ወይ መሃር ወይ ተመሃር

0
256

ወይ መሃር ወይ ተመሃር

ኣለኒ እንተኢልካ ጠቓሚ ሓሳባት
ሰብ ምዃንካ ፍለጥ ንበር ምሰባት
ሓደ’ዩ እቲ መንገዲ ኣይተብዝሕ ኣበራት
ኮይንካ ምርካብ’ዩ ከይደዋወስካ ነገራት።

ልቦና ዘለዎ ሕጉስ’ዩ በዓል ምሉእ ዓቕሊ
ኣተሓሳስባኡ ሰላም ዎ ስኒት’ዩ መዓስ ይፈላሊ
ግሉጽነት’ዩ ባህሪኡ ኣይፈቱን መታለሊ
ኣብ ውሽጡ ኣይትረክብን ናይ ድሕረት ብቑሊ።

ስለዚ እንተለካ ብቕዓት መሃር ብትሕትና
ገምግም ጠንቂ ውድቀት ብሕትውና
ኣይንዓዲ ኣይንዓውዲ ካብ ትኸውን ብድርቅና
ንነብስኻ ብምዃን ብተግባር ኣርእየና።

ኣነ ኣነ እንተበልካ ብዘይፍረ
ንሕና ንሕና እንተበልካ ልቢ ከይሰመረ
ሕማቕ ህይወት እናሕለፍካ ካብ ኩሉ ዝመረረ
ክትመስል ፍትሓዊ ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ
ተኸዊልካ ክትነብር ኣብ ተባህለ ነበረ
ብካልኦት ክትወራዘ ባይቶኻ እናቓደረ።

ዘየለ ህልው ካብ ትኸውን ብትምክሕቲ ዝተባዕጠ
ዓዳሚ ጽልኢ ክብሩ ዝቐንጠጠ
መን ከማይ በሃሊ ብደሞክራሲ ዘይተቖርጠጠ
ብሓሶት ብጃህራ መሬት ዘንቀጥቀጠ።

ሃየ እንተለካ ሃብ ንመዓስ ክኸውን ካብ ሎሚ ዝበለ
መሰረትካ መሊኡ ከይተዘርገ ታሪኽካ ከይተበለለ
ካብ ጉይይ መዓል ክሳብ ምሓዝ ከም ዝተባህለ
ኮይንካ ምርካብ’ዩ ካብ ኩሉ ዝቐለለ።

እንተዘይብልካ ዝሰጋገር እንተኾንካ ውሽጠ ባዶ
ፍኹሰት ካብ ትኽደን ምስ ሓቂ ዘይቃዶ
መረበትካ ገዲፍካ ካብ ትሰፍር ማዕዶ ማዕዶ
ብስምዒት እናተመራሕካ ካብ ትኸውን መእሰር ኣልቦ መኣዶ
ተመክሮ ውሰድ ተመሃር ካብ ለባማት መዓዶ።

ካብ ዛራ ማና
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 10-01-2018

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here