ዝርዝር ዜና 03-10-2017

0
284

ኤርትራውያን ዝዓበና ዝነኣስና ብሓባር ንሸግርና መፍትሒ ከነናዲ ካብ ዝኾነ እዋን ንጥለብ ኣለና ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ገለ ጉዱሳት ናብ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ዝወርደና ዘሎ መከራን አደራዕን ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ወለዶ ዘጋጥሞ ዘሎ ህልቂት ብዝዓበናን ዝነኣስናን ክምከት ከም ዘለዎ ኣዘኻኺሮም።

ኤርትራውያን ብተበራረይቲ ባዕዳውያን ዝወረደና መከራ ከይኣክል ብዜቤታዊ መግዛእቲ ክንሳቐን ክንሃልቕን 26 ዓመታት ጌርና ኣለና ዝበሉ እቶም ጉዱሳት ጠንቂ ናይዚ ድማ ሓበራዊ ቃልስና ብምልሕላሑ’ዩ ክብሉ ኣነጺሮም።

ስለዝኾነ ድማ ኤርትራውያን መፍትሒ ከነናድየሉን ነቲ ጠንቂ ሕሰም መከራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ሓግሒግና ካብ ኤርትራ ክንኣልዮን ኣበርቲዕና ክንቃለስ ካብ ዝኾነ እዋን ጊዜ ይጠልበና ምህላው ክስወጠና ይግባእ ብምባል ተላብዮም።

———————————–//////////—————————-

 ሰሉስ 03/10/2017

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ላምፔዱዛ ዝፈጸሞ ክሕደት ጸረ ህዝቢ ፖለቲካዊ መንነቱ ዝዓደሎ ካብ ባህሪኡ ዝነቅል ሕላገቱ ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡

ሰውራዊ ዴሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ብምኽንያት 3 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ግዳያት ላምፔዱዛ ዝፈጸሞ ክሕደትን ነውርታትን ናይ ሓደ እዋን ፍጻመ ዘይኮነስ ጸረ ህዝቢ ፖለቲካዊ መንነቱ ዝዓደሎ ካብ ባህሪኡ ዝነቅል ሕላገቱ’ዩ ክብል ገሊጹ፡፡

ሎሚ ድሕሪ 4 ዓመት ነዚ መሪር ጃምላዊ ህልቂት ዜጋታትና ክንዝክሮ ከሎና ዝገደፈልና ሕልናዊ በሰላን ዓሚቕ ሓዘንን ኣይርሳዕን ዝበለ እቲ ግንባር፡ ቁስልና ምሕካኽን ምስቁንቋንን ጥራሕ ዘይኮነስ ንስድራቤታት ግዳያት ንምድባስ ዝኣተናዮ ታሪኻዊ መብጽዓና ክውን ንምግባር ቃልስና ነዛይድ ክብል ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ ጸላኢና ዝኾነ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ ብቅኑዕ ራኢ እናተገራሕና፡ ሰፊሕን ንቑሑን ተሳትፎ ህዝብታት ብዘረጋግጽ መርሆ ዓቅምታትና ብምጥማር ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድባስ እጃሙ ከምዘበርክት ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፡ ሰልፊ ዴሞክራሲያዊ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኑ ዝኽሪ ግዳያት ላምፔዱዛ ብምቑዛም ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ መጽነቲና ኣብ ምእላይ ’ውን ክንረባረብ ኣለና ክብል ኣተሓሳሲቡ፡፡

————————————–////////////////////———————————–

ሰሉስ 03/10/2017

ሓለፍቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምይይጥ ኣካይዶም፡፡

ኣብ ጣልያን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ዝኾነ ኤውሮጳዊ ትካል ብቐዳም 30 መስከረም ኣብ ኤውሮጳ፡ ዑቅባ ንዝሓተቱ ስደተኛታት፡ ንጥፈታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ከምኡ ’ውን ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ዝብል ነጥብታት ምኽርን ሓበሬታን ዝህብ ኣኼባ ኣካይዶም ክብል ቢቢሲ ትግርኛ ገሊጹ፡፡

እቲ ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ደገፍ ዝህብ ትካል ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ትካል ወሃቢ ደገፍ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታትን ጥቡቕ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ከም ዝህሉ ምግባር፡ ንሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ኣብ ብሙሉኡ መስርሕ ሕቶ ዑቕባን ሕጋዊ ምስግጋርን እዋናውን ርጡብን ሓበሬታ ምሃብ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣድሂቡ’ዩ ተመያይጡ፡፡

እዚ ኤውሮጳዊ ትካል ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ጸገማቶም ክሰምዕ ብደገፍን ሰናይ ድሌትን መሳርሕቲ ነቲ ሓሳብ ግብራዊ ዝገበረት መሳይ ዓሊ ዝተባህለት ኤርትራዊት ሰማዒ ስኢኖም ዝጸንሑ ስደተኛታት ብዝወሓደ ሰማዒ ረኺብና ብዝብል ዕግበት ተሓጒሶም ክፋነው ምርኣያ ብልቢ ከምዘሐጎሳ ትገልጽ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ኣባል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣብርሃም ተስፋይ ዝተባህለ መንእሰይ ብወገኑ እቲ ኣኼባ ኣብ እዋኑ ዝተገብረን ኣገዳስን’ዩ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ብስደተኛታት ክቐርቡ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ቀጥታዊ ምላሽ ምርካቦም ዝምስገን ከምዝኾነ ኣነጺሩ፡፡

እዚ ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ምስ ስደተኛታት ዝደጋገፍ ትካል ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ሓባራዊ መስርሕ ዑቕባ ክህሉን ከምኡ’ውን ንሰብ መዚ ኢሚግሬሽንን ኣባል ሃገራትን ስልጠናን ሓበሬታን ኣብ ምስናቅ ይደጋገፍ፡፡

————————————–////////////////////———————————–

ሰሉስ 03/10/2017

ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ  ብሰንኪ  ዋሕዲ መምህራን ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክጅምራ ከም ዘይክኣላ ተሓቢሩ።

ኣብ ሓያሎ ዞባታት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ መማህራን ስሩዕ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ክጅምራ ከምዘይከኣላ ተገሊጹ።

መምህራን፡ ክሳብ መፋርቅ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ዝተመደብሉ ኣብያተ ትምህርቲ ክርከቡ ድሕሪ ዝቐረበ ጻውዒት፡ ብዙሓት መምህራን ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ደቡብን ዓንሰባን፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከባ ኣብያተ ትምሀርቲ ኣብ ሻቅሎት ከም ዘለዋ ተገሊጹ።

መብዛሕቶኦም መምህራን ዝምደቡ ብዘይድሌቶምን ብዘይእኹል ኣፍልጦን ሞያ መምህራንን ብምዃኑ እዚ ዘንቀሎ ከኣ መምህራን ነናብ ዝተመደቡሉ ቦታታት ክኸዱ ከም ዘይደልዩን ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎምን’ዩ ዝሕበር።

እዚ ተርእዮ’ዚ ዓመት ዓመት ዝኽሰት ዘሎ ኮይኑ ከም ኩሉ ጽላታት ትምህርቲ’ውን ማዕረ ክንደይ ተሃስዩ ከምዘሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ኤረና ብተወሳኺ ኣመልኪታ።

——————————–////////////////————————-

ሰሉስ 03/10/2017

ክፍሊ ዜና ህግደፍ ብዓቅምን ሞያን ክቕጽለሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ወሪዱ ምህላው ተሓቢሩ።

ክፍሊ ዜና ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድምጺ ሓፋሽን Er TV ን ብቐጻሊ ብዋሕዲ ክኢላዊ ሰብ ሞያ ስርሑ ክቕጽለሉ ኣብ ዘይክእል  ደረጃ ወሪዱ ምህላው ሬድዮ ስምረት ኣነጺራ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታትን ኣብ ስነ ጥበብ ዝነጥፉ ኣካላትን፡ ሓጸርቲ ኮርስታት እናሃበ መደብ ክሸፍኖ ይፍትን ኣሎ ዝበለት እታ ሬድዮ፡ እንተኾነ፡ ብቅዓት ደረጃ ትምህርትን ሞያ ጋዜጠኛነትን ስለ ዘይብሎም፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ክፍተት ክሽፍኖ ኣይከኣለን ክትብል ኣነጺራ።

ብተደጋጋሚ ብሰንኪ ብቕዓትን ተሞክሮን ሞያተኛታት ዝፍጠሩ ዘለው ጉድለታትን ንፕሮፕጋንዳ ክሕግዙ ተባሂሎም ገለሰባት፡ ናብ ኩሉ ሚኒስትርታት እንዳተላእኹ  ከመይ ጌርካ ከም ዝሕሶ ክስልጥኑ ይግበር ምህላውን ብፍላይ ኣብተን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት ከኣ ብዝግባእ ኣድሂቦም ንኽሰርሑን ስልጠና ክዋሃቡ ተጌሩ’ዩ ብምባል’ውን ጠቒሳ።

———————————///////////////———————-

ሰሉስ 03/10/2017

ቱርኪ ኣብ ሶማል ዝሃነጸቶ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪቓ።

ካብ ሞቛድሾ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ ቱርኪ ኣብ ሶማል ዝሃነጸቶ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሪቓላ።

እዚ ብቱርኪ ተሃኒጹ ዘሎ መዓስከር ብዕቤቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ ኣገልግሎቱ ድማ ንምስልጣን ሰራዊት ሶማል ዝውዕል’ዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 200 ወተሃደራት ቱርኪ ተቐቢሉ ዘሎ እዚ መዓስከር ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ድልዱል ዝምድና ዘነጽር’ዩ ክብሉ ሰበስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ገሊጾም አለው።

ቱርኪ ኣብቲ መዓስከር ንዝስልጥኑ ወተሃደራት ኪኖ ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣጽዋር’ውን ክትህብ ምዃና ሓቢራ’ያ።

ቱርኪ ቅድም ክብል’ውን ኣብ ቀጠር ተመሳሳሊ መዓስከር ከምዘቆመት ይፍለጥ።

———————————/////////////—————————

ሰሉስ 03/10/2017

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጫድ ዘንበረቶ እገዳ ክላዓል ጻውዒት ቀሪቡ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ጫድ ኣንቢርዎ ዘሎ ናይ መገሻ እገዳ ክለዓል ሕብረት ኣፍሪቓን ፈረንሳን ጸዊዐን።

ሕብረት ኣፍሪቓ ሱዳን ካብቲ ተነቢሩሉ ዝነበረ መዝገብ እገዳ ምውጻኣ ከምዘሐጎሶ  እኳ እንተገለጸ ነታ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ምስ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ምስ ሃገራት ምዕራብ ትተሓባበር ዘላ ጫድ ምስተን ዝእገዳ ሃገራት ምሕዋሱ ተቓውምኡ ኣስሚዑ’ሎ።

ፈረንሳ ብወገና ኣብ ቅናት ሳህለ ሰሃራ ኣብ ተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣንጻር ሽበራ ጫድ ትተሓባበራ ምህላዋ ብምርግጋጽ ኣሜሪካ ካብቲ መዝገብ እገዳ ክትሓካ ሓቲታ’ላ።

ምምሕዳር ትራምፕ ቅድም ክብል ምስ ሽበራ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ልዕሊ ሱዳን፡ ሊብያ ፡ ሶማልያን ካልኦት 3 ሃገራት ናይ እገዳ መገሻ አንቢሩ’ኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ግን ኣብ ልዕሊ ሱዳን አንቢርዎ ዝጸንሐ ናይ መገሻ እገዳ ከምዘልዓሎ ይፍለጥ።

——————————-///////////////————————–

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY