ዜና 28-04-2016

0
16888

ስርዓት ህግደፍ ንመስመር ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ሱዳንን ከምዝዓጸወ ተፈሊጡ፡፡

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Zirzir-Zena /Zirzir-zena-28-04-2016.mp3″]

 

ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ከምዝሓበሩልና ስርዓት ህግደፍ ብትካላት ንግዲ ናብ ሃገርና ዘእትዎም ኣእኻልን ሽኮርን ዝዕድጎም ብምስኣኖም ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝግበር ንግዳዊ ምንቕስቓስ ደው ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መንጎ ሃገርናን ጎረቤት ሱዳንን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ደው ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ዘሎ ኣብ 2015 ንህዝቢ ብኩፖን ከመቓርሖ ወጢኑ ዘእተዎ ኣእኻልን ሽኮርን ምስቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ብዘይምምጥጣኑ ህዝቢ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝሸየጥ ብምጥላቡ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ብዙሓት መካይን ንግዲ ካብን ናብን ምንቅስቓስን ተገቲኡ ደው ብምባለን ህዝቢ በቲ ጉዳይ ይዛራረብ ከምዘሎ’ዉን ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ብተወሳኺ ገሊጾም’ዮም።

—————————————/////////////———————————

ሓሙስ 28/04/2016

ኣብ ቅንያት ፋሲጋ ብሰንኪ ሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸገም ይወድቕ ምህላዉ ተፈሊጡ።

መላኺ ኢሳይያስ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ካዝናታቱ ካብ ዝሕይሮ ኣትሒዙ ዋሕዲ ባጤራ ናቕፋ ኣብ ህዝቢ ቡዙሕ ናይ መነባብሮ ጸገም ክፈጥር ምጽንሑ ዜጋታት ገሊጾም።

እዚ በቲ ጉጅለ ተሃጊሩ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ ዘምጸኦ ሽገር ኣብ ቅንያት ኣውደኣመት በዝሒ ናብ ዕዳጋ ናይ ዘቕርባ ዘለዋ ከብትን ጠለ-በጊዕን ብዝኸፍአ መልክዑ ጸለይዎ ምህላዉ’ዉን ሓቢሮም’ዮም።

እቲ ጉጅለ ነቶም ወነንቲ ከብትን ጤለ በጊዕን ንመሸጣ ናብ ዕዳጋ ሒዞመን ዝወረዱ ብዝሒ ጥሪትን ዝሸጥሉ ዋጋን ኣታዊታቶም ክሕብሩ የገድዶም ከምዘሎን ዝኾነ ዜጋ ካብ ናብን ክንቀሳቐስ ከሎ ካብ 3000 ናቕፋ ንላዕሊ ኸይሕዝን ዘውጸኦ ኣዋጅ ይትግብሮ ምህላዉ ኣነጺሮም።

መላኺ ኢሳይያስ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ዓመጽን ገንዘብ ህዝቢ ናይ ምዝራፍን ምህጋርን መስርሕ ሕጂ’ዉን መልክዑ ብዘይፍለ ይቕጽሎ ምህላዉ ዜጋታትና ብተወሳኺ ገሊጾም።

————————————-////////////////////————————-

ሓሙስ 28/04/2016

ላዕለዎት መራሕቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ክፍሊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተራኸቡ ተገሊጹ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ኣካላት ሚኒስትሪ ወጻኢ ፈረንሳ ተራኺቦም ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ድማ ብፍላይ ብምግላጽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ዓለም ብዘለዎ ጽልዋ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ክገብር ከምዘዛኻኸርዎ ብኢመይል ዝመጸ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ በቲ ግንባር ዝተወሃቦም ሰፊሕ መብርሂ ብጽሞና ዝተኸታተሉ  ሓለፍቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፈረንሳውያን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብ ነዊሕ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ጉዳይ ምዃኑን ዋሕዚ ስደተኛታትን ዘጋጥሞ ዘሎ ዘባህርር ሓደጋታትን ውጽኢት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ምዃኑ ሙሉእ ኣፍልጦ ከምዘለዎም’ዉን ገሊጾም።

ንሳቶም ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብምርዳእ ኣብታ ሃገር ሰላምን ዲሞክራሲን ክመጽእ መንግስቶም ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ከም ዘረጋገጽሎም’ውን እቲ ግንባር ኣብ ዘልኣኾ ሓበሬታ ኣነጺሩ’ዩ።

ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ዑሱማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምቕዋም ናይ ኣድሕኑና  ዲፕሎማሲያዊ ወፍርታት ንምግባር ኣብ ፈረንሳ ምስ ዝተፈላለዩ ወጻኢ ጉዳይ እታ ሃገር ተራኺቦም ከምዝተዛተዩ’ዉን ተገሊጹ’ዩ።

————————————–////////////////——————————-

ሓሙስ 28/04/2016

ህዝቢ ዳርፉር ብዝነበሮ ጥርናፈ ክቕጽል ዘኽእሎ ድምጺ ሂቡ።

ነባሪ ምዕራባዊ ኣካል ሱዳን ዝኾነ ህዝቢ ዳርፉር እታ ከተማ ርእሳ ዝኸኣለት ምምሕዳር ኮይና’ዶ ዋላስ ምስተን ካልኦት 5 ግዝኣታት ኮይና ትቐጽል ኣብ ዝብል ጉዳይ ረፈረንደም ዘካየደ ኮይኑ ብዝጸነሓቶ ጥርናፈ ትቐጽል ኣብ ዝብል ምርጫ ድምጺ ሂቡ’ሎ።

ኣብቲ ረፈረንደም 3 ሚልዮን ዳርፉራውያን ድምጾም ዝሃቡ ኮይኖም፡ እቶም ልዕሊ 9 ሚኢታዊት ብዝጸናሕናዮ ጥርናፈ ንቐጽል ክብሉ ድምጾም ሂቦም።

እቲ ዝተኻየደ ረፈረንደም 13 ዓመታት ዝጸንሐ ግጭታዊ ሕቶታት መልሲ ዝሃበ’ዩ’ዉን ተባሂሉ’ሎ።

————————————–////////////———————————

ሓሙስ 28/04/2016

ናብ ሓደ ቢልዮን ዝጽጋዕ ጥረ ገንዘብ ዳዒሽ ተቓጺሉ።

ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዒሽ ጥረ ገንዘቡ ኣብ ልዕሊ ዘቐምጠሉ መኻዚኖ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኣየር ኣሜሪካ ናብ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝጸጋጋዕ  ትሕዝቶ እቲ ኣሸባሪ ከምዝተቓጸለ ቢቢሲ ጸብጺቡ።

እቲ ኣብ ልዕሊ መኻዚኖታት ዳዒሽ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሕጽረት ገንዘብ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብ90 ሚኢታዊት ክዓቢ ዝገብሮ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብመሰረት  ሜጄር ጀነራል ፒተር ግሬስተን ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ አብ ባቕዳድ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ መኻዚኖታት እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣነጻጺሮም ዝተኻየዱ መጥቃዕታት ኩሎም ዕላምኦም ከምዝሃረሙ ተፈሊጡ።

—————————————-/////////////——————————–

 

 

ሓሙስ 28/04/2016

ቤልጁም ኣብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ፓሪስ ኢድ ነይሩዎ ብምባል ሒዛቶ ዝነበረት ጥርጡር ንፈረንሳ ኣረኪባቶ።

ቤልጁም ኣብቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምውህሃድ ዝለዓለ ኢድ ነይሩዎ ብዝብል ጥርጣረ ቀይዳቶ ዝጸንሐት ሳላሕ ዓብዲሰላም ዝተባህለ ግለሰብ ናብ መንግስቲ ፈረንሳ ኣሕሊፉ ከምዝሃበቶ ማዕኸን ዜና ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ብመሰረት ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ዝሃቦ ሓበሬታ መንግስቲ ቤልጁም ነቲ ጥርጡር ኣሕሊፋ ዝሃበት፡ ካብ መንግስቲ ፈረንሳ ንዝቐረበላ ሕቶ መልሲ ንምሃብ’ዩ።

ጥርጡር ሳላሕ ዓብዲሰላም መስርሕ ፍርዱ ኣብ ፈረንሳ ክከታተል ምዃኑ’ዉን ተፈሊጡ።

————————————-//////////////———————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY