ዝርዝር ዜና 03-09-2017

0
329

ብርሰትና ንምቅልጣፍ ከይደቀሰ ይሃልኽ ንዘሎ ምልካዊ ጉጅለ ካባና ሓሊፉ ዝኣልዮ የለን ክብሉ ደለይቲ ፍትሒ ገሊጾም፡፡ 

ገለ ደለይቲ ፍትሒ ብኢመይል ኣድራሻና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ፡ ውልቀምልካዊ ጉጅለ  ህግደፍ ንብርሰትና ተዓጢቑ ከይደቀሰ ይሓድር ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ካባና ካብቶም ግዳያት ሓሊፉ ከወግዶ ዝኽእል ተኣምራታዊ ሓይሊ የለን ክብሉ ኣዘኻኺሮም፡፡

ህግደፍ ወደባት ሃገርና ንሃገራት ኣዕራብ ዓዲሉ ህዝብና ምስ ሙሉእ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታቱ ብጥምየት ከምባሁቕ ፈሪዱዎ ኣሎ ዝበሉ እቶም ደለይቲ ለውጢ፡ ማዕድናት ሃገርና’ዉን መደለቢ ሃብቲ ኩባንያታት ወጻኢ ኮይኑ ምህላዉ ኣነጺሮም፡፡

ብኣንጻሩ እቲ ሓመድ ድፋጭኡ ዝሰቲ ዘሎ ህዝብና ንማእሰርቲ፡ ንመግረፍቲ፡ ንዓመጽ ኮታስ ንኩሎም ዓይነታት ግህሰት መሰላት ክቃላዕ ብምልካዊ ህግደፍ ተፈሪዱዎ ብምህላዉ ኣብ ልዕሊኡ ብህግደፍ ይፍጸም ንዘሎ በደላት ክኣሊ ሓሪኑ ክለዓል ጸዊዖም፡፡

———————————————//////////////////////////———————————————–

ሰንበት 03/09/2017

ንዕላማታት ሰውራን ንለበዋ ስውኣትን ዘኽበር ኤርትራዊ ዜጋ ዲሞክራሲያዊ መተካእታ ንምምጻእ ዘይሕለል ቃልሲ ክካየድ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

ግዱሳት ብኢመይልና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ሃገርና ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ንኽትላቐቕ ንህልዉን መጻእን፡ ከምኡ’ዉን ንዕላማታት ሰውራናን ንለበዋ ስውኣትናን ዘኽብር ኤርትራዊ ዜጋ ብምፍራይ ካብዚ ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ንሓዋሩ ንምግልጋልን ዲሞክራሲያዊ መተካእታ ንምምጻእ ዘይሕለል ቃልሲ ክካየድ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ካብ ሃብታም ተመክሮ ቃልሲ ህዝብና ትምህርቲ ብምቕሳም ዝተረፈ ዕላማታት ሰውራና ንምምላእ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንኽዕወትን፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ክንበቅዕ ኩሉ ኣፈላላይና ኣጽቢብና የጽንተና ንዘሎ ጉጅለ ንበደሃዮ ክብሉ ከኣ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዝሓለፈ ቃልስና ሕብረትን ስምረትን ብዘይምፍጣርና ብዙሕ ናይ ዓወት ዕድላት ኣምሊጡና’ዩ ዝበሉ እቶም ግዱሳት ክነምልሶ ዝከኣል እኳ እንተዘይኮነ ሕጂ’ዉን ናብ ዝያዳ ክሳራን ፍሽለትን ንከይንበጽሕ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ብምብጻሕ ሓርነትና ንምርግጋጽ ናይ ኩላህና ጻዕሪ’ዩ ብምባል ብተወሳኺ ኣነጺሮም፡፡

—————————————————-////////////////////———————————————-

ሰንበት 03/09/2017

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ይጠሓስ ብምህላዉ ኣጻራይት ጉጅለ ከምዝልእኽ ተሓቢሩ፡፡

ጉጅለ ህግደፍ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመተ 2009 ንዘንበረሉ እገዳ ይጥሕስ ስለዘሎ እቲ ባይቶ ነዚ ተጻሪ ኣካል መዚዙ ናብ ኤርትራ ክልእኽ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ክብል ንጋዜጣ ሪፖርተር ብምጥቃስ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራሲን ኤርትራ ኣብ ዝለኣኸልና ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ኢትዮጵያ፡ ባይቶ ጸጥታ ንዘመሓላለፎ እገዳ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ትጥሕስ ኣላ ክትብል ንኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ክትሕብር ጸኒሓ’ያ ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል በዚ መሰረት ባይቶ ጸጥታ ነዚ ተጻሪ ፍልይቲ ጉጅለ መዚዙ ክልእኽ ኣብ ውሳነ ከምዝበጽሐ ገሊጹ፡፡

ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ መስከረም 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጋባእ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምሕባር ድማ 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ክዛረቡ ምዃኖም’ዉን እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ ገሊጹ’ሎ፡፡

——————————————————-//////////////////——————————————–

ሰንበት 03/09/2017

ሰራዊት ሶማልያ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ሃገርን ከውሕስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክሰርሕ ፕረዚደንት እታ ሃገር ጸዊዑ፡፡

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ሰራዊት ሃገሩ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ፡፡

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ሸበሌ ሚድያ ኔትዎርክ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ መተሓሳሰቢኡ፡ ሰራዊት ሃገሩ ንዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ልዑል ክብሪ ከምዘለዎን ወርቃዊ ታሪኽ ምዃኑ ከም ዝኣምንን ብምጥቃስ ንሕውየት እታ ንዓመታት ብውግእ ሓድሕድን ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብን ዝዓነወት ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስራሕ ግዚኡ ሕጂ’ዩ ኢሉ፡፡

ፕረዚደንት ፋርማጆ ነዚ መምርሒ ዘመሓላለፈ ብምኽንያት በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ኮይኑ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ርክብ’ዩ፡፡

————————————————-//////////////////————————————————–

ሰንበት 03/09/2017

ንቦኮሓራም መሊኡ ክድምስስ ቆሪጹ ተላዒሉ ምህላዉ ሰራዊት ናይጀርያ ኣረጋጊጹ፡፡

ቦኮሓራም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ሓሓሊፉ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ይፍኑ ምህላዉ ዝጠቐሰ ሰራዊት ናይጀርያ ነቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ሙሉእ ብሙሉእ ንምድምሳስ ቆሪጹ ተላዒሉ ምህላዉ ኣብ ዥንዋ ዝሰፈረ ዜና ገሊጹ፡፡

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ናይጀርያ ለቴናል ጀነራል ቱኩር ቡራታይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ወተሃደራት ሃገሩ ን5 ላዕለዎት መራሕቲ ቦኮሓራም ማሪኾም ኣብ መወዳእታ ተጣዒሶም ናብ ህዝቦም ክጽንበሩ ንዝገበሩዎ ዕውት ስራሕ ዘለዎ ናእዳ ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ሓለቓ ስታፍ ኣብ ቃላቱ ድሕሪ ደጊም ቦኮሓራም ከም ልቡ ዝንቀሳቐሰሉ ተኣምር የለን ክብል ኣረጋጊጹ’ሎ፡፡

————————————————-/////////////////////————————————————

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY