ዝርዝር ዜና 01-09-2017

0
269

ህዝቢ ኤርትራ ብጽንዓትን ሓድነትን ምልኪ ኣፍሪሱ ግዝኣተ ሕግን ደሞክራስን ከንግስ ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

 

ብምኽንያት መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዒድ ኣልኣድሓን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ምንዮቱ ዝገለጸ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ብጽንዓትን ሓድነትን ምልኪ ኣፍሪሱ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲን ከንግስ ጸዊዑ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ዘይሕለል ብረታዊ ቃልሲ ዘርኣዮ ጽንዓትን ሓድነትን ሕላገቱ መንነቱ ስለዝኾነ ሎሚ’ዉን ብጽንዓትን ብሓድነትን ምልኪ ኣፍሪሱ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራሲን ከንግስ ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ’ዉን ንሕና ንክንስደድን መዋእልና ብቃልሲ ክንበልን ዝተረገምና ኣይኮናን ዝበለ ኮይኑ ጸገማትና ብቃልሲ ቀሪፍና ኣብ ሰላምን ራህዋን ክንነብር እንኽእል ኩሉ ነዚ ዘድሊ ዓቕምታት ድማ እንውንን ፍጡራት ኢና ዝተርፈና’ዉን ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋት ጥራይ’ዩ ክብል ጠቒሱ፡፡

ብጀካ’ዚ ኣቦመንበር እቲ ሰልፊ ኣብ ፈቖዶ መዓስከራት ፋሕ ኢሎም ንዘለዉ ስደተኛታት ኣብ እዋን በዓላት ተኻፈልቲ ጸገሞም ንምዃን ኩሉ ኤርትራዊ ዘዝከኣሎ ክገብር ጸዊዑ’ሎ፡፡

—————————————————–//////////////////////——————————————-

ዓርቢ 01/09/2017

ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ተረአን ንምብርካት ኣበጊሰንኦ ዘለዋ መስርሕ ዘተ ንክዕወት ኩላተን ክደጋገፋ ከምዝግባእ ተገሊጹ፡፡

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝኾና ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ድኽመታት ንምፍታሕ፡ ተረአን ንምብርካት ኣበጊሰንኦ ዘለዋ መስርሕ ዘተን ምርድዳእን ከምኡ’ዉን ናብ ሰሚናር ናይ ምእታው ንቕሎን ዝተባባዕ ስለዝኾነ ዝያዳ ዕውት ንምግባሩ ከኣ ተኸባቢርናን ተደጋጊፍናን ክንጎየሉ ይግባእ ክብል ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ጸዊዑ፡፡

እቲ ግንባር ነዚ ዝጸውዐ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ኣብ ዘውጸኦ ውድባዊ መግለጺ ኮይኑ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ክዕወት እንተኾይኑ ብተሳትፎ ውጹዓት ተቓለስቲ፡ ደቀንስትዮ ፡ መንእሰያትን ምሁራትን ስለዝኾነ ኣብቲ ህዝባዊ ቃልሲ በቲ ዝድለ ክሳተፉን ተወዲቦም ወሳኒ ተራ ከበርክቱን’ዉን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብተወሳኺ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ዓመታት ተቓሊሱ ዝረኸቦ’ሞ ዝተጨውየ ሓርነቱ ዳግማይ ካብ ኢድ መላኺ ከናግፎን እቲ ቀንዲ ፍታሕ ድማ ስሙር ቃልሲ ምዃኑን ኣስሚሩሉ’ዩ፡፡

——————————————————///////////////////——————————————–

ዓርቢ 01/09/2017

ስርዓት ህግደፍ ሓድሽ መጠነ ክፍሊት ክራይ ኣባይቲ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓሎ ተሓቢሩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ቅድም ኢሉ ብዛዕባ ሓድሽ መጠነ ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ዝወጸ መምርሒ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ከምሓበሬታ ሬድዮ ኤሬና፡፡

እቲ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዝግበር ሓድሽ ስምምዕ መጠን ክፍሊት ኣባይቲ ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ ግብራዊ ከምዝኸውን’ኳ እንተተሓበረ፡ ዛጊድ ግን ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ዝተተግበረ ይኹን ዝተጀመረ መስርሕ ከምዘየለ’ዉን ኣነጺራ’ያ፡፡

ሓድሽ መጠነ ክፍሊት ክራይ ኣባይቲ፡ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይቲን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብዝበኣሰ ከየጋድዶ ስግኣት ሓዲሩ ኣሎ ዝበለት እታ ሬድዮ ተኻረይቲ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሰሊዕሎም ዘሎ መጠን ክፍሊት ከም ካንሸሎ ዝኣመሰለ ንሓደ ትርቢዒት ሜትሮ ብሕሳብ 50 ሳንቲም ንክኸፍሉ’ዩ ተወሲንሎም ዘሎ

መላኺ ኢሳይያስ እዚ ሓድሽ ኣውጺእዎ ዘሎ ኣዋጅ፡ ንህዝቢ ሓልዩን ተገዲሱን ዘይኮነ ዝምድና ህዝቢ ንክብተኽ ዘውጸኦ ኣዋጅ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ምግላጽና ይዝከር፡፡

—————————————————/////////////////////———————————————

ዓርቢ 01/09/2017

ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ንዓለም መርኣያ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ኣደመንበር ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ፡እቲ ውድብን ሮስማሪ ማክካርኔይ ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት፡ ኢትዮጵያ ካብ ዝፈተላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝመጹዋ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ንካልኦት ሃገራት ዓለም ጽቡቕ ኣብነት’ዩ ክትብል ንኢዳ፡፡

እታ ኣምባሳደር ነዚ ዝገለጸት፡ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ ኣብ ዝገበረቶ ዘተ ፡ኢትዮጵያ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹዋ ስደተኛታት ተቐቢላ መዕቖቢ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ክሳብ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣትዮም ክመሃሩ ዕድል ምኽፋታ ዝነኣድ’ዩ ዝበለት ኣምባሳደር ሮስማሪ ፡ላዕለዋይ ትካል ስደተኛታት ንቀጻሊ ምስ ኢትዮጵያ ልፍንታዊ ስራሕ ንምስራሕ ድሉዉ ምህላዉ ኣፍሊጣ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንዜጋታትና ሓዊሱ ካብ 19 ሃገራት ዝተሰደዱ ልዕሊ 830 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ጸብጻባት የነጽሩ፡፡

————————————————–///////////////////———————————————-

ዓርቢ 01/09/2017

ኣፍሪቃ ኣብ ግዜ ግጭት ህጹጽ ግብረመልሲ ዝህብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክህሉዋ’ዩ ተባሂሉ፡፡

ኣገልግሎት ዜና ዥንዋ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሚኒስተራት ምክልኻል ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ኣብ ዝኾነ ክፋል እዛ ኣህጉር ግርጭት ምስ ዘጋጥም ቅልጡፍ ፍታሕ ዘምጽእ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክትውንን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ገሊጹ፡፡

እቶም ሚኒስተራት ብዘይካ’ዚ ነቲ ዝቐውም ፍሉይ ሓይሊ ዝውዕል ገንዘባዊ ባጀት ንምምዳብን ካልኦት ጉዳያት ንምርኣይን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክእከቡ ምዃኖም ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ፡፡

እዚ ሕጂ ዝቐውም ግዝያዊ ፍሉይ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2018 ቀዋሚ ሓይሊ ክህሉዋ ንዝሓዘቶ ትልሚ ሽቶኡ ክሃርም ሓጋዚ’ዩ ተባሂሉሉ’ሎ፡፡

—————————————————///////////////////———————————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY