ዝርዝር ዜና 05-03-2018

0
270

መሰል ጓል ኣንስተይቲ ብቃልሲ’ዩ ዝረጋገጽ ክብላ ኣብ ዝተፈለዩ ኲርናዓት ዓለም ዝርከባ ደቐኣንስትዮ ሓቢረን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኲርናዓት ዓለም ዝርከባ ደቐንስትዮ ናብ ኢመይልና ኣብ ዝለኣኽኦ ሓበሬታ መሰልን ማዕርነትን ጓል ኣንስተይቲ ብቃልሲ’ዩ ዝረጋገጽ ክብላ ሓቢረን።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣዴታትናን ዓበይቲ ኣሕዋትናን ዝተቓለሰሉ ዕላማ ተጨውዩ ዝበላ እተን ደቐንስትዮ ኣብ ኤርትራ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ዝባሀል የለን፡ ጓል አንስተይቲ ተማሂራ ነብሳ ክትክእለሉ ዘኽእል ባይታ ከይተዋህባ ኣብ ሕማቕ ሃለዋት ክትነብር ተፈሪዳ ምህላዋ ኣነጺረን።

ከምዚ ዓይነት መከራ ዝገጠመና ደቐንስትዮ ፡ ከምዃና መጠን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቐኣንስትዮ መላእ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ፡ ብግብሪ ተቓሊስና ጥራይ ኢና ንስዕሮ ብምባል ዕላማና ሰጢምካ ምቅላስ’ዩ ክብላ ብተወሳኺ ኣወኪኢን።

———————————–////////////————————————-

05/03/2018

ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ውድባት ብመስዋእቲ ሓጅ ሙሳ ዝተሰምዐን መሪር ሓዘን ይገልጻ’ለዋ፡፡

ብ3 መጋቢት 2018 ብጨካን ግፍዓዊ ኣታሕዛ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቤት ማሕዩር ዝዓረፉ ሓርበኛ ተቓላሳይ ወዲ 94 ዓመት ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ኣስመራ መቓብር ሸኽ ኣልኣሚን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበላ ኤርትራውያን ውድባትን ውልቀ ሰባትን ብሞት እዞም ሓርበኛ ኣቦ ዝተሰምዐን መሪር ሓዘን ይገልጻ’ለዋ፡፡

ብ31 ጥቅምቲ 2017 ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዲያእ እስላምያ ተቓዊሞም ኣብ ትሕቲ መቑሕ ህግደፍ ብምእታው ንኣስታት 4 ኣዋርሕ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሓጅ ሙሳ፡ ኣብ 40ታት ይካየድ ንዝነበረ ሃገራዊ ቃልሲ ዝመርሑን ዝውድቡን ዝነበሩ ሓርበኛ ኣቦ’ዮም፡፡

በዚ መሪር ሓዘን እዞም ኣቦ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድያጎ፡ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳን፡ ኤርትራውያን ተቓለስትን ብሞት ሓጂ ሙሳ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ንስድራን መቅርብን መዋቲ ጽንዓት ተመንዮም፡ ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ’ውን ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን ብምግላጽ ጽንዓት ትምነ፡፡

—————————————–///////////////——————————————

05/03/2018

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ዞባ ኤውሮጳ  ቃልሶም ዳግማይ ከሐይሉ ቅሩባት ምህላዎም ገሊጾም፡፡

ብ3 መጋቢት 2018 ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ሓያልን ድኹምን ጎንጽታት ሰልፎም ብምርዳእ ነቲ ሓያል ወሲኽካ ንምሕያል ነቲ ድኹም ድማ ንምእራም ቃልሶም ከሐይሉ ድልዋት ምህላዎም ገሊጾም፡፡

እቶም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣገዳስነት ብዙሕነት ዘለዎ መትከላዊ እምነት ዝምድና ሃይማኖታት ፖለቲካን ዝምልከት ስፍሓት ዝርግሐ ኣካላቱ ብመትከል ግዝኣተ-ሕጊ ዝምእዘዝ ሰልፊ ምዃኑን ካልኦት ነጥብታት ብዝርዝር ከምዘቕረቡ’ውን ተሓቢሩ፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት መደባት ምሕዳስ ሰልፊ ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ከም ወትሩ ድልዋት ምህላዎም ብምርግጋጽ ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣኼባታት ቀጸልቲ ምዃኖም ብምግላጽ ኣኼበኦም ዛዚሞም፡፡

እዚ ከምዚሉ ከሎ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ መበል 12 ዝኽሪ ምምስራቱ ምጽንባሉ’ውን እቲ ስልፊ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ዜና እወጅኡ ሓቢሩ፡፡

—————————————–///////////////——————————————

05/02/2018

መላኺ ኢሳይያስ ንህዝብን ሃገርን  ንኣደዳ ስደትን ብርሰትን ክኾኑ ዝገብር ዘሎ ዓማጺ ጉጅለ’ዩ ክብሉ ዜጋታት ገሊጾም።

ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ተማሪሮም ዝተሰደዱ ዜጋታትና ከም ዝሕበርዎ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ፡ ንሃገርና ናብ በረኻ ዝቐየረ ንህዝብና ናብ ፎቆዶ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ ኣደዳ ስደትን ብርሰትን ይኸውን ኣሎ ክብሉ ብምረት ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት፡ መላኺ ኢሳይያስ ብዝፈጠሮ ሕማቕ ምሕደራ ተቓዊምና ኣብ ካልኦት ሃገራት ዕቁባ ሓቲትና ብሰላም ንነብር ኣለና ብምባል ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘይረኸብዎ ግን ከኣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝረኽብዎ ዘለው መቐረት ሰላም ሕጉሳት ጌሮዎም ምህላው ሓቢሮም።

ንሶም ኣብ መወዳእታ፡ ንሕና ኣብዚ ተሰዲድናሉ ዘለና ሃገራት ከም ድላይና ንቀሳቀስ ኣለና፡ ኣብ ዓድና ግን ከም ልብኻ ካብን ናብን ክትቀሳቐስ ዘይሕሰብ’ዩ፡ ኩሉ ምንቅስቓስ ብሓደ ውልቀ መላኺ’ዩ ዝእዘዝ ድሕሪ ምባል ስደት ግን ዘላቒ ፍታሕ ከምጸልና ኣይክእልን ኢሎም ።

————————————-//////////////——————————

05/03/2018

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ፈላማይ ዑደት ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ፡፡

ኦል ኣፍሪቃ ዳት ኮም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ፈላማይ ኦፊሰላዊ ዑደት ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ከሰላስል’ዩ፡፡

እቲ ሚኒስተር ካብ 6 ስጋብ 13 መጋቢት ኣብ ዘካይዶ ዑደቱ ንሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ጁቡቲ፡ ናይጀርያን ብምብጻሕ ኣብ መዳይ ኣንጻር ግብረ ሽበራ፡ ውሕስነት ሰላምን ጸጥታን ምድላብ ሙዑሩይ ምሕደራን ከምኡ’ውን ክልትኣዊ ረብሓ ክህቡ ኣብ ዝኽእሉ ንግድን ወፍርን ኣድሂቡ ክዝቲ’ዩ ተባሂሉ፡፡

ሬክስ ቲለርሰን ክንዮ’ቲ ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት ተራኺቡ ዘካይዶ ዘተ፡ ምስ መራሕቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ተራኺቡ’ውን ምስ ህዝብን መንግስታትን ኣፍሪቃ ንዘለዎም ርክብ ዝያዳ ንምድልዳሉ ዝዓለመ ዘተ ክገብር ምዃኑ ተነጺሩ፡፡

ኣህጉርና ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ምብራቅ ኣፍሪቃ ከኣ ብፍላይ ማእከል ፖለቲካዊ ስሕበት ሃገራት ዓለም እናኾኑ ይመጹ ምህላዎም ይፍለጥ፡፡

—————————————–///////////////——————————————

05/03/2018

ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ መደብር ኑክሌር ክትከፍት ውጥን ሒዛ ከምዘላ ተሓቢሩ፡፡

ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ዝዘርጋሓቶ ዜና፡ መንግስቲ ሩስያ ድሕሪ’ቲ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዳግማይ ጠመትኡ ገይርሉ ዘሎ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብስራሕቲ ቴክኖሎጂ ሃገሩ ዝተሃንጹ ትካላት ምርምርን መደብር ኒኩሌራዊ ጸዓትን ክሃንጽ መደብ ሒዙ ምህላው ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላብሮቭ ብኢመይል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ክርዳእ ምክኣሉ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ 8 መጋቢት 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ዝንገረሉ ሚኒስተር ሰርጌይ ላብሮቭ ምስ መዘንኡ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ተራኺቡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መዳይ ንግዲ፡ ቁጠባ፡ ወፍርን ጸዓትን ዘለወን ምድግጋፍ ዝያዳ ደልዲሉ ብዛዕባ ዝቅጽለሉ መገዲ ከምዝዘራረቡን ብፍላይ ከኣ ሩስያ፡ ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ኒኩሌራዊ ጸዓት ንክትኸውን ኩለንትናዊ ሓገዝ ከተበርክተላ ድሌታ ምዃኑን ተገሊጹ፡፡

ምስ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝነበራ ዝሑቱል ርክብ ዳግማይ ከተበራብሮ ኣንቂዳ ዘላ ሩስያ፡ ኣብ ዝቅጽሉ ሰሙናት ብመገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ናብ ሃገራት ኣንጎላ፡ ሞዛምቢክ፡ ናምቢያ፡ ኢትዮጵያን ዚምባብዌን ምብጻሕ ብምግባር ሓያል ንግዳውን ቁጠባውን ስምምዓት ክትገብር ትጽቢት ከምዝግበር ተንተንቲ ፖለቲካ እዛ ኣህጉርና ይገልጹ፡፡

—————————————–///////////////——————————————

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here