ዝርዝር ዜና 04-01-2017

0
1212

ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይንን ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ንሓድሽ ዓመት ብፉሉይ ኣገባብ ዘኪሮም ውዒሎም፡፡

 

ቤት ጽሕፈት ወጋሕታ ጨንፈር ኢትዮጵያ ከም ዝሓበረልና፡ ኣብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይንን ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዜጋታትና ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደት ምስ ህዝቢ ‘ቲ ከባቢ ብምዃን ነቲ በዓል ፍሉይ ብዝኾነ ኣገባብ ጸምቢሎም።

ኣብቲ ጽምብል ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ናይቲ ከባቢ ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኣሕዋቶም ኢትዮጵያን ብምዃን ዘብዓልዎ በዓል ድማ ኣብቲ ዝጸንሐ ጽቡቕ ርክብ ዝያዳ ጥምረትን ስጥመትን ዝፈጥር ከምዝኾነ ተጠቒሱ’ዩ።

ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ስደተኛታት ዜጋታትና በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ጽቡቕ ኣቐባብላ ከምዝገብሩሎምን ተሳንዮም ‘ውን ብፍቕሪ ከምዝነብሩን ይፍለጥ።

———————————////////////////————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 04/01/2017

ኣብ ቤት ማእሰርቲ መዕጢር ተላባዒ ሕማም ኮሎርያ ዳግም ከም ዝተርኣየን ህይወት ሰብ ከም ዝቐዘፈን ተገሊጹ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ መዕጢር ተላባዒ ሕማም ኮሎርያ ዳግም ከም ዝተራእየን ብዙሓት ሕሙማት’ውን በቲ ሕማም ይሳቐዩ ከም ዘለውን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝነበሩ ሓሙሽተ ማዓልታት ጥራይ ህይወት ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተቐዝፈን ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ።

ኣብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ሓደ ወዲ 15 ዓመት  ትሕቲ ዕድመ ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቶም ዝተረፉ ብርክት ዝበሉ ዝሓመሙ እሱራት  ከኣ ናብ ሓይሊ ምድረ ይላኣኹ ከም ዘለው’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሕማም ኮሎርያ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዝተርኣየ እኳ እንተኾነ ሚኒስትሪ ጥዕና ህግደፍ ግን ኣድህቦ ሂቡ ንምቁጽጻሩ ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ፡ ብኣንጸሩ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝወሃቡ ጸብጻባት ብምሰጢር ክትሐዙን መራኸብቲ ብዙሓን ከም ዘይሰምዑ ክመስሉ ንምግባርን መመርሒ ከም ዝወረዶ ይፍለጥ።

—————————————–////////////////—————————-

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 04/01/2017

ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈት ዘይብሉ ምንቅስቓስ ወትሩ እናተዓንቀፈ ከም ዝነብር ተገሊጹ።

ፖለቲካ ኤርትራ ብወገን ጸረ ምልኪን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታት ለውጥን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣንፈቱ ንጹር ኣይኮነን ዝበለ ድምጺ ሰላምን ዴሞክራስን ኤርትራ፡ ዝኾነ ምንቅስቓስ ንጹር ፖለቲካዊ ኣንፈት እንተዘይሃልይዎ ድማ ወትሩ ምዕንቓፍ ከምዝበዝሖ ኣነጺሩ።

ተቓለስቲ ኣካላት ኣብ ተራ ህልኽ ተሸኪሎም ክካሰሱ፡ ኣንፈት ፖለቲካዊ ዴሞክራስን ቑጠባዊ ምዕባለን ዘርእዮን ዝመርሖ ዝሰኣነ ህዝቢ ድማ ምስ ሓይሉ እናሃለወ ተስፋ ብምቑራጽ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዕንይንይ ክብል ተገዲዱ ‘ሎ ክብል ኣብሪሁ።

ንሱ ብተወሳኺ ከም ውጽኢት ናይቲ ዝጠፈሸ ኣካይዳ ክኣ ኣብ ደምበ ደገፍቲ ይኹን ደለይቲ ለውጢ ሃገር ከደን ዘሕፍር ፖለቲካዊ ውድቀት ከጋጥሞ ምኽንያት ኮይኑ ‘ሎ ኢሉ።

———————————////////////////————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 04/01/2017

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዶብ ስጳኛ ሰጊሮም ክኣትው ብፖሊስ ከምዝኣተው ተሓቢሩ።

ብሞሮኮ ኣቢሎም ናብ ስጳኛ ክኣትው ዝፈተኑ ልዕሊ 800 ስደተኛታት ዜጋታት ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ኣፍሪቃ ብፖሊስ ከምዝተትሓዙ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ስደተኛታት ነቲ ናይ ዶብ ሓጹር ክሰብሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብዝተፈጠረ ጎንጺ ኣስታት 55 ፖላውስ ከምዝቆሰሉ ኣረዲኡ ‘ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ግዝኣት እታ ሃገር ሓንቲ ዝኾነት ከተማ ብርኽት ዝበሉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስግጋር ከምዝጥቀሙላ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

———————————////////////////————————————

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 04/01/2017

ኢትዮጵያ ኣብ ቅልጡፍን ዘላቒን ቁጠባዊ ዕብየት ካብ ዝርከባ 10 ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚት ከምዝተሰርዐት ተገሊጹ።

ቦስተን ኮንሳልቲንግ ግሩብ ንዝዘርግሖ መጽናዕቲ ብምጥቃስ ዎርልድ ኢኮኖሚክ ፎሮም ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ቁጠባዊ ኩነታትን ብቅልጡፍ ናብ ዕብየት ቀይረን ህይወት ዜጋታተን ኣብ ምምሕያሽ ተኣምራታዊ ለውጢ ኣመዝጊበን ካብ ዝተባህላ ቀዳምት 10 ሃገራት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት ከም ዝተሰርዐት ገሊጹ።

160 ሃገራት ዓለምና ብቦስተን ሪሰርቸርስ ኮንሳልቲንግ ግሩፕ መጽናዕቲ ዝተኻየደለን ኮይነን ካብዚአን ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳማይ ተርታ ተሰሪዓ ‘ላ።

ፍትሓዊነት ዘለዎ ኣታዊ ዜጋታት፡ ተበጻሕነት ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ ‘ውን ዝርግሐ ቀረብ ትሕቲ ቅርጻ ንኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት ክትቅመጥ ካብ ዘኽኣሉዎ ረቛሒታት ምዃኖም እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣብሪሁ።

ቻይና፡ ሩዋንዳ፡ ሞንጎልያ፡ ቀጠር፡ ሴራልዮን፡ ቲምርሌስታ፡ ካምፓድያ፡ ላኦስን ጋናን ድማ ንኢትዮጵያ ስዒበን ካብ 2 ክሳብ 10ተርታ ሒዘን ዘለዋ ሃገራት ‘የን።

———————————////////////////————————————

 

 

 

 

 

 

 

ሮቡዕ 04/01/2017

ኬንያዊት ኣሚና ማሓመድ ሕልሚ ኣፍሪቃውያን ንምዕዋት ተዳልያ ከም ዘላ ኣፍሊጣ።

ኣደ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ንምዃን ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ኮይና ቀሪባ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ኣብቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ምርጫ እንድሕር ተዓዊታ ሕልሚ ኣፍሪቃውያን ግሁድ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ኣፍሊጣ ክብል ኦል ኣፍሪካ ዶት ኮም ሓቢሩ።

እታ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ብፕሬዚደንት ሃገራ ተሰምያ ወፍሪ ካብ እትጅምር ብሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ድጋፍ ከም ዝረኸበትን ዛጊት ‘ውን ናብ 40 ሃገራት ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ መራሕቲ ሃገራት፡ ሚኒስተራታት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ማሕበረሰብ ንግድን መንእሰያትን ብምርኻብ ነቲ ሓላፍነት ብቅዕቲ ከም ዝኾነት ድምጾም ክህብዋን ሓቲታ ‘ያ።

ንኣዶ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኒኮሳዛና ዳላሚኒ ዙማ ንምትካእ ሓሙሽተ ሕጹያት ተወዳደርቲ ኣብ ከቢድ ንሕንሕ ከም ዘለው ይፍለጥ።

———————————////////////////————————————

 

 

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY