ዝርዝር ዜና 04-07-2018

0
188

ብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ ብበይናውን ግልጽነት ዘይብሉን ኣካይዳ ኢሳይያስ፡ ርክብ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝተቖጥዑ ካብ ውሽጢ ኣባላት ህግደፍ ዝለሓኸ ሓበሬታ ኣረዲኡ፡፡

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬትና ከይወጽአ ዘተ ዝበሃል ኣይሕሰብን ክብል ዝጸንሐ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትካላዊ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዘይብሉ ብድድ ኢሉ፡ ብሃንደበት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ናይ ብሓቂ ሃገር ብሓደ ሰብ ትምራሕ ከምዘላ ክግንዘቡ ከምዝገበሮም፡ ዘይተጸበይዎ ብምርካቦም ድማ ከም ዝተቖጥዑን ካብ ኣባላት ህግደፍ ንዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ኣረዲኦም፡፡

ኣብ መንጎ ክልቲኣቶም መንግስታት ብዘሎ ዘይምኽኑይ ግርጭት፡ ቀንዲ ተጎዳእቲ ህዝብታት ናይ ክልቲኣተን ልኡላውያን ሃገራት ብምዃኖም፡ እቲ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ተቐይሩ ውሑስ ሰላም ክፍጠር ድሌቶም ምዃኑ ፡ ኮይኑ ግን ኩሉ ነገር ግልጽነት፡ ሕጋውነት፡ ናይ ህዝቢ ኣፍልጦን ተሳትፎን ብዘለዎ ኣገባብ ዘይምኻዱ፡ ካብቲ ዝጸንሐ ዝኸፍአ ስግኣት ከምዘሕደረሎም ብወግዒ ይዛረቡ ከምዘለዉን ሓቢሮም፡፡

ብመሰረቱ’ዉን ምስ ህዝቡ ዝተባእሰን ዘይተዓርቀን መንግስቲ፡ ምስ ካልእ ጎደቦ ልባዊ ዕርቂ ክገብር ምጽባይ ቀደሙ’ዉን የዋህነት’ዩ ነይሩ ዝበሉ እቶም ወገናት፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክንዲዚ ዝኸውን ሃገራዊ ጉዳይ ብናቱ በይናዊ ውሳነ ዝበጽሖ መደምደምታ ሕጋዊ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክመጽእ ዝድለ ሓቀኛ ሕውነታዊ ዕርቂ ስለዘየረጋግጽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉጉይ ኣካይዳን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቅልውላውን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ብሓላፍነት ክሕዞ ይግባእ ዝብል ርእይቶ ከምዘለዎምን ኣረጋጊጾም፡፡

———————————//////////////////—————————–

ረቡዕ 4/07/2018

ደምበ ተቓውሞ ኣንጻር ሽርሒታት ህግደፍ ንክለዓሉ ሕጂ’ዉን ጻዊዒት ይቐርበሎም ኣሎ፡፡

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝዘርጎሖ ርእሰ ዓንቀጽ፡ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ካልኦት ኢድ ኣትይዎ ንሉኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ናብ ዘውርዶ ኣንፈት ከይከይድ ደምበ ተቓውሞ ኣንጻር ሽርሒታት ህግደፍ ንክለዓሉ ሕጂ’ዉን ጻዊዒት ኣቕሪብሎም፡፡

እቲ ጉጅለ ተሓቢኡሉ ዝጸነሐ ባዕቲ ተቐሊዑ ስለዘሎ ደጊም ካልእ መሕብኢ ምስምስ ክምህዝ ዕድል ክንህቦ የብልናን ዝበለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይና ካብ ሰላም ሓሊፉ ሕቶ ፍትሕን ዲሞክራሲን ኣብ ኤርትራ ምርግጋጽ’ዩ ኢሉ፡፡ ሓይልታት ምክልኻልን ካልኦት ውድባት ኤርትራውያን’ዉን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክስለፉ ብምሕባር፡፡

እቲ ሰልፊ ኣብ መወዳእታ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመሓዞ ዝደናደን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓረቐን ኣዝዩ መላኺ ጨቋንን ጸረ ህዝብን ምዃኑ ክንርዳእን ናይቲ ክግበር ዝድለ ዘሎ ዝምድና ሓደጉኡን ዘይቀጻልነቱን ብኣንኩሮ ክንከታተሎ ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ’ዩ፡፡

—————————/////////////////////——————————

ረቡዕ 4/07/2018

ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ኣሃዝ ልዕሊ 1 ሽሕ በጺሑ፡፡

ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2018፡ ባሕሪ ሜዲተራንያን ሰናጢቖም ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝሰገሩ ስደተኛታት ኣሃዝ ልዕሊ 50 ሽሕ ከምዝበጽሐ ዝተሓበረ ኮይኑ ፡ ካብዚኦም ዕድል ዘይገበሩ ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት ግና ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት IOM  ሓቢሩ፡፡

እቲ ትካል ከምዘፍለጦ፡ እቶም መብዛሕቲኦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሜዲተራንያን ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታት፡ ድሕንነተን ኣብ ዘይተረጋገጸ ጀላቡ እናተሳፈሩ፡ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ የምርሑሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ብሰንኪ ዘጋጥሞም ሓደጋ ምግልባጥ ከምዝሞቱ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘነጽር፡፡

ኣብዚ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ኣስታት 210 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱን ብዓሰርተታት ዝግመቱ ሰባት ድማ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ብዝገብርዎ ጻዕሪ ከምዝደሓኑን ተገሊጹ’ዩ፡፡

ኣብ ሊብያ ሉኡኽ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ኦተማን በልቤሲ ካብ ሊብያ ተበጊሶም፡ ኣብ ባሕሪ ሚዲተራንያን ህይወቶም ናይ ዝቕዘፉ ዘለዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ብዝኾነ ኩነት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኣረዲኡ፡፡

ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ዋሕዚ ስደትን ቅዝፈትን ኣብ ምክልኻሉ ዘድሃበ ዘተ ክገብር ዋና ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ዊሊያም ሌሲ ስዊንግ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ሊብያ ከቕንዕ ምዃኑ Cgtn Africa  ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብ1 ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምብራቓዊ ሸነኽ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ሓንቲ ጀልባ ድሕሪ ምጥሓላ 63 ስደተኛታት ሃለዋቶም ክጠፍእ ከሎ 44 ምድሓኖም ዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ሓቢረን ኣለዋ፡፡

————————–///////////////////////—————————

ረቡዕ 4/07/2018

ኩባንያ ዱባይ ዲፒ ወርልድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ማእከል ሎጂስቲክ ክሃንጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ምሕደራን ምልማዕን ወደብን ፡ ሙዑሩይ ኣወሃህባ ስርሒት ቀረብን ኣገልግሎትን ጉዙፍ ሽም ዘለዎ፡ ኣውራ መደበሩ ኣብ ዱባይ ዝኾነ ኩባንያ ዲፒ ወርልድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ዘማልአ ማእከል ሎጂስቲክ ክሃንጽ ምዃኑ፡ ንኣቦወንበር እቲ ኩባንያ ሱልጣን ቢን ሱሌማን ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ገልፍ ኒውስ ሓቢሩ፡፡

ከም መግለጺ እቲ ኣቦወንበር፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ ማእከል ገይሩ ዘገልግል፡ መደበር ሎጂስቲክ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ክኽፈት፡ ኩባኒኡ ውጥን ከምዘለዎ ኣገንዚቡ፡፡

ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ዝምድና ናብ ዝበረኸ ገጹ ዘሐንብብ ብዙሓት ስምምዕነት ተፈራሪምና ኢና ዝበለ ሱልጣን ቢን ሱሌማን ዲፕ ወርልድ ኣብ ዝኣተወን ሃገራት እንኮላይ ሩዋንዳን ግብጽን ኣብ ዝካየድ ንግዲ፡ ዱባይ ዝርከቡ ጉጅለታት ኣውፈርቲ ኩሉ ግዜ ተረባሕቲ’ዮም ኢሉ፡፡

ኩባንያ ዱባይ ዲፒ ወርልድ፡ 77 ናይ ጽዕነት መራኽብን ቀዋሚ መራገፊ ጉዙፍ ተርሚናልን ዝወነነ፡ ኣብ 40 ሃገራት ዓለምና ህላውነት ዓሸርኡ ዘንበረ ሓደ ካብ ዓለምና ዝገዘፈ ንግዳዊ ትካል’ዩ፡፡

——————-//////////////////————————————-

ረቡዕ 4/07/2018

ሚኒስተር  ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኣሜሪካ ከቕንዕ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ከምሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣል ዲርዲሪ መሓመድ ኣሕመድ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ኣሜሪካ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ናይ ስራሕ ዑደት ክገብር ምዃኑ ንሓበሬታ ማዕከን ወኪል ዜና ሱና ብምጥቃስ ኣፍሊጡ፡፡

ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ዝፍልመሉ እዋን መስርሕ ዝርርብ ሰላም ደቡብ ሱዳን 9 ሓምለ 2018 ኣብ ካርቱም መዕለቢ ምስ እተገበረሉ’ዩ ክብል እቲ ሓበሬታ የነጽር፡፡

ኣሜሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ንውጽኢት መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ሓንጎፋይ ኢለን ምቕባለን ዕግበት ዝተሰምዖ እቲ ሚኒስተር ፡ ሃገሩ ሱዳን ኣብ ቀጻሊ ምስ ኣሜሪካ እትገብሮ ዘተ፡ ሱዳን ካብ መዝገብ ኣሸበርቲ እትእለየሉ መገዲ ንምንዳይ ዝዓለመ ከምዝኸውን ኣነጺሩ፡፡ ምስ ኣሜሪካ ዝግበር ርክብ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሰለማዊ ምብህሃል ዘሰጋግር ምዃኑ ብምሕባር፡፡

ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዝነበረት ቁጠባዊ እገዳ ከምዘልዓለቶ ይፍለጥ፡፡ ካብኡ ንነጀው ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲን ሃገራት ዝነበረ ሓርፋፍ ዝምድና እናለመጸ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ፡፡

————————–//////////////////////——————————–

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here