ዝርዝር ዜና 03-11-2017

0
782

ምስክር  ወረቐት ተማሃሮ ዮኒቨርስቲ ኣስመራ ነበር ከይወሃቡ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈ ተሓቢሩ።

ኣብ ስደት ዝርከቡ ቅድም ኢሎም ተማሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝነበሩ ኤርትራውያን ናይ ዝተማህሩሉ ምስክር ወረቐት ክሓቱ ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብ ቀረባ እዋን ዳይሬክተር ጀነራል ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኮይኑ ዝተመርጸ ሃይለ ምሕጹን ኣዚዙ’ሎ።

እዞም ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦምን ክልተ ካብ ሚኢቲ ከፊሎምን ናይ ትምህርቲ ወረቓቅቶም ዝሓቱ ዘለው ኤርትራውያን ሕጂ ዝኽልከሉሉ ዘለው ምኽንያት ብንጹር’ኳ እንተዘይተፈልጠ እቲ ትእዛዝ ግን ምስክር ወረቐት ከይወሃቦምን ናብ ካልእ ዩኒቨርስትታት ከይሰጋገረሎም ንዝብል’ዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዜና ሓያሎ ስድራቤታት ብጉዳይ’ቲ ህግደፍ ጀሚርዎ ዘሎ ምጽራይ ዋንነት መንበሪ ኣባይቲ ብሰንኪ ምኽፋል ክልተ ሚኢታዊት ተሰናኺለን ዘለዋ ኮይነን ኣብ ሰራዊት ዘለው ኣባላት ካብ ኣሃዱታቶም ናይ ድጋፍ ወረቐት ከምጽኡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ እንተኾይኖም ድማ ክልተ ካብ ሚኢቲ ዝኸፈልሉ ሰነድ ክልእኩ ዘገድድዩ ክትብል ነዚ ዜና ዝጸብጸበት ኤረና ገሊጻ’ላ።

————————————–/////////////////—————————— 

ዓረቢ 03/11/2017

ኣብ በዓቲ ሃይማኖታት ዝካየድ ምኽዋላት ካብቅዕ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተዋህዶ አብ ማንቸስተር ጸዊዑ።

ህግደፍ ንልዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ጭቆናታት ኣብ በዓቲ ሃይማኖታት ተሰዊሩ’ዩ ክገብሮ ጸኒሑ ዝበለ ሚኒስተር ሃይማኖታዊ ጉዳያት መድሃኔ ኣለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣብ ማንቸስተር ቀሺ ዮውሃንስ ገብረህይወት ኣብ በዓቲ ሃይማኖታት ተሓቢካ ዝካየድ ሽርሒ ከብቅዕ ኣለዎ ክብል ጸዊዑ።

ኩላትና ብሓደ መንፈስ ኮይና ጭቆና ይኣክል ባርነት የብቅዕ ክሳብ ዘይበልና ነባሪ ፍታሕ ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ ብምባል ከኣ እዚ ሕጂ ንምርግጋጽ መሰል ኣመልኪቱ ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ ምስ ምድላይ ሓርነት ዝተሓሓዝ ደኣ’በር ካልእ መልእኽቲ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ከምዘይብሉ ኩሉ ዜጋ ክፈልጥ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ለውጢ ጎደና ንምቑጻይ ስርዓት ህግደፍ ኣብ በዓቲ ሃይማኖት ክሕባእ ቦታ ከይረክብ ክንጥንቀቀሉን ክነቅሓሉን ዘለና ጉዳይ’ዩ ድሕሪ ምባል ምንቅስቓስ ኣስላም’ዩ እናበለ መንድና ከየስሕተና ክንጥንቐቅ ይግባእ ክብል’ውን ተላብዩ።

ብኻልእ ዜና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ዘስመዕዎ ኣብያ ናይተበራበር  መጸዋዕታ’ዩ ኔሩ ክብል በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒት ዘቅረበ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሰብኣዊ መሰሉን ዝተማልኣ ሓርነቱን ብምስምረት  እምቢ ንምልኪ ኢሉ ክልዓል ጸዊዑ።

ከምኡ’ውን ጽላል ኤርትራውያን፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካን ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ነዚ ኣብ ኣስመራ ዝተራእየ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝደገፉን ህዝቢ ኣብ ጎኑ ደው ክብል ዝተላበውን ኣካላት ደም በተቃውሞ’ዮም።

————————————–/////////////———————————-

ዓረቢ 03/11/2017

ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣልቃዒዳ ይንቀሳቐሰሉ’ዩ ኣብ ዝበለኦ ከባቢታት የመን ደብዲበን።

ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ይርከበሉ ኢለን ኣብ ዝጠርጠረኦ ማሪብ ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል የመን ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየዳ ማዕከን ሓበሬታ ዥንዋ ጸብጺቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ በቲ ደብዳብ ብውሑዱ ክልተ ኣሸበርቲ ከም ዝተቐተሉ ተፈሊጡ’ሎ።

ዞባ ማሪብ ሚሊሻታት ኣልቃዒዳ ሽበራዊ ንጥፈታቶም ንምፍናው ዝዋፈርሉ ዞባ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዥንዋ ነፈርቲ ውግእ ነቲ ዞባ ዕላማ ዝገበራሉ ምኽንያት ድማ ካብዚ ብምብጋስ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

የመን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብውግእ ሓድሕድን ሓይልታት ኣባል ሃገራት ኪዳን ዓረብን እናዓነወት ትርከብ ሃገር ኮይናላ።

———————————–////////////————————— 

ዓረቢ 03/11/2017

ወተሃደራት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምህደን ናብ ሶማልያ ከም ዝኣተው ተሓቢሩ።

ኣማኢት ወተሃደራት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምድምሳስ  ናብ ሶማል ከም ዝኣተው  ኦል ኣፍሪቃ ዶት ኮም ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ሶማልያ ዝለኣኾሉ ምኽንያት ካብ መንግስቲ ሶማልያ ብዝቐረበሉ ጻውዒት ሓገዝ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኦል ኣፍሪቃ ዶት ኮም፡ ክሳብ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ድሮ ናብ ሶማልያ ምስጋጎም ንዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣነጺሩ።

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ዓቃቢ ሰላም ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣሚሶም ዘለውዋ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምድኻም ኣልሸባብ ዝለዓሉ ተራ ከም ዘለዋ ይንገራላ።

—————————–///////////////—————————- 

ዓርቢ 03/11/2017

ስርዓት ህግደፍ ህዝባዊ ምልዓል ዓቢ ወጥሪ ይገብረሉ ምህላው ገለ ወገናት ሓቢሮም፡፡

ብተምሃሮ ዲያእ አልእስላምያ ዝተጀመረ ህዝባዊ ምልዕዓል ዓቢ ወጥሪ ይገብረሉ ምህላው ገለ ወገናት ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊጾም፡፡

እቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣብ ጠርዙ በጺሕሉ ኣብዘለሉ እዋን ኣብ ኣስመራ ከይተሓጸረ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ከረን ኣፍዓበት ሻዕብያን ቀጻሊ ውዳበታት ይግበር ከም ዘሎ ’ውን ገሊጾም፡፡

በዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ዝሰንበደ መላኺ ኢሳይያስ ዳግም ውዳበ ብምክያድ ሓለዋኡ ይጠናኸር ምህላው ዝገለጹ እቶም ጉዱሳት ቡዙሓት ሃሱሳት ኣብ መስጊድን ካልኦት ቦታታትን ኣውፊርዎም ምህላው ብተወሳኺ ኣነጺሮም፡፡

——————————————-///////////////—————————————- 

ዓርቢ 03/11/2017

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ሃገርና ዝላባዕ ዘሎ ተቓውሞ ንሰራዊት ዝኾነ መውዓሊ ከይወሃብ መምርሒ ኣውሪዱ፡፡

ሬድዮ ስምረት ከምዝሓበረቶ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ሃገር እናተላብዐ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንሰራዊት ዝኾነ ዓይነት መግለጺ ከይወሃቦ ህጹጽ መምርሒ ምውራዱ ተገሊጹ፡፡

እቲ ስርዓት ነዚ መምርሒ ዘውርድ ዘሎ፡ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ናብቶም ኣብ ጉዱድ ኣገልግሎት ዘለው ከይልሕምን ብሰራዊት ተቓውሞ ከይጅምሮን ዓሚቕ ስግኣት ኣትዩ ብምህላው ከምዘዓይነት መምርሒ ዘውርድ ዘሎ፡፡

ብተወሳኺ ዝኾነ ሰራዊት ካብ ቦትኡ ከይንቀሳቐስ ትእዛዝ ከምዝወረደን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ድማ በቶም እሙናት ዝብሎም ወተሃደራቱ ጽዑቕ ሓለዋን ምክትታልን ይገብር ምህላው ሬድዮ ስምረት ወሲኻ ሓቢራ፡፡

——————————————-///////////////—————————————-

ዓርቢ 03/11/2017

ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ንብዓት ኣዴታቱ ንክሕብስ ጻውዒት ቀሪቡሉ፡፡

ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ፡ ሓይሊ ምክልኻል ሃገር መጋበርያ ናይ ጨቋኒ ስርዓት ካብ ምዃን ወጺኻ ስቅያት ህዝብኻን ንብዓት ኣዴታቱ ንክሕብስ ክብገስ ኣለዎ ኢሉ፡፡

እቲ ብተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ኣል እስላምያ ዝተገብረ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ዝተወሃበካ ትእዛዝ ንምፍጻም ዝወሰድካዮ ትእዛዝ ጽባሕ ብታሪኽ ክትሕተት ኢኻ ዝበለ እቲ ሰልፊ ካብ መጋበርያን ውዲት እቲ ስርዓት ገዲፍካ ኣንጻሩ ምስ ኣሕዋትካ ክትስለፍ’ዩ ዘለካ ብምባል ለበውኡ ገሊጽሉ፡፡

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣቢኻ ካብ ወለዶ ዘራይ እንተሰኣነ ጽባሕ ግን ብናቱ ልዕልና ብዝወጽእ ሕጊ ሕነ ክፈዲ ግድን ’ዩ ’ሞ ካብዚ ንምድሓን ካብ ስሚዒታዊ ኣካይዳ ወጺካ፡ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ክትስለፍ እዋኑ ይጠልበካ ኣሎ ኢሉ፡፡

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰልፊ፡ ኤርትራውያን ኣዴታት ብሰንኪ ሰራዊት ባዕዲ ዝነበዕኦን ጸሊም ዝተኸድነኦን ይኣኽለን ብምባል ሎሚ ድማ ብሰንኪ ውልደን ጸሊም ክኽደና ዕደኡ ናባኻ ምዃኑ ክስወጠካ ኣለዎ ኢሉ፡፡

——————————————-///////////////—————————————-

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY