ዝርዝር ዜና 03-01-2018

0
301

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ትካላት ዝተዓጻጸፈ ክፍሊት ኤሌክትሪክ ከምዘተኣታተወ ተገሊጹ፡፡

መላኺ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ’ተን ዘይተዓጽዋ ትካላት ንግዲ መጠኑ ዝሓለፈ ክፍሊት ኤለክትሪክ ዘርጊሑ ባዕላተን ንክዕጸዋ ጸቕጢ ይገብረለን ከም ዘሎ ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ፡፡

እዚ ንዘይተዓጽዋ ትካላት ኣዝዩ ዝተጋነነ ወርሓዊ ክፍሊት ዝመጸን ዘሎ ኮይኑ ወነንቲ ንዝምልከቶ ኣካል’ኳ ሕቶ እንተቕረቡ በዓል መዚ ሓይሊ መብራህቲ ግን ካብ ላዕሊ ዝመጽኦ ትእዛዝ ጥራሕ የተግብር ከም ዘሎ ዝሕብር መልሲ ከምዝሃቦም ተጠቒሱ’ሎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ እዚ ዓይነት ኣካይዳ ዝጥቐም ዘሎ ኣብ ልዕሊ’ተን ዘይተዓሸጋ ትካላት ጸቕጢ ንምፍጣር ዓሊሙ ከምዝኾነ ’ውን መድረኽ ብተወሳኺ ገሊጻ’ላ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ኣብዛ ዝዛዘምናያ ዓመት ብርክት ዝበላ ትካላት ንግዲ ከምዝዓጸወን ዋናታተን ከምዝኣሰረን ምግላጽና ይዝከር፡፡

————————————–//////////////////////——————————-

ረቡዕ 03/02/2018

ህላወ ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ኤርትራ ይብርኽ ኣሎ፡፡

ብኤርትራ ኣብ ዝውነን ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ሰፊሕ ትሕዝቶ ሒዛ ከምዘላ ዝንገረላ ግብጺ ህላወኣ ኣብ ኤርትራ ተስፍሕ ከምዘላ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ፡፡

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ማዕኸን ዜና፡ ሰራዊት ግብጺ ኣብቲ ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ካልእ ሓይሊ ወጻኢ ከርከበሉ የብሉን ኢሉ ብኣፉ ዝዋራዘየሉ ፡ ወተሃደራዊ መደብር ሳዋ ኣትዩ ምህላዉ ተፈሊጡ፡፡

እዚ ድማ ሽፍታ ጉጅለ ቀስብቀስ ንሉኣላውነት ሃገርና ሙሉእ ብሙሉእ ክድፈር ይገብር ምህላዉ መረጋገጺ’ዩ’ዉን ተባሂሉ፡፡

እቲ ኣብ ሳዋ ኣትዩ ከምዘሎ ዝንገረሉ ሰራዊት ግብጺ ዘመናዊ ብረት፡ ወተሃደራዊ መጓዓዝያ መኻይንን ሃዋል ድራይቭ መኻይንን ዝዓጠቐ’ዩ፡፡

—————————————————/////////////////———————————-

ረቡዕ 03/02/2018

ራእን ዕላማን ዘይብሉ ቃልሲ ሽግ ሓርነት ክዓትር ኣይክእልን ተባሂሉ፡፡

ኣንጻር ጸላኢኻ እተካይዶ ጉዕዞ ብራእን ዕላማን ተቓንዩ ምሰዘይሰላሰል ሽግ ሓርነት ክትዓትር ኣይኽእለካን’ዩ ክብሉ ግዱሳት ብኢመይልና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣነጺሮም፡፡

እቶም ግዱሳት ኣብ መልእኽቶም ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘይተሓለለ መድረኻዊ ቃልሲ ነሰላስል’ኳ እንተለና ራእናን ዕላማናን ብዝግባእ ተሓንጊጥና ብዘይ ምስልሳልና ሓርነትና ከነረጋግጽ ኣይከኣልናን ኢሎም፡፡

ንጸላኢኻ ክትብድሆ እንተኾይንካ ቅድም ቀዳድም ራኢኻን ዕላማኻን ጥራይ’ዩ ጉዕዞ ቃልስኻ መኸምበቲ ትረኽበሉ ዝበሉ እቶም ግዱሳት እዚ ተረዲእና ድማ ተሞክሮ ትማሊ ተሓንጊጥና ርህውቲ ኤርትራ ንፍጠር ብምባል ተማሕጺኖም፡፡

————————————–//////////////////////——————————-

ረቡዕ 03/02/2018

ላዕለዎት ኣመራርሓ ግሃድኤ ሕድሪ ኣብ ቦታ ዕጡቕ ኣሃዱታት ምብጻሕ ከምዘካዱ ተገሊጹ፡፡

ከምሓበሬታ ቤትጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ ሕድሪ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ብኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ተመሪሖም ኣብ ቦታ ዕጡቕ ኣሃዱታት እቲ ግንባር ብምብጻሕ ጽምብል ሓድሽ ዓመት ብሓንሳብ ኣብዒሎም፡፡

ኣብቲ ኣጋጣሚ ንኩነታት ከባብን ሃገርን ዝምለከት ጉዳያት በቶም ኣመራርሓ መብርሂ ዝተዋህበሉ ኮይኑ ካብ ጽቡቕ ኣሃዱታት ንዝቐረቡ ሕቶታት’ዉን ግቡእ መልስን መብርህን ተዋሂብዎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ድሕነት ህዝበን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ዝብል ፖለቲካዊ ውሳኔን ጉባኤን እቲ ግንባር ኣብ ተግባር ንምውዓል ብደገፍ ህዝቦም ንምርግጋጹ ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር፡፡

————————————————//////////////////////——————————–

ረቡዕ 03/02/2018

ቀንዲ ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ተሓተትቲ’ዮም ክብላ ገለ ሃገራት ኣጠንቂቐን፡፡

ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ኖርወይን ፖለቲካዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን መዕለቢ ከይረክብ ብዕቱብ ይዋስኡ ንዘለዉ ኣካላት እታ ሃገር ተሓተትቲ’ዮም ክብላ ኣጠንቂቐን፡፡

እተን ሃገራት ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕረባ ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ቶኹሲ ደው ከብሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዝበጽሑዎ ስምምዕ ምጥሓሶም ስዒቡ፡፡

እቶም ተናሓናሕቲ ሓይልታት ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ይዋስኡ ብምህላዎም ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ከምዘይኮኑ ዘተሓሳሰባ እተን ሃገራት ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ዘድልዮም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ዝግበር ሓገዝ ናይ ምጉዕዓዝ መስርሕ ክተሓባበሩ ጸዊዐን፡፡

ፖለቲካዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ካብ ዝጅመር ሓሙሽተ ዓመታት ዘቖጸረ ኮይኑ ብ10ታት ኣሸሓት ዜጋታት ህይወቶም ሲኢኖም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ተፈናቒሎም’ዮም፡፡

———————————————–////////////////////———————————–

ረቡዕ 03/02/2018

ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ኮርያ ክዛተዩ’ዮም ተባሂሉ፡፡

ደቡብ ኮርያ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሰሜን ኮርያ ቀጻሊ ሰሙን 2018 ዘተ ንምክያድ ምድላዋታ ተጻፍፍ ከምዘላ ቢቢሲ ጸብጺቡ፡፡

መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ነዚ ዝገለጸ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጂንግ ኡን ንሃገሩ ወኪሎም ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2018 ኣብ ሲኦል ዝሳለጥ ዓለምለኻዊ ውድድር ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ስፖርታውያን ክልእኽ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ  ተባሂሉ’ሎ፡፡

ዕላማ እቲ ዘተ ቀጻሊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ንምዝርራብ ከም ዝኾነ’ዉን ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ደቡብ ኮርያ ኣነጺሩ’ሎ፡፡

————————————————/////////////////////————————————————-

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here