዳዩ ከምዚ እዩ!!

መንነት ጉጅለ ኢሳያስ፡ ካብ ዘቤታዊ ጉዳይ ሓሊፉ ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም እንዳረኸበ ምስ መጸ፡ ብፍላይ ብምኽንያት ድጋፍ ንግበረ-ሽበራውያን፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተወሰደ እገዳታትን ስዒቡ ዝመጸ ኣህጉራዊ ተነጽሎታትን፡ ንኢሳያስ ኣዚዩ ኣየቕሰኖን፡፡ ካብዘን መበገሲ እገዳታት ተማሂሩ፡ ኣብ ክንዲ ምምሕያሽ፡ ዚያዳ ናብ ጸለመን ጥፍኣትን ዝተደቕደቐ ኢሳያስ፡ ቀጺሉ’ውን ብዘካየዶ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት፡ ባርነት፡ ማእሰርቲ፡ ሃለዋት ምሽራብ፡ ስቅያት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦትን ናብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ዘኽስሱ መበገሲታት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ካብ 2012 ክረኣዩን ክጽንዑን ጀሚሮም፡፡

ኣብ 2014 ከኣ፡ ንጉዳይ ኤርትራ እትጥምት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቆይማ ወግዓዊ ስርሓ ብዕሊ ጀመረት፡፡ ቀጺላ ኣብ 2015 ብጀካ ናብ ኤርትራ ናብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ተንቀሳቒሳ፡ ናይ ልዕሊ 550 ዜጋታት ቃል ምስክርነት ዘለዎ ኣስታት 450 ገጻት ምስ ተለቃቢ መረዳእታታት ዝሓዘ ጸብጻብ ፈነወት፡፡ እምበኣር፡ እዚ ጸብጻብ እዩ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኢሳያስ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ዘሻቐሎ፡፡

ስለ ምንታይ?

ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖውም መርማሪ ጉጅለ፡ ቀንዲ ተልእኾኡ ንምጽራይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት፡ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ንኣብነት ካብ ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንናይ ላይበሪያ ፕረዚዳንት ቻርልስ ቴለርን ፕረዚዳንት ኮትዲቫር ሎረን ባግቦን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝገበረ ትካል እዩ፡፡ እዚ ትካል ደድሕሪ ክልተ ብዓለም ለኸ ውድባት ተጸንዐ እገዳታት ስዒቡ ዝቖመን ሃገራት ኤውሮጳን ዓለምን ዘደንጸወ ፍልሰት ደቂ ሰባት፡ ኣብ ዝረኣየላ ሃገርና ኤርትራ፡ ከጻሪ ዝቖመ ምዃኑ ድማ ልዑል ተቐባልነት ከምዝረክብ ግሉጽ ስለዝኾነ፡ ኢሳያስ ካብ ሎሚ ጽባሕ፡ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ (ICC) ቀሪቡ ዕጫ ባግቦን ቻርልስቴለርን ከይበጽሖ ክብህርር ካብ ዝሓድር ጸኒሑ’ዩ፡፡

ናይ ሓደ ዓመት ናይ ምጽራይ ተግባር ክትዓምም ተወሳኺ ዕደመ ስራሕ ዝተዓደላ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ከኣ፡ ካብ ሓምለ 2015 ጀሚራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ክትገብር ጸነሐት፡፡ ነዚ ዓለም ለኻዊ ትኹረት ዝተውሃቦ ስራሕ ንምጉንዳብን ንምቁጻይን ኢሳያስ ክሳብ እቲ ጸብጻብ ዕላዊ ተገብረሉ ዕለት 8 ሰነ 2016፡ ዝስዕቡ ዕማማት ክዓምም ጸኒሑ፡፡

  1. ብኹለን ሚዲያታቱን መሓውራቱን፡ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ጸለመታትን ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሓትን ከካይድ ጸኒሑ— ኣይተዓወተን
  2. ብኣምባሳዶር ተስፋሚካኤል ገራህቱ (ወዲ ገራህቱ) ዝምራሕ ንመርማሪት ኮሚሽን ዝብድህ ጉጅለ ኣጣይሱ ገለ ፈተነታት ገይሩ —–ኣይተዓወተን
  3. ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጥሊያን ፍስሃጽዮን ጴጥሮስ፡  ዝምራሕ ብስም “ኤርትራዊ መኸተ ንፍትሒ” ዝፍለጥ ጉጅለ ኣጣይሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኮራኹራት ህግደፍ (መንእሰያት ህግደፍ፡ ማሕበረ ኮማትን ኣባላት ሃማደኤን) ብምትእኽኻብ ኣስታት 42 ሺሕ ናይ ተቓዉሞ ክታማት ናብ ቤ/ጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋላ እንተለኣኸ — ኣይተዓወተን
  4. ብየማነ ገብረኣብ (ማንኪ) እንዳተመርሐ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ሃገር ዝፈሰሰሎም ኣኼባታት መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ብምክያድን ናብ ሃገርና ብምዕዳምን ክጉስጉሱ እንተፈተኑ—ኣይተዓወተን
  5. ኣስታት 839 ብገንዘብ ዝተዓደጉ ዑሱባት ኣተኣኻኺቡ፡ ከም ተዋስኦ ክለማመዱ ብምግባር ኣብ ቤ/ጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣካል ተረኺቦም ክምስክሩ ዝከኣሎ እንተገበረ’ውን….ኣይተዓወተን
  6. ብስም ናጽነት ዓበይቲ ናይ ጓይላን ዳንኬራን መደባት ብምክያድ፡ ህዝቢ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ክቖውም፡ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ኣካይዱ — ኣይተዓወተን
  7. ብሸነኽ ዲፕሎማሲ’ውን ከም በዓል ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ራሻ፡ ቻይናን ሱዳንን ብምኻድ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ገለ ድጋፋት ንምርካብ ፈቲኑ— ኣይተዓወተን
  8. ንገለ “ዝተመርጹ” ወጻእተኛታትን ጋዜጠኛታት፡ ኣብ “ዝተመርጹ” ከባቢታት ዑደት ክገብሩ ፍቓድ ብምሃብ፡ “መንግስትና ማዕጾኡ ርሑው እዩ” ንምባል እንተፈተነ’ውን—- ኣይተዓወተን
  9. ቅዋም ረጊጹ፡ ብስም “ሕጊ” ክሽቅጥ ድሕሪ 25 ዓመታት ሓድሽ ናይ “ገበናዊን ሲቪላዊን ኮዳት” ብምውጻእ ኣብ ጎስጓሳት ክነጥፍ ፈተነታት እንተካየደ’ውን ኣብ ባይታ ዝተረኣየ ለውጢ ብዘይምሃላው —ኣይተዓወተን
  10. ኣስታት 20 ኣባላት ዝሓዘት ጉጅለ ሶሻል ሚዲያ ብምጥያስ ደገፍትን ተቓወምትን ተመሲሎም ኣብ ተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታት ጽሑፋት፡ ቪዲዮታት፡ ኣሳእል ክፍንውን ንምንቅስቓሳት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሶሻል ሚዲያ ከቆናጽቡን ክድህሉን ዋላ እንተተፈተነ ሕጂ‘ውን—-ኣይተዓወተን

ኢሳያስ ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉን ካልኦት ዓቕሊ ጽበታዊ ፈተነታትን፡ ውሽጡ ደም እንዳነብዐ፡ ብደግኡ ግን ብስም ናጽነት ኣብ ዳንኬራታትን ጽንብላትን ፍሽኽ ክብል እንዳተረኣየ፡ ሃገር ብምልእታ ምስኡ ከምዘላ ንምምሳል ኣብ ጎደና ሓርነት ማዓንጣ ብዘይቆጸሩ ህጻናት እንዳተሓቖፈ፡ ምስሉይ ድራማታት ክስንዕ ጸኒሑ፡፡ ከይወዓለወት ከይሓደረት፡ መርማሪት ኮሚሽን፡ ሕጊ ብዝፈቕዶ ኣገባብ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝኣክል፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብሎም 13 ሃገራት ዓለም፡ ዑደት ብምክያድ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምፍናዋ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲማ ቅዳሓ ለኣኸት፡፡

ትሕዝቶን ሎበዋታትን ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝረኣየ ኢሳያስ ጽላልኡ ሰማይ ዓረገ፡፡ ብስም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክልተ ተኸታታሊ መግለጺታት ዋላ እንተውጸአ፡ ሕጂ ‘ውን ይትረፍ ‘ዶ ተቐባልነት ክረክብስ ሰማዒ እዝኒ‘ውን ኣይረኸበን፡፡ ድሕሪ’ዚ ፍሹል ህቀናታት’ዩ፡ ኢሳያስ ታሪኽ ክፍኣትን ጥፍኣትን ድሕሪ 18 ዓመታት ክደግም መዝገብ መናውራታት ባድመ ዝገናጸለ፡፡

ዕለት 22/05/2016 ብስም ጽምብላት ናጽነት፡ ኩሎም ኣዘዝቲ ግንባራትን ክፍላተ ሰራዊትን ብትእዛዝ ፍሊጶስ ናብ ኣስመራ ተጸዊዖም፡፡ ጎኒ ንጎኒ ጽንብል ናጽነት፡ ሓሓሊፉ ኢሳያስ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከብ የማነ ገብረኣብ መምርሒ እንዳውረደ ብፍሊጶስ ንዝተመመዩ “እሙናት” ወተሃደራውያንን ፖለቲካውያንን ሓለፍቲ እንዳረኸበ ዝተፈላለዩ ትእዛዛት ከውርድ ተራእየ፡፡

ጽባሕ ናጽነት፡ ኢሳያስ፡ ፍሊጶስ፡ ስብሓትን ስምኦን ገብረድንግልን ኣብ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ቀጻሊ ክራኸቡ ቀንዮም፡፡

ብምስምስ ጽንብል ናጽነት፡ ናብ ኣስመራ ካብ ዝተዓደሙ ኣዘዝቲ ግንባርን ክፍላተ ሰራዊትን፡ እቶም “ኣብ ጽንኩር ግዜ ምስ መትከሎም ዝቖሙ” ዝተብሃሉ ኣብ ኣደራሽ ደንደን ጻውዒት ተገብረሎም፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝተረኸቡ ሓለፍቲ፡

  1. ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ኣባል ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ ጸጥታን ሚኒስተር ጸዓትን መዓድንን
  2. ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኣባል ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ ጸጥታን ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻልን
  3. ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር
  4. ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኣባል ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ ጸጥታ፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት/ ኣዛዚ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን
  5. ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና)፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ
  6. ብ/ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን)፡ ሓለቓ ስታፍ ምብራቓዊ እዚ
  7. ብ/ጀነራል ሓድሽ ኤፍሬም (ወዲ ኤፍሬም)፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚ
  8. ብ/ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ)፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚ
  9. ብ/ጀነራል ተኽለ ልብሱ (ወዲ ልብሱ)፡ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል
  10. ብ/ጀነራል ተኪኤ ርእሶም (ብላታ)፡ ኣዛዚ ሜካናይዝድ 74
  11. ኮ/ል ወልደማርያም ጸጋይ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይልታት ክ/ሰ 84
  12. ኮ/ል ሓረጎት ፍርዙን፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 22
  13. ኮ/ል ሃብቱ ገረእንድሪያስ፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 15
  14. ኮ/ል በረኸት መብራህቱ (ኮረንፈት)፡ ኣዛዚ ዕቑር ክ/ሰ 61
  15. ኮ/ል ክብሮም ተስፋገርግሽ (ወዲ ስሑል)፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 16
  16. ኮ/ል ገብረኤለ ወልደስላሰ፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 37
  17. ኮ/ል ጎይቶኦም ተስፋሚካኤል (ሸገግ)፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 13

 ኣብዚ ኣኼባ ቀንዲ ዝተለዓለ ኣጀንዳ “ብወገን ወያነ ኲናት የንጸላልወና ኣሎ” ብዝብል፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል መሳርዑ ከጻፍፍ፡ ንዝኾነ ተጻብኦታት ድልውነቱ ከረጋግጽ፡ ብቀንዱ ከኣ ብኢሳያስን ፍሊጶስን ኣብ ዝቐረቡ ሓሳባትን ትንታነታትን ብኸባቢታት ኣኽራን ጾሮና ብወገን ወያነ ወተሃደራዊ ምድላዋት ይግበሩ ከምዘለዉ ተሓቢርዎም፡፡ ብደረጃ ሚስጢራውነት፡ ትሕዝቶታት እዚ ኣኼባ “ምስ ዘለና እዋናዊ ስክፍታታትን ብመገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዘሎ ጸቕጥታትን” ብዝብል ካብ ተኣከብቲ ወጻእ ንዝኾነ ኣካል ከይሕበር ጥቡቕ መምርሒ ተዋሂቡ፡፡ ብሓጺሩ እቶም ዝተላዓሉ ሓሳባትን ኣጀንዳታትን ኣብ ቀዳማይ ክፋል ብኸፊል ተገሊጾም ኣለው፡፡

ብዕለት 10/06/2016 ጀነራል ፍሊጶስ ንጉሆ ንኣዛዚ ክ/ሰ 39 ኮ/ል ወልደኣብ ተኽለሰንበት ጸዊዑ፡ ኣብ ቤ/ጽ ባለነኪ ዘቲዮም፡፡ ናብ ዕለት 12/06/2016 ዘውግሕ ከኣ ኣብ ትሕቲ ክ/ሰ 39 ዘለዋ ብርጌዳትን ቦጦሎኒታትን ብትእዛዝ ኮ/ል ወልደኣብ ኣብ ቅድሚኣን ናብ ዝርከብ ከባቢታት “ስግረ ዶብ” ዝኸዱ ሰባት ስለ ዘለዉ ንምስንባድ ብዝብል ጽዑቕ ተኹሲ ክኸፍቱ ተሓበሮም፡፡ ቀጺሉ ናብ ቅድሚት ናብ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጻዕቒ ዘለዎ ተኹሲ ብኹሉ ኣንፈት ቀጸለ፡፡ ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃንደበት ብዝተወልዐ ተኹሲ ተሰናቢዶም ግብረ መልሲ ምሃብ ቀጺሎም፡፡ ውግእ ዝተኸፈተሉ ከባቢታት ኣኽራን ገርገራ፡ ሓስሓሶ፡ ክኒን ቂኒቶ፡ ሓድሽ ዓዲ …እዩ፡፡

ደድሕሪ ተኹሲ ክ/ሰ 39 ኣብ ከባቢታት ጾሮና ዝርከቡ ሜካናይዝድ 42 (ገለ ታንከኛን መዳፍዕን) ካብ ሜካ/ክ/ሰ 49 ቦጦሎኒታት ረሽራሽ፡ ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ብተመሳሳሊ ኣንፈት ናብ ኢትዮጵያ ደብዳባት ቀጺሎም፡፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ኣሃዱታቱ ኣዳሊዩ ግበረ መልሲ ምሃብ ቀጸለ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ! ዝርዝር ትሕዝቶን ሳዕቤናት ውግእ ጾሮናን ዝምከልት ሓበሬታ ምስ ኣጻፈፍና ክንፍንወልኩም ኢና፡፡

ትንታነ

እምበኣርከስ ክቡራት ሰማዕቲ!

ካልእ ይትረፍ ካብ ወራር ባድመ ጀሚርካ ኢሳያስ ኣብ መዋጥር ክኣቱ ከሎ ዝኽተሎም ባህሪያትን መጻወዲያታትን ዘልዓልናሉ ምኽንያት ምስ ሰሙናዊ ውዲት ጾሮና’ውን ኣዚዩ ስለዝመሳሰል እዩ፡፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ቃልሲ ንሓርነት፡ ኢሳያስ ቀጻሊ ዕጭኡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤ/ፍርዲ ቀሪቡ ን25 ዓመታት ዝፈጸሞ ገበናት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝናዘዘሉን ፍርዲ ዝረኽበሉን እዋን ከምዝተቓረበ ስለዝተረድኦ፡ ነዚ ከይዲ ኣምልኪቱ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓልን ኣህጉራዊ ጠመተን፡ ብምጥምዛዝ፡ ዓለም ኣብ ዝተረሰዐ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣድህቦ ገይራ፡ ንጸብጻባት መርማሪት ኮሚሽን ኣቓልቦ ከይትገብር ንምግባር ዝተኣልመ ኢሳያሳዊ ውዲት’ዩ፡፡

ብርግጽ! ኢሳያስ፡ ሎሚ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ባድመ ተታሊሉ፡ ብሞራልን ብፍናንን  ናብ መጋርያ ኵናት ዝኣቱ ሰብ ከምዘየለ ይፈልጥ’ዩ፡፡ ብዝኾነ፡ ብከባቢ ጾሮና ካልእ ኲናት መሰል ዓውደ ውግእ ኣመሳሚስካ፡ ብውሑዱ ጠመተ ዓለምን ኣህጉራውያን ውድባትን ብምቕያር፡ ኤርትራውያን ብሓደ ገጽ ብ“ጉዳይ ሃገር” ብካልእ ወገን ከኣ “ኢሳያስ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ…” ናብ ዝብሉ ክልተ ኣንፈታት ተመቓቒሎም ነንባዕሎም ክናቖቱ ብምግባር፡ ነብሱ ዘድሕነሉ መንጠሪ ባይታ ንምርካብ ዝተኣልመ ውዲት’ዩ፡፡

ብወገን ኢትዮጵያ ’ውን፡ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝሓልፍ፡ ናብ ቀጻሊ ኲናት ናይ ምእታው መደብ ከምዘይብሎም ስለ ዝተኣማመነ፡ ኢሳያስ ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ኣቓለቦ ህዝብን  ማሕበረ ሰብ ዓለምን ንምጥምዛዝ፡ ንላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣቐዲሙ ኲናት ከምዘንጸላልወ ሓበሬታ ብምሃብ፡ ታሕቲ ታሕቲ ድማ ባዕሉ ቶኽቲኹ ውግእ ብምልዓል፡ ዝኣለሞ ዝበለየ ሰሙናዊ ድራማ ምዃኑ፡ ኩሉ ህዝቢ ሕጂ’ውን ነቒሑሉ ናብ እዋናዊ ሕቶ ፍትሒን ለውጥን ከድህብ፡ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ጻውዒቱ ከቕርብ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝቐሰሮ ቆላሕታ ከደንፍዕ፡ ኣብ ጀነቭሲዊዘርላንድን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝግበሩ ደገፍ ንጻብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ተኣኻኺብና ድምጽና ክነስምዕ ሕጂ‘ውን ንላቦ!!! ሓድነትና ዋሕስ ዓወትና ምዃኑ ኩሉ ክሪኦ ብምግባር ሕጂ’ውን….

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!!

ኣይፋል ንጊላነት እወ ንሓርነት!

ይኣክል ንውልቀመላኺ ንበገስ ንልዕልና ሕጊ!

ኢሳያስ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ይቕረብ!

ፍትሒ ንግዳያት ኣንጻር ሰብኣዊነት….ዝብሉ ሓርነታዊ ጭርሖታት ሒዝና ድምጽና ንዓለም ነስምዕ፡፡

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY