ዝርዝር ዜና 02-02-2018

0
147

ንምልኪ ካብ ኤርትራ ንምስዓር መድረኻዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ቓልስታት ክትርንዕ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ27 ጥሪ ኣብ ዘሰላሰሎ ኣኼባ ንምልኪ ካብ ኤርትራ ንምስዓር መድረኻዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ቃልስታት ክትርንዕ ኣለዎ ክብል ገሊጹ፡፡

እቲ ሰልፊ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ብደረጃ ሃገርን ከባቢን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋታት፡ ንህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ማሕበራውን፡ ቁጠባውያን ማሕንቆታት ከምኡ’ውን ሃገሩ ራሕሪሑ ሃጽ ብምባል ዝጠፍእ ዘሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብ እስራኤል ዘጋጥም ዘሎ ናይ ምስጓግ ፈተነታትን ኣዕሚቑ ምምይያጡ ኣፍሊጡ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ድማ ብመንፈስ እማመ ሰልፊ ኣብ ዞባና ምስ ኩሎም ሓይልታት ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ቃልስታቱ ከሐይል፡ ንሓባራዊ ስራሕ ዝምችእ ባይታ ኣጣጢሑ ክቃለስ ከምዝኾነ ’ውን ኣስሚሩሉ፡፡

ኣብ መወዳእታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ መሰረታዊ ዕማማቱ ብምእታው፡ ክሳብ ስሩዕ ጉባኤ ዞባ፡ 9 ኣባላት መሪሕነት ብምምራጽ ኣኼብኡ ዛዚሙ፡፡

——————————///////////////////———————————

ዓርቢ 2/02/2018

ሩዋንዳ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምቅባል ምስ እስራኤል ዝገበረቶ ስምምዕ ዘይምህላው ስዒቡ ንኤርትራውያን ግዚያዊ እፎይታ ከም ዝፈጠረሎም ተገሊጹ፡፡

መንግስቲ ሩዋንዳ በዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንምቕባል ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝተገብረ ስምምዕ ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ጭንቀት ዝርከቡ ኤርትራውያን ግዚያዊ እፎይታ ክፈጥረሎም ምኽኣሉ ዜጋታት ሓቢሮም፡፡

ሩዋንዳ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብምስጢር ናይ ዝኾነት ሃገር ስደተኛ ክንቅበል ኣይተሰማማዕናን፡  ሩዋንዳ ካብ እስራኤል ዝምለሱ ስደተኛታት ክትቅበል እንተደኣ ኮይና፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ኣድማሳዊ ቻርተር ብዝፈቐዶ መሰረት’ዩ ምባላ ስዒቡ ንኤርትራውያን ተስፋ ዘስንቕ’ዩ ኢሎም፡፡

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ እስራኤል ናይ ምስጓግ መደቡ ክቕይርን ንዜጋታትና ናብ ካልእ ሃገር ክሰዶም ከምዘይብሉን ጻውዒቶም ንኸስሙዑ ተላብዮም፡፡

————————————–///////////////////—————————-

ዓርቢ 2/02/2018

እስራኤላውያን ተማሃሮን ሙሁራትን ኣንጻር ፖሊሲ መንግስቶም ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘነጻጸረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ዘለውዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት፡ ብግዲ ናብ 3 ሃገር ክግዕዙ እንተዘይክኢሎም ናብ ማእሰርቲ ክዳረጉ ምዃኖም ምጥንቃቑ ስዒቡ ሙሁራት ዝርከብዎም ሓያሎ ዜጋታት ሃገሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ የካይዱ ኣለው፡፡

እቶም ላዕለዎት ሰብ ሞያ ዶካትር ዝርከብዎም ዜጋታት እስራኤል ነቲ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተረኣዩ መረርቲ ድፍኢታት ሓደ ዝኾነ ስጉምቲ መንግስቶም ስቕ ኢልካ ምቕባል ሕልናኦም ከምዘይፈቕደሎም ገሊጾም፡፡

ተማሃሮ 11 12 ክፍልታት ብወገኖም፡ ሕጊ ምስጓግ ስደተኛታት ብህጹጽ ምስ ዘይቅየር ንመዕጸዊ ትምህርቲ ዝቐርብ ፈተናታት ከምዘይፍተኑን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክስለፉ ከምዘይኮኑን ዝገልጽ መልእኽቶም ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያሚን ናታንሁን ምልኣኾም ሓረጽ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ፓይሎታት፡ ሓካይምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንዘይቅኑዕ ፖሊሲ መንግስቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተቓውሞ ምስምዖም ዝፍለጥ’ዩ፡፡

———————-///////////////////————————————–

ዓርቢ 2/02/2018

ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ንሰለስቲአን ሃገራት ዘራኽብ መስመር መጓዓዝያ ባቡር ንምህናጽ ተሰማሚዐን፡፡

ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ጉዳይ እቲ ብኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ መመንጨዊ ጽዓት ሓጽቢ ሕዳሰ ዝነበረን ናይ ዘይምትእምማን መንፈስ ፈጺመን ከም ዘወገዳ ምግላጸን ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕጂ ድማ ንሰለስቲአን ዘራኽብ መስመር መጓዓዝያ ባቡር ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ፡፡

እተን ሃገራት ናብዚ ስምምዕ ዝበጽሓ፡ ጎናጎኒ ናይቲ ካብ 28 ክሳብ 29 ጥሪ 2018 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘቃንዑዎ ስሉሳዊ ዘተ’ዩ፡፡

ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እቲ ንሰለስቲአን ዘራኽብ መስመር መገዲ ባቡር ብወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት ዝህነጽ ክኸውን’ዩ፡፡

——————————-///////////////////——————————

ዓርቢ 2/02/2018

ሕብረት ኤውሮጳ ንፍልስጤም ፊናንሳዊ ሓገዝ ክገብር ወሲኑ፡፡

ፕረስ ቲቪ ንሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ፊደሪካ ሞጎሪኒ ጠቒሳ ኣብ ዘቃለሐቶ ዜና፡ እቲ ሕብረት ንፍልስጤማውያን ናይ 53 ሚልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ከም ዝወሰነ ኣፍሊጣ፡፡

ነቲ ሓገዝ ንምእካብ ተባሂሉ ኣብ ዝተገብረ ሃንደበታዊ ኣኼባ እታ ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት ኣብ ዘስመዓቶ ዘረባ፡ እቲ ፊናንሳዊ ሓገዝ ፍልስጤማውያን ናትና ዝብሉዋ ሃገር ንምምስራት ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ መሳለጢ ዝኾኖም’ዩ ኢላ፡፡

ሕብረት ኤውሮጳ ንፍልስጤም ዝገብሮ ሓገዝ ኣበሪኹ ክቕጽል’ዩ ዝበለት ፊደሪካ ሞጎሪኒ፡ ፍልስጤም ምስ እስራኤል ዘለዋ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ትገብሮ ዘላ መስርሕ ግን ኣብ በይና ክሕጸር የብሉን ክትብል ኣዘኻኺራ፡፡

—————————-///////////////////————————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here