ዜና 06-09-2016

0
1913

ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምዝራግ ሕውነት ንዘለዎ ባህርይ ዘጉልሕ ሓበሬታ ኣብ ምንዛሕ ተጸሚዱ ምህላዉ ተገሊጹ።

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Zirzir-Zena /Zirzir-zena-06-09-2016.mp3″]

ውልቀ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምዝራግ ሕውነት ንዘለዎ ባህሪ ዘጉልሕ ሓበሬታ ኣብ ምንዛሕ ተጸሚዱ ምህላው ተገሊጹ።

ሓያሎ ዜጋታትና ብኢመይልና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ካብ ዘለዎ ጸረ ሰላም ባህሪ ተበጊሱ ሕውነት ህዝብታት ኣብ ምዝራግ  ተጸሚዱ ምህላው ገሊጾም።

ኣንጻር ስሙ ዝነጥፍ ሃገራዊ ድሕነት ዝተባህለ መሓውር እቲ ጉጅለ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክንዲ ዝሰርሕ ንዝወዘለ  ውሻጠ ህግደፍ ኣወንዚፉ ህዝብታት ጎረባብቲ ንከባልዕ  ዝነፈሰ ዓሌታዊ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምንዛሕ ተጸሚዱ ምህላው ኣነጺሮም።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ሱር ዝሰደደ ሕውነት ዘለዎም ኣብ ክልተ ሃገራት ዝነብሩ ሓደ ህዝቢ ከም ዝኾኑ ዝሓበረት ሚልካ ኣብራሃም ዝተባህለት ኣብ ካናዳ ትርከብ ዜጋ ንርክብ  እዞም ዝተዋለዱ ህብታት ክበትኽላሕ ኢሉ ከይኣኽሎ ሕጂ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ጽልኢ ክፈጥር ዓቕሊ ጽበታዊ ሓሶት ይነዝሕ ከም ዘሎ ኣብሪሃ

———————————–//////////////////////—————————- 

ሰሉስ 06/09/2016

ስርዓት ህግደፍ ንኣቡነ እንጠንዮስ ብግዴታ ናይ ይቕሬታ መዘክር ብምፍራም ናብ ቦትኦም ክመልሶም ፈተነታት የካይድ ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ሬድዮ ኤረና ምልካዊ ጉጅለ ኢሳይያስ ነቶም ብዘይ ገለ ገበን ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣሲርዎም ዝጸንሐ’ሞ ቅድሚ ገለ ሰሙናት ዝፈትሖም ኣቡነ እንጠንዮስ ብግዴታ ናይ ይቕሬታ መዘክር ብምፍራም ናብ ቦትኦም ክምለሱ ዘካይዶ ዘሎ ፈተነታት ይፈሽል ኣሎ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ህግደፍ ነቲ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ተቓውሞ ጳጳሳትን ምእመናትን ንምዝሕሓል ነቶም ካብ መንፈሳዊ መዝነቶም ብምውራድ ሓይርዎም ዝጸንሐ ጳጳስ ናብ ቦትኦም ክመልሶም’ኳ ፈተነታት የካይድ እንተሃለወ እቶም ጳጳስ ግን ድሌት እቲ ስርዓት ንምርዋይ ንዘይፈጸምዎ ጌጋ ይቕሬታ ብምሕታት ናብ መንፈሳዊ ቦትኦም ከምዘይምለሱ ኣረጋጊጾም’ኣለው።

ንኢድ ምትእትታው ህግደፍ ኣብ ሃይማኖት ዝተቓወሙ ኣቡነ እንጠንዮስ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ተዳጊኖም ክሳቐዩ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

———————————–//////////////////////—————————-

ሰሉስ 06/09/2016

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሊብያ ስም ዝርዝር ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝነጥፉ ኤርትራውያን ሒዙ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ስም ዝርዝር ናይቶም ጸጥተኣን ኣብ ዘየውሓሳ ከተማታት ሊብያ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ሊብያውያን ሚሊሻታት ኮይኖም ዝሰርሑ 100 ኤርትራውያን ሒዙ ከም ዘሎ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሊብያ፡ምስዚ ዝተታሓዘ ገበናት ኣብ ምህዳን ዝተዋፈረ ፍሉይ ሓይሊ’ውን ካብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር 5 ተወሰኽቲ ኤርትራውያን ሒዙ’ሎ።

መብዛሐትኦም’ቶም ብምስግጋር ስደተኛታት ዝህደኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ካልኦት ስደተኛታት ኣብ ከም በዓል ቤንዋሊድ፡ ሳብራታ፡ ሰብሓ፡ ኣጅዳብያን ኩፍራን ዝኣመሰላ ከተማታት ስለዝርከቡ ንምሓዞም ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ተጠቒሱ’ዩ።

መዓልታዊ ክሳብ 1500 ዝግመቱ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ከምዝሰግሩ ዝሓበረ ኣሃዱ ምቑጽጻር ስደተኛታት ሊብያ ነፍሲ ወከፍ ዝሰግር ስደተኛ ካብ 800-2000 ዶላር ከም ዝኽፍል’ውን ብሰነድ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

———————————-//////////////////////—————————–

ሰሉስ 06/09/2016

ኣብ ጋቦን ክረአ ዝጸንሐ ወጥሪ ንምህዳእ ኣበርክቶኡ ከም ዘበርኽት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣረጋጊጹ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጋቦን ድሕሪ ዘካየደቶ ሓፈሻዊ ምርጫ ከጋጥማ ካብ ዝጸንሐ ወጥሪ ክትወጽእ ሙሉእ ደገፍ ከም ዝገብር ምርግጋጹ ኣብ ማዕኸን ሓበሬታ ዥንዋ ዝተዘርግሐ ዜና ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጫድን መራሒ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢድሪስ ደቢስ ኢትኖ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ጫድ ኣትያቶ ካብ ዝጸንሐት ክትወጽእ ድሉውነተን ሙሉእ ምህላው ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢስ ኣብ መብርሂኡ ኣባል ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገብርኦ ደገፍ ኣነኣኢስካ ዘይረኣ’ኳ እንተኾነ ብቐንዱ ግን ህዝብን ሃገርን ጋቦን ነቲ ወጥሪ ኣብ ምህዳእ ዝለዓለ ተራ ኣለዎም ኢሉ።

—————————————//////////////////////———————— 

ሰሉስ 06/09/2016

መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ምንቁልቋል ንዝርከብ ቁጠባ ዓለም ንምብርባር ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

ከም ጸብጻብ ማዕኸን ዜና ዥንዋ ኣብ ቻይና ንመጀመርያ ግዜ ዝተኻየደ መበል 11 ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኢኮኖሚ ዓለምና ንምብርባር ኣብ ዝሕግዞም ጉዳያት ኣድሂቦም ክሰርሑ’ዮም።

ጉዳያት ኩነታት ኣየር፡ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝዉጻእ በዝሒ ገንዘብ ከምእዉን ኣብ ጉዳይ ጥዕና ሰፊሕ ዝርርብ ዘካየዱ ኮይኖም ብፍላይ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ካልኦት ቀጻሊ ዕብየት ክረጋገጹሎም ዝኽእሉ ነጥብታት ‘ዉን ተማኺሮም ‘ዮም።

ፕረዝዳንት ቻይና ዥ ጂንፕንግ ኣብቲ ጉባኤ ዝተልዓሉ ሓሳባት ንቁጠባ ዓለምና መፍትሒ ከምዝኾኑን እቲ ጉባኤ ድማ ኣብ ውሳኒ ግዚኡ ከምዝተካየደን ገሊጹ ‘ዩ።

በጀካ’ዚ ‘ቶም መራሕቲ ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያዊ ስምምዕ ከምዝተፈራረሙን እዚ ድማ መርኣያ ምብርባር ቁጠባ ከምዝኾነን ‘ዉን ብተወሳኺ ተጠቒሱ’ዩ።

————————————//////////////———————————– 

ሰሉስ 06/09/2016

ቱርኪ ምስ ሶሪያ ንዘዳቡብዋ ከባቢታት ካብ ኣይ ኤስ ነጻ ከምዝገረበት ተገሊጹ።

ከም ጸብጻብ ቢቢሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቱርኪ ሃገሩ ምስ ሶሪያ ንዘዳቡብዋ ከባቢታት ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣይ ኤስ ናጻ ከም ዝገበረት ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚስተር  ሃገሩ ኣብ ግዝኣት ሶርያ ወታሃደራት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣይ ኤስን ኩርድን ብዝወሰደቶ ስጉምቲ እቲ ዓወት ክርከብ ከምዝኸኣለ ገሊጹ ‘ዩ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ንኡስ መንግስቲ ክምስረት ኮነ ሓዱሽ ግዝኣት ክፍጠር ሃገሩ ከምዘይትፈቅድ ሓቢሩ’ዩ።

————————————//////////////———————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY