ዜና 29-06-2016

0
2812

ሰለማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ገበናት ስርዓት ህግደፍ ዝያዳ ዘቃልዐ ከምዝነበረ ዜጋታት ገሊጾም።

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Zirzir-Zena /Zirzir-zena-29-06-2016.mp3″]

ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ገበናት ስርዓት ህግደፍ ዝያዳ ዘቃልዕ ከምዝነበረ ዜጋታት ገሊጾም።

ደገፍቲ ህግደፍ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ሓቅታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምቅዋም ኣብ ጀኔቫ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ተቓወምቲ ሓቢሮም ክውዕሉ ምግባር ስርዓት ህግደፍ ገበናቱ ዝያዳ ክቃላዕ ጌርዎ’ዩ ክብሉ  ዜጋታት ሓቢሮም።

እቶም ዜጋታት ብተወሳኺ ኣባላት ግንቦት 7 ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዮም ዘይኮነስ ተግባራት ኣሸባሪነት ንምቅጻልን ኣብ ፖለቲካዊ ጥቕሙ ንምውዓል’ዩ ዝበሉ እቶም ዜጋታት ምስኦም ዝተሰለፉ ውሑዳት ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ጽባሕ ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ናይ ኢዶም ከምዝረኽቡ ገሊጾም።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ደገፍቲ ህግደፍን ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሓቅን ሓሶትን ፊትንፊት ከምዝተፋጠጣን ሓቂ ከምዝተዓወተት’ዉን ንዝነበረ ኩነታት ብኣብነት ኣሰንዮም ገሊጾም’ዮም።

—————————————-/////////////——————————–

ሮቡዕ 29/06/2016

ስርዓት ህግደፍ ብኣህጉራውን ዞባውን ተነጽሎታት ተኸዊሉ ዜጋታት ይጨዊ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ውልቐ መላኺ ኢሳይያስ ብኣህጉራውን ዞባውን ተነጽሎ ተጠቒዑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣበር ዘይብሎም ዜጋታት ምጭዋይ ከም ሓደ ዓቢ ዕማም ወሲዱ ዝፍጽም ዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ምክኻል ኣባል ክፍሊ ርክባት ዝነበረ ሜጀር ተኽላይ ፋሲል ሊቫን ብኣባላት ጸጥታ ተሞቑሑ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዱ’ሎ።

ጣባ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብ17 ሰነ ኣብ ስዓታት ንጎሆ ላንድክሮዘር ብዝዓይነታ መኪና ዝተወስደ ሜጀር ተኽላይ ገዝኡ ስቪል ክዳውንቲ ብዝወደዩ ኣባላት ጸጥታ ይሕሎ ከም ዘሎን በዓልቲ ቤቱን ንእሽተይ ሓፍቱን’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣድራሸኡ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ተወሲደን ከም ዘለዋን ተሓቢሩ’ሎ።

ብጀካ’ዚ ብ18 ሰነ ውን ብጥዕና’ውን ኣካላውን ድኻም ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ዝተመደብሎም ተኽለ ሰንበት ኣርኣያን ስምኦን ወዲ ጥልያን ዝተባሃሉ 2 ተጋደልቲ ነበርቲ ደቐምሓረ ብኣባላት ጸጥታ ተጨውዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ኣለው ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ።

————————————–//////////////////—————————–

ሮቡዕ 29/06/2016

ግደ ስነ ጥበባውያን ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ውጽዓት ገዚፍ ተራ ከም ዝጻወት ዜጋታት ገሊጾም።

ዜጋታትና ብኢመይልና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ግደ ሰነጥበብ ኣብ ምዕዋት ቃልሲ ውጽዓት ዝለዓለ ተራ ከም ዘለዎ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ንዝነበሩ ውጽኢታት ሰነ ጥበብ ብምጥቃስ ገሊጾም።

ኣንጻር ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ይኹን ቅድሚኡ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተገብረ ቃለሲ ብዓወት ክዛዘም ጌሩ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ዝነበረ ቃልሲ ብ10ታት ኣሸሓት መንእሰያ  ክጽንበሩ ዝለዓለ ግደ ነይሩዎ ዝበሉ እቶም ዜጋታትና፡ ሕጂ’ውን ኣንጻር እቲ ብመስዋእቲ ህዝቢ ንዝመጸት ናጽነት ጨውዩ ሓርነትና ከይነስተማቕር ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ መላኺ ጉጅለ ኢሳይያስ ክድገም ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

ሓያሎ ህቡባት ሰነጥበባውያን ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ተጸንቢሮም ንገበናት መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ምቅላዕ ዝዓሞዎ ዘለው ብሉጽ ስራሕ ኣብ ምቅልጣፍ ውድቐት እቲ ጉጅለ ምልኺ ዝህልዎ ተራ ዝለዓለ ምዃኑ’ውን ኣብሪሆም።

ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ዝሰላሰሉ ሰላማዊ ሰልፍታት ደለይቲ ለውጢ ብውጽኢታት ስነጥበብ ይስነዩ ብምህላዎም ንጉጅለ ምልኪ ራሕሪሖም ናብ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ዝጽንበሩ መንእሰያት ቑጽሪ ክበራኸት ይገብር’ምህላው’ውን ኣነጺሮም።

——————————————////////////——————————-

ሮቡዕ 29/06/2016

ንህግደፍ ዘርዓደ ማዕበላዊ ምልዕዓል ቀጻልነት ክህልዎ ከምዝግባእ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ገሊጹ።

ብ26 ሰነ 4 ስሩዕ ኣኼብኡ ዘሰላሰለ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ21 ከምኡ’ዉን ብ23 ሰነ ዝተኻየደ ንህግደፍ ዘርዓደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ወይ ከኣ ፍሉይ ኣጋጣሚ ክፍጠር ከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀጻልነት ብዘለዎ ተታሒዙ ክትግበር ከምዘለዎ ገሊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኤርትራውያን በብኩርናዑ ኣብ ኤርትራ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳይያስ ዘርእዮዎ ዘለዉ ብምትብባዕ እዚ ማዕበላዊ ምልዕዓል ዝተወደበ፡ ስርዑን ቀጻልነት ዘለዎን ንክኸውን ኣበርክትኡ ከምዘውፊ ኣረጋጊጹ።

ምስ’ዚ ኣተሓሒዙ፡ በበይንኻ ምውፋር እቲ ዝድለ ዓወት ንምርግጋጽ ስለዘየኽእል ኩሉ ሓይልታት ተቓውሞ ፍልልያቱ ኣማሓዲሩ ኣብቲ ዘስማምዕ ብሓባር  ኮይኑ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳይያስ ብምስላፍ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ግዲኡ ዘበርክት ምዃኑ ኣነጺሩ።

እቲ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ብመንገዲ ዘመናዊ መራኸቢ ዘካየዶ ኣኼባ ጸብጻብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነፍሲ ወከፍ ቤ/ጽሕፈት ብዝርዝር ብምምያጥ ኣገዳሲ ውሳኔታት ከምዘመሓላለፈን ናይ መጻኢ መደብ ከምሓንጸጸን ገሊጹ’ሎ።

————————————-//////////////———————————-

ሮቡዕ 29/06/2016

ምስ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ተኣሳሲሩ ብገለ ሃገራት ዝተወስደ መርገጺ ንሃገራዊ ረብሓታት ዘቕድም’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብታ ባዕሉ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ኤርትራ እንታይ ይመስል ከተጻሪ ዝመዘዛ ኣካል ንዝቐረበሉ ጸብጻብ መሰረት ጌሩ ኣብ ዝተመያየጠሉ ገለ መንግስታት ዝወስድዎ መርገጺ ፈጺሙ ካብ ሓቒ  ዝረሓቐን ፍትሒ ጎስዩ ንሃገራዊ ረብሓታት ዘቐድምን’ዩ ክብሉ ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተሉ ወሃብቲ ሪኢቶ ገሊጾም ክብል ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ሓቢሩ።

ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኣብቲ ደንጉዩ ናብ ኢመይልና ዝለኣኾ ሓበሬታ መንግስታት ሃገራዊ ረብሓቶም ማእከል ጌሮም ክካተዑ ሕማቕ’ኳ እንተዘይኮነ ንኹሎም ህዝብታት ብማዕረ ኣብ ዝምልከት ሕቶ ሰላም፡ ፍትሕን ክብረት ሰብኣዊ መሰላትን ዘይርጠብ መርገጺ ምውሳድ ወይ ፈጺምካ ዕሽሽ ምባል ግን ዓለም ናበይ ተምርሕ ኣላ ስግኣት ዝፈጥርዩ ክብል’ውን ኣተሓሳሲቡዩ ከም ሪኢቶ’ቶም ዜጋታት።

ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጽም ዘሎ ባርባራዊ ግፍዕታት ኣብ ዝባን ኤርትራውያን ጎሊሑ ዝርአ ቑስሊ ክነሱ፡ ኣብዛ ዋና ስኢና ዘላ ኤርትራ ቦታ ንምሓዝን መዓድናዊ ጸጋታት ንምጉሕጓሕ ክበሃልን ገለ ሃገራት ፍትሒ ዝጉዕጽጽ  ውሳነ ክወስዳ ምርኣይ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ንተፈጥሮኣዊ ሰብኣዊ ተደናገጽትን  ኣድማሳዊ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መንገዲ’ዩ ክብሉ ከም ዝገለጹ’ውን ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ብተወሳኺ ሓቢሩ’ዩ።

—————————————–/////////////——————————-

ሮቡዕ 29/06/2016

ሚኒስትሪ ምኽልኻል ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ንዝውጥኑ መንእሰያት ንምግታእ ኣብ ዶባት ጽኑዕ ሓለዋ ክህሉ ዝእዝዝ ሓድሽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ይበሃል ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ ድሕር’ቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣንጠጥዩ ዘሎ ገዚፍ ወተሃደራዊ ኩነታት ክቕጽል ንዝኽእል ኩነታት ነጺጎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብልዑል ቑጽሪ ክስደዱ ንዝህቅኑ መንእሰያት ንምግታእን ንምሓዝን ሚኒስትሪ ምኽልኻል ሓድሽ መምርሒ ኣውሪዱ’ሎ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ናብ ዶብ ሱዳን ኣብ ዝቓረባ ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ዘእትው መስመራት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ክኣቱ፡ ስርሐን ደው ኣቢለን ዝጸንሓ ነቑጣታት ተፍትሽ ክበራበራ፡ ብፍላይ ኣብ መስመራት ባረንቱ፡ ተሰነይን፡ሓጋዝን ዝተረረ ሓለዋን ተፍትሽን ክህሉ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ከም ዘሎ’ውን ተጠቒሱ’ዩ።

ካብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ድሮ ልዕሊ 400 ኣብ ጉዕዞ ዝተታሕዙ መንእሰያት ኣብ መዓስከር ሓሽፈራይን ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶን ከምዝተወሰዱ’ውን ኣብሪሃ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ካብ ኣሃዱታቶም ኣርሒቆም ዝጸንሑ’ሞ ዛጊት ብዘየቋረጹ ግፋታት ተታሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዝጽፍጸፋ ዘለው ኣባላት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናብ ኣሃዱታቶም ናይ ምስዳድ መስርሕ ተጀሚሩ’ሎ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣንጻላልዩ ዘሎ ሓድሽ ኩናት ብህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ብሓፈሻ ብመንእሰያት ነበርቲ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ተቐባልነት ከምዝይብሉ ይግለጽ ኣሎ ክትብል’ውን ሬድዮ መድረኽ ብተወሳኺ ኣነጺራ’ያ።

————————————////////////////———————————

ሮቡዕ 29/06/2016

ኣብ ከተማ ጊሰን ንዝሰላሰል ፌስቲቫል ህግደፍ ንምፍሻል ከምዝረባረቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ጊሰን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ጉጅለ ኢሳይያስ ን2 ሓምለ 2016  ኣብታ ከተማ ከሰላስሎ መዲብዎ ዘሎ ፌስቲቫል ንምፍሻል ከምዝረባረቡን ምስ ከንቲባ እታ ከተማን ወከልቲ ኩሎም ሰልፍታትን ኮይኖም’ዉን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖምን ገሊጾም ኣለዉ።

ቁጽሪ ተኻፈልቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ዋላ’ኳ ውሑድ ይኹን’በር ክሳብ ፈጺሞም ነቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ጽንብል ዘየቋረጽዎ ክንረባረብ ኢና ዝበሉ’ቶም ደለይቲ ለውጢ እዞም ደገፍቲ መከራ ህዝቦም ተረዲኦም እግሮም ክስሕቡ ድማ ሕውነታዊ ምኽርን ንልግሰሎም ክብሉ ገሊጾም።

—————————————-///////////———————————-

ሮቡዕ 29/06/2016

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንመርማሪት ኮሚሽን ብምድጋፍ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብማሕበረሰብ ዓለም ኣድናቖት ረኺቡ።

ድምጺ ሰላምን ዲሞክራሲን ኤርትራ ናብ ኢ-ሜይል ኣድራሻና ደንጉዩ ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ደጊፎም ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብስነ ስርዓቱን በዝሒ ህዝቡን ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝሰሓበ ገሊጹ።

ንኩሉ ምንቅስቓስ ሰልፊ ኤርትራውያን ዘተኸታተሉ ወጻእተኛታት ብወገን ደለይቲ ለውጢ ዝነበረ ኣወዳድባን ዘንጸባርቕዎም ንእዋናዊ ኩነታት  ዝገልጹ ስራሕቲ ስነጥበብን ብምድናቕ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ዝገብሩዎ ዝነበሩ ተግባራት ድማ ዘሕዝንን  ዘገርምን ከምዝኾነ ገሊጾም።

እቶም ተዓዘብቲ ብተወሳኺ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ዝነፈጎ መሰላት ክንዲ ዘኽብርን ዘተግብርን ተገላቢጡ ዘርዮምኒ እናበለ ክጠርዕን ሰልፍታት ክውደብን ምርኣይ ቅብጸት ናይቲ ጉጅለ ዘነጸረ ምዃኑ ገሊጾም።

—————————————/////////////———————————

ሮቡዕ 29/06/2016

ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ኮይና ተመሪጻ።

ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንክልተ ዓመት ኣባል ኮይና ከተገልግል ኣፍሪቃውያን ሃገራት ወኪላ ዝቐረበት ኢትዮጵያ ብ27 ሰነ 2016 ኣብ ኒውየርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝላዓለ ድምጺ ተመሪጻ ኣላ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርጫ ድመጸን ካብ ዝሃባ 190 ኣባል ሃገራት 185 ሃገራት ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ ነታ ክልተ ዓመት ከተገልግል ዝጸንሐት ኣንጎላ ከም ዝተከኣታ ዝተገለጸ ኮይኑ ካብ ወርሒ ጥሪ 2017 ጀሚሩ ድማ ኣባል’ቲ ባይቶ ብምዃን ስርሓ ከም ተጀምር ተፈሊጡ’ሎ።

ሚኒስትሪ ጉደያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሃገሩ ኣብ’ቲ ባይቶ ኣብ ትጸንሓሉ እዋን ጥቕሚ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ንምርግጋጽ ከም ትሰርሕ ገሊጹ’ሎ።

ኢትዮጰያ በቲ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ኣፍሪቃን ምቅባል ስደተኛታትን እትገብሮ ዘላ ዓቢ አበርክቶ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣቐዲመን ድምጺ ከም ዝሃበኣ ዝፍለጥ ኮይኑ ቐድም ክብል’ውን ካብ 1975-1976 ከምኡ ድማ ካብ 1997-1998 ኣባል’ቲ ባይቶ ኮይና ንክልተ ግዜ ተመሪጻ ምንባራ ዝዝከር’ዩ።

————————————–////////////////—————————–

ሮቡዕ 29/06/2016

መበል 8 ዋዕላ ሓለዋ ከባቢ ኣየር ኣፍሪቓ ተኻይዱ።

መበል 8 ዋዕላ ሓለዋ ከባቢ ኣየር ኣፍሪቓ ኣብ ኪጋሊ ርእሰ ከተማ ሩዋንዳ  ከም ዝተኸየደ ዝሓበረ ኦል ኣፍሪቃ ዶት ኮም እቲ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቓ ኣብ ምውሓስ ከባቢ ኣየር፡ ፖሊሲታት ኣብ ምቕራጽን  ምትግባርን ቐጻልነት ዘለዎ ልማዓት ከባቢ ምፍጣር ትኹረት ሂበን ዘትየናሉ’የን ።

ሚኒስተር ተፈጥራኣዊ ሃብቲ ሩዋንዳ ዶክተር ቪንስንት ቢሩታ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ሓለዋ ከባቢ ኣየር ብስፍሓት ከዝተዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ከተማ ኪጋሊ ዝርከብ ካምፕ ኪጋሊ ዘሎ ኣታሕዛ ከባቢ ንምዕዛቦ ተሳተፍቲ’ቲ ዋዕላ ምብጻሕ ከም ዘካይዱ ገሊጹ።

ኣብቲ ዋዕላ ተማራመርቲ ከባቢ ኣየርን ብኽለት ከባቢ፡ ኣወፈርቲ ርእሰማልን ኣርቐቕቲ ፖሊስን ዝተርኸቡ ኮይኖም ሓለዋ ከባቢ ንምስላጥ ዝምደብ ገንዘባዊ በጀት ወሳኒ’ዩ ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብሪሁ’ዩ።

ኣብ ዓመተ 2012 ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ብምኽንያት ብክልተ ኣየር ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ካብዚኦም እቶም 600,000 ኣፍሪቓውያን ምዃኖም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

——————————–/////////////////————————————

ሮቡዕ 29/06/2016

ኣሜሪካ ንፈለማ ግዚኣ ኣብ ውሽጢ ርብዒ ዘመን ኣብ ሶማልያ ኣምባሳደር ሸይማ።

ኣገልግሎት ቴሌዥን ሲሲቲቪ ጨንፈር ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርገሖቶ ዜና ኣሜሪካ ድሕሪ 25 ዓመት ንፈለማ ግዜኣ ኣምባሳደር ኣብ ሶማልያ ከም ዝመዘዘት ገሊጻ።

ብመሰረት እቲ ዜና ስቴፈን ሰትዋርት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ኮይኑ ክሸየም ከሎ ሽመቱ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ቐሪቡ ክጸድቕ ክኢሉ’ሎ።

ኣብ ሶማልያ እናተመዝገበ ዝመጽእ ምርግጋእን ተዛማዲ ሰላምን ባይቶ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ናብታ ሃገር ክልእኽ ምኽንያት ኮይኑዎ’ዩ ‘ውን ተባሂሉ’ሎ።

ኣሜሪካ ካብ ዓመተ 19 93 ንነጀው ኣብ ሶማልያ ኣምባሳደር ዝበሃል ከም ዘይነበረ ይፍለጥ።

————————————//////////////———————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here