ዝርዝር ዜና 02-09-2017

0
202

ውርሲ መጻኢ ወለዶና ምእንቲ ክተርር ቀላጽም ደለይቲ ፍትሒ ክሕይል መዘኻኸሪ ቀሪቡ፡፡

 

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታትና ብኢመይል ኣድራሻና ኣብዝለኣኽዎ ሓበሬታ፡ ኣንፈትን ሚዛንን ታሪኽና ንክዕቀብን ውርሲ መጻኢ ወለዶ ምእንታን ክተርርን ደለይቲ ፍትሒ ቀላጽምና ኣስጢምና ኣባይና ንእለይ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣንጻር እቲ በረኻዊ ኣገዛዝኣ ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኢና ቃልስና ጀሚርና እንተኾነ ግን ዝሓየለን ቅልጡፍ ዝኾነ ቃልሲ ብዘይምክያድና ሰርቢ ጥፍኣት ዜጋታትና ክዛይድ ኣኽኢልዎ’ሎ ክብሉ ኣነጺሮም፡፡

እዚ ተረዲእና፡ ቅድም ኢሎም ዘዛሓሓሉናን ዘፈላለዩና ሓሳባት ኣብ ሓደ ጠሚርና፡ ህዝብን ሃገርን ሓራ ከነውጽእ ካብ ሎሚ ዝሓሸ እዋን የለን ክብሉ’ዉን ዜጋታት ብተወሳኺ ሓቢሮም’ዮም፡፡

—————————————————–//////////////////———————————————

ቀዳም 02/09/2017

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝገብሮ ዘሎ ተጽዕኖን ምትእትታውን ደው ክብል ጻውዒት ቀሪቡ፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ብመሰረት እቲ ባዕሉ ዘውጸኦ ኣዋጅ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ካብ ዘካይዶ ዘሎ ተጽዕኖን ምትእትታውን ኢዱ ከውጽእ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ጸዊዑ፡፡

እቲ ኣህጉረ ስብከታት ነዚ ዝጸውዐ ብ31 ነሓሰ 2017 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮይኑ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘ-ሃገረ ኤርትራ ድሕር’ቲ ናይ 11 ዓመት ማእሰርቶም ወጺኦም ኣብ ህዝቢ ምርኣዮም’ኳ ተስፋ ዝህብ እንተኾነ ኣብቲ ዕለት ከም ሓደ በደለኛ ኮፍ ኣቢሎም ኣባ መልከጻዲቕን ቀሺ በረኸትን ዝተባህሉ ብዕድመ ይኹን ብኣእምሮ ክመጣጠንዎም ብዘይክእሉ ሰባት ዝወረዶም ኣደራዕ ግን ልቢ ብዙሕ ምእመን ሴሩ’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦና ኢሎሞ እናተባህለ ክዝረብ ዘርፈደ ውግዘት ኣልዒሎሙልና ዝብል ዘድንጹ ቃል’ዩ ብምባል ድማ እዚ ከኣ ብዙሕ ሕቶታት ዘልዕልን ነቲ ሓሳብ ሕጂ ዝመጽሉ መንገዲ’ዉን ዘፍሽል’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

————————————————-/////////////////////////——————————————–

ቀዳም 02/09/2017

ኢትዮጵያ ንመሪሕነት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተረኪባ፡፡

ኢትዮጵያ፡ ዓርቢ ባሕቲ መስከረም 2017 ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ንሓደ ወርሒ ንባይቶ ጸጥታ ብፕረዚደንትነት ክትመርሖ ስልጣን ተረኪባ’ላ፡፡

ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ፕረዚደንትነት ስልጣን ኣብ ዝተረከበትሉ እዋን፡ ኣብ ግዜ ፕረዚደንትነት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምስፋን ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንዘለዎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንምድያቡ ኣበርቲዐ ክሰርሕ’የ ኢላ’ያ፡፡

ጉዳይ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ ካልኦት ሽግር ዝረኣየለን ሃገራት ኣብ ምፍታሕ’ዉን ካብ ቀንዲ ዕዮ ገዛ ኢትዮጵያ ምዃኑ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብምጥቃስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ፡፡

—————————————————–//////////////////////——————————————-

ቀዳም 02/09/2017

ጅቡቲ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክትዝርግሕ ምዃና ይሕበር ኣሎ፡፡

መንግስቲ ጅቡቲ ፡ካብ ቀይሕ ባሕሪ ፡ዝስተ ማይ ብምጽራይ ናብ ህዝቢ ንምዝርጋሕ ዘኽእሎ ናይ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምስ ኩባንያታት ፈረንሳን ስጳኛን ከምዝኸተመ ማዕከን ዜና ፈረንሳ ለ ፊጋሮ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፡፡

እታ ሃገር ብቀጻሊ ንዘጋጥማ ዘሎ ዋሕዲ ዝስተ ማይ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምፍታሕ መንግስቲ ጅቡቲ፡ ኤፋዥን ምስ ዝተባህለ ኩባንያ ፈረንሳ ናይ 37 ሚልዮን ዶላር፡ ኤስኤስ ምስ ዝተባህለ ኩባንያ ስጳኛ ድማ ናይ 23 ሚልዮን ዶላር ውዕል ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ብተሓዳሲ ጸዓት ክካየድ ምዃኑ ዝተገልጸ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ድሕሪ ምዝዛሙ ድማ መዓልታዊ 45 ሽሕ ትርብዒት ሜትር ጨዋም ማይ ካብ ባሕሪ እናጻረየ ንኣገልግሎት ህዝቢ ዝውዕል ጽሩይ ዝስተ ማይ ከቕርብ ምዃኑ ይንገረሉ፡፡

——————————————————/////////////////////—————————————————–ቀዳም 02/09/2017

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንተልእኾ ኣሚሶም ኣብ ሶማልያ ክናዋሕ ወሲኑ፡፡

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገደብ ግዜ ተልእኾ ናይቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣሚሶም ክሳብ 2018 ክናዋሕ ከምዝወሰነ ዥንዋ ኣብ ዘወሃሃዶ ዜና ገሊጹ፡፡

ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ናይ ዝርከብ ብዝሒ ሰራዊት ኣፍሪቃዊ ሕብረት 22,126 ከምዝኾነ ዝሓበረ ጸብጻብ ዥንዋ ሶማልያ ብገዛእ ርእሱ ዝተኣማመን ናይ ባዕላ ድልዱል ወተሃደራዊ ሓይሊ ክሳብ ዝህሉዋ እቲ ተልእኾ ክናዋሕ ከምዝተገብረ ኣነጺሩ፡፡

ኣሚሶም ሕጂ’ዉን ኣብ ምርግጋእ ሶማልያ ወሳኒ ተራ ኣብ ምጽዋት ከምዝርከብ ዝጠቐሰ ዥንዋ ዝተረጋገአት ሶማልያ ንክትህሉ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ተዋሂቡዎ’ሎ፡፡

—————————————————-/////////////////////——————————————–

 

 

 

 

 

 

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY