ዜና 30-06-2016

0
1941

ህግደፋውያን ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ መስርሕ ፈላማይ ዓወት ብምዃኑ መጥመሪ ፍትሓዊ መሳርዕና ክኸውን ይግባእ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም፡፡

[audioplayer file=”http://sallina.com///audio/Zirzir-Zena /Zirzir-zena-30-06-2016.mp3″]

ሓሙስ  30/06/2016

ህግደፋውያን ናብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ መስርሕ ፈላማይ ዓወት ብምዃኑ መጥመሪ ፍትሓዊ መሳርዕና ክኸውን ይግባእ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ብጭቡጥ መርትዖታት ተሰንዩ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ መብዛሕትአን ኣባላት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ  መሰላት ደገፈን ዝገለጻ ኮይነን እዚ ድማ ፈላሚ’በር ናይ መወዳእታ ዓወት ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምዃኑ ተረዲእና መንሃሪ ሓድነትና ፡ መሐየሊ ተቓውሞናን መጥመሪ ፍትሓዊ መሳርዕናን ክኸውን ይግባእ ክብሉ ሬድዮ ወጋሕታ ዝተወከሰቶም ዜጋታት ገሊጾም።

ኣብ ቅርዓት ጀኔቫ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተሰላሰለ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ተስፋ ዝሰንቀሉ መድረኽ ፍትሕን ሰላምን ንምቅልጣፍ ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ተገንዚብና ባርነት ከብቅዕ ብሓባር ንበገስ ክብሉ’ዉን ናብ መላእ ደለይቲ ለውጢ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ስርዓት ህግደፍ ክንድዝደለዮ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ይንዛሕ ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ግን ንዘልኣለም ተጨውዩ ከምዘይነብር እዚ ውዕሎ ኣመስኪሩ’ዩ ክብሉ’ዉን ገሊጾም።

——————————————-////////////—————————-

ሓሙስ  30/06/2016

ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ብበዝሒ ስደት ጋዜጠኛታትን ቴክኒሻናትን ብኸቢድ ከምዝተሃሰየ ተሓቢሩ።

ከምጸብጻብ ሬድዮ ኤሬና ደገፍቲ ህግደፍ ነቲ ሓቅታት መርማሪት ኮሚሽን ንምቅዋም ዝገበርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ብቀጥታ ንምትሕልላፍ ካብ ዝተለኣኹ ሰለሰተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ሓደ ጋዜጠኛ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፈን ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ኣስታት 27 ጋዜጠኛታትን ቴክኒሻናትን ንስደት ብምምርሖም ድማ እቲ ሚኒስትሪ ብከቢድ ካብ ዝተጎድኡ ትካላት እቲ ስርዓት ሓደ ኮይኑ’ሎ።

ነቲ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጀኔቫ ብቐጥታ ንምትሕልላፍ ካብ ዝተልኣኹ ጋዜጠኛታት ሓደ ኣሕመድ ዑመር ብተወሳኺ ከም ኢያሱ ተወልደመድህን፡ በረኸት ኣብርሃም፡ ኣማኒኤል ዛይድን ካልኦት ጋዜጠኛታትን ኤዲተራትን ኣብዚ ዓመት ንስደት ከምዘምርሑ’ዉን ኣነጺራ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን  ስደተኛታት ንመላእ ሃገር ብኸቢድ ሃስይዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ሚኒስትሪታት ምክልኻል፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ዜና ካብተን ብቀዳምነት ብስደት ሞያውያን ዝተጸልዋ’የን።

—————————————–/////////////————————————-

ሓሙስ  30/06/2016

ጉጅለ ኢሳይያስ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት እናገዝአ ምስሉ ከምዘጸባብቕ ተቓሊዑ።

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ባይታ ዘቢጡ ንዘሎ ቑጠብኡን ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላቱን ንምሽፋንን ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን ንናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታትን ጀመርቲ ጸሓፍትን ብገንዘብን ካልእ ረብሓታትን እናዓሰበ ምስሉ ከም ዘጸባብቕ ካብ ጋዜጠኛታት ፈረንሳ ሓደ ዝኾነ ጋዜጠኛ ገሊጹ።

እቲ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ካብ ዘካየዱ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝኾነ ኣባል ንጉጅለ ኢሳይያስ ዘቖናጁን ዝንእድን ጸብጻብ እንተድኣ ኣዳልዮም ክሳብ 15 ሽሕ ዶላር ጉቦ ክወሃቦ ከምዝኽእል ብሓደ ካብቲ ነቲ መደብ ዝወደቡ ሰባት ከምዝተነግሮ ኣቃሊዑ’ዩ።

ንሱ ነቲ ጉቦ ክወሃቦም፡ ብዛዕባ ጉጅለ ኢሳይያስ ከኣ ጽቡቕ ጸብጻብ ጥራይ ከሕልፉ ንዝንገሮም ዝነበረ ዘረባ ብድምጺ ሰኒድዎ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

በዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ፈረንሳ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበዝሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር’ውን ምልክነት ጉጅለ ኢሳይያስ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይገልጸኦ’ለዋ።

—————————————-/////////////////—————————-

ሓሙስ  30/06/2016

ኣምባሳደር ህግደፍ ሃና ስምኦን ንጋዜጠኛታት ፈረንሳ ኣብ ዝጸውዓቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ 3ጋዜጠኛታት ጥራይ ከምዝተረኸቡ ይግለጽ ኣሎ።

ከምሓበሬታ ሬድዮ ኤረና ብ 28 ሰነ 2016 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ጋዜጣዊ ዋዕላ ንምክያድ ንጋዜጠኛታት ፈረንሳ ዝጸወዐት ኣምባሳደር ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ፈረንሳ ሃና ስምኦን ኣብቲ ዋዕላ 3 ጋዜጠኛታት ጥራይ’ዮም ተረኺቦም።

እታ ኣምባሳደር ብዛዕባ’ቲ ኣንጻር ኤርትራ ይካየድ ኣሎ ዝበለቶ ጸለመ ሚድያን፡ እዋናዊ ሓበሬታ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽንን ብዝምልከት ጋዜጣዊ ዋዕላ ክትህብ ምዃና ናብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ወግዓዊ ደብዳቤታት’ኳ እንተለኣኸት ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ግን ክርከቡ ኣይከኣሉን።

ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ 3 ጋዜጠኛታት እቲ ሓደ ካብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ እቲ ካልኣዩ ካብ ጋዜጣ ሊብራስዮን ክኾኑ ከለው እቲ ሳልሳዮም ድማ ስኣላይ’ዩ።

—————————————/////////////——————————–

ሓሙስ  30/06/2016

ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ክልተኣዊ ርክባተን ንምስጣም ከም ዝተሰማምዓ ተገሊጹ።

ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ንዝጸንሐን ምትሕግጋዝ ዘበርኽ ዝተፈላለየ ስምምዓት ከም ዝኸተማ ካብ ክልቲአን ሃገራት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ስቪል ኣቭየሽን፡ ሕርሻ፡ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፡ ልምዓት ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ክንክን እንስሳትን ድማ ገለ ካብቶም እተን ሃገራት ዝበጽሓኦም ስምምዓት’ዮም።

እተን ሃገራት ብዘይካ’ዚ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን፡መጓዓዝያን መረኸቢታትን፡ባህልን ትሪዙምን ተሓባቢረን ንምስራሕ ዝተሰማምዓ ኮይነን- ኮሚሽን ሓበራዊ ሚኒስተራት ንምምስራት’ውን ተረዳዲአን’የን።

—————————————-////////////———————————

ሓሙስ  30/06/2016

ኢጋድ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ኣሜሪካ ረኺቡ።

ኣሜሪካ ንዞባዊ በይነ መንግስታዊ ውድብ ንልምዓት ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ /ኢጋድ/ ቁጠባዊ ምንቅስቓሱ ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ናይ 17 ሚሊዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገበረትሉ ካብቲ ውድብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልጽ።

እቲ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝተገብረ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ መንጎ ክልተኦም ኣካላት ዘሎ ርክብ ዘሕይልን መንግስቲ ኣሜሪካ ንኢጋድ ዘለዎ ሓገዝ ዘርእን ኮይኑ፡ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሓባራዊ ሽቶታት ክልቲኦም ወገናት ንምዕዋት ዝዓለሙ መዳባት ንምፍጻም ከምዝውዕል’ውን ተገሊጹ’ሎ።

————————————–//////////////———————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here