ዝርዝር ዜና 02-10-2017

0
162

ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኣብ ስነ ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ክነብር ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ፡፡

ውልቀ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሰላም ናይ ምንባር ተኽእሉኡ ዝጸልመተ ኮይኑ ስለዝሰምዖ፡ ህዝቢ ኣብ ዘይርጉእ ስነኣእምሮኣዊ ቅልውላው ክነብር ከይደቀሰ ይሰርሕ ከም ዘሎ፡ ነቲ ጉጅለ ተቓዊሞም ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ሓደ ካህን ንሬድዮና ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ገሊጾም፡፡

እቶም ሽሞም ክዕቀበሎም ዝመረጹ መራሒ ሃይማኖት ኣብ ቃላቶም ህግደፍ ክብሪ መነባብሮ ሰማይ ክዓርግ ብምግባሩ ህዝቢ ብከብዱ ጥራሕ እናሓሰበ መጻኢኡ ከይእምት ይገብሮ ምህላው ኣነጺሮም፡፡

ህዝቢ ብክብሪ ናብርኡ ዓቕሉ ዝጸቦ ዘሎ ከይኣኽሎ፡ ካህናትን ዲያቆናትን ከይተረፉ ክዓጥቁ ይግደዱ ምህላዎም’ውን ሓቢሮም፡፡

እቶም መራሒ ሃይማኖት ኣብ ሓበሬትኦም፡ ነቲ ናይ ምዕጣቕ ትእዛዝ ዘይተቐበለ ወይልኡ ብዝዓይነቱ ዝደለየ የተግብር ዘይደለየ ይጥፋእ ዝብል መፈራርሒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ምህላው ኣፍሊጦም፡፡

————————————–///////////////////————————————–

 ሶኒ 02/10/2017

ካልኦት ገዳማውያን ኣቦታት ኣሰር ኣቦታት ገዳም ደብረቢዘን ክስዕቡ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ጸዊዑ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ብሓፈሻ ኣባ ሉቓስን ኣባ ባሲልዮስን ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ርኡይ ክሕደት ይፍጽሙ ብምህላዎም ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ከምዝወገዝዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካልኦት ገዳማውያን ኣቦታት ከኣ ኣሰሮም ክስዕቡ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ጸዊዑ፡፡

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ኣማኒ ውሉደ ክህነት ናብ ውትህድርና ይውረዱ ኢሉ ብህግደፍ ዝተኣወጀ ግዱድ ዕስክርና ንቤተክርስትያንን ተኸተልትን ንምብታን ዝግበር ዘሎ ረቂቕ ፖለቲካዊ ተንኮል ብምዃኑ ዓገብ ክብልን ስለ’ቶም ተኣሲሮም ዘለው ኣቦታት ገዳማውያን ተቓውምኡ ከሐይልን ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣባ ሉቓስን ኣባ ባሲልዮስን ዝወረደ ውግዘት ኣንጸርጺሩ ድሮ ክልተ መነኮሳት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዘሎን ነዚ’ውን ከም ዝውግዞን ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ገሊጹ’ሎ፡፡

————————————–///////////////////————————————–

 ሶኒ 02/10/2017

2 ሚኢታዊት ከፊሎም ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝኣተው ዜጋታት እናተለቕሙ ናብ ኮርመናዕ ይለኣኹ ከምዘለው ይሕበር ኣሎ፡፡

ናይ ጣዕሳ ወረቐት እንተፈሪምኩምን ክልተ ሚኢታዊት እንተኸፊልኩምን ናብ ሃገር ከምድላይኩም ክትመላለሱ ኢኹም ዝብል መብጽዓ መላኺ ኢሳይያስ ኣሚኖም ናብ ሃገር ዝኣተው መንእሰያት ከካብ ገዝኦም እናተለቕሙ ናብ ኮርመናዕ ይለኣኹ’ለው ከም ሓበሬታ ሬድዮ መድረኽ፡፡

እቶም 2 ሚኢታዊት ከፊሎም ዝኣተው መንእሰያት ናይ 7 ዓመት ነጻ መውጽኢ ቪዛ ተዋሂብኩም ተባሂሎም ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቲ ናይ 7 ዓመት ቪዛ ግን ብክፍሊ ኢሚግሬሽን ተሰሪዙ’ዩ፡፡

እቶም ካብ ገዛውቶም ዝተለቕሙ ዜጋታት መብዛሕትኦም ተወላዶ ዞባ ጋሽባርካ ኮይኖም፡ ኣብኣቶም ጥራይ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳዱ ንጹር ኣይኮነን ብመሰረት’ቲ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡፡

ስድራቤት ናይቶም ተኣሲሮም ዘለው ዜጋታት ደሃዮም ንምሕታት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እቶም ዘየገልገሉ ናብ ታዕሊም እቶም ኣገልጊሎም ዝነበሩ ከኣ ናብ ኣሃዱታቶም ክለኣኹ ምዃኖም ተጠቒሱ’ሎ፡፡

ብኻልእ ወገን እዚ ኩነታት ንቡዙሓት ሓለፍቲ ካልእ ንግዳዊ ምንጪ ኣታዊ ኮይንዎም ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ ሓደ ሰብ 5 ሽሕ ዶላር እናተቐበሉ ብኻልእ ስም ፓስፖርትን ቪዛን እንዳውጽኡ ክልእክዎም ጀሚሮም ኣለው ክትብል ’ውን ወሲኻ ገሊጻ፡፡

————————————–///////////////////————————————–

 ሶኒ 02/10/2017

ንክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ወድሰብ ኣብ ዘተኮረ ጉዳይ ክትዓዪ ዝጸነሐት ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ ንሽልማት ፎክሲቭ ተሓጽያ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ንክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ወድሰብ ኣብ ዘተኮረ ጉዳይ ክትዓዪ ዝጸነሐትን ተፈላጥነት ዘለዎም ሽልማታት ከምዝዓተረትን ዝንገረላ ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሃ፡ ሕጂ’ውን ብወለትኦም ንኽብሪ ሰብኣዊ መሰላት ዓቢ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ 27 ሰባት ሓንቲ ኾይና ንሽልማት ተሓጽያ’ላ፡፡

ዶክተር ኣልጋነሽ ብተወሳኺ ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ጣሓኒትን ዝተፈላለዩ ናይ ኣልባሳትን ሕክምናን ከምኡ’ውን ክሳብ ሲናይ ብምብጻሕ ሂወት ዜጋታት ዘድሓነት ምእንቲ ሂወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትብል ተኣሲራ መጉዳእቲ ከምዝወረዳን ብኡ ከይተሰናበደት ድማ ንስለ መሰል ኣሕዋታ ደው ዝበለት ምዃናን ’ውን ተሓቢሩ፡፡

እዛ ዋዕሮ ጓለንስተይቲ እዚ ንክብሪ ሰብኣዊ መሰላት ወዲሰብ እትኸፍሎ ዘላ መስዋእቲ ነተን ሕልንአን ዝሸጣ መርኣያ ክትከውን ከምትኽእል፡ ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታ ደምበታት ተቓውሞ ሃገርና ገሊጸን፡፡

————————————–///////////////////————————————–

 ሶኒ 02/10/2017

ሕድሪ ስውኣትናን ብጭርሖ ዝዘቕበበ መኻን መብጽዓን ከምዘይ ሰማማዕ ተገሊጹ።

ስርዓት ህግደፍ ብልሳኑ ጥራይ ዝደጋግም  ሕድሪ ስውኣት ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣዝዩ ዝኽፍኣ ተርእዮ ዘይሳነ ከም ዝኻነ ዝገለጹ ገለ ዜጋታት እዚ ብጭርሖ ጥራይ ዝዘቕበበ መኻን መብጽዓ ድማ ምስቲ ስውኣትና ዝገደፍዎ ሕድሪ ዝሰማማዕ ከም ዘይኮነ ኣነጺሮም።

ንስለ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ክብል ኣካሉን ክቡር ህይወቱን ንዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩን ጉዳይ ሃገሩን ተዓዛቢ ዘይኮነ ወሳኒ ክኸውን ብምግባር ኢኻ ተረጋግጸሉ ድሕሪ ምባል ድማ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ግን ካብዚ ወጻኢ’ዩ ክብሉ ጠቒሶም።

———————————-//////////////—————————–

 ሶኒ 02/10/2017

ኤርትራ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ንምውጻእ ሓድነታዊ ቃልሲ ይበራታዕ ክብሉ ሙሁራት ገሊጾም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ሙሁራት ዜጋታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ እልቢ ዘይብሉ መከራን ሕሰምን ተማሪርና ዝወጻና ኤርትራውያን፡ ንሃገርና ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ሕሰም ንምውጻእ ሓድነታዊ ቃልስና ከነበራትዕ ኣለና ኢሎም፡፡

ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕሰምን ንመጻኢ ንጽበዮ ራህዋን ንኹልና ደቃ ብማዕረ ዝብጸሐና ’ዩ ዝበሉ እቶም ሙሁራት እዚ ወጽዓ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩላህና ወሪዱ ዘሎ ብምዃኑ ራህዋ ንምምጻእ ብናይ ሓባራዊ ቃልሲ ደቃ ’ዩ ዝንጸባረቕ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

እቶም ሙሁራት ብተወሳኺ፡ ንሕና ሙሁራት ብዘለና ዓቕሚ ሰሪሕናን ተዓጻጺፍናን ንሃገርና ከነበልጽግ ባይታ ብምስኣና ሃገር ንድሕሪት ክትጉተት ኪኢላ’ያ፡ ብምባል ነቲ ንከምኡ ክትሳጣሕ ዝገበራ ኣረሜናዊ ጉጅለ ንምጉሓፉ ኣማራጺ ሓድነታዊ ቃልሲ’ዩ ክብሉ ኣነጺሮም፡፡

————————————–///////////////////————————————–

 ሶኒ 01/10/2017

ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን ኣብ ዋሕዚ ስደትን፡ ካልኦት ዛዕባን ዘድሃበ ዋዕላ ኣካይዶም።

ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና፡ ከም ዝሓበሮኦ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን ዋሕዚ ስደትን ምዕባለን ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዘድሃበ ዋዕላ ብ29 መስከረም ምክያዱ ሓቢረን።

ኣብቲ ዋዕላ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮፓ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝምድናታት ወጻኢ ክርከቡ ከለው፡ ብኢጋድ ከኣ፡ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳን ሱዳንን ተሳቲፎም ምንባሮም እተን ማዕኸናት ገሊጸን።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ንጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድኹም ቁጠባዊ ምዕባለ፡ ዋሕዚ ስደትን ዘይሕጋዊ መሸጣን ምስግጋርን ደቂ ሰብ፡ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን፡ ጉዳይ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብ ኬንያ፡ ደገፍ ምዕባለ ሕብረት ኤውሮጳ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝብሉ ዛዕባታት ብሰፊሑ ከም ዝተመያየጥሎም ተፈሊጡ።

ብተወሳኺ፡ ንጉዳይ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብ ምስላጥ፡ ሕብረት ኤውሮፓ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕን ምስ ኢጋድ ዝተበጸሐ ስምምዓት ዝከታተሉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክመዝዝን ጸብጻቦም ድማ ንዝመጽእ ዋዕላ ሚኒስተራት ዝቐርብ ውሳኔ ምሕላፉ ማዕኸናት ዜና ኣነጺረን።

——————————–////////////////——————————–

ሶኒ 02/10/2017

ሓይልታት ኣልጀርያ ን5 ኣሸበርቲ ከም ዝቐተሉ ገሊጾም፡፡

ኣባላት ሰራዊት ጸረ ኣሸባርነት ኣልጀርያ ብሰንበት 1 ጥቅምቲ 2017 ን5 ሚሊሻታት ኣሸባሪ ጉጅለ ከም ዝቐተሉ ዥንዋ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ሓቢሩ፡፡

ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ እቲ መጥቃዕቲ ኤልኬሱር ኣብ ዝተባህለ ዞባ ዝተኻየደ ኮይኑ ካልእ ወተሃደራዊ ናውቲ’ውን ካብቶም ኣሸበርቲ ከም ዝተመንዝዐ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

እቲ ንኣሸበርቲ ናይ ምህዳን ስርሒት ሕጂ’ውን ብዝሓየለ ኣገባብ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣሸበርቲ ኣለውዎ ኣብ ዝበሃል ከባቢታት ናይ ምጽራይ መስርሕ ክሳለጥ ምዃኑ ድማ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ’ሎ፡፡

————————————–///////////////////————————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY