ዝርዝር ዜና 05-06-2018

0
108

ጃንዳ ህግደፍ ሕጂ’ውን ዜጋታት እናጨወየ ዳሃይ ናብ ዘይብሉ ቦታ ይስውሮም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ኣንጸላሊዩ ብሰንኪ ዘሎ ደበና ፍርህን ዓፈናን ዝሰግአ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ዝሰርሕ ዝነበረ መንእሰይ እስካኖቭ በረኸት ኣርኣያ ኣብ ፍጹም ፖለቲካዊ  ቅልውላው ተሸኪሉ ዝርከብ መላኺ ጃንዳ ህግደፍ “ሕጂ’ውን ምኽንያቱ ብዘይተነጸረ ኲነት ዜጋታት እና ጨወየ ዳሃይ ናብ ዘይብሉ ቦታ እናወሰደ የሕቅቆም ከምዘሎ ምስ ሬድዮና ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ክፍሊ ኢመርጀንሲ ናይ ዓበይቲ ከም ነርስ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ዜጋ ብፍላይ ክኢላታት ሚኒስትሪ ጥዕና ንዝኾኑ ሓካይምን ሰብ ሞያን እናሻዕ በዚ ጨቋኒ ጉጅለ እናተዓፈኑ ክውስዱ ይርእየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ዜጋታት ሪዒዶም ካብቲ ጽላት ይወጹ ምህላዎም ኣረዲኡ።

ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወዚዑ ይስርሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣገልግሎት ሕክምና ደልዩ ዝመጽ ህዝቢ ኣመና ይንገላታዕ ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ መንእሰይ ብፍላይ ሕጽረታት ናውቲ ሕክምና መድሓኒት ሓይሊ ኤሌትሪክን ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብን ኣውራ መለለይ እቲ ሆስፒታል ኮይኑ ምህላው የነጽር።

እዚ ኣብኡን አዲኡን በጃ እዛ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ገድልን ምውሓስ ሉኡላውነትን ዝተሰውእዎ መንእሰይ እስካኖቭ በረኸት ኣርኣያ ሕድሪ ሰማእታት ተጠሊሙ ህዝቢ ዓስቡን ሞስኡን ንብዓትን መገረፍትን ኮይኑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

መንእሰይ እስካኖቭ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሕድሕዱ ተዳዕኒኑ ዘሎ ፍርህን ምጥርጣርን ወጊድ ኢሉ ልክዕ ከምቲ ናጽነት ዝመጻኣትሉ ጉዕዞ ወሲኑ ኣንጻር እዚ ስርዓት ጎነጻዊ ቃልሲ ከካይድ ኣለዎ ኢሉ።

—————————————–/////////////——————————-

ሰሉስ 05/06/2018

ሕጂ’ዉን ኤርትራውያን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ይዕፈኑ ኣለዉ፡፡

ማዕከን ዜና ኒውስዊክ ኣብ ዘቃለሖ ሓበሬታ፡ ንኤርትራ ብዘይ ልዕልና ሕግን ቅዋምን ን27 ዓመታት ዝገዝኣ ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እምነት ጆሆባ ድማ ብፍላይ ዝገብሮ ዘሎ ዓፈናን ማእሰርትን ሕጂ’ዉን የሐይሉ ይቕጽለሉ ምህላዉ ስቴት ዲፖርትመንት ኣፍሊጡ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ዋላ’ኳ ንኣርባዕተ ትካላት ሃይማኖት ብዕሊ ኣፍልጦ እንተሃበን፡ ኣብ ውሽጢ ናጽነተን ኣትዩ ግና ከምዘግደዐን ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ፡ ብፍላይ ንኣመንቲ መሰኻኽር የህዋ/ጆሆባ/ ንዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ 1994 ጀሚሩ ዜግነታዊ ክብሮም ቀናጢጡ ኣብ ፈቖዶ ጎዳጉዲን ኮንተይነራትን ዓሽግዎም ከምዘሎ የረድእ፡፡

ሎሚ 53 ዝኾኑ ፍሉጣትን ዓበይትን ኣመንቲ መሰኻኽር የሆዋ ኣብ ቤት ማሓዩር ህግደፍ ተዳጉኖም፡ ግዳይ ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከምዝኾኑን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ድማ ከምዝሞቱን’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ፡፡

ብመላኺ ስርዓት ህግደፍ እትመሓደር ዘላ ሃገረ ኤርትራ፡ ብግህሰታት ሃይማኖት፡ ናጻ ፕረስ፡ ሰብኣዊ ሓርነት፡ ጃምላዊ ግህሰት መሰላትን ብውድቀት ቁጠባዊ ሓርነትን ካብተን ኣብ ዓለምና ዝሓሰማ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ከምእተሰርዔት ብተደጋጋሚ ተገሊጹ’ዩ፡፡

————————————-////////////////////—————————-

ሰሉስ 05/06/2018

ኣብ ጽንተት ኤርትራውያን እቶም ከይረሃጹ ዝህብትሙ ዘለው ነጋዶ ሰብ’ውን ተሓተቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝን ህዝቢ ዝወከሎን ስርዓት ብዘይ ምህላው ሰባት ብዘይ ክሲ ንዓመታት ክእሰሩ፡ ክጭወዩን ክንገላትዑን ኣዝዩ ቀሊልን ዕለታዊ ተርእዮን’ዩ ዝበለ ጽላል ኤርትራውያን ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ምብትታን ስድራቤታትን ህልቂት ህይወትን ግዳይ ኮይኑ’ሉ ዘሎ መድረኽ ተሓታቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ እቶም ንንጹሃት ዜጋታት ንግዲ ብምክያድ ካብ ሃገር ክወጹ ዝገብርዎም ዘለው ነጋዶ ሰብ ውን ተሓተቲ ከም ዝኾኑ ገሊጹ።

ዘይሕጋዊ ወሃቢ ብምብዝሑ ከይረሃጸ ዝህብትም ሌባ ክስስን ዕድል ፈጢሩ ክብል ዝገለጸ ጽላል ኤርትራውያን እቲ ምክንያቱ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓተ ምሕደራን ብልሽውናን ከም ረብሓ ብምውሳድ ላዕለዎት ኣባላት ሰራዊትን ጸጥታን ኤርትራ ነዚ ዘይሓላፍነታውን ዘይሞራላውን ንጥፈት ክዋሰኡሉ ብምሕራዮም ከም ዝኾነ ጠቒሱ።

እዞም ንሞትን ስቓይን ኤርትራውያን ከም ህጡር ዕዳጋን መኻዕበቲ እቶቶምን ዝጥቐሙሉ ዘለው ውልቀሰባት ዋላ’ኳ ንግዚኡ ሽምን ኣድራሻን ብምቅያር ክሕብኡ እንተፈተኑ ገበኖም ግን ካብ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይነኣኣስ ከም ዘሕትቶም ምፍላጥ ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሩ’ሎ።

————————————-////////////////////—————————-

ሰሉስ 05/06/2018

ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኣባላት ምዕራባዊ እዚ ንስደት ስራሕና ኢሎም ምትሕሓዞም ተፈሊጡ።

ከም ሓበሬታ ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር ዓሲሉ ብሰንኪ ዘሎ ኩለመዳያዊ ውድቀት ዝበዝሐ ህዝቢ በብግዚኡ ብዝተዓጻጸፈ ቑጽሪ ናብ ስደት ይውሕዝ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣባላት ምዕራባዊ እዚ ኸኣ ንስደት ተተሓሒዞም’ለው።

ብመሰረት’ቲ ዝመጸና ሓበሬታ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ወርሒ ሰነ ሓደ መራሒ መስርዕ ዝርከቦም 10 ኣባላት ምዕራባዊ እዚ ንምሕደራን ሓለዋን ህግደፍ ፈንጢሶም ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተው ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ብሓንሳብ ተጎጂሎም ዝኣተው ዮውሃንስ ተስፋሚካኤል ዘርኣይ፡ ሓሰን መሓመድ እድሪስ፡ ካልድ ዓብደል ሱሌማን፡ ናሆም ኣብረሃም ሰብሃቱ፡ ሚኪኤለ በርሀ፡ ሳይሞን መንግስት ኣብ፡ ሰልሓዲን ዓብይ ሮሞዳን፡ ሽሞንዲ ማእኸል ገብረንጉስ፡ ሃብቶም መብራህቶም ፍስሃየን ጎይትኦም ዘርኡ ሃይለን ዝተባህሉ ከም ዝኾኑ’ውን ኣብቲ ዝመጸና ሓበሬታ ተጠቒሱ’ዩ።

ኣብ ዓሰብ ዝርከቡ ወተሃደራት ዜጋታትና ብዘይ ዕረፍቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሑ ከምዝግደዱን ምስቲ ዘሎ ውዑይ ኩነታት ኣየር ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ሃለዋት ወዲቆም ብሰንኪ ምህላዎም እናተወደቡ ንስደት ይወጹ ከም ዘለው ገሊጽና ምንባርና ይዝከር።

—————————————//////////////////—————————-

ሰሉስ 05/06/2018

መዕገቲ ዝተሳእኖ ዋሕዚ ስደት ንሕብረት ኤውሮጳ ጠንቂ ሻቅሎት ይኾኖ ምህላው ተሓቢሩ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ መጠኑ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደት ንቡዙሓት ሃገራት ፈታኒ መድረኽ ይኸውን ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ዋሕዚ ስደት ንምዕጋት ተደጋጋሚ ወጻኢ ክገብር ዝጸንሐ ሕብረት አውሮጳ’ውን ጠንቒ ሻቅሎት ኮይንዎ’ሎ።

ብሰንኪ’ዚ ኩነታት ድማ ናይ ልዕሊ 400 ሚሊዮን ዮሮ ባጀት ሰሊዑ’ሎ።

እዚ ሕጂ ሕብረት ኤውሮጳ ሰሊዕዎ ዘሎ ባጀት ቀንዲ ዕላምኡ ካብ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቓን ንዝሰደዱ መንእሰያት ኣብ ሃገሮም እናሃለው ቑጠባዊ ደገፍ ክግበረሎምን ብወለንትኦም’ውን ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ስደተኛታት ንመጣየሲ ተባሂሉ ዝተሰልዐ ምዃኑን ሓቢሩ’ሎ።

ነዚ ተወጢኑ ዘሎ ዕላማ ክውን ንምግባር ከኣ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ ሕብረት ኣፍሪቓን ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ከም ዝቐውምን ስርሖም ብዝግባእ ዕውት ከምዝኸውን ከኣ ወኪል እቲ ሕብረት ገሊጻ’ላ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ምብራቅ ኣፍሪቓ ንምዕጋት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከካይዳ ምጽንሓን ይፍለጥ።

————————————–////////////////——————————-

ሰሉስ 05/06/2018

ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ስደተኛታት ሳንጥኦም ዝጥርንፍሉ እዋን ሕጂ’ዩ ክብል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ከምሓበሬታ ሜትሮ ኒውስ፡ ሓድሽ ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ኢጣልያ ኮይኑ ዝተመርጸ ማትዮ ሳልቪኒ ኣብ መበል 72 ዝኽሪ ህዝባውነት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ንዜጋታቱ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥርን ንስደተኛታት ከኣ ናብ ዓዶም ከምዝጥርዞምን ቃል ኣትዩ፡፡

ማትዮ ሳልቢኒ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ መደረ ነጻ ዕንደራ ዘይሕጋውያን ተጓዓዝቲ ኣብቂዑ’ዩ ድሕሪ ምባል ኩሎም ስደተኛታት ሳንጥኦም ክጥርንፉ ኣለዎም ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ፡፡

ኢጣልያ መዓስከር ስደተኛታት እትኾነሉ እዋን ከብቅዕ እንተኾይኑ ብዙሓት ጠሪዝና፡ ውሑዳት ምስ እንቕበል ጥራሕ’ዩ ኢሉ፡፡

እቲ ሚኒስተር፡ ኣይኮነን’ዶ ንፍርቂ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ንዜጋታት ኢጣልያ ዝበቅዕ ገዛን ስራሕን የብልናን ዝበለ ኮይኑ፡ ኣውራ ህይወት ስደተኛታት እነድሕነሉ መገዲ፡ ናብ ጀላቡ ከይድይቡ ቅድመ ምክልኻል ምግባር’ዩ ኢሉ፡፡

ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2018 ጥራይ ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ናይ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ቁጽሪ 13500 ምብጽሑ ሰበስልጣናት ኢጣልያ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፕረዚደንተኣውን ፓርላሜንታኣውን ምርጫታት፡ ኣንጻር ስደተኛታት መትከል ዘለዎም ሰልፍታት ብዓብላሊ ድምጺ ይዕወቱ ኣለዉ’ዮም፡፡

———————————–///////////////////——————————-

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here