ዕጡቕ ኣሃዱታት ሰራዊት ሕድሪ ባሕቲ መስከረም 2017 ኣኽቢሩ ውዒሉ

0
131

ዕጡቕ ኣሃዱታት ሰራዊት ሕድሪ ባሕቲ መስከረም 2017 ኣኽቢሩ ውዒሉ ካብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ-ሕድሪ ዝተረኸበ ሓበረታ ከም ዘብርሆ፣ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ኣብ ጽዑቕ ዝዀነ ወተሃደራዊ ስልጠናታትን ታዕሊምን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ትምህርትን ምንቕቓሕን ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ምንጋጋ ገባቲ ስርዓት መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ንምድሓን ኣብ ዝግበር ጥምጥም ርኡይ ተርኡ ንምብርካት ዝዓለመ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ከኣ ፍትሓዊ ቃልሲ ምዃኑ ጥርጥር የብሉን።

ኣብ’ቲ ምዝዛም ስልጠናታቱን ፖለቲካዊ ትምህርቱን፣ ነቲ ንራህዋ፡ ሰላም፡ ከምኡ’ውን ልምዓት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተባሂሉ ቅድሚ 56 ዓመታት ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ (ባሕቲ መስከረም) ብምዝካር ብድሙቕ ኣኽቢሩ ከምዝወዓለ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበረታ ኣረጋጊጹ ኣሎ። እቲ በዓል ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ መደረታት፡ ግጥምታት፡ ቁም-ነገር ሓዘል ተዋስኦታትን ባህላዊ ምርኢትን ብምቕራብ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ሰራዊት ሕድሪ ግን እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ተጠቒሙ ናብ ህዝቢ ኤርትራ መልእኽቱ ከም ዘመሓላለፈ ይፍለጥ። እቲ መልእኽቲ ድማ ቅድሚ 56 ዓመታት ዝጀመረ ብዙሕ መስዋእቲ ናይ ሂወት፡ ንብረት፡ ዕድመ፡ ስደት ወዘተ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፈለሉ ቃልሲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንረብሓን ጥቕምን ኣዝዮም ውሑዳት ዝዀኑ ጭፍራ መራሕቲ ህግደፍ ኰይኑ ተሪፉ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትና ተበታቲኖም። ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ጸገም ኣትዩ ኣሎ። ወዲ ዓሻ’ሲ ክልተ-ግዜ ይጽፋዕ ከም ዝበሃል፣ ህዝብና ካልኣይ ግዜ መታን ከይጽፋዕ ሃየ ኩልና ነዚ ቃልሲ ንሳተፎ። ብፍላይ መንእሰያት ንሕና’ውን ከማኻትኩም መንእሰያት ኢና እሞ ንተሓጋገዝ። ህዝብና ናብ’ዚ ቃልሲ ከም ዝሳተፍ ንተሓጋገዝ። እንተዘይኰነ ናብ ኣዝዮም ውሑዳት ዝዀኑ ሰባት ጥራሕ እንተገዲፍናዮ ኣብ መወዳእታ ከም ጭፍራ መራሕቲ ህግደፍ ተረኺቦም እንደገና ከይ ብድሉና ኢደ-ኢድና ንቃለስ ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ’ውን በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ዝበዓለሉ ሃይማኖታዊ በዓል ብምዃኑ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና እንቋዕ ኣብ 1438 ዓመተ-ሂጅራ ዒድ ኣልኣድሓ ኣብጽሓኩም ብምባል ሰራዊት ሕድሪ ጽቡቕ ትምኒቱ ኣመሓላሊፉ። ብሰንኪ ጭፍራ መሪሕነት ህግደፍ ነዚ ክቡር በዓል’ዚ ህዝብና ብሓባር ኣብ ክንዲ ዘብዕሎ ተበታቲኑ ኣሎ። ስድራ-ቤታት ተፈላልየን ኣለዋ። እሞ ንኽብሪ ህዝብናን ሃገርናን ክቡራት እምነታትናን ባህልታትናን ኩልና ንቃለስ ብምባል ሰራዊት ሕድሪ እንደገና ካልኣይ መልእክቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ኣብ መደምደመታ ከኣ ዕጡቕ ኣሃዱታት ግሃድኤ-ሕድሪ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ! ዝብል መሪሕ ጭርሖ ውድብና ተሓንጊጡ ንወሳኒ ዓወት ብትብዓት ክምርሽ ምዃኑ ቃል ከም ዝኣተወ ተረጋጊጹ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ – ሕድሪ

0 2 – 0 9 – 2017

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY