ዝርዝር ዜና 04-11-2017

0
78

ኣብ ገለ ከባቢታት ሃገርና ንኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታት ዝምልከት ምልዕዓላት ከምዝተኻየደ ተገሊጹ፡፡

 

ከም መቐጸልታ ናይቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምልዕዓላት ከባቢታት ጋሽባርካ፡ ዞባ ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕባርን መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት ጣልቃ ክኣቱ የብሉን ዝብል ንኡስ ምልዕዓላት ተኻይዱ ክትብል ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ብ1ን 2ን ሕዳር ኣብ ከባቢታት ፎርቶሳዋ፡ ናቕፋ፡ ማህሚመት፡ ጋሕቴላይ፡ ሽዕብን ካምፖ ሱዳንን መንግስቲ ኣብ ውልቃዊ ሓርነት ህዝብታት ዝገብሮ ዘሎ ዓቐኑ ዝሓለፈ ምትእትታውን ትእዛዛትን ደው ከብል ዝጽውዕ ምትእኽኻባት ዝተኻየደ ኮይኑ ኣብቲ ዝተገብረ ምንቅስቓስ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኢድካ ኣውጽእ፡ ገደብ ዘይብሉ ማእሰርቲ ደው ይበል፡ ኩሎም እሱራት ይፈትሑ ዝብል ጽሑፋት ከምዝተበተነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

በዚ ኩነታት ዝረዓደ ጉጅለ ህግደፍ ድሕር’ዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣስመራ ከባቢ ኣኽርያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ኣእትዩ መንእሰያት ብግፋ ከዋጥሮም ከምዝፈተነ ዝፍለጥ ኮይኑ ተቓውሞ ህዝቢ ብዘይፍርሒ ስለዝቐጸለ ግን ብ31 ጥቅምቲ ትካላቶም ዝዓጸዉ ገለ ዜጋታት ናብ ካልኣይን ሳልሳይን መደበር ፖሊስ እናተጸውዑ ትካልካ ምዕጻውካ ምልክት ተቓውሞኻ’ዩ እናተብሃሉ ምፍርራሕ ይወርዶም ከምዘሎን ክሳብ ሕጂ ኣብ ከባቢ እንዳሳዕሪ፡ ኣኽርያን ምህራም ጭራን ዝርከባ 7 ትካላት ተዓጽየን ከምዘለዋ ሬድዮ መድረኽ ገሊጻ’ላ፡፡

————————————————–//////////////////———————————-

ቀዳም 04/11/2017

ተጣበቕቲ መሰላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ጸቕጢ ክገብሩ ፖለቲካዊ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ ጸዊዖም፡፡

ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኩሎም ተጠባቕቲ መሰላት ደቂሰብ ፡ መንግስታትን ማሕበረሰብ ዓለምን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ  ሃይማኖታውን ሰብኣውን ክብርታት ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሎ ኣብ ልዕሊ’ዚ መላኺ ጸቕታት ከካይድ ጸዊዖም፡፡

ቤትትምህርቲ ዲያእ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ከንቀጥቅጥ ጌሩ ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ እዚ ሕጂ ተወሲዱ ዘሎ ውሳነ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃይማኖታዊ ትካላት ክኽተሎ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታውነት’ዩ ክብሉ ገሊጾም እዚ ተግባር’ዚ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሐ ንጳጳስ እንጠንዮስ ካብ ሓላፍነቶም ኣውሪዱ ናይ ገዛ ሕዩር ክኾኑ ከም ዝገበሮም ብምዝኽኻር፡፡

በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይፍጽሞ ካብ ዘሎ ግፍዒ ክቑጠቡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ድማ ነዚ ኩነታት ዘለዎ ደገፍ ክገልጽን ኣተሓሳሲቡ’ሎ፡፡

—————————————————////////////////////——————————-

ቀዳም 04/11/2017

ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣት ኣሜሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንህዝባዊ ናዕቢ ኣስመራ ዝድግፍ ምትእኽኻባት ኣካይዶም፡፡

ሃይማኖታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ይተዓጸዋ ንዝበል ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ህግደፍ ብምቅዋም ድምጾም ንዘስምዑ ተማሃሮ ቤትትምህርቲ ዲያእ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ናይ ደገፍ ተርእዮታት ዝሳለጥ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ነዚ ብምድጋፍ ንህግደፍ ዘለዎም ተቓውሞ ብሰላማዊ ሰልፍታት ገሊጾም ኣለዉ፡፡

ኣብ ከተማታት ዋሽንግተን ዲሲ፡ ለንደንን ስቶክሆልምን ካብቶም ብ3 ሕዳር ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኤርትራውያን ምስሊ ኣቡነ እንጠንዮስን ሸኽ ሙሳ መሓመድ ኑርን ከምኡ’ዉን ምስሊ ናይቶም ካብ ዓመተ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ህግደፍ ዘለዉ ምዑታት ጋዜጠኛታትን ፖለቲካውያን እሱራትን ብምልዓል ደገፎም ብዓውታ ገሊጾም፡፡

እዚ ናይ ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ ቀጻሊ ሰሙን ከምዝቕጽልን ኣብቲ ሽዑ ግዜ’ዉን ኣብ ፍራንክፈርት ከምዝካየድን እቶም ተሳተፍቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ከምዝብሉ ብምሕባር

—————————————————-/////////////////////—————————–

ቀዳም 04/11/2017

ኮትዲቫር ንልዕሊ 4 ኪ/ሜትር ዝዝርጋሕ ሓጽቢ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣመሪቓ፡፡

ማዕከን ሓበሬታ CGTN ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኮትዲቫር 4 ነጥቢ 5 ኪሎሜትር ንውሓት ዘለዎ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ሓጽቢ መፈልፈሊ ኤሌክትሪክ ሃኒጻ ብወግዒ ከም ዘመረቐት ገሊጹ፡፡

እቲ ሶብረ ዝተባህለ ብኩባንያታት ህንጻ ቻይና ዝተሃነጸ ሓጽቢ 275 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫው ብቕዓት ከምዘለዎ’ዉን እቲ ሓበሬታ የመልክት፡፡

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ህንጸት እቲ ሓጽቢ ንቀረብ ጽዓት እታ ሃገር ዘደንፍዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ቀንዲ ምንጪ ጽዓት ክትከውን ከምዝሕግዛ’ዉን ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ተሓዳስን ንብከላ ዝከላኸልን ምንጪ ጽዓት ኣብ ምህናጽ ከምዝርከባ ይፍለጥ፡፡

————————————————////////////////////———————————-

ቀዳም 04/11/2017

ሰራዊት ሶርያ ኣብ ትሕቲ ዳዒሽ ንዝነበረት ቦታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣውዒሉ፡፡

ወተሃደራት ሰራዊት ሶርያ ኣብ ትሕቲ ዳዒሽ ንዝነበረት ድልዱል መዋፈሪ እቲ ኣሸባሪ ምንባራ ዝተነግረላ ዴር ኣልዞርን ዝተባህለት ከተማ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘውዓለ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ጸብጺቡ፡፡

እታ ከተማ ኣብ ሙሉእ ምቁጽጻር ሰራዊት ሶርያ ምእታዋ ንቴሌቪዥን እታ ሃገር ጠቒሱ ዝፀብጸበ ቢቢሲ ሕጂ’ዉን ሰራዊት እታ ሃገር እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ይርከበሉ’ዩ ንዝበሃል ከባቢታት ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ኣነጺሩ፡፡

ከተማ ዴር ኣልዞርን ንሶርያ ምስ ዒራቕ ኣብ ዘዳቡብ ቦታ እትርከብ ኮይና ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ከምዝወደቐት ጸብጻብ ቢቢሲ ይሕብር፡፡

—————————————————–////////////////////——————————————–

 

NO COMMENTS

LEAVE A REPLY