ዜና 29-09-2016

0
1503

ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ባይታ ዘየለ ሓሶት ክጽብጽቡ ከምዝግደዱ ተገሊጹ።

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Zirzir-Zena /Zirzir-zena-29-09-2016.mp3″]

 ሓሙስ 29/09/2016

ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ባይታ ዘየለ ሓሶት ክጽብጸቡ ከምዝግደዱ ተገሊጹ።

ካድራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ዘይኮነስ ባዕሎም ንዝሰንዕዎ ሓሶት ክጽብጽቡ ንጋዜጠኛታት ከም ዘገደዱ ኣብዚ ቅንያት ነቲ ስርዓት ራሕሪሓ ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተሰደደት ምሕረት መለስ ዝተባሃለት ኤርትራዊት ጋዜጠኛ ሓቢራ።

እታ ኣብ ዞባ ደቡብ ጸብጻቢት ጋዜጠኛ ኮይና ተገልግል ዝነበረት ዜጋ ካድራት ህግደፍ  ህዝቢ ንዘለዎ መረረን ኣቤቱታን ብምጉሳይ ኣብ ባይታ ንዘየለ፡ ልምዓት ቅርዑይ ምሕደራን ብናይ ባዕሎም ምስሊ ብምስናዕ ክንጽብጽብ የገደዱና ነይሮም ክትብል ገሊጻ’ያ።

ንሳ ብተወሳኺ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ውድዓዊ ሓቂ እንተተዛሪብካን ፍታሕ ይገበረሉ እንተኢልካን ኣብ ልዕሊኻ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ከምዘብጽሑልካ ኣብ ልዕሌኣ ንዝበጽሐ ማህረምቲ ብኣብነት ብምጥቃስ ኣብሪሃ’ያ።

———————————–/////////////////——————————– 

ሓሙስ 29/09/2016

ኤርትራ ብፍጥነት ዋሕዚ ስደት ዜጋታት ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ከምዝኾነት ተገሊጹ።

ዘ ኣፍሪካን ሪፓርት ዝተባህለ ማዕኸን ሓበሬታ ሒዙዎ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ ኤርትራ ብዋሕዚ ስደት ዜጋታታ ብፍጥነት ጥርሓ ትተርፍ ዘላ ሃገር ከምዝኾነትሓቢሩ።

5 ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ዘለዋ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ጥራሕ 400 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራ ብሰንኪ ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ጊላነት ናብ ስደት ኣምሪሖም ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ዓንዲ ሑቖ ሃገር ክኾኑ ዝግበኦም መንእሰያት ምዃኖም ድማ ኣብ ምንቁልቋል ኩለ መዳያዊ ጽላት እታ ሃገር ዓቢ ተራ ይጻወት ምህላው ኣፍሊጡ።

መንእሰያት ኤርትራ፡ ገንዘብ እንተረኺቦም ብኣዝዩ ሓደገኛ መንገዲ ናብ ስግረ ዶብ ከውዕሉዎ ከም ዝመርጹን መጠን እቲ ንስግረ ዶብ ዝሕተት ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዃ እንተኾነ ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ናብርኦም ክልወጡሉ ዕድል ስለ ዘይብሎም ንደላሎ ከም ዘውዕሉዎን ኣብሪሁ።

———————————–////////////////———————————- 

ሓሙስ 29/09/2016

ኔዘርላንድ ኣብ ሃገራ ዝካየድ ምእካብ ዘይሕጋዊ ግብሪ 2 ሚኢታዊት ደው ከተብሎ ምዃና ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት እታሃገር ሚስተር ፐርቶ ኮንድረስ ኣብ ኔዘርላንድስ ብመላኺ ኢሳይያስ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ግብሪ 2 ሚኢታዊት ደው ከተብሎ ምዃና ሓቢሩ’ሎ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ነበርቲ ኔዘርላንድ እቲ ዝኸፍልዎ ዘይሕጋዊ ግብሪ ብምፍርራሕን ጸቅጥን ዝትግበር ኮይኑ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር አንጻር’ዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ክሲ ክምስርት ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።

ብጀካ’ዚ መንግስቲ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ መላኺ ኢሳይያስ ናይ ምጽራይ ስጉምቲ ክወስድ ክግደድ ምዃኑ’ውን እቲ ሚኒስተር ገሊጹ’ዩ።

—————————————////////////////——————————  

ሓሙስ 29/09/2016

ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ሃገሩ ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምግታእ ንመላኺ ኢሳይያስ ምሕጋዙ ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ኣፍሪካ ዲያሎግ ዝተባህለ ሓደ ብሎግ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ሃገሩ ዝመጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደው ንከብል ኣንጻር ዓለማዊ ሕግን ሕልናን ንመላኺ ኢሳይያስ ምድጋፉ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከምዝኸውን ገሊጹ።

ሃገራት ምዕራብ ንከም በዓል መራሕቲ ሊብያን ግብጽን ዝነበሩ መለኽቲ ዝሃብኦ ብሚሊዮናት ዝግመት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ምጭፍላቕ ሕግን ፍትሕን ስለ ዘቕንዐ መወዳእትኡ ህዝቢ ንምጭፍጫፍ ከም ዝወዓለ ዝገለጸ እቲ ጽሑፍ መወዳእትኦም ድማ በቲ ዝፈጠርዎ ናዕቢ ዘብቅዕ ምዃኑ ገሊጹ።

ዝኾነ መላኺ ስርዓት ብምዕራባውያን ስለ ዝተደገፈ ጥራይ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከምዘይብል ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብነታት መርኣያ’ዩ ብምባል ድማ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ግዱድ ባርነት ደው ክብል፡ እሱራት ክፍትሑን ፖለቲካውያን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ክግበር ከም ዘለዎ ኣስሚሩሉ።

እቲ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ ኩሎም መለኽቲ ክሳብ’ቲ ዝደልዎ ሓገዝ ክረኽቡ ናይ ይምሰል መብጻዓታት ከም ዝገብሩ ካብ ተሞክሮ ብዙሓት ሃገራት ክዝከር ይግባእ ክብል ‘ውን ገሊጹ።

——————————////////////——————————- 

ሓሙስ 29/09/2016

ካብ ግብጺ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ፈቲኖም ኣብ ማእኽላይ ባሕሪ ናይ ዝሞቱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብዝሒ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብዚ ቅንያት ካብ ግብጺ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ካብ 450 ክሳብ 600 ዝግመቱ ስደተኛታት ብዘጋጠሞም ሓደጋ ምጥሓል ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ሰባት ብዝሒ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ግብጺ ገሊጾም።

ኣብታ ጀልባ ዜጋታት ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ሶማልያን ከምዝነበሩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ዛጊት 202 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ሓደጋ ዘጋጠመ ካብ ማያት ኒል ናብ ማእኸላይ ባሕሪ ኣብ ዘእቱ ቦታ ከም ዝኾነ ምግላጽና ዝዝከር ‘ዩ።

———————————–////////////////———————————-

ሓሙስ 29/09/2016

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ስደተኛታት ብምልኦም ክሰጎም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ከም ጸብጻብ ጋዜጣ ሃረጽ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቢንያሚን ናታንያሁ ካብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምምላሱ ንኣማኢት ኣባላት ሰልፊ ሊኩድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብምልኦም ካብታ ሃገር ክወጹ ምዃኖም ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዶባተን ዘይሕልዋ ሃገራት ብስደተኛታት ተጠቒዐን ከምዘለዋ ብምዝኽኻርን እስራኤል ግን ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከምዘበለቶ ብምጥቃስን ሙሉእ ንሙሉእ ድማ ከምትቆጻጸሮን ገሊጹ።

ቢንያሚን ናታንያሁ ኣብ ሃገሩ 60 ሽሕ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ‘ኳ  እንተነበሩ ነቶም 20 ሽሕ ከምዝሰጎገን ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጽሪ ስደተኛታት እንተበዝሐ ናብ 40 ሽሕ ከም ዝነከየ ቀስ ብቐስ ድማ ናብ ዜሮ ከምዝወርድ ገሊጹ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ቀዋሚ መርገጺ ዘይብላ እስራኤል ኣቐዲማ ምስ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ብዘካየደቶ ስምምዕ ኣማኢት ኤርትራውያን ዜጋታት ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብዘን ሃገራት ሰጉጓ’ያ።

———————————–////////////////———————————-

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY