ዝርዝር ዜና 01-08-2017

0
620

ስርዓት ህግደፍ መንእሰያት ዕድል ስራሕ ፈጢርናሎም እናበለ ሓድሽ ሓሶት ይነዝሕ ምህላው ተሓቢሩ፡፡

ከም ሓበሬታ ገለ ወገናት፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ሓሶት እናተጠቕመ፡ ዜጋታት ከደናግር ዘይደክም ስርዓት ህግደፍ ሕጂ ድማ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዕድል ስራሕ ስለዝፈጠርናሎም ስደት ነክዩ’ሎ ዝብል ሓድሽ መደናገሪ ኣካይዳ ይኽተል ኣሎ፡፡

ቑጽሪ ስደተኛ ኣብ ሊብያን ግብጽን ነክዩ ዘሎ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ዕግርግር እቲ መንገዲ ስለዝተዓጽወ ከምዝኾነ ዝገለጹ ’ቶም ወገናት፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ክፍተት’ዚ ተጠቒሙ መንእሰያት ስደት ጽቡቕ ከምዘይኮነ ተረዲኦም ናብ ዝብል ኣንፈት ጠውዩ ሓሶታቱ ይነዝሕ ከም ዘሎ ኣነጺሮም፡፡

ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝግበር ስደት ግን ከም ዘየቋረጸ ብምግላጽ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ሕሰም ዶብ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ናይ መላኺ ኢሳይያስ ሰንዓ ሓሶት ንዝኾነ ኤርትራዊ ከየደናግር ብዕቱብ ክንከታተሎን፡ ህዝቢ ሓበሬታ ንክረክብ ኩሉ በብዝከኣሎ ክነጥፍን ’ውን ኣተሓሳሲቦም ኣለው፡፡

————————————-///////////////////————————————— 

ሰሉስ 01/08/2017

ባንክታት ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ዕደና ኣብ ልዕሊ ዘካይድ ዘሎ ትካል ኣተኩርአን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ፡፡

ህግደፍ ካብ ዝዘምቶ ሃብቲ ህዝቢ ዝርከብ ኣታዊ እናተቐበለ ምስቲ ስርዓት ዝደናገጽ ሃገራዊ ባንኪ ስዊዝ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ዕደና ኣብ ልዕሊ ዘካይድ ዘሎ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን ዘለዎ ኣተኩሮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ ክብል ኣብ ንግዲ ዓለም ዘተኩር ሓደ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ባንኪ ስዊዝ ምስ ኩባንያ ኔቭሰን ናይ 1ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዶላር ብርኪ ከምዘለዎ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ካልእ ዙሪክ ካንቶናል ዝተባህለ ባንኪ ስዊዝ ’ውን ኣብ ኔቭሰን ዝተወሰነ መጠን ብርኪ ከምዘለዎ ጠቒሱ’ሎ፡፡

ካብዚ ፍርቒ ርብዒ ’ውን ዝኸውን እቶት ዘይረክብ ህዝቢ ብድኽነትን ጥሜትን እናተሓልበ ጉጅለ ህግደፍ ግን ውልቃዊ ኣታዊኡ ንምኽዕባት ክብል ብጀካ ምስ ባንክታት ስዊዝን ኩባንያ ኔቭሰንን ጀኒሰን ኣሶሸትስ ዝተባህሉ ኣሜሪካውያን ኣውፈርቲ ’ውን ናይ ኣስታት 13 ሚሊዮን ዶላር ብርኪ ከም ዘለዎ እቲ SP ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ኩባንያ ኔቭሰን ነጻ ጉልበት ኤርትራውያን እናተጠቕመ ተባሂሉ ብገለ ኤርትራውያን ክሲ ከምዝተመስረተሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብዚ ኣብ ቢሻን ከባቢኡን ዘካይዶ ዕደና ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘንቐሳቕስ ይፍለጥ፡፡

————————————-///////////////////————————————— 

ሰሉስ 01/08/2017

ኤርትራ ድኻ ካብ ዝብሃላ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ከም ዝኾነት ተሓቢሩ፡፡

ማዕከን ሓበሬታ ቢዚነስ ኢንሳይደር ኣብ ዘውጸኦ ዜና ኤርትራ ድኻ ተባሂለን ኣብ ቅድሚ ካብ ዝተሰርዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል 9 ደረጃ ብምስራዕ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝተመደባ 10 ሃገራት ምዃና ሓቢሩ፡፡

ጸብጻብ ቢዚነስ ኢንሳይደር ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ዲሞክራሲያዊት  ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ቡርንዲ፡ ላይበርያ፡ ኒጀር፡ ማላዊ፡ ሞዛንቢክ፡ ጊኒ፡ ኤርትራን፡ ማዳጋስካርን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ዓስራይ ዝርከባ ሃገራት ምዃነን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ድኽነት ካብ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣብሪሁ’ዩ፡፡

መርበብ ሓበሬታ ናቺኪ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኤርትራ ብብልሽውና ዝተጠላቐዩ መራሕቲ ካብ ዘለውወን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል 7 ደረጃ ከም ዘላ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

ሰሉስ 01/08/2017

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ንሕርሻዊ መዓላ እታ ኣህጉር ዝውዕል ገንዘባዊ ባጀት ከምዝምድብ ኣፍሊጡ፡፡

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ሕርሻዊ ጽላት ኣህጉርና ንምድንፋዕ ዓሊሙ 24 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጀተ ንቃል ፕረዚደንት እቲ ባንኪ ብምጥቃስ ማዕከን ሓበሬታ ቢዝነስ ደይሊ ጸብጺቡ፡፡

ፕረዚደንት እቲ ባንክ ኣብ መግለጺኡ ዕላማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ እታ ኣህጉር ኣብ ቀጸልቲ 10 ዓመታት ዝሓዘቶ ሕርሻዊ ዕብየት ሽቶኡ ንምህራም’ዩ ክብል ሓቢሩ፡፡

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተኸብረ መበል 50 ዓመት ምምስራት ትሮፒካላዊ ሕርሻ ኮይኑ፡ ራእይ እቲ ባንክ ካብ ሕርሻ ናብ ንግዳዊ ጽላት ንምቕያሩ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

ሰሉስ 01/08/2017

ቅድም ክብል ኣብ ደቡብ ሱዳን ክሰፍር ተወሲኑ ዝነበረ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ናብታ ሃገር ምእታው ክጅምር’ዩ፡፡

ንሲቪል ንጽሃን ዜጋታት ደቡብ ሱዳናውያን ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ተወሲኑ ዝነበረ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ምእታው ክጅምር ምዃኑ ዥንዋ ሓቢሩ፡፡

እቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ክኣቱ ዝተወሰነ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ 4ሽሕ ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብታ ሃገር ንምእታው ምድልዋቱ ኩሉ ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከብ ተገሊጹ፡፡

እዚ ውሳኔ ካብ ዝውሰን ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቒጺሩ ዘሎ ኮይኑ ሕጂ ግን ብድፍኢት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን እቲ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተቀላጢፉ ክኣትው ከምዝግበር ተሓቢሩ ‘ዩ፡፡

————————————-///////////////////—————————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY