ዕላል ጥሕሻን ወላዲቱን፥ ብሓቂ ዝተፈጸመ ዛንታ

1
7693

ቀዳማይ ክፋል

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Anketsat/ELAL THUSHAN WELADITUN PART 1.mp3″]

ካልኣይ ክፋል

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Anketsat/ELAL TIHISHAN WELADITUN PART 2.mp3″]

ሳልሳይ ክፋል

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Anketsat/ELAL THISHAN WELADITUN PART 3.mp3″]
እቲ ኣብ 1998 ብሃንደበት ዝተወልዐ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሻቡ ብዘይካ ሓደ ሰብ ካልእ ካብ ክልቲኡ ወገን፡ ዋላ ሓደ ሰብውን ይኹን ይፈልጦ ዘይምንባሩ፡ ሕጂ ኪትሓስቦ ከለኻ፡ ኣዝዩ እዩ ዝገርመካ! ዋላ እቶም ነቲ ኲናት ዝመርሑ ዝነበሩ ጀነራላት፡ ስብሓት ኤፍሬም (ጽቁንቁን፡ ማለት ምጹጹላይ)፡ ፍሊጶስ ወ/ዮውሃን (ነቐዝ)፡ ከምኡውን ገብረዝጊኣቢሄር ዓንደማርያም (ውጩ) እንተኾኑውን፡ ኲናት ንምንታይን ብመንን ከም ዝተወልዐ ይፈልጡ ኣይነበሩን።
 
ንምንታይ ግን ኣብቲ ኤርትራ ሃገርና፡ ናብ ስርዓተ ደሞክራሲ፡ ማለት ናብ ምዕባለን ዕብየትን ዘሰጋግራ ሓድሽ ቅዋም ኣርቂቓ፡ ንምትግባሩ እናተዳለወት ከላ ኲናት ኣጋጢሙዋ!? ደሓን እስከ እቲ ብዛዕባ’ዚ ምንም ኣፍልጦ ዘይነበሮ፡ ጥራይ፡ ‘እዚ’ዩ መራሒኻ!’ ተባሂሉ፡ ሓደ ሰብ ከም ድላዩ ንኺገብሮ፡ ከም ህያብ ንመላኺ ዝተዓደለ መላእ ህዝቢ ኤርትራስ፡ ብዛዕባ’ዚ ባልዋ (ኣርሓ መፍለስ) ኣፍልጦ ስለ ዘይነበሮ፡ በቲ ብሃንደበት ተወሊዑ ህይወት ኣእላፍ ደቁ ዝበልዐ ኲናት ይደናገር ንበል፤ እቶም ንዕስራ ዓመታት መመላእታ ምሳኡ ተጓዒዞም፡ ኣብ ዝኾነ እዋንን ግዜን ንስልጣኑ ሓደጋ ተመሲሉ ዝተራእዮ ነገር ኩሉ ብስውር ሸርሒ ናይ ምክልኻልን ናይ ምፍሻልን ውህሉል ተመክሮ ዘሎዎ ውልቀ መላኺ፡ እንታይ ኮይኖም ካብ ተመኩሮኦም ዘይፈለጡዎ!? ኢልካ ምሕታት ግጉይ ኣይመስለንን።
 
እቲ ዝገርም ድማ እዚ ሰብ’ዚ፡ እዚ ኹሉ እከይ ንበይኑ ጠንሲሱ፡ ኣብ ግብሪ ኣውዒሉዎ ክነሱ፡ ግምጥል ኢሉ፡ ከም ጲላጦስ ሕጹብ ኢድ ብምምሳል፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምንም ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ዳርጋ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከአምንን ከደናግርን ምኽኣሉ’ዩ። ተንኰሉን እከዩን ግን በዚውን ኣየብቐዐን። እቲ ኲናት ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ እናኾነን ንስልጣኑ ሓደገኛ እናመሰለን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ድማ ቅልጥፍ ኢሉ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ህይወት ሰብ ቅድሚ ምቕዛፉ ዝተሓሰሞ ናይ ስምምዕ እማመ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ኣብታ ባድመ፡ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ወያነ ዝኣተወትላ መዓልቲ፡ ክሳዕ መሬት ዝወግሕውን ከይተጸበየ፡ ንምሸታ ብጸላምን ብሃታሃታን ንኹሉ እማመታት ብዘይቅድመ ኩነት ከም ዝተቐበሎ ብምግላጽ፡ ነቲ ብሃንደበት ዝተወልዖ ሓደገኛ ኲናት ኣብ ምምካት ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ርእሱ ኣድኒኑዎ’ዩ!
 
ደማሒ በዚ ኣየዕረፈን። እንደገና ካልእ ተንኰል ብምእላም፡ ነቶም ጠንቅን ሳዕብየንን እቲ ህይወት ኣእላፍ ደቂ ህዝቢ ዝበልዐ ኣዕናዊ ኲናት፡ ኪምርመር ንዝጠለቡ ገዳይም ተቓላስትን ሓለፍቲ መንግስትን ነበር፡ ብዘይዝኾነ ጭብጥን ምስክርነትን ‘ንሃገር ከዲዖም!’ ብምባል፡ በብሓደ ለቒሙ ብምእሳር፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ደሃዮም ኣጥፊኡዎ ይርከብ! ብድሕሪኡውን ንትግባረ ቅዋምን ምርጫን ዝሓተተ ሰብ፡ ‘ዶብና ከይተሓንጸጸ ዝኾነ ነገር ኣይንገብርን ኢና!’ ብምባል፡ ንኹሉ ንጥፈታት ኣደስኪሉ፡ ሃገር ናብዚ ሕጂ ወዲቓቶ ዘላ ናይ ጸላም ዓዘቕቲ ከቲቱዋ! ዝኾነ ብጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ኣፉ ዝኸፈተ ዘበለ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ እቲ ንሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ገበነኛ፡ ብስም ድሕነት ሃገር ብዘይሕግን ፍርድን ሰባት ጨውዩ እናኣሕቀቐ፡ ብምስሉይነት ክሳዕ ዕድመኡ ኣምላኽ ዘሕጽሮ፡ ኣብ ስልጣን ንምንባር ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ።
 
ኣብዚ ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምውሓስ ዝተገብረ ኣጽናቲ ኲናት፡ ብዙሕ መስተንክራት እንድዩ ተፈጺሙ፡ ንሎሚ ግን ኣብታ ኣነ ዝነበርኩዋ ኣሃዱ ዝተፈጸመ፡ ናይ ብሓቂ ታሪኽ ከካፍለኩም ፍቐዱለይ? ንእግረመገደይ ግን ሓደ ነገር ደጊመ ከነጽር እደሊ፥ እቲ ንምውሓሱ ተባሂሉ ባርዕ ዝተወላዓሉ ዶብና ይኹን እታ ነዚ ኹሉ ዝወረደ ዕንወት ከም ምኽንያት ዝተሓርየት ባድመውን እንተኾነት ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ብመላኺ ከምዘይተዋሕሰ አዘኻክር።
 
ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ክቡር ህይወት ዝኸፈለሉን ብዓለም ናቱ ምዃኑ ዝተመስከረሉን መሬቱ ወኒኑ፡ ባዕሉ ከማሓድሮ ዘይምብቅዑን ዶባቱ ካብ ዝኾነ ተጻባኢ ከውሕሶ ዘይምኽኣሉን ድማ ጉጅለ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ስለ ዘዳኸሞ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኪግንዘቦ ይግባእ። እዚ ኹሉ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ፈቐዶ በረኻን ስንጭሮን ንከንቱ ዝሃልኽ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፡ እዚ ኹሉ ብመሬትን ብባሕርን ናብ ስደት ዝጠፍእ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኩሉ ንሓንቲ ዕላማ’ዩ። ንሳ ከኣ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዕቃብ’ያ! ካልእ ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ከኣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ እቲ ዝዓበየ ገበን፡ ህዝቢ ምህላቕ ወይ ድማ ሃገር ምሻጥ ዘይኮነስ ንስልጣን ውልቀ መላኪ ምቅዋም’ዩ! እዚ ፍጹም ምሕረት ዘይወሃቦ ከቢድ ገበን’ዩ! ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ህዝቢ፡ ልዕሊ ልዑል ፈጣሪ፡ ንድያብሎስ ህግደፍ ኪፈርህ ዝተገደደ!
 
ጥሕሻ፡ ኣባል ክፍለ ሰራዊት 32 2 ብርጌድ፡ 3 በጦሎኒ፡ 3 ሓይሊ እዩ። ኣብቲ ብሳልሳይ ወራር ዚፍለጥ፡ ኲናት ህግደፍን ወያነን ከኣ ኣብ ጎቦታት እምባ ታሪኻን እምባሶይራን ተኣምር ዝሰርሐ ጅግና’ዩ። ጥሕሻ ብወዲ መዓሾ እዩ ዚፍለጥ። ንጥሕሻ ወዲ መዓሾ እምበር ጥሕሻ ኢሉ ዚጽውዖ ሰብ ኣይነበረን። ንሱ መድፍዓጂ ሓይልናዩ ኔሩ። ንሱን ብሬኑን ንፈታውን ንጸላእን ኣሰኪሖም’ዮም!
 
ሓደ ንግሆ ዮሴፍ ዝተባህለ መራሒ ሓይልና፡ ብሃንደበት ንሓይልና ኣኪቡ፡ ‘ካብዚ ዓሪድናሉ ዘለና ድፋዓት፡ ማለት ካብ ከባቢላሓዮ ክሳብ ዛላምበሳ፡ ከምኡውን ንድፋዓት ሙኽያም ገዲፍኩሞ ውጹ!’ ስለ ዝተበሃልና፡ ያላ ኣቑሑትኩም ጠርንፉ’ሞ ንበገስ!’ በለና። ነቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝዓረድናሉን ኣእዋም ሃገርና ብዘይመጠን ዘብረስናሉን ነቕ ዘይብል ድፋዓትና፡ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ከይተዋጋእናሉ፡ ንድሕሪት ገዲፍናዮ ክንከይድ ኣመና ኣሰንበደናን መረረናን! ትእዛዝ ስለ ዝኾነ ግን ከይፈተና ራሕሪሕናዮ ደኣ ገጽና ናብ ከተማ ሰንዓፈ ኣቕናዕና።
 
ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ምስ በጻሕና፡ ህዝቢ ናብ ጎደና ወጺኡ፡ኣንታ ገዲፍኩሙና ናበይ ትኸዱ ኣለኹም!? ንቕድም ህዝቢ ዘይተውጽኡ ኣታ?’ ኢሉ እናሓተተናን እናተማሕጸነናን፡ ብሕፍረት ኣራእስና ደፊእና፡ ከይመለስናሉ፡ ብማእከል እታ ከተማ ሰንጢቕና፡ ተር ኢልና ብምሕላፍ፡ ኣብ ከባቢ እምባ ታሪኻ ዓረድና።
 
ሰራዊት ወያነ ኣይደንጎየን፤ ደድሕሬና ከተፍ በለና። ‘2ይቲ ብርጌድ ንወያነ ኣብዚኣ ዕገቱዎም!’ ድማ ተባህለ። ወዲ ሃንስዚብሃል መራሒ ብርጌድና’ዩ፡ ‘ያላ ንሰራዊት ወያነ ኣብዚኣ ምስ በጽሐ ኣጥቕዑዎ!’ ብምባል፡ ናብ ሓንቲ ቦታ ኣመልኪቱልና። መራሒ ሓይልና፡ ዮሴፍ ብቐጥታ፡ ‘እዚኣ ኣይተዋጻኣናንያ!’ ኢሉ ተቓወሞ። መራሒ ብርጌድ ግን ትርር ኢሉ፡ ‘ግድን ኣብኣ ክበጽሕ ከሎ ከተጥቅዑዎ ኣለኩም!’ በሎ ጽውግ ኢሉ። ዮናስ ከይፈተወ፡ ‘ሕራይ በሉ ንስውኣልኩም’ኢሉዎ ናባና ገጹ መጸ።
 
ሽዑ ንኹልና ኣኪቡ፡ ‘ስምዑ ብጾት፡ ክሳዕ ሎሚ ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ ጥበብ ማለት፡ ኣደሓሕና ነብስኻን ብጾትካን፡ ኣጠቓቕዓ ጸላኢኻ፡ ተጻዋርነት ባህሪ፡ ማለት ቁርን ጸሓይን፡ ምልምማድ ጥምየትን ጽምእን ወዘተ. ምሂረኩም’የ። እታ እንኮ ክሳዕ ሕጂ ብተግባር ዘይመሃርኩኹም ዘለኹ፡ ሓንትን ናይ መወዳእታን መስዋእቲ’ያ! ንሳ ከኣ ሕጂ ክምህረኩም’የ! ስለዚ፡ ያላ ንበገስ?’ ኢሉና፡ ገጹ ናብቲ ተሃንዲዱ ዚመጽእ ዝነበረ ሽሾ ሰራዊት ወያነ ኣዞረ። ንሕናውን ኣብታ ዝተባህለትና ቦታ በጺሕካ ንምዕጋቱ ጎየና። መንእሰይ ኤርትራ፡ በጃ ህዝቡን ሃገሩን ንኺሓልፍ፡ ነቲ ብቕድሚኡ ተሃንዲዱ ዝመጽእ ዝነበረ ሃልሃልታ ሓዊ፡ ብረመጽ ንምጥፋእ፡ ብዘይዕረፍቲ ዘብዘብ በለ! ኣብታ ዝተባህለትና ቦታ ድማ በጻሕና። ብእምኒ ጭርሕ ጭርሕ ኣቢልና ዕርድታትና ምስ ሓዝና ድማ ናይ ዜሮ ሰዓት ክሳዕ ትኣክል ‘ተጠንቀቕ!’ ተባሃልና።
 
ኣብ 2ይ ክፋል ይቕጽል…
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ
ሓውኹም መሲናስ 30/03/2016
ካልኣይ ክፋል፥

መንእሰይ ኤርትራ፡ በጃ ህዝቡን ሃገሩን ንኺሓልፍ፡ ነቲ ብቕድሚኡ ተሃንዲዱ ዝመጽእ ዝነበረ ሃልሃልታ ሓዊ፡ ብረመጽ ንምጥፋእ፡ ዘብዘብ በለ! ኣብታ ዝተባህለትና ቦታ በጺሕና፡ ዕርድታትና ምስ ሓዝና ድማ ናይ ዜሮ ሰዓት ክሳዕ ትኣክል ‘ተጠንቀቕ!’ ተባሃልና። ድሕሪ ውሑድ ደቓይቕ ሰዓት ኣኺላ። ነቲ ታንክታትን ድሩዓት መኻይንን ኣኸቲሉ ዝምርሽ ዝነበረ ሰራዊት ወያነ፡ ብሃንደበት ብኹሉ ወገን ጠያይትና ከነዝንበሉ ጀመርና። ሓያልን ጽዕጹዕን ውግእ ድማ ተኻየደ። ዮሴፍ
መራሒ ሓይልና ከኣ ከምታ ዝበላ ኣብኣ ብጅግንነት ተሰውአ! ምስኡውን ካልኦት ሓሙሽተ ደቂ ሓይልና ኣብ እግሪ ጎቦወደቑ!

እቲ ንዮሴፍ ተኪኡ ዝመጸና መራሒ ሓይሊ፡ ሚኪኤለ ኣብርሃ (ወዲ ኣብርሃ) እዩ ዚብሃል። ንሱውን ከይደንጎየ፡ ኣብኣ ከሎ ኣብ ሰለፉ ተሃሪሙ ወደቐ። ንሓኪም ሓይሊ፡ ንፍስሃየ ጸጋይ ጸዊዑ ድማንዓ ኣልዕለኒ?’ በሎ። ሓኪም ሓይሊ ትቕብልኣቢሉ፡እዛ ዘለኻያ ቦታ ተኣሲራታ ስለ ዘላስ ሓንሳብ ጽናሕ?’ ይብሎንዓ ኣልዕለኒ’የ ዝብለካ ዘለኹ!’ ኢሉ ምስኣጓጠጠሉ፡ ብጉያ ከይዱ ከልዕሎ፡ ብግስ ምስ በለ ብጥይት ሃሪሞም የውድቑዎ። ንሱ ኣብኣ ከሎ ተሰዊኡ፤ ነቲ ዝተውግአመራሒ ሓይልና ግን ብድሕሪኡ ካልኦት ብጾትና መጺኦም ኣውጺኦሞ። ኣብ ዕርድታት ጢሻን እምባሶይራን፡ ብኽልቴናወገን ዝሃለቐ ሰራዊት፡ ታእላው (ማእለያ) ኣይነበሮን! ጢሻ ኣብ መንጎ እምባ ታሪኻን እምባሶይራን እትርከብ ንእሽቶይ ዓዲ ሳሆ’ያ።
 
ብዘይካ’ዚ ‘ሃዲምኩም’ ተባሂሎም ካብ ዓዲ ቀይሕን ከባቢኡን ተተኣርዮም ዝተመልሱ ደቂ ኣሃዱናውን ኣብ ስንጭሮታት ጢሻ ብትእዛዝ፡ ኣዛዚ ብርጌድና ወዲ ቐሺን እቲ ሳልሳይ ወራር ኪጅምር ከሎ ብወገን ምዕራብ ዝነበረ’ሞ ንሱ ኣዋልድ ሓቚፉ ዊስክታት ኪጭልጥ፡ ግንባሩ ፈሪሱ፡ መሬትና ክሳብ ባረቱ ኣብ ንወራሪ ኣረኪቡ፡ ሰራዊቱ ፋሕብትን ዝበሉዎ፡ ኣዛዚ’ቲ ግንባር ዝነበረ ፊሊጶስ ወ/ዮውሃንስ ነቐዝን፡ ዓሰርተ ዝኾኑ ኣሕዋትና ኣብ ድሕሪ ግንባር ተረሺኖም’ዮም።
 
‘ከይትቐብሩዎም!’ ስለ ዝተባሃልናውን ከይፈተና፡ ሬሳ ኣሕዋትና ረጊጽና ከም ንሓልፍ ተጌሩ’ዩ! ኣብ ጢሻ ብቕድሚት ብሬሳታት ሰራዊት ወያነ፡ ብድሕሪት ድማ ብሓለፍትና ብዝተረሸኑ ሬሳታት ኣሕዋትና ተማእኪልና፡ ንሓያለይ መዓልታት ብዘይዕረፍቲ፡ ኣብ ኲናት ተራባሪብና ኢና። እወ፡ ጅግና ወዲ ጀጋኑ መንእሰይ ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ሓለፍቱ ዝረአ ዝነበረ ናይ ምድሃልን ተስፋ ናይ ምቑራጽን ኩነታት ከይተዳህለ፡ ሃገሩ ካብ ወራሪ ሓይሊ ዘድሕን ዘሎ መሲሉዎ፡ ዘዘሊሉ ናብ ሓዊ እናኣተወ፡ ቊጽሪ ዘይብሎም ተኣምራት ሰሪሑ’ዩ! ሕጂ፡ እቲ ኲናት ሃገር ንምድሓን ዘይኮነስ፡ ስልጣን ሓደ ሰብ ንዘይተወሰነ እዋን ንምውሓስ ምንባሩ ምስ ተረድኦ ግን ክሳዕ ክንደይ ከምዚ ከማይ ሕርድ ኩምትር ኢሉ ከም ዘሎ ዚከሓድ ኣይኮነን።
 
ሰበስልጣን ህግደፍ፡ ነተን ‘ነማሓድረን ኣለና’ እናበሉ ዝሕምሱወን ዝነበሩ፡ ከም ብዓል ሰንዓፈን ዓዲ ዃላን ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ከተማታት ኤርትራ፡ ሰራዊት ወያነ ገና ከይተጸግዐን ከሎ፡ ንህዝቢ ከይነገሩ፡ ስድራቤቶምን ውሽማታቶምን ምስ ኣቑሑቶም ጠርኒፎም፡ ብመኻይን መንግስቲ ከም ዝሃደሙ፡ ብዓል ባይኖሳይ ኣማሓዳሪ ከተማ ሰንዓፈን ከባቢኣን ህያው ምስክር’ዮም። ብዛዕባ ተማሓድሮ ህዝቢ ገዲፍካ ህድማ ኣመሓደርቲ ህግደፍ፡ ርእሱ ዚኸኣለ ዛንታ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ዘዘንትዎ ዘለኹ ብሓቂ ዝተፈጸም ውዕሎ ኣሃዱና ብዙሕ ክብል ኣይደልን። ናይ ገለገለ ኣብዚ ዛንታ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓለፍትን ተራን ሰባትውን ብርዱእ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ብሓቂ ስማቶም ከም ዝቐየርኩዎ ክሕብር እደሊ።
 
ሰራዊትና ካብ እምባ ታሪኻ ክሳብ እምባሶይራ ኣብ ዘሎ ድፋዓት፡ ምስ ሰራዊት ወያነ እናተራባረበ ኸሎ፡ እቲ ምሉእ ናይ ገድሊ ዕድመኡ ሳላ ምስጢር ምዕቃብን ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝብ ንተጋደልትን ብዘይምሃብን ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ስልጣን ተኾዲጩ ዘሎ መራሒ ህግደፍ፡ ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሽዑ ኣብጺሑ ሓቀኛ ሓበሬታ ምሃቡ ናይ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋን፡ ብኣንጻር’ቲ ወያነ፡ ኣብ ሰንዓፈ ከሎ ‘ንዓዲ ቀይሕ ተቛጻጺርናያ ኣለና!’ ብምባል፡ ንሰራዊቱን ህዝቡን ዝህቦ ዝነበረ ናይ ሞራል ፕሮፖጋንዳ፡ ብወገን ህግደፍ ድማ ንወያነ ቀዲሞም፡ ሰራዊትና ካብ ባረንቱ ከም ዘዝለቐ ብድምጺ ሓፋሽ ብምግላጽ፡ ተስፋን ሞራልን ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ከም ዝሰበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን።
 
ድሕሪ’ዚ ኹሉ ናይ ኲናት ርብርብ ድማ ሰራዊትና ተዛንዩ፡ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ኣተወ። ሓደ ንግሆ ከኣ እቲ ተዋዛያይንቈራጽን ሰይጣን መድፍዓጂና ጥሕሻ፡ ወዲ መዓሾ፡ ብሓባር ተኣኪብና እናቖረስና ከለና፡ኣንታ ሎሚ ለይቲ እንድየ ደኣብሕልሚ ኣብ ሽመልባ ሓዲረልኩም!ኪገርመኩምከ ንምንታይን ብምንታይን ከም ዝኸድኩስ ፈጺመ ኣይተረደኣንን!’ ኢሉእናሰሓቐ ብዛዕባ ሕልሙ የዕልለና’ሞ ኩላትና ካዕካዕ ኢልና እናሰሓቕና ‘ኣንታ ሃዳሚ! ብለይቲ ናብ ወያነ ሰሊምካ ሓዲርካ!’ ብምባል ተጫረቕናሉ።

ኣብ ሳልስቱ
ግን ወዲ መዓሾ ብሃንደበት ካባና ተሰዊሩ ጠፍኣና! ኩልና ተሻቒልና ከኣ በብወገንና ደሃዩ ኪንሓትት ጀመርና። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን ጥሕሻ ብሰንኪ ሕልሙ ከም ዝተኣሰረ ብትሒም ትሒም ሰማዕና። ሽዑ ድማ ኢና ብዛዕባ’ቲ ከይተፈለጠና ብሰሓቕ፡ ከም ዋዛ ዝሓለፍናዮ ሕልሙ ክንግደስን ክንሓስብን ዝጀመርና። ገበን መድፍዓጂና ወዲ መዓሾ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዚዕቆቡሉ መዓስከር ሽመልባ፡ ብሕልሙ ስለ ዚሓደረ ነበረ። ‘ከመይ ጌሩ ‘ሓሊም ካ’ ተባሂሉ ይእሰር!?’ ኢሉ በዚ ስጉምቲ’ዚ ዘይሓረቐን ዘይተቘጥዐን ኣባል ሰራዊት ከኣ ኣይነበረን። ኩላ ጉህያ እያ። እንተኾነ ህግደፍ፡ ኣይኮነንዶ ከም ዚሓለምካ ፈሊጡስ፡ ‘ሓሲብካ!’ ኢሉ ብምእሳርውን ናብ ስደት ከም ትሓስብ ዚገብር ስርዓት ብምኻኑ፡ በቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነዲርና’ምበር ኣይተገረምናን።

ወዲ መዓሾ፡ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ማእሰርቲ ኣመና ስለ ዚተቘጥዐ፡ ብዙሕ ኪዝረብ ዘይግብኦ ዘረባታትውን ብምዝራቡ፡ ማእሰርቱ ናብ ከቢድ ገበን ተሰጋጊሩ፡ ብደያኑ ሰራዊት፡ ንሰለስተ ዓመት ብጽኑዕ ኪእሰር’ዩ ተወሲኑሉ። ጥሕሻ (ወዲ መዓሾ) መን’ዩ? ኣብ ሳሕል ተወሊዱ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝዓበየ፡ ወዲ 35 ዓመት ተባዕ መንእሰይ እዩ። ወላዲኡ ነብዪ ግርማይ ኣብ 1991 እዩ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ ተሰዊኡ። ኣደኡን እቶም ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋቱን ከኣ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ቃኘው እዮም ዝቕመጡ። ወላዲቱ ተጋዳሊት ብምንባራን ዳርጋ ምስ ኩሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ሌላ ስለ ዝነበራን ከኣ ኩሉ ግዜ ብዘይጸገም’ያ ናብ ግንባር እናመጸት፡ ንወዳ ትበጽሖ ኔራ። ምስ ተኣስረውን ከም ኣመላ መጺኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ በጺሓቶ’ያ።


ወዲ መዓሾ በቲ ዝወረዶ በደልን መቕጻዕትን ኣመና ስለ ዝተቘጥዐ፡ ነታ ወትሩ ‘ጽናዕ ስረ ወለድኻ ገጥ ኣቢልካ ልበስ!’ ትብሎ ዝነበረት ወላዲቱ፡ ሽዑ ከም ቀደሙ፡ ‘ኣጆኺ ኣደይ! ጸገም የለን! ኣብ ኣሰርኩም ገጥ ኢለ’የ ዘለኹ!’ ኣይበላን። ዘይተጸበየቶ፡ ኣማሪሩን ተስፋ ቆሪጹን’ዩ ተዛሪቡዋ። ወላዲቱ ግን ብመልሱ ኣይሰንበደትን። ብኣንጻሩ ርግእ ኢላ፡ ነዚ ንዓመታትዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን፡ ኣቦኻ ዝተሰዋኣሉን ውድብ፡ ብዓብይኡ ድማ ንኣኻን ንኣሕዋትካን ዘዕበየ ውድብ ህዝባዊግንባር፡ ዝገበረ እንተገበረ ኣይንኽሕዶን ኢና! ሕጂ ምስ መረረና ወይ ምስ ተተንከፍናውን እንተኾነ ሕቘና ኣይንህቦን ኢና!ስለዚ፡ ከም ቀደምካ ጽናዕ!’ እያ ኢላቶ። ድሕሪ ጥሕሻ ኣይመለሰላን፤ ገዲፉዋ ናብ ሸላኡ ከይዱ።

ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ሓያል ናይ እመን ኣይኣምንን፡ ህልኽን መቕጻዕትን ከኣ ሓንቲ መዓልቲ ብዝረኸባ ዕድልተጠቒሙ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ኣምሊጡ፡ ብድሕረይ ኣይጥዓምኩም ኢሉዎም ናብ ሃገረ ሱዳን ሰገረ። ኣብ መሬትሱዳን ኣትዩ ናብ ፖሊስ ኢዱ ምስ ሃበ ግን ከም ዚሓሰቦ ራህዋ ዘይኮነስ መሊሱ ዝገደደ ጸበባ ኣጋጢሙዎ። ፖሊስ ሱዳን ናብራሻይዳ ሸይጠሞ! ራሻይዳውን ተቐቢሎም ናብ በደዊን ሸይጦሞ! እቶም ገንዘብ ኤርትራውያን ዝለመዱ ጨካናት በደዊን ከኣኣእጋሩን ኣእዳውን ብሰንሰለት ኣሲሮም፡ሓውልእናበሉ፡ ሽምዓ ኣንዲዶም ኣብ ኣካላቱ እናኣንጠብጠቡ፡ ብዘይዕረፍቲከሳቕዩዎ ጀመሩ።


ኣብ 3ይ ክፋል ይቕጽል…


ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/04/2016
ሳልሳይ ክፋል፥
 
‘ሓውል?’
‘ካበይ ከሐውል? ወላዲተይ ድኻ’ያ፡ ዘሎዋ የብላን! ኣብ ወጻኢ ከኣ ዝፈልጦ ሰብ የብለይን።’
‘ንኣደኻ ዋላ እቲ ትነብርሉ ገዛኺ ሸጥኪ ሓውሉለይ በላ! እንተዘየሎ ኣብዚኣ ኣካላትካ ጠባቢሕና፡ ኮላሊትካ ክንወስደን ኢና!’ ብምባል፡ ብዙሕ ኣሳቐዩዎ። ብኸምዚ ሰለስተ ወርሒ ምስ ተሳቐየ ድማ ካብቶም ምሳኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ’ሞ ገንዘብ ተሓዊሉሎም፡ መስተርሆት ዝረኸቡ ኤርትራውያን፡ ሽግሩን ታሪኹን ንሰባት ነጊሮም፡ ገንዘብ ብምውጻእ፡ 20 ሽሕ ዶላር ከፊሎም ካብ መዓት በደዊን ኣውጽኡዎ።
 
ጥሕሻ ንህይወቱ ብገንዘብ ገበርቲ ሰናይ ሸሚቱ ምስ ኣድሓና፡ ብሳህራ ኣቢሉ ንማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ፡ ብሰላም ናብ ዓዲ ጥልያን ኣተወ። ብድሕሪ’ዚ ድማ ምስ ሓንቲ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ራድዮ ተራኺቡ፡ ቃለ-መሕተት ብምክያድ፡ ንኹሉ’ቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ክሳብ ቤት ማእሰርቲ በደዊን ዘሕለፎ መሪር ስቅያት ዘርዚሩ ገለጸ። ወላዲቱውን ሽዑ’ያ ካብ ዝፍለያ ንመጀምርያ ግዜ ድምጹ ሰሚዓ፤ ከምኡውን ሃለዋት ውላዳ ፈሊጣ።
 
‘ብንእሽቶኻ ተኾስኲስካ ዝዓበኻሉ ነገር ኪትቀብጾ ኣሸጋሪ’ዩ! ኣነ ኣብ ሳሕል ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ’የ ተወሊደ ዓብየ። ብዘይካ ገድልን ገደልን ዝረኣኹዎ ነገር ኣይነበረንን! እቶም ከም ወለደይ ዝፈልጦምን ናተይ ዝብሎምን ሓለፍተይ ጨኪኖሙለይ። ኩልና ደቂ ኣሃዱና ምስ ደቀስና፡ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ’ዮም መጺኦም፡ ‘ትድለ ኣለኻ?’ ኢሎም ወሲዶሙኒ። ብቐጥታ ድማ ኣብቲ ከባቢና ዝነበረ፡ ሓደ ኮንተይነር ኣእትዮም ዓጺዮሙኒ ከይዶም። ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት ሸሞንተ፡ ሓንቲ ባኒ ኣብታ ብጸጋማይ ጎድኒ ናይቲ ኮንተይነር ዝነበረት መስኮት ኣቐሚጦሙለይ ከዱ።
 
ነታ ንቕጽቲ ባኒ፡ ገጸይ ይኹን ኢደይ ከይተሓጸብኩ፡ ካብታ መስኮት ኣልዒለ ክቑርጥማ ፈቲነ፤ ሽውሃተይ ብሻቕሎት ስለ ዝተዓጽወ ግን ዋላ ሓንቲ ኩላሶውን ትኹን ምውራድ ስለ ዝኣበየትኒ፡ እንደገና ናብታ ዝነበረታ መሊስኩዋ። ቀትሪውን ከምታ ናይ ንግሆ፡ ምሰሐይ በታ መስኮት ደርቢዮሙለይ ከዱ። ገበነይ እንታይ ሙዃኑ ንኽሓትት ሰብ ከዘራርብ ደለኹ። ኣብታ ኮንተይነር ካብ ዝኣቱ ግን ዋላ ሓደ ሰብ ብዓይነይ ኣይረኣኹን። በደለይ ከይተነግረኒ ሰዓታት ሓሊፉስ መዓልታትውን ሓለፈ። ቀትሪ ብጸሓይ፡ ለይቲ ብቚሪ ትንፋሰይ ክትሓልፍ ደለየት!
 
በቲ ቀጻሊ ለይቲ ለይቲ ዝሰምዖ ከቢድ ኣውያት፡ ኣብ ጥቓይ ካልኦት እሱራት ከም ዘለው እውን ክፈልጥ ከኣልኩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ናይ እሱራት ኣውያት ኪትሰምዕ ከለኻ፡ ኣዚኻ ኢኻ ትርበሽ! ኣብ ክንዳኦም ትስቀቕ! ኣነውን ኣብ ሰሙነይ፡ ንመጀመርያ ግዜ ለይቲ ሰዓት ክልተ ተጸዊዐ፡ ናብታ መቐጥቐጢት ቦታ ተወሰድኩ። ‘ንምንታይ ናብ ወያነ ኪትከይድ ሓሲብካ? ኢሉ ድማ ሓተተኒ ሓደ ቀጢን ጸሊም መርማሪ። ‘ናብ ወያነ!?’ ብስንባደ ሓተትኩዎ። ‘እወ’ መለሰለይ ቅልጥፍ ኢሉ ድምጹ ክብ ብምባል።
 
‘ናብ ወያነ ደኣ እንታይ ክገብር ክኸይድ?’ ደጊመ ሓተትኩዎ። ‘ንሱ’ሞ ባዕልኻ ንገረኒ።’ በለኒ ተገንጪሩ። ‘ትብሎ ዘለኻ ይተረድኣንን!’ ምስ በልኩዎ ከኣ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ክልተ ጉልቡታት ኣባጽሕ፡ ‘ያላ ገምጥሉዎ!” በሎም። ንቑልቁል ኣፈይ ገምጢሎም ድማ ኣሰሩኒ። ክልቲአን ከብዲ እግረይ ንላዕሊ ገጸን ምስ ጠመታ፡ መርማሪ ክልተ ግዜ በቲ ሒዙዎ ዝነበረ ጎማ ሃረመኒ። ክሳዕ ጸጒሪ ርእሰይውን ተዘዝ በለኒ። ቃንዛይ ክጸውር ስነይ ነኸስኩ።
 
እንደገና ‘ሓቂ ተዛረብ?’ ኢሉ ምስ ደገመኒ ግን ኣነውን ከምቲ ምሸት ምሸት ክሰምዖ ዝቐነኹ፡ ኣውያት ተጠሊዐ ደርጓሕኩዎ። መርማሪ፡ ‘ተላፋለፍ?’ እናበለ ምህራሙ ኣየቋረጸን። ኣነውን ኣውያት ኣየቋረጽኩን! ኣውያት ምስ በዝሐ ድማ ሓደ ገለ ዝጠልቀየ ረሳሕ ጨርቂ ጠቕሊሉ ኣፈይ ዓበሰኒ! ከብዲ እግረይ ደም ቲፍቲፍ በለ። መርማሪ ሃሪሙ ምስ ጸገበኒ ከኣ ነቶም ዝኣሰሩኒ ሰባት፡ ‘ያላ ውሰዱዎ’ ብምባል ገዲፉና ወጸ።
 
ብኸምዚ ኣጋባብ፡ ሰለስተ ወርሒ ኣብታ ኮንተይነር ንበይነይ እናተዓጸኹ ምስ ተቐጥቀጥኩ፡ ኣነውን ከምኣቶም ህልኽ ሒዙኒ፡ ካብኡ ኣየሕለፉ ኢለ፡ ኣሎ ዝብሃል ጸርፍን ውርደትን ኣዝነብኩሎም። በዚ ድማ ኣዚና ተሃላለኽና። ግፍዓታቶም መግለጺ የብሉን! ኣጽፋርካ ይስሕቡኻ፣ ኣብ ረሳሕ ማይ ብርእስኻ የእቱዉኻ፣ ትምባኾ በርበረ ነስኒሶም ኣብ ኣዒንትኻ የእትዉልካ፣ ዘይገብሩዎ ነገር የብሎምን! እቲ ኩሉ ‘ደርጊ ይገብሮ ኔሩ’ ኢሎም ኣብ ተለቪጅኖም ዝነገሩና ግፍዕታት፡ ንሳቶም ብዝተዓጻጸፈ መልክዑ ይፍጽሙዎ ኣለዉ!
 
እዛ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናያ ሃገር፡ ዓዲ ሕግን ፍትሕን ክንገብራ’ዩ ኔሩ ዕላማና! ኣብ ውሽጢ ዓድኻ ሰላም እንተዘይሃልዩካ ኢኻ ዓድኻ ገዲፍካ ንደገ ትወጽእ! እታ ሃለዋተይ ብምስኣና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝነበረት ወላዲተይ፡ ድሕሪ ክንደይ ኣዋርሕ ምስ ኣራኸቡና፡ ርእይ ምስ ኣበለትኒ’ያ ልባ ኣጥፊኣ ወዲቓ። ብድሕሪኡ ተንሲኣ፡ ጸጒሪ ርእሰይ እናደረዘት ዝበለትኒ ነገር ከኣ ፈጺመ ኣይርሳዕኩዎን።
 
ነዚ ንዓመታት ዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን ውድብ፡ ዝገበረ ይግበር፡ ሕጂ ምስ መረረና ወይ ምስ ተተንከፍናውን እንተኾነሕቘና ኣይንህቦን ኢና! ስለዚ፡ ጽናዕ! ኩሉ ክሓልፍ’ዩ!’ ኢላትኒ ኣደይ፡ ነቲ ዓስከሬን ዚመስል ኣካላተይ እናደረዘት። ኣደይ እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ፡ ገድልና ንውድብ ህዝባዊ ግንባር እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይነበረ’ያ ኣተንቢሃትለይ!’ ‘ንህዝባዊ ግንባር ኢና ተቓሊስና! ሕጂውን ንኣኡ ኢና ነገልግል ዘለና!’ ኢላትኒ።
 
ሓቓ እያ ኣደይ። ተጋደልቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኑስ ንህዝባዊ ግንባር እዮም ተጋዲሎም! ከምኡ እንተዘይከውን ኔሩ’ሞ ነቲ ተጋዲሎም ናጽነት ዘምጽኡሉ ህዝቢ፡ ድሕሪ ናጽነቱ፡ ብውሑዳት ሰባት፡ ከምዚ ኢሉ ብባርነት ናብ ስደት ኪበታተንን ኣብ ሃገሩ መሰሉ ተገፊፉ፡ ኣብ ሓሳረ መከራ ክነብርን ኣይመፍቀዱን ኔሮም።
 
ንህዝብን ሃገርን እንተዝወርድ ሜዳ
ህዝቢ እናቐበሮ ሑጻ ምድረ በዳ
ኣደይ እናነብዐት ኣብ ክንዲ ዝእብዳ
ኣገልጋሊ ኮይነ ናይ ውሑዳን ጃንዳ
ትም ኢለ ኣይምኸድኩን ከምዛ ዘይውላዳ!
 
ንህዝብን ሃገርን እንተ ዝጋደል ኔረ
ህዝቢ ብባርነት ወትሩ እናተጻዕረ
ካብቲ ዝሓለፈ ኮይኑዎ ዝመረረ
ብዋጋ ደም ደቁ እናጨለጠ ዕረ
ኣይምተዓዘብኩን ኣእዳወይ ኣጣሚረ!
 
 
ኣብ 4ይ ክፋል ይቕጽል…
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ
ሓውኹም መሲናስ 31/03/2016
ራባዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል፥
 
እቲ ዝገርም ግን እዚ ሕጂ ዘሎ ጉጅለ ውሑዳን ህግደፍ፡ እቲ ኣብ 2001 ዓመተ ምህረት ህላወኡ ብግብሪ ዘብቀዐ ህዝባዊ ግንባር ይመስሎም ስለ ዘሎ’ዩ! (ህዝባዊ ግንባር ግን ኣብ 1994 ብቓል ማለት፡ ብስም ህላውነቱ ከም ዘብቅዐ ኪንገር ከሎ፣ ብግብሪ ህላውነቱ ዘብቅዐ ግን ኣብ 2001 ድሕሪ ምእሳር ዝበዝሑ ኣባላት መሪሕነቱ’ዩ!) ኣብዚ ከየስመርኩሉ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር ከኣ ጽፈትን ብቕዓት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ምስ’ዞም ብዘይሕግን ፍርድን ብዓሎቕ ሓደ ሰብ ዝተሓየሩ ጀጋኑ ምብቅዑ’ዩ! እቶም ብድሕሪኦም ዝተረፉ ሓለፍትን መላኽን ከኣ ኮምፓስ ከም ዝጠፍኦ ባሕረኛ፡ ኣብ ማእከለ ባሕሪ ዕንክሊል ጥራይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ! ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምቲ ነዳዲ ወዲኣቶ ኣብ ማዓሙቕ ባሕሪ ዚጥሕል መርከበኛ፡ ኩሉ ነገር ተወዲኡዎም፡ ግብኣተ መሬቶም ንኺኣትዉ ሎሚዶ ጽባሕ ይበሃለሎም ኣሎ! እታ እንኮ ተሪፋቶም ዘላ ነገር፡ ህዝቢ ኣጥሚኻ ጓይላ እናገበርካ፡ ኣለኹ ምባል ጥራይ እያ!
 
ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ንውድብካ ምቅላስ፡ ካብ ጀብሃ ዝጀመረ ባህሊ ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ! እቲ ካብ ኩሉ ዘሐዝን ከኣ እዘን ሕጂ ኣብ ግዳም ኮይነን ‘ንመሰልን ፍትሕን ብዓብይኡ ድማ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ኢና ንቃለስ ዘለና’ ዝብላ፡ ዝተፈላለያ ውድባት፡ ልክዕ ከምተን ቀዳሞት ውድባት፡ ንህዝቢ ዘይኮነስ ንውድበን ብምቅላስ፡ ሕሉፍ ታሪኽ ከም ዘለዎ ይደግማ ምህላወን’ዩ!
 
“ሃለው ኣደይ ከመይ ሓዲርኪ?” በልኩዋ ሓደ ንግሆ፡ ነታ ወሊዳ ንህዝባዊ ግንባር ዝወፈየትኒ ወላዲተይ።
“እውይ ጥሕሻ ወደይ ዲኻ!? ከመይ ቀኒኻ? ዓዲ ጓና ይሰማምዓካዶ ኣሎ?” ድማ በለትኒ ህውኽ ኢላ።
“ጽቡቕ ኣለኹ ኣደይ። ካብ ኤርትራ ሃገርና ዘይሓይሽ የለን!” በልኩዋ ቃለይ ኣትርር ኣቢለ።
“ተመስገን ፈጣሪ! እንቋዕ ጽቡቕ ሃለኻ። በል ኩሉ ግዜ ክዛረበካ እናበልኩ ስለ ዘይቀሰንካ ዘይተዛረብኩኻ ኣገዳሲት መልእኽቲ ኣላትኒ ክዛረበካ’የ ኣስተውዒልካ ስምዓኒ ዝወደይ?” በለትኒ ኣደይ ህድእ ኢላ።
“ሕራይ ኣደይ” በልኩዋ ኣነውን ቅልጥፍ ኢለ።
“ቅድሚ ሕጂ ካብዚ ኹሉ ሽግር ወጺእካ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን ምስ ኣተኻ፡ ምስ ናይ ተቓወምቲ ራድዮ ቃለ መሕተት ጌርካ ኔርካ ምሽ?” እናተጠራጠረት ተወከስተኒ።
“እወ ጌረ ኔረ።” መለስኩ ደስ ከምዘይብላ እናፈለጥኩ።
 
“ኣነ’ኳ ሓቂ ዘረባ ኣይሰማዕኩዎን ኔረ። ‘ወድኺ ኣብ ራድዮ ይዛረብ ኣሎ ንዒ ስምዕዮ’ ምስ በሉኒ ግን ድምጽኻ ክሰምዕ ኢለ ተኸታቲለካ ኔረ። ኣዝየ ድማ ጉህየ!” ምስ በለትኒ፡
“ድምጸይ ሰሚዕኪ ደኣ ክንዲ ትሕጐሲ እንታይ ኴንኪ ጉሂኺ ኣደይ!?” በልኩዋ።
“ከመይ ዘይጉሂ!? ምስ’ዞም ንሃገሮም ዝኸሓዱ ዕሱባት ወያነን ኣመሪካን ኴንካስ ንመንግስትኻን ሃገርካን ከተኽፍእ ኣታ!? ወዲ መን ኪትብሃል ኢኻ!?” በለትኒ ከም ቁጥዕ ኢላ።
“ኣደይ! እቲ መንግስትኻ ትብልዮ ዘለኺ ኣካል እኮ’ዩ ብዘይገበንን ብዘይሕግን ንሞት ፈሪዱኒ ኔሩ!” መለስኩ ዕትብ ኢለ።
“ተፈረደካኸ’ሞ ነቲ ዘዕበየካ ህዝባዊ ግንባርስ ከምዚ ጌርካ ኪትክሕዶ!? እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለኻ ሓንቲ መዓልቲ ምስ ተራኸብና፡ ዝበልኩኻ ረሲዕካዮ ዲኻ? እንታይድየ ኢለካ ኔረ ሽዑ ?”
 
“ኣይረሳዕኩዎን ኣደይ። ‘ነዚ ንዓመታት ዝተቓለስናሉን ዘገልገልናዮን ውድብ፡ ዚገበረ ይግበር ሕጂ ምስ መረረና ወይ ምስተተንከፍናውን እንተኾነ ሕቖና ኣይንህቦን ኢና!’ እንዲኺ ኢልክኒ ኔርኪ?” ብምባል ሓተትኩዋ።
“እሞ እንታይ ደኣ እዚ እናፈለጥካ ዘይግቡር ትገብር!?” ንሳውን ተገሪማ ሓተትኒ።
“እሞ ኪትዛረብ ኣይነበረካን ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ?” በልኩዋ ከም ቁጥዕ ኢለ።
“እወ ኪትዛረብ ኣይነበረካን! ብዘይፍቓዶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲምካ ከይኣክልስ መሊስካ ከኣ ኣብ ደገ ኬድካ ዘድልን ዘየድልን ኪትዛረብ ኣታ! ህዝባዊ ግንባር ማለት’ኮ ህዝባዊ ህይወትካ ማለት’ዩ!” በለትኒ ኣደይ ድምጻ ክብ ኣቢላ።
 
“እሞ ሕጂ ነዞም ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር ኣዋጺኦም ንጨወይቲ ብምኽፋል፡ ህይወተይ ኣድሒኖም ናብ ዓዲ ሰብ ዘእተውኒ ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋተይስ ከሓዶም ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ!?” ተገሪመ ሓተትኩዋ።
“ትክሕዶም’ወ! መንዶ ይቐርበካ?” መለሰትለይ ኣደይ ህውኽ ኢላ።
“ህዝበይን ሃገረይን ይቐርቡኒ!” በልኩዋ ኣነውን ቅልጥፍ ኢለ።
“እዋእ! ስማዕ’ስከ ኣታ ቈልዓ! ካብ ወለድኻስ ዓድኻን ደቂ ዓድኻን ይቐርቡኻ!?” ነዲራ ሓተትኒ።
“ከምኡ ኣይበልኩን ኣነ” መለስኩ ብትሑት ድምጺ።
“እንታይ ኴንካ ዘይትብል! እቶም ህዝበይ ትብሎም ዘለኻ ደቂ ዓድኻ፣ እታ ሃገረይ ትብላ ዘለኻ ከኣ ዓድኻዶ ኣይኮኑን? ህዝባዊ ግንባር ግን ወላዲኻ’ዩ! ካብዚ መንግስትስ ህዝብን ሃገርን ይቐርቡኒ እንዲኻ ትብለኒ ዘለኻ ግዲ!?” በለትኒ ኣደይ ብነድሪ ድምጻ ዓው ኣቢላ።
“እወ ከምኡ እብለኪ ኣለኹ። ካብዚ ካብ ሃገረይ ኣሳቕዩ ዘሰደደኒ መንግስቲትኺ ህዝበይን ሃገረይን ይቐርቡኒ!” ደገምኩላ ድምጸይ ክብ ኣቢለ።
 
“ካብቲ ኣዕብዩ ዘምሃረካ ውድብ ህዝባዊ ግንባርስ ህዝብን ሃገርን ይዓብዩኻ!? እዚ ማለት’ኮ ካብቶም ወሊድኩም ዘዕበኹሙኒ ወለደይስ ደቂ ዓደይን ዓደይን ይቐርቡኒ ማለት’ዩ ኣታ ደንቆሮ!” በለትኒ ድምጻ ብሕርቃን ቁርጽርጽ እናበለ።
“ኣቲ ኣደይ እዚ ወላዲኻ ትብልዮ ዘለኺ መግስቲ’ኮ ህዝብን ሃገርን’ዩ ዘጥፍእ ዘሎ!” ደገምኩላ ኣነውን ቁጥዕ ኢለ።
“ህልም የብሎም! ንሱዶ ይዓብየካ ህዝብን ሃገርን? ንስኻ ከም ተጋዳላይ መጠን ህዝባዊ ግንባር ከይጠፍእ ደኣ ፍራህ’ምበር ናይ ካልእ ዘገድሰካ ኣይኮነን!” በለትኒ ኣደይ ተገንጪራ።
 
“እሞ ሃገርን ህዝብን እንተደኣ ኣጥፊኡዎም ደኣ እንታይ ሒዝና ክንተርፍ ኢኺ ትደልዪ ዘለኺ?” ሓተትኩዋ ህድእ ኢለ።
“ህዝባዊ ግንባር፡ ነታ ተጋዲሉ ዘምጽኣ ሃገር ኣይጥፋኣን’ዩ። እቲ ይጠፍእ ኣሎ ትብሎ ዘለኻ ህዝቢ ከኣ እቲ ንህዝባዊ ግንባር ዘይፈልጥን ገለ ውሑዳት ከዳዓትን ጥራይ እዮም! እዚ መንግስቲ’ኮ ብተጋደልቲ’ዩ ደው ኢሉ ዘሎ! ን20 ዓመት ብደም ዝሃነጾ ቤት ከፍርስ ዚፍትን ተጋዳላይ ከኣ የለን! ስለዚ፡ ህዝባዊ ግንባር ዝገበረ ይግበር ውድብካ ስለ ዝኾነ ኪትድግፎ ጥራይ እዩ ዘለካ!” ቀጢን ትእዛ ሃበትኒ።
 
“በቃ!? ዋላ ሒዙና ናብ ገደል ይጽደፍ ምስኡ ክንጸድፍ ኣለና ማለትድዩ!?” መልሳ እናፈለጥኩዎ ሓታትኩዋ።
ትጸድፍ! ሱርካ ምስ ተነቕለዶ ብድሕሪኡ እንታይ ህይወት ኣሎካ?” ድማ በለትኒ፡ ብዘይውድባ ህይወት ከምዘይብላ ብምእማን።
ሕራይ በሊ ደሓን ኣደይ፣ ነዚ ዝበልክኒ ክሓስበሉ” ድማ በልኩዋ ከረድኣ ከምዘይክእል ኣሚነ ተስፋ ብቑራጽ።
እወ፡ ጽቡቕ ጌርካ ሕሰበሉ። ወዲ ነብዪ ግርማይ ከዲዑ ተባሂልካ ከይተዋርደና ተጠንቀቕ!” ድማ በለትኒ ናይ ዓወት ዲል እናተሰምዓ።
ሕራይ ደሓን ክሓስበሉየ። ንኹሎም ስድራ ሰላም በልለይ? ቻው” በልኩዋ ህድእ ኢለ።
ሰናይ መዓልቲ ዝወደይ! ደውል ኢኻ ደሃይ ኣይተጥፍእ?” በለትኒ ንሳውን ርግእ ኢላ።
ሕራይ ክድውልየ።” ኢለ ተሌፎን ምስ ዓጸኹ፡ ኣብ ዓሚቚ ሓሳባት ኣተኹ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ብልበይ ነዛ እትስዕብ ናዕታ ክውርቕ ጀመርኩ፥
 
ህግደፍ ሰይተ’ቦና!
 
ንህዝብን ሃገርን እንተዝወርድ ሜዳ
ህዝቢ እናቐበሮ ሑጻ ምድረ በዳ
ኣደይ እናነብዐት ኣብ ክንዲ ዝእብዳ
ኣገልጋሊ ኮይነ ናይ ውሑዳን ጃንዳ
ትም ኢለ ኣይምኸድኩን ከምዛ ዘይውላዳ!
 
ንህዝብን ሃገርን እንተ ዝጋደል ኔረ
ህዝቢ ብባርነት ወትሩ እናተጻዕረ
ካብቲ ዝሓለፈ ኮይኑዎ ዝመረረ
ብዋጋ ደም ደቁ እናጨለጠ ዕረ
ኣይምተዓዘብኩን ኣእዳወይ ኣጣሚረ!
 
ቃልስና ንውድብ እንተኔሩ ሸቶኡ
ሓደ ሽፍታ ጉጅለ ካብ በረኻ መጺኡ
ህዝብና ብምልኪ ናብ ስደት ኣጥፊኡ
ነጊሱልና እንሆ ዘውድነት ደፊኡ!
 
ካብ ህዝብን ሃገርን ንውድብ ኣብሊጽና
‘ሻዕብያ!’ ኪንብል ጸሓይ ዓሪቡና
ብምልኪ ሓደ ሰብ ህዝብና ለኪምና
ጨቈንቲ ኪንሰጉግ ከምዘይተጋደልና
ምልኪ ይንገስ ኪንብል ኣብ ስደት ሰፊርና
ከም ሰብ እንተ ንሓስብስ ፍጹም መሕፈረና!
 
እዚ ኹሉ ዓመታት ከርተት ዝበልናሉ
ጀጋኑ ሰማእታት ዝተሰውኡሉ
ስልጣን ብሒቱዎ ሓደ ሰብኣይ ብሓይሉ
ርእሰ ምልኪ ኮይኑ ሰብ ዚሰክሓሉ
ህዝቢ የሀልቕ ኣሎ ሓታቲ ዘይብሉ!
 
ስሙ እናሐደሰ ዘልኣለም ንምንባር
ምሁራት ከይበለ ሸቃሎ ምስ ገባር
ዝተጻብኡዎ ቀፊዱ ብምእሳር
ከምቲ ዝለመዶ ናይ ህዝባዊ ግንባር
ሰብ ይበልዕ ኣሎ ኰምበለለ ምስ በሃር!
ልዕሊ ኹሉ ንኣይ እቲ ዝገርመኒ
እታ ካብ ማህጸና ዝወለደትኒ
ሓለፋ ውድባ ከምዘይተፍቅረኒ
ኣደይ እቲ ሕማማ ምስ ነገርትኒ
ክኣምን ኣይከኣልኩን ተኣምር ኮይኑኒ!
 
እታ ህዝባዊት ግንባር ኣደ ናይ ኩልና
ሓይሉ ተጠቒሙ ምስ ቀፈዳ ኣቦና
ህግደፍ እትብሃል ሰይተ’ቦ ኣምጺኡልና
ንሕስያ ዘይብላ ጨካን ብምዃና
ብሕሰም ቀጺዓ በታቲናትና!
 
እታ ህዝባዊት ግንባር’ወ ኣደ ናይ ጀጋኑ
ኣሚን ኪሒዱዋ ሰብኣይ ጠላም ኮይኑ
ኣብ ማሕዩር ሰፊራ ኣካላ ማሲኑ
ጨካን ብዓል ቤታ ኪገዝእ ንበይኑ
ንህግደፍ ኣእትዩ ኣፍሪሱ ኪዳኑ
በይኑ *ይሽናህ ኣሎ ደቃ በታቲኑ! *ይሕጐስ
 
እታ ኣደ ናጽነት ህዝባዊ ግንባርና
ኣብ ማሕዩር ሰፊራ ብጨካን ኣቦና
ትፈታሕ ከይንብል ዉሉዳ ሓቢርና
ፍቑራት ኣሕዋተይ እንታይ እዩ ሒዙና?
ኣብ ልዕሊ ወላዲት ክንድ’ዚ ጨኪንና!
 
ኣሚኑ ቀይዱ ደቁ ዝበተነ
እዚ ሰነፍ ኣቦ ንቤቱ ዘይኮነ
ብሕጊ እንዳባ መታን ከይዳነ
ቅዋምና ኣብ ከብሑ ፍጹም ዘቘንቆነ
ጉዳይ ስድራ ቤትና በይኑ እናወሰነ
ብኲናትን ስደትን ህዝባ እናኣማሰነ
ሃገርና ኣጸልሚቱ ከዲኑዋ ድነ!
 
እዚ ኹሉ ገድሊ መቑሰልትን መስዋእትን
ንህግደፍድዩ ኔሩ ህዝብና ኪብትን?
ንሕሰምን መከራን ስደትን ጥፋኣትን
ከመይ’ለ ይድግፍ ንምልክን ኣጽናትን!?
 
ብተንኰላት ተመን ኣብ ክንዲ ንበልሕ
‘ሻዕብያ!’ እናበልና’ወ ምንም ዘየርብሕ
ከም ልዑል ፈጣሪ ንሰባት ኪንፈርሕ
ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ንውድብ ኪንሰርሕ
ሓቁ እንድዩ ደኣ’ሞ ስቓይና ኪነውሕ፡
ህዝበይ ንንቃሕ’ባ ሽግርና ኪንፈትሕ?
 
ተፈጸመ።
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ
ሓውኹም መሲናስ 01/04/2016

1 COMMENT

  1. ሰላማት

    ኩናት ኤርትራን እትዮጵያን ቅድሚ ምዉልዑ ኣብ 1996/97 ተፈጡሩ ንዝነብረ ዘይምርድዳእ እሳያስ ኣፈወርቂ ኣብኪንዲ ንሃገር ብምዉካል መንግስታዊ ስራሕን ኣሰራርሓን ዘተግብር ናይ ብጻይነት ስራሕ ወይ ከምዚ ናይ ቆልዑ ገዛ ጋዛ ዝጻወትዎ ጸወታ ዝዓይነቱ ንኽሕዞ እዩ መሪጹ ነይሩ ምስ ብጻይ ኢሉ ዝጽውዖ መለስ ዜናዊ ኣርኩ። ካብ ዘገርም ሓደ ነገር እንተሃለወ ሓንቲ ልእላውነታ ዘረጋገጸት ሃገረ ኤርትራ መራሒኣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንመራሒ ሃገረ ኢትዮጵያ ንናይ ዶብ ዘኣክል ዓብይ ጉዳይ ብጻይ (Comrade ) መለስ እንዳበልካ ምጽሓፍ ነቲ ኣብ ባድመ ዝተገብረ ተዋስዖ ሓደ ንጹር ስእሊ ከንጸባርቐልና ዝኽእል ኣብ ርእሲ ምኻኑ ክንዮው ናይ ባድመ ኣብዞም ጠቒሰዮም ዘለኹ መራሕቲ ሃገር ሕቡእ ዕላማ ከምዝነበሮም ከነጽረልና ይኽእል ይመስለኒ። ነቲ ዝጸሓፍ ዝነበረ ናይ ብጻይነት ጭራም ወረቓቕቲ ብኽምዚ ስዒቡ ዘሎ ተጻሒፉ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ስለዝረኸብኩዎ ከምዝሎዎ ኣእቕርበልኩም ኣለኹ።

    Eritrea’s President Isaias Afeworki wrote the following letter to Prime Minister Meles Zenawi of Ethiopia on August 16, 1997:-*

    Comrade Meles;
    Greetings.

    I am being compelled to write you today because of the preoccupying situation prevailing in the areas around Bada.

    It cannot be said that the border between our two countries is demarcated clearly although it is known traditionally. And we had not given the issue much attention in view of our present and future ties. Moreover, I do not believe that this will be a cause of much concern and controversy even in the future.
    Be this as it may, there have been intermittent disputes in the border areas arising form different and minor causes. Local officials have been striving to defuse and solve these problems amicably. However, the forcible occupation of Adi-Murug by your army in the past few days is truly saddening.

    There was no justification for resorting to force as it would not have been at all difficult to settle the matter amicably even if it was deemed important and warranting immediate attention. It would also be possible to quietly and without haste demarcate the boundaries in case this is felt to be necessary.

    I, therefore, urge you to personally take the necessary prudent action so that the measure that has been taken will not trigger unnecessary conflict.

    Best Regards
    Your comrade
    Isaias Afwerki
    16/08/97

    Prime Minister Meles’s undated terse reply came subsequently. It read as follows:
    Comrade Isaias,
    Greetings.

    I have seen the letter you sent me. I had also heard that the situation in the border areas does not look good. I was also informed that the matter was discussed between your colleague (Yemane), who had come here, and ours (Tewolde). We did not imagine that what happened in Bada could create problems. This is because the areas our comrades are controlling were not controversial before and we believed that prior consultation was only necessary for disputed areas. We moved to the areas to pursue the remnants of Ougugume (Afar Opposition) who were obstructing our peace efforts from positions there. We believe we can ease the tension concerning the borders on the basis of the understanding reached previously between your team and our colleague (Tewolde). Perhaps, it is also necessary to settle the border demarcation issue after the necessary preparations are carried out by both sides.
    In the meantime, the situation was worsening in Badme and President Isaias felt obliged to, once more, write to Prime Minister Meles on 25 August 1997:-

    Comrade Meles,
    Greetings.

    Regarding the situation in the border areas, my information establishes that the measures taken at Adi-Murug were not in areas that are undisputed but in our own areas and by expelling our officials and dismantling the existing administration. Concerning the Ougugume, your action (in Adi-Murug) came as our Defence was preparing to co-operate on the basis of the request from your Army. Moreover, similar measures have been taken in the Badme area.

    I had indicated to you, these measures are unjustified. In order to expediently check any further deterioration and pave the way for a final solution, we have assigned on our part three officials (Defence Minister Sebhat Ephrem; PFDJ Head of Political Affairs, Yemane Ghebreab; and National Security Advisor, Abraha Kassa) I suggest that you also similarly (or in ways you think best) assign officials so that both sides can meet as soon as possible to look into these matters. I await your thoughts.

    Best regards
    Your Comrade
    Isaias Afewerki
    25/08/97

LEAVE A REPLY